Rounded up, massacred and posted on social media: can Ethiopia bring justice for atrocities in Tigray?
Written by Martin Plaut
|
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ጠቕላላ 538 መምረጺ ነጥብታት 294 ብምርካብ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተፈለጠ፡ ኢድ ካብ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ካብቶም ቀዳሞት ኮይኖም። ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብመንገዲ የማነ ገ/መስቀል ብመስመር X ዝለኣኾ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓካ” መልእኽቱ፡ “ናትካ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ክትከውን ተመሪጽካ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምላስ ናይ ዓለም ሰላም ምርግጋእ ኣዝዩ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉአ ወሳኒ ግዜ ዘጋጠመ ክስተት እዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ኣብ መጻኢ ሓቢሮም ክሰርሑ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እንኳዕ ዳግማይ ናብ ቤተመግስቲ ኣሜሪካ (white house) ተመለስካ” ኢሉ፡ ከምቲ ናይ ኢሳያስ “ኣብ መጻኢ ሓቢርና ንክንሰርሕ እምነ” ኢሉ።
ዶላንድ ትራፕ፡ ኣብ ናይ መበል 45 ፕረሲደንት ግዜኡ፡ ንኢሳያስ ካብ ክባ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ማዕቀባት ከም ዘልዓለሉ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ንኣብይ ኣሕመድ ዳማ ንስልጣኑ መሪቑ፡ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ምስክርነት ንክቕበል ከም ዘብቀዖ ባዕሉ ኣብቲ እዋኑ ገሊጽዎ እዩ። ሓቢሮም ናብ ውግእ ትግራይ ንክወፍሩ ከም ዝመረቐሎም’ውን ዝዝከር እዩ።
ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቅድም በብወገኖም ክዕንድሩን ህውከት ክፈጥሩን ክተሓጋገዞም ድዩ ኣይፋሉን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ዝረአ ክኸውን እዩ።
ሮናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዙር ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፡ ዳግማይ ተወዳዲሩ ምስዓሩን ኣብ ክልቲኡ ውድድራቱ ዝሰዓረን ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ካብቲ ብፍሉይነት ዘርእዮ ረቛሕታት ኮይኑ ኣሎ።
ካብ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደ ስእሊ
ኣየር ፍራንስ፡ ብ4 ሕዳር 2024 ብቀይሕ ባሕሪ ምብረር ከቋርጽ ከም ዝተገደደ ናይቲ መንገዲ ኣየር ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብረርቲ በረራኡ ከቋርጽ ዝተገደደ ኣብቲ ወጥርታት ዘዘሖ ዞቦ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰማይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ብራኽ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ ዝረአየ ምዃኑ እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ናይቲ “ዘንጸባርቕ” ዝበሎ ኣካል እንታይነት ዘይጠቐሰ ኮይኑ፡ በቲ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላት ክትትኩስ እያ ዝበሃል ዘሎ ከም ዝሰግአ ጠቒሱ። በቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ካብ ፓሪስ ናብ ኣንታራሪቮ፡ ማድጋስካርን ናይሮብን ዝግበር ዝነበረ በረራ ዝተዓንቀፋ ነፈርቲ፡ ናብቲ ዝተበገሳሉ ፓሪስ ከም ዝተመልሳ ተፈሊጡ።
እዚ ዘሻቕል ኩነታት ዝተፈጥረ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ኣብ ዝወቕዕሉን ናብ እስራኤል ድማ ሚስይላት ኣብ ዝትኩሱልን እዋን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ መንገዲ ኣየራት ካብቲ ኣስጋኢ ዝኸውን ዘሎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ኣቕጣጫታት ክመርጻ ይግደዳ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።
መንግዲ ኣየር ፍራንሳ፡ ልዕሊ ኩሉ ድሕነት ዕማዊሉ ከም ዘገድሶን በዚ መሰረት ነቲ ዝፍጠር ጀኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እናተኸታተለ መንግዲ ከም ዝቕይር ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክሊ ኣየር ዖማንን ሳዑዲ ዓረብን ይጥቀም ከምዘሎ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኣተወት ኣየርባስ- ኤ350-100 (Airbus A350-1000) ዝዓይነታ ብሓንሳብ 400 ገያሻ እተጓዕዝ ነፋሪት ዝወነነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተኸልኪሉ ድዩ ብናቱ ውሳነ ናይ ኤርትራ ክሊ ኣየር ከም ዝተሓሰመ ይውረ’ሎ። ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ካብተን ብኤርትራ ዝሓልፋ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣስታት 200 ዶላር የኽፍል ከም ዝነበረ’ውን ተፈሊጡ።
ወደብ ዓሰብ ብኸፊል
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብኣባላት ንዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ካብቲ ዝቐረበሉ እሞ ዝያዳ ግዜ ሂቡ ዝተዛረበሉ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነይሩ። ነዚ ሕቶዚ ክምልስ እንከሎ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልወና ግድን ስለ ዝኾነ ንሰርሓሉ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምልዓልና ከኣ ክንስከፍ የብልናን። ብዙሓት ወገናት ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮ ሒዝኩም ሰፊሕ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣካየድኩም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓልኩም ግቡእ እዩ ኢሎም፡ ንሕቶና ኣፍልጦ ይህብዎን የተባብዕዎን ኣለዉ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
እቲ ዝብሎ ዘሎ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካለኦት ኢትዮጵያ ክትሓቶም ኢልካ ዝግመቱ ወደባት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዲክታተር ኢሳያስ ዝኸፈተሉ ኣፍደገ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና፡ ወደብ ዓሰብ ክንካፈል ኢና” ዝብሎ ዝነበረ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
“ነዚ መደብዚ ንሕና ንጅምሮ እሞ እንተዘየርከብናሉ ደቅና ይውድእዎ” ምባሉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ነዊሕ ግዜ መደብ ገይሩ ሒዝዎ ከም ዘሎ የመልክት። ዋላኳ “ብሰላማዊ መንገዲ እነረጋግጾ እዩ” ብዝብል ክሽፍኖ እንተፈተነ፡ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ከም ዘሎ ንምምልካት ድማ “ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሐና ኣይንምሕሮን” ድሕሪ ምባል፡ “ቅድሚ ሕጂ ንገዝኦ ዝነበርና ኣጽዋር ሎሚ ባዕልና ክንሰርሖ ጀሚርና ኣለና” ምባሉ ድማ እቲ ሓቀኛ ሕልሙ ናበይ ከም ዘተኩር ዘርኢ እዩ።
እዚ ብስምዒት ዝበሎ ምላቕ ዘይኮነስ፡ ዝተሓስበሉ ምዃኑ ካብ ዘመልክቱ፡ ናይታ ሃገር ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣቶ ምጋናው ኣረጋ፡ “ፋና” ምስ ዝተባህለት መንግስታዊት መደበር ተለቪጅን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ “ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምርግጋጽ ኣይክትዋገን እያ” ዝበሎ ብመደብ ዝስረሓሉ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።
ካልእ “ኣንድ ኣፍታ” ዝተባህለት፡ ናብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅርበት ዘለዋ መደብ ዩቱብ ከኣ፡ ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ተኸቲላ “ንወደብ ዓሰብ ዋላ ብሓይሊ ምሓዝ ምውራር ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገየቶ ከም ምእራም ዝውሰድ እዩ” ኢላ። ኣስዒባ ድማ፡ “ደሓር ከኣ ተቐዳዲምካ ዝሓዝካ ምስ ሓዝካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ እዩ” ዝበለቶ፡ እቲ ጉዳይ ሱር ይሰደድ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ዘይሩዘይሩ እቲ ደግሲ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ዝመጣጠር እዩ። እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽስሮ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንድሕሪት ዘይመልስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራውያ ከኣ ብፍላይ እቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘሎ ውዳበታት ሓቢሩ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ይግበኦ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምናልባት ምስ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ስለ ዝተባእሰ ዝህቅኖ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ካብ ከምዚ ዓይነት ወስታ ክእደብን ነተሓሳስቦ።
ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ እንታይ ይጽበ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ” ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡ ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና” እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ” ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ። ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰረን ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ። እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ” እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።
Freedom on Trial: Eritrean Activists Face Legal Battles in America
Written by Martin Plaut
|
How President Isaias's 'fourth front' is using the courts against pro-democracy activistsBy Michael Rubin Source: National Security Journal Secretary Antony J. Blinken holds a joint press availability with Secretary of Defense Lloyd J. Austin III, Philippine Foreign Secretary Enrique Manalo, and Philippine Defense Secretary Gilbert Teodoro in Manila, Philippines, July 30, 2024. (Official State Department photo by Freddie Everett) After North Korea, Eritrea is the world’s most repressive and totalitarian country. Independence leader Isaias Afwerki rules with an iron fist. He rejects elections, and treats the country as his personal fiefdom. Unlimited conscription and national service transformed Eritrean citizens into unpaid slaves and made the country Isaias’ plantation. In response, many Eritreans flee. The routes are perilous; many die of thirst in the desert or drown crossing the Red Sea or Mediterranean. Tribesmen, criminals, and slavers prey upon them. Isaias is fine with the flight as Eritrea relies not only upon remittances from those who make it to Europe and the United States but also extorts a two percent “tax” based on ethnicity rather than citizenship. If an Eritrean renounces their citizenship, Isaias does not care. If they do not pay two percent of their income back to his treasury, their relatives will suffer back in Eritrea. Other members of the diaspora, I would argue, advocate for the government for either privilege or, as possible, intelligence officers who spy on the Eritrean community. This is a strategy ripped from the North Korean playbook. Some experts argue that various ‘front groups’ regularly promote Pyongyang positions in Washington, seeking to confuse policy or, on occasion, win a propaganda coup when they can convince a representative to parrot their talking points without looking behind the curtain. Indeed, Isaias considers pro-government diaspora to be a fourth front” to supplement the country’s Western, Central, and Eastern fronts. Eritrean embassies often coordinate with diaspora front groups to lionize Isaias and celebrate festivals important to his rule. Eritrean front groups usually seek to intimidate those who favor freedom and democracy. In recent years, clashes and violence have become commonplace as pro-regime Eritreans attack those who do not share their views. The pro-freedom diaspora has now responded. Over the past two years, diaspora groups across Europe and the United States hava rallied behind the so-called Blue Revolution.” Many of this pro-freedom, anti-Isaias Eritreans counter-protest at pro-regime festivals. This infuriates Isaias and pro-regime organizers as it takes the shine off their events and undermines the image of Eritrean solidarity they promote. The pro-Isaias community in the United States now appears to be experimenting with a new strategy: Using U.S. courts to target anti-regime protestors. Earlier this year, the Eritrean Association in Greater Seattle sued several Eritrean democracy activists at the U.S. District Court for the Western District of Washington in Tacoma. While the case remains mired in its early procedural issues such as service, it sets a dangerous precedent. Many cases have no merit—and reading the complaint, this appears to be one of them. The Eritrean Association says they serve more than 7,000 local Eritreans and openly acknowledge they organize events such as Eritrean Independence Day and Martyr’s Day celebrations. These parallel government holidays that lionize Isaias. The complaint then suggests that for their advocacy, they have become the target of hate crimes. This, of course, elides “hate crimes” with political dissent as those whom they accuse share the same ethnicities. The root of the Eritrean Association complaint is that protestors disrupted their event by protesting and caused participants to cancel hotel reservations. They allege violence, but the complaint appears exaggerated. What the complaint alleges to be severe violence and destruction of property, the local police spokeswoman acknowledged tents tipped over. She described them as scuffles “that have quickly ended.” It is understandable that the U.S. government prefers to remain aloof. After all, the judiciary is an independent branch of government, and the executive branch has no business interfering. At the same time, though, this can play into Isaias’ hijacking of the courts. He can channel unlimited funds to his front groups and lawyers to try to use court procedures and hearings to intimidate and bankrupt the Eritrean opposition. The courts should be interested in not allowing themselves to be used by a dictator or groups that, by their actions, appear to act as his proxies. The State Department should also file a brief with the court explaining Eritrea’s methodology and strategies to target and neutralize opposition. Lawfare is simply its latest tactic. Make no mistake: Freedom is on trial in Tacoma. Not only is Isaias watching its outcome, but dictators from Beijing to Moscow to Addis Ababa to Caracas will also seek to use U.S. courts to do their dirty work. About the Author: Dr. Michael RubinMichael Rubin is a senior fellow at the American Enterprise Institute and director of policy analysis at the Middle East Forum. A former Pentagon official, Dr. Rubin has lived in post-revolution Iran, Yemen, and pre-and postwar Iraq. He also spent time with the Taliban before 9/11. For over a decade, he taught classes at sea about the Horn of Africa and Middle East conflicts, culture, and terrorism to deployed US Navy and Marine units. Dr. Rubin is the author, coauthor, and coeditor of several books exploring diplomacy, Iranian history, Arab culture, Kurdish studies, and Shi’ite politics. The views expressed are his own. |
ባህግና Bahgna Media 03 11 2024: ንህግደፍ ምቅዋም፡ ምጽራር ንልኡላውነት ማለት ኣይኮነን፡ ምትእምማን ብስራሕዩ ዝርጋገጽ፡
Written by Bahgna mediaMedia
More...
ጳጳሳት ኦርተዶክሳዊት ቤተ ክርስትያ ትግራይ፡ ብ1 ሕዳር 2024 ኣብ ቤት ጽሕፈታ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ምስ ዝመርሕዎ ልኡኻቶም ብኣካል ኣራኺቡ። ኣብቲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ ስርዓት ርክብ፡ እቶም ጳጵሳት ከም ዝገለጽዎ፡ ናብዚ ንክብጻሕ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ክጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ኣተሓሒዞም ድማ ድሕሪ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይቶም ሓለፍቲ እናተመላለሱ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰላም ጻዕሪ’ ክልቲኦም መራሕቲ “ጸገምና በቲ ሕግና መሰረት ብልዝብን ዘተን ክንፈትሖ ኢና” ዝብል ቃል ከም ዝኣተውሎምን ናይቲ ምርኻብ ዕላማ ድማ ክልቲኦም ብኣካል ኣብ ዝተረኽብሉ ንምብሳር ምዃኑ እውን እቶም ኣቦታት ጠቒሶም።
እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ ማለት’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ደረጃ ምብጻሕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንክፍታሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቶም ጳጳሳት ኣመልኪቶም። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓቢሮም “ጸገምና ብልዝብ ፈቲሕና” ዝብል ብስራት ሒዘምልና ንክመጹ ተስፉዋት ኢና ኢሎም። ፖለቲከኛታት እኳ እንተዘይኮኑ ንሳቶም እውን ነቲ መስርሕ ከም ዝከታተልዎ ጠቒሶም።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን ነናቶም ወገን ክድግፉ ዝጸንሑ ነጠፍትን ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታትን፡ ነቲ ብጻዕሪ’ታ ቤተ-ክርስትያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክንእድዎ እንከለዉ፡ “ክሳብ ክንደይ ክትግበር እዩ? ዝብል ስኽፍታ ከም ዘለዎም ግና ኣይሓብኡን።
መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ፡ ብመጽር’ዚ ጳጳሳት ትግራይ ዘርኣይዎ ቅዱስ ተበግሶ ክምዘኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ህዝቢ ዘይኮኑ ናይ መንግስቲ መሳርሕን ጸግዕን ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል።
ኣብ ኤርትራ ብሓገዝ ጉጅለ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተል ዝጸንሐ ሓይሊ መሊሻ ሱዳን፡ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ከም ዝተፋነዉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እቶም ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ብዝተባህለ መኮነን ዝምርሑ ኣባላት መልሻ፡“ምብራቓዊ ቦጠለኒ” ብዝብል ዝጽዋዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ምብርቓዊ ቦጠለኒ ዝበሃል ኣሃዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለዉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ሱዳን ኮይኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ፡ ከባቢኡ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ በቲ ዲክታተር ኤርትራ ምስቲ ብጀነራል ኣርልቡርሃን ዝምራሕ ውና ከተማኡ ናብ ፖርት ሱዳን ቀይሩ ዘሎ መንግስቲ ከም እትስለፍ ከም ዝገለጸሉ ናብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ምስቶም ጋዜጠኛታት ዘካየዶ ርክብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ክኣቱ ከም ዘይደሊ፡ ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ናብ ፖለቲካዊ ምርኢት/ባዛር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምዃኑ ከም ዝጠቐሰሎም እቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ከም ዘሰልጥን ዝኽሰስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣካል ናይቲ ብኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኪዳን ክገብሮ ከም ዝደሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።