ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ መንበሪ ፈቓድ ዘይጸንሖም ግና ግዳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሰላም ክሰርሑ ዝነበሩ  ኢትዮጵያውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣብ  ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዉ፡ ብእንግሊዝ እትሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 26 ሚያዝያ 2025 ሕታማ ሓቢራ። እቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስረሓት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ድሮ ብሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ተጽዕኖታት ክገጥሞም ብምጅማሩ ዝሓደሮም ስግኣት ኣፍሊጦም።

ናይታ ጋዜጣ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ክሳብ 2 ጉንበት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ፡  ክዳለዉ ክሕብር እንከሎ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ወያ ንእሽቶ ሃገር ክንብላ ዝጸናሕና ኣብ መዋጥር ኣእትያትና  ብዝብል ኣብ ሻቕሎት ይገልጹ’ለዉ።

ነቲ ተርእዮ ዝተዓዘቡ ወገናት ምስ ናይ ግብጺ መራሒ ብ23 ማዝያ 2025  ምብጻሕ ናብ ጅቡቲ ከተሓሕዝዎ እንከለዉ፡ እንተደኣ እዞም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ጅቡቲ እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድርዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። ካብቲ ጅቡትን ግብጽን ኣብዚ ሓድሽ ርክብ መራሕተን ተረዳዲአናሉ ዘለዋ፡ ኣብታ ሃገር ጸዓት ምምዕባል ዝብል ስለ ዝርከቦ፡ ግብጺ ንጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላያ ክትሰርሕ መደብ ከም ዘለዋ  የመልክቱ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ልዕሊ 90% ዝኸውን ኣገልግሎት ወደብ ብጅቡቲ እትጥቀም ኮይና፡ ነዚ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ዓመት ናብ 2ተ ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ  ከም እትኸፍል ብተደጋጋሚ ዝግለጽ እዩ። ጅቡቲ ብወገና ኤለክትሪክ፡ ዝሰተ ማይን ጫትን ወሲኻ ዘድልይዋ ሕረሻዊ ማእቶት ካብ ኢትዮጵያ እያ እትረክብ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያን ጅቡትን  ብነፋሪት፡ መኪናን ባቡርን ርክብ ኣለወን።

ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝወደቦ ወርሓዊ መድረኽ 26 ምያዝያ 2025 ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብዚ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳትፍሉ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ ተልእኮን ኣቓውማ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ   ኣሰራርሓኡን  ብምጥቃስ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣስተምህሮኡ ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሃቦም ክፍልታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ንትምህርቲ፡ ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንስደተኛታት ዝምልከቱ  ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ንዝተመዛበሉን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ንዘጋጠሞምን ኣባላት ሰዲህኤ ንምሕጋዝ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርን ዝምልከቱ ዛዕባታት ኮይኖም፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ድማ ዝርዝራዊ መግለጺ ሂቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ንናጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማና ኤርትራ የበርክትዎ ግደውን ጠቂሱ።  

ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣገባብ ምምሕዳሩን ኣመራርሕኡን ከምኡ እውን ዝኽፈተሉን ዝዕጸወሉ ግዜ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣስታት 700 ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውግእ ንዝተወሰነ ግዜ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ በብግዜኡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሙ ብደሆታትን ንምፍተሖም ዝግበር ጻዕርታትን ዝምልከት ኣብሪሁ።

 ታሪኽ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ካብ 1967 ከም ዝጅምር ብምጥቃስ ከኣ፡ እቲ ጠንቂ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ዝነበረ ጨፍጫፍ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ ድማ ብዛዕባቲ በብግዜኡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከጋጥሞም ዝጸንሐን ጌና ዘሎን ብደሆታትን ክሳብ ሎሚ ዘለዉዎ ኩነታትን ዘርኢ ሓበሬታ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕረ-ባይታ ስደት ኤርትራውያን ዝድህስስ ሰነድ በቲ ቤት ጽሕፈት ተዳልዩ ምዝርግሑ ኣገንዚቡ።

ኣተሓሒዙ ድማ በብግዜኡ ንኣባላት ሰዲህኤ ዘጋጥምዎም ዝተፈላልዩ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ  ምፍታሕን ምጽጋን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሰሪፈይን ዝውዕል ሓገዝ ንዘበርከቱ ኣባላት ሰልፍን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን፡ ዘርእይዎ ልግስን ነቲ ሓገዝ ንምምቕራሕ ዝካየድ ኣሰራርሓን ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ነቶም በብግዜኡ ዝልግሱ ኣባላትን ኣካላትን ንኢዱ  ልግሶም ኣብ መጻኢ እውን  ንክቕጽልዎ  ጸዊዑ።

ድሕሪቲ መበገሲ ሓሳብ ምቕራቡ፡ ኣብ ዝተኸፍተ መድረኽ  ናይ ተሳተፍቲ፡ ብደሆታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት እንታይ እዮም?፡  ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዳህሳሱ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ቆላሕታ ክገብረሉ ዝግበኦ ከባብታት፡  ኣብ ወዲ ሸሪፈይ ተማሂሮም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ምሁራት ተመሊሶም ሓገዝቲ ዝኾንሉ ኩነታት ብኸመይ ይፍጠር? ህልዊ ኩነታትን ብዝሕን ስደተኛታት ንምፍላጥ ብኸመይ ብቐጻሊ ይጽናዕ? ዝብልን ዝኣመሰሉን ሕቶታት ቀሪቦም’ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስን ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ግርማይ ተመስገን ቀሽን ዝርዝራዊ መልሲ ሂቦም። ስዒቡ ቤት ትምህርቲ ዋዲ ሸሪፎይ ንምቕጻልን ንምድንፋዕን ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ለበዋታትን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ኣኼባ; ቅድሚ 33 ዓመታት 26 ሚያዝያ ካብ ከተማ ከሰላ ብጨወይቲ ኣካላት ህዝባዊ ግንባር  ሓርነት ኤርትራ ምስተሰወሩ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ዘይተፈልጠ፡ ሓርበኛታት  ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ከምኡ እውን ከም መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተጨውዮም ደሃዮም ዝጠፈአ ግዳያት ተዘኪሮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2025 በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር፡ ብፍላይ ንኣመንቲ ክርስትና፡ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና” እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብሓፈሻ ግዜ ጾመ-ኣርበዓ፡ ብፍላይ ድማ ሰሙነ-ሕማማት ብስግደትን ጾሎትን ፈጺሞም ናብ በዓላት  ትንሳኤ ብምብጸሓም “እንኳዕ ጾመ-ልጓሙ ፈተሓልኩም” ንብል። መጻኢና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳረ-መከራ ከውርድ ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ተወጊዱ፡ ውግእን ወረ ውግእን ተሳዒሩ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ነስተማቕረሉ ግዜ ክኾነልና ተስፋና ልዑል እዩ።  

ነቲ ናይ ጽዕጹዕ  ጾምን ጾሎትን ግዜ ሓሊፉ ናብዚ በዓል ንዝበጸሐ ኤርትራዊ ተኸታሊ ክርስትና፡  ደጊምና እንቋዕ ኣብጸሓና” ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ  ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይኹነልና።“ ንብል።  

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

19 ሚያዝያ 2025

ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ዕለት 20 ሚያዝያ 2025 በዓል ትንሳኤ ዘኽብሩ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፥ ንህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ከኣ ብፍላይ፡ እንቋዕ ጾመ-ልጓሙ ፈትሓልኩም እናበልኩ ርሑስ በዓል ፋሲካ ክዀነልኩምን ክዀነልክንን ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ሃዋህው ተቐንጢጡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ዝሰፈና ዓለም ክሃንጹ ጻውዒተይ አቕርብ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

19 ሚያዝያ 2025

ኣብ ዓለም፣ እተን ህዝበን ናይ ምምራጽን ምድማጽን መሰሉ ተጠቂሙ ስርዓታተን ብዲሞራስያዊ ኣገባብ ዘቆማ ሃገራት ምንጪ ናይ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ድማ‘ዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ሓራ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፣ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን” ዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕያኡ ኣስፊሩ እንረኽቦ።

መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ  እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እቲ ቀንዲ ዋና ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ምዃኑ እንገልጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝያዳ ዝውጻዕን በቲ ለውጢ ዝጥቀምን ንሱ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ እቲ መዐወቲ ናውቲ እንተኾነ‘ውን ኣብ ኢድ ናይቲ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ብኻልእ መልክዕ ዝተሰለፍና ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ባእታታትን ወትሩ ውክልናናን ተሓላቕነትናን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እነነጽርን እነቃልሕን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝካየድ ንቕሎታትን ዝቃላሕ ጭረሖታትን ኩሉ ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል‘ዩ። ምኽንያቱ ገለ ካብኡ ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ከኣ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ወፍርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ህዝቢ ነቲ ምስ መሰረታዊ ድሌቱ ዘሳንን ዘየሳንን ኣተኲሩ ናይ ምምማይ ንካልእ ኣሕሊፉ ዘይውሃብ ሓላፍነቱ እዩ። ኣተኲርካ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ኣየናይ እዩ “ቅኑዕ” ኣየናይከ “ግጉይ” ትብል ናይ ምውሳን ሓላፍነትን እውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ብቓልሱ ከረጋግጾ ዝጽዕተሉን ዘሎ ዕላማ እንታይ እዩ ዝብል፡ ናብ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝወስደና ፍሉጥ እዃ እንተኾነ፡ ብውሕዱ ግና ሓድነቱን ሓድነት ሃገሩን ዘውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ዝበረኸ ናይ ምውሳን ደረጃ ዝቕመጠሉ፡ ኩሉ መሰላቱ ዝረጋገጸሉን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወጸሉን ኩነታት ምርግጋጽ ከም ዝድግፍ ብዘይጥርጥር ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መቑሓዊ ኣመሓዳድራ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣፉ መሊኡ  ክዛራብ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ካብ መቑሕ እቲ ጉጀል ዝወጸሉ ኩነታት ርሑቕ ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ምዕባለታት ከኣ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ “ምእንታኻ’የ” ዝብሎ ካብኡ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ወረን ሓበሬታን የብሉን ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕብኡ ከሎ ጋና ንጹር ሚዛንን ሓሳብን ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ ድሕሪ ውድቐት ህግደፍ እውን፡ ካብዚ ንጹር ሓሳብን ሚዛንን ዝነቅል ተግባር እዩ፣ ዝድህሰስ ውጽኢት ዝርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ክበቅዕ ክዕቅቦም ካብ ዝግበኦ ጸጋታት ቀንዲ እቲ ብዝተፈላለዩ፡ ኣስማት ዝቐያይሩ ወገናት፡ ብውሽጥን ብወጻእን ዝህደድ ዘሎ ሓድነቱ እዩ። ሓድነቱ ንዝህድዱ ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ብሓሳብ ጽባሕ ድማ ብተግባር “ኣይደልዩንን እዮም” ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ውጽዓ ኣብ ሓድነቱን ግዲኡን ዘየደልደለ ህዝቢ እዩ ዝሰፍር። ምድልዳል ሓድነትን ምዕዋት ኣንጻር ወጽዓን  ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ተመኩሮ’ውን ስለ ዝኾነ።

እቶም በጃ ህዝቢ ኢና እንብል፡ ግና ኸኣ፣ ብኣካል ካብቲ ህዝቢ ርሒቕና ንነብር ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ህዝብና ቀንዲ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዞ’በር ክንትከኦ ኣይኮነን ዕላማና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ እንምረሓሉ ናይ ቃልሲ ጭረሖ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብግቡእ ዘንጸባርቕ እምበር፡ ንናይ ውሱን ውዳበ ስምዒት ሒዙ ዝዕንድር ክኸውን የብሉን። እዚ ክንብል እንከለና‘ውን እቲ ሓቀኛ ንህዝቢ ዝውክል ርኢቶን ኣተሓሳስባን  ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ክጻፈፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጽባሕ ብናይ ህዝቢ ቅዋማዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዑ ብዝሕዝ ፍልልይ ሎሚ ኣይንረሓሓቕ እንብል።

ምስ ህዝቢ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ውድባትን ሰልፍታትን ዝርከብ ፍልልይ ናብ ጽልኢ፡ ባእስን ተረሓሒቕካ ምንባርን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይግበኦ ብሓሳብ ደረጃ ኩልና ንሰማመዓሉ ኢና። ብተግባር ግና ኣይከምቲ ብሓሳብ እንርድኦን። ገለ ወገናት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሰባት ስለ ዘይፍለ ዳርጋ ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። እዚ ፍልልያት ኣብ ሕድሕዱ ተፈሓፊሑ ዝወልዶ ናይ ሓባር ሓሳብ ከኣ እቲ ምሩጽ ዘሳኒ ሓሳብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋን፣ ብዛዕባ ኣተሓሕዛና ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝርጋሐ ምሕደራ፡ ግደ ቋንቋታትን ባህልታትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን፣  ዝዓበየ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣቐሚጥና ምስሕሓብ፣ መግለጺ ዘይምክእኣልና ተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምክእኣል ከኣ  ሓቢርካ ናይ ምንባር ወርቃዊ  ሜላ እዩ። እዚ ክከኣኣል ዝግበኦ ሓሳባት ተፈራሪሑ ድዩ ተነዓዒቑ ከካብቲ ዘለዎ ሳናዱቕ ወጺኡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ተራኺቡ ተፈሓፊሑ ማእከላይ ሃናጺ ሓሳብ እንተዘይወሊዱ ከኣ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።

ስለዚ “ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ፡ ለውጢ ከኣ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” ክንብል እንከለና፡ መሲልካ ንምቕራብን ንመሕብእን ዘይኮነ እንግዘኣሉ መትከል ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ በታ ዘላቶ ውስንቲ ዕድል እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ጽባሕ ሓሳቡ ብሰላማዊ ሰልፍን መሰል ናይ ኣደባባይ መድረኽን ዝገልጸሎ ዕድል ዝፈጥር መን እንታይ ይብል ኣሎ ምክትታሉ ክገብር ሓላፍነቱ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ7 ማዝያ 2025 ብትግርኛ ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ካብቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝጸንሖ መዝነት ፕረሲደንት  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተሰናበተ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብ8 መጋቢት 2025 ምክትል ኣቶ ጌታቸው ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዕዱማት ኣጋይሽን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ጌታቸው ንምትካእ ሓላፍነት ተረኪቡ።Untitled 2ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ጌታቸው ናብ ስልጣን ዝመጸሉ ኣዋጃትን ዓንቀጻትን ብምጥቃስ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ዝተረኽበ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ  ንዝነበሮ ግደ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ብምጥቃስ ኣመስጊንዎ፡ ኣብ መጻኢ ብሓባር ክሰርሑ ትስፉው ምዃኑ ከኣ ገሊጹሉ።

ንጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክመርሕ ሓላፍነት ዝርከብ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምምዛዝ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምምኽኻር ክግበር ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣብቲ ነቲ ምርኽኻብ ብዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ ተመልኪቱ። እቲ ብፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምስረት “ሓቛፊ” ክኸውን ትጽቢት ዝገረሉ ግዝያዊ ምምሕዳራዊ ትግራይ ንክትግብሮም ዝተዋህብዎ 8 ጉዳያት ኮይኖም ካብኣቶም፡ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ምድላው፡ ካብ ውዕል ፕሪቶርያን ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያን ወጻኢ ዝግበሩ ርክባት ምዕጋትን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምፍታሕ ዕጥቂ ምቕጻልን ዕጥቆም ዝፈትሑ ምጥያስን  ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ብዛዕባ ዝፈጸሞም ኣውንታውን ኣሉታውን ተግባራት ብዙሓት ወገናት ርኢቶኦም ይህቡ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብቓልዕ ምንቃፍን ናይ መደዲያ ተጠቃምንነት ዝተፈላለየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት  ክፉት ብምግባሩን ድማ  ብዙሓት ንኢደምዎ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡  ጌታቸው ረዳ ዩኤምዲ (UMD) ምስ ዝተባህለ መዲያ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ቃልሲ ከም ዝቕጽሎ ሓቢሩ’ሎ።

ነፍስሄር መልኣከ ሃይለ፡ ብ14 ጥቅምቲ 1957 ኣብ ጐዳይፍ ካብ ኣብኡ ቀሺ ሃይለ ገብረኣብን ኣዲኡ ወይዘሮ ኣበባ ገ/ሚክኤልን ኣብ ዓዱ ጐዳይፍ ኣውራጃ ሓማሴን ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ ድማ ኣብ ጐዳይፍ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ 1973 ድማ ኣብ ናይ ጋራጅን ናይ ስድርኡ ግላዊ ስራሕን ከም ዝተዋፈረ  ታሪኹ ይሕብር።

መልኣከ ኣብ መጀመርያ ብ1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተሰለፈ፡ ብምኽንያት ሕማም’ኳ ኣቋሪጹ እንተነበረ፡ እንደጋና ብ1975 ተመሊሱ ብምስላፍ፡ ኣካልቲ ኣብ ሳሕል፡ ደንከልያን ዝተፈላለዩ ከባብታት ሜዳ ኤርትራን ዝነበረ  ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ተቓሊሱ።

ኣብ ሱዳን ድማ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ቃልሱ ዝቐጸለ መልኣከ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ምስ ኣተወ እውን ዝተሰለፈሉ ዕላማ ንምትግባር ከይሰልከየ ክሳብ ግዜ መስዋእቱ  ዝተቓለሰ ሓርበኛ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ካብ ሞት ዝተርፍ ስለ ዘየለ፡ ብ24 መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ጀርመን ዓሪፉ፡ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡  ሓመድ ዓዱ ተነፊጉ ኣብ ናይ ስደት ሃገሩ ተቐቢሩ። በዚ መሰረት ንመልኣከ  “መንግስተ ሰማያት የዋርሶ” ንስድርእን ቤተሰቡን ፈተውቱን ድማ “ራሕሲ ይግደፈሎም እናበልና፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ንገልጽ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ