Print this page

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ተሓቢሩ

2024-08-22 09:21:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 643 times
Rate this item
(0 votes)

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ካብ ስድራቤቱ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብምጥቃ ኣፍሊጣ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ብ1945 ተወሊዱ፡ ብ1972 ድማ ላይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲኣስ ኣበባን ኣሜሪካን ምስ ፈጸመ፡ ብ1975 ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተሰለፈ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር። ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ብ2018 ሃገራይ ኤርትራ እትብል ክልተ ክፋላት ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፉ ንኢሳያስን ግጉይ ምምሕዳሩን ዘቃለዐ እዩ።

ኣብ ርእሲዚ ካብ ማእከል ኣስመራ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ዘርጊሑ። ኣብቲ መልእኽቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ጉጅለ ተቓሊሱ ለውጢ ንከምጽእ ብትሪ ጸዊዑ። ንኢሳያስ ከኣ ንኹሉቲ ዝወስዶ ኢደወነናዊ ስጉምትታትን ዘይተጸንዐ ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ኣቋሪጹ፡ ኣኼባ ናይቶም ብህይወት ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ከካይድን ካልእ ምትዕርራያት ክገብርን ብትሪ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ መንእሰይ ኤርትራ ከም ዝሰሃሎ ዘጠንቅቕ  ብድምጹ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ዝፍለጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳያስ ትብዓትን ድልውነትን እንተልይዎ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ክካተዖ ቅሩብ ከም ዝነበረ እውን ጸዊዕዎ። መልሲ ኢሳያስ ግና ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ስለ ዝነበረ እነሆ ብርሃነ ኣብቲ ዝተዳጐኖ ዓሪፉ።

Last modified on Thursday, 22 August 2024 11:30