ትካል ሰባኣዊ ሓልዮት ኤርትራ፡ ብጉዳይ’ቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጸገም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መፍትሒ ንምርካብ ኢዶም ንክሕውሱ ብምጥቃስ፡ ናብ ፍሊፖ ግራንዲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መልእኽቲ ከም ዝሰደደ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ብዳይረክተር ናይቲ ትካል ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ኣባላት ጸጥታ ግብጺ ካብቶም ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ንብዙሓት ብሓይሊ ኣገዲዶም ይመልስዎም ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣገደድካ ምምላስ፡ ምስቲ ኣብ ካይሮ ዘሎ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብምትሕብባር ዝካየደ ዘሎ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወግዒ ተመዝጊቦም መረጋገጺ ዝሓዙ እውን ግዳይ ናይቲ ተገዲድካ ብሓይሊ ምምላስ ይኾኑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ።
እቲ ተግባር ግሉጽ ጥሕሰት ኣንጻርቲ ብ1951 ግብጺ እውን ዝኸተመትሉ ንመሰል ስደተኛ ዝከላኸል ውዕልን ካለኦት ተዛመድቲ ሰባት ተገዲዶም ናብቲ ንህይወቶም ዘስግኦም ስርዓት ከይምለሱ ዝጣበቑ ሕግታትን ዝጥሕስ ምዃኑ ኣብቲ መልእኽቲ ሰፊሩ። እዞም ግዳያት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሞም ዝተፈላለየ በደላትን ጭቆናን ዝሃደሙን እንተተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወድቕን ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝረአ ዘሎ ተግባራት ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ሻቕሎት ዘሕድር ምኹኑ እውን ተመልኪቱ።
እቲ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ግዳያት ሓጸርቲ ርእይቶታት’ውን ዘስፈረ ኮይኑ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ኣገዲድካ ምምላስ ጠጠው ክብል፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ብቕልጡ ክፍትሑ፡ ህጹጽ መጽለሊ ክዳለወሎም፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ክወሃቡን ናብ ውሑስ 3ይ ቦታ ዝኸድሉ ኩነታት ክዳለወሎምን ዝብሉ ለበዋታት ድማ ኣካልቲ መልእኽቲ ኮይንም ቀሪቦም።