Print this page

ሱዳናውያን ጋዜጠኛታትን ሪፖርተራትን ተለቪዥን ተቐቲሎም

2025-03-22 17:22:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 340 times
Rate this item
(1 Vote)

ካብቶም ግዳይ መጥቃዕቲ ዱሮን ዝኾኑ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታት

ኣርባዕተጋዜ ጠኛታት መንግስታዊ ተለቪዥን ሱዳንን ክልተ ወተሃደራዊ ሪፖርተራትን፡ ከተማ  ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ መጥቃዕቲ በቲ ካብቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ተደፊኡ ዝለቐቐ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሚሊሻን ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ጋዜጠኛታት እቲ ቤተመንግስቲ ብሰራዊ ሱዳን ምስ ተታሕዘ ሙያዊ ግቡእ ንምፍጻም ዝብቲ ቦታ ቀልጥፎኦም ምስተረኽቡ ኣብ ስራሕ እንከለዉ ዝተቐትሉ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ዜና ሱዳን ካሊድ ኣለይሲር፡ ንመቕተልትቲ እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብቶም ናይ ድሮን ግዳይ ዝኾኑ፡ ፋሩቕ ኣሕመድ መሓመድ ኣል ዛሂር፡ዲረክተር፡ ማጅዲ ዓብደል ራሕማን ሰኣላይን ዋጂህ ጃዕፈር መራሕ መኪናን ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝገለጾ እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ መሊሻ ካብቲ ዳርጋ ንክልተ ዓመታት ክቆጻጸሮ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ብሓይሊ ተደፊኡ ምስወጸ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዘዝነበን፡ ብሰንክቲ መጥቃዕቲ ኣብ ወተሃደራዊ ክፍሊ ተለቪዥን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ሌተናል ኮለኔል ሓሰን ኢብራሂምን ሻንበል ኢማድ ኢልዲንን ዝተባህሉ  ክኢላታት ዝርከብዎም ሓያሎ ወተሃደራት  ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብ21 መጋቢት2025 ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ሱዳን ከም ዝተቖጻጸረ ሓቢሩ፡ ነቲ ስርሒት ሱዳናውያን ከም ምልክት ናይ  ምሉእ ብምሉእ  ዓወት ናይቲ ሰራዊት ገይሮም ከም ዝወስድዎ ኣፍሊጡ። ናይ ሱዳን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ብወገኑ ናይቲ ቤተመንግስቲ ምትሓዝ ነቶም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ኣእትዮም ነቲ ሚሊሻ ክሕግዙ ዝጸንሑ ናይ ግዳም ሓይልታት ናይ ውድቀቶም መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ ኢልዎ።

Last modified on Saturday, 22 March 2025 22:29