EPDP News

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025 ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ  ዓንቀጽ 6.1.11፡ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ኣብ ዝገደደሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ ህሞት  ምዃኑ ብምጥቃስን መጻኢና ብምእማትን ቃል ኣስሚዑ።

ኣብዚ ኣኼባ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣብ ዝተሰርዐን ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ዝተዘርግሐን ናይ 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብ (ኦዲት)ን ዓመታዊ ጸብጻብ፡ በብሓደ ተዘትይሉ። ባይቶ ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥን ገምጋምን ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም፡ ስርርዓዊ ኣካላት ምስፋሕን ምድልዳልን፡ መንእሰያት ተካኢ ሓላፍነቶም ንክፍጽሙ ምትብባዕ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብመንጽርቲ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ከባብያውን ኣህጉራውን ምቅይያራት ፍሉይ ግምት ምግባር፡ ዜናዊ ልሳናት ሰልፊ ምስፋሕ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ብመጽናዕቲ ብዝተሰነየ ምክትታልን ምስናድን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘተባብዕ ኩነታት ምጥጣሕ ዝብሉ ይርከብዎም።

በቲ ድሕሪ ዘተ ንክስነድ ዝጸደቐ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፎም ንምሕያል ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ኩለ-መዳያዊ ኣበርክተኦም ከም ዘሕይሉ ዘለዎ እምንቶ ኣሕዲሱን ኣተባቢዑን።

 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዛዕባ እውን ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ከባቢናን ዝጸሉ  ምዕባለታት ብኹሉ መልክዑ ብምድህሳስ ድማ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

1) ኤርትራን ህዝባን ሎሚ’ውን ብሰንኪ ወጽዓ ህግደፍ ካብ ሓሳረ-መከራን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  መሰላትን ኣይደሓኑን። ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወ፡ ህንጻታታ ዝኣረገ፡ ህዝባዊ ትካላታ፡ ዝፈረሰ መጉዓዝያታታን መራኸቢ መስኖታታን ዝተዳህከ ቁሸት ኮይና ከም ዘላ ባዕሉ እቲ ርእሰ ሃገር ዝበሃል መላኺ ዝተኣመነሉ  ኮይኑ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ  ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም እውን ኣየቋረጸን። እቲ ሓቂ ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ዘይብሉ ኣውንታዊ ምስሊ ንምሓዝ፡  ምስ ኣሜሪካን ካለኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ መሲሉ ንምቕራብ ዝገብሮ ፍሹል ፈተነ ከም ዘሎ ኣኼባ መዚኑ። በዚ መሰረት ኣኼባ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘይሕለል ቃልሶም ንክቕጽሉ ዕዙዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2)  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፡ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣደም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎምስ፡ ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ብምውጋዝ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥  ንሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ!!

ጐድኒ ንጐድኒ እዚ ግፍዓዊ ፍጻሜ፥ ነታ መሬታ ኣሕዲጉ፡ ኣገልገልታ ብግዲ ናብ ሳዋ እንዳውረደ ብሕጽረት ኣገልገልቲ ዘሳቐያ፡ ብዓቢኡ ከኣ ንብጹእ ፓትርያርካ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ን16 ዓመታት ዝኣሰረላ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ሕጂ ተሓላቒኣ ብምምሳል፡ ኣብ ከባቢ ተኽረሬት፡ መሬት ህዝቢ ኣሕዲጉ፡ ቤተ ክርስትያን ከተስርሕን ሕርሻዊ ወፍሪ ከተካይድን ኣፍቂዱላ እናተባህለ፡ ብዙሕ የዛርብ ንዘሎ ጉዳይ ማእከላይ ባይቶ ብዕቱብ ርእይዎ። እዚ ተሃዋሲ ተግባር፡ ማሕበራዊ ነውጺ ንምስዋር እምበር ቤተ ክርስትያን ናይ ምስራሕ ሓልዮት ሓዲርዎ ከም ዘይኰነ’ውን ማእከላይ ባይቶ ተገንዚቡ።  ህዝብና ቤተ ክርስትያን ኰነ መስጊድ ናይ ምስራሕ ተቓውሞ ከም ዘይብሉ ብኣንጻሩ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ይትረፍዶ ኣብ ሃገሩ ኣብ ሃገር ስደቱ ከይተረፈ ተሓጋጊዙ ኣብያተ-ጸሎት ናይ ምህናጽ ባህሊ ዘለዎ ተሓላላይን ለባምን ህዝቢ ምዃኑ ብምዝካር፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ እምነታት ጐንጺ ፈጢሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምዃኑ፡ ማእከላይ ባይቶ መዚኑ። ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት መሬት ህዝቢ ክዕድል መሰል ከም ዘይብሉ ድማ ኣስሚሩሉ። ብዛዕብ’ዚ ኩነታት፡ ገለ ወገናት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ዝኽሰት ዘሎ ኣምሲሎም ክብለጽሉ ምፍታኖም ዘይሓላፍነታዊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጻወዲያ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ ብምዃኑ ተቐባልነት ከምዘየብሉ ብምርዳእ ማእካለይ ባይቶ ካብዚ ሓደገኛ ወስታ ንክቑጠቡ ጸዊዑ።

3) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሕቶ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ኣኼባ ባይቶ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ። ብምትሕሓዝ ከኣ ልዑላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ንክልቲኡ ህዝብታት ከርብሕ ብዝኽእል መልክዑ ንክኽበሩ ጸዊዑ።

4) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእ፡ ነቲ ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከላዊ ተረድኦ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመትከል “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እዚ ዝምድና ኣድማዕን ቀጻልን ንክኸውን፡ ብተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብታት ዝደልደለ፡ ትካላዊ መሰረት ዝሓዘን ውሱናት ጉጅለታት ንጸቢብ ናይ ውግእ ድሌቶም ዘይጨውይዎን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ። እንተቲ ንዕዘቦ ዘለና “ጽምዶ” እቲ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ክልቲኡ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ናይ ምቕጻል ውሕስነት ዘየብሉ ርክባት ግዝያዊ እፎይታ ዘለዎ’ኳ እንተመሰለ፡ እቲ መስርሕ ምስጢራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ፖሊቲካውን ወተሃደራውን ምሕዝነት ምዃኑ ግሁድ ምልክታት ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ጽምዶ ኣብ ሎሚ በጺሑ ካብ ሕቡእ  ናይ ሸርሒ ተዋስኦ ህግደፍ ነጻ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

5) ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብትና፡ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምግልባጥን በዓል ዋኒን ምዃኑ ክዝንግዕ ከምዘይብሉ መዚኑ። በጃ ህዝቡ ኮይኑ ኣድማዒ እጃሙ ናይ ምብርካት ሓላፍነት ከም ዘለዎ’ውን ተገንዚቡ። ነዚ ንክበቅዕ ግና ዝተበተነ   ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሙ ምእካብ ዘይስገር ምዃኑ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባ ኣስሚርሉ ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ነቲ፡ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ ምሕላው ሓድነት ህዝብን ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን  ኣብ ዝብሉ 4ተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ንክምስረት ከኣ ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ።

6) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ንድሕነት ኩሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላበቱ ዘለዉ ብዝምልከት ኩሉ ዝከኣለን ሰብኣዊ ሓለዋ ንክገብራ ባይቶ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

7) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንዝያዳ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስን፡ ነቲ ሱዳን ከይትከፋፈል ዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ብሰላምን ልዝብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6.1.17. ኣቦ መንበር ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ  ንመጻኢ ሓደ ዓመት ክቕጽል ድሕሪ ምምራጹ፡ ንሱ ብዝሓጸያ መሰረት ከኣ ከትመርሕ ዝጸንሐት ትሽዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ኣብ ምምራሕ ክትቅጽል ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ  ኣጽዲቑ። ድሕሪ’ዚ ንመድረኻዊ ተርእዮታትን ብድሆታትን ዝምጥኑ፡  ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራሲን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

22 ነሓሰ 2025

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025  ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ኣብ ዝገደደሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ ህሞት  ምዃኑ ብምጥቃስን መጻኢና ብምእማትን ቃል ኣስሚዑ።

ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ሰነድ ሰልፊ ክዕቀብ ኣጽዲቕዎ። ነቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምዕዛብ ድማ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘበርከትዎ ንኢዱ ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣንጸባሪቑ።

ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናንኣብ ትሕቲ ዝብል ኣገዳስን እውናውን ኣጀንዳ ሰፊሕ ሚዛንን ገምጋምን ዘካየደ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ምትፍናን ንምፍጣር ዝፈጥሮ ሸርሒ፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ምንቅስቓስ ጾምዶን ዘይውሑስ ኣተሓሕዛኡን፡ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም ህይወትን ግደ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ ውሳነታት እውን ወሲኑ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ፈጻሚት ሽምግለ ብምምራጽን ኣገደስቲ ለበዋታት ብምትሕልላፍን ተዛዚሙ። (ነዚ ኣኼባ ዝምልከት ደምዳሚ መግለጺ ኣብ ሓጺር ግዜ  ክዝርጋሕ’ዩ።)

ኢትዮጵያ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ትጽዕር ከም ዘላን ጻዕራ ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን ከም እትቕጽሎን ኣቢሲንያ ቢዝነስ ኔትዎርክ (Abyssinia Business Network) ዝተባህለ ትካል ዜና ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ብ18 ነሃሰ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ተበግሶ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ምሕዝነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣንጻራ ዝካየድ ጸለመ ንምምካት ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ሱጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣባል ብሪክስ ንምዃን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ’ውን ተባሂሉ።

ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቦመንበር ኮሚተ ጉዳያት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ሰላምን ዝኾነ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ሃገሩ ምስተን ኣባል ሃገራት ዓሚቕ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ምፍጣር ከም ዘኽእል ምጥቃሱ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣንበሳደር ኣስዒቡ፡ ኣባልነት ምርካብ፡ ምስ ሃብታማት ሃገራት ዓረብ  ናይ ንግዲ፡ ወፍርን ምህናጽ ትሕተ-ቅርጻን ምትእስሳር ምድልዳል ከም ዘኽእል’ውን ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ንኣባልነት ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ዘሎ ፖለቲኮ-ጀኦግራፊ ብደሆታት መመከቲ እዩ እውን ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ብግብጺ ምስ ኩነታት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተተሓሓዘ፡ ብጌጋ ክትግለጽ ምጽነሓ’ውን ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መብርሂኡ ምጥቃሱ ተገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ዛዕባታት ሓሳባ ብቐጥታ እተቕርበሉን ጌጋታት እተእርመሉን መድረኽ ከም ዝፈጥረላን ካብ ተኸላኻልነት ናብ ኣጥቃዕነት ከም ዘሰጋግራን ከኣ ኣመልኪቱ።

ብቑዕ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ፖለቲካውን ባህላውን መምዘኒ ከምኡ’ውን ጉዳይ ቋንቋ ዓረብ ዝለዓል’ኳ እንተኾነ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ መምዘኒ  ኣርሒቑ ብዝጥምት ከም ዝርድእዎ ተጠቒሱ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ኣብነት ሰባኣውነት፡ ኣብዘሓ ባህልን ሃይማኖትን መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ከምኡ እውን ዱልዱል ዝምድና ምስልምናን ክርስትናን ዘርኢ ብምዃኑ ከም ሃብቲ ከም ዝውሰድ ተጠቒሱ።

ዓረብ ሊግ 22 ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ዘለዉኦ፡ ብ1945 ብ7 ሃገራት ዝተመስረተ፡ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ማሕበር እዩ። ኤርትራ፡ ህንድን ግሪኽን ዝርከበአን 7 ተዓዘብቲ ኣባል ሃገራት ከኣ ኣለወኦ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ከተማ ጐንደር ንሰሜን  ከባቢ ከተማ ዳባት ዝርከብ፡  ኣለምዋጭ ኣብ ዝተባህለ መደበር ተዓቚቦም  ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓድሽ ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ሬድዮ ኤረና ብ17 ነሃሰ 2025 ኣፍሊጣ። እቲ ጉድኣት ዘጋጠመ ኣብቲ መደበር ኣብ ሕድሕድ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተኸፍተ ተኹሲ ምዃኑ ኤረና ኣብቲ መደበር ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ

ብጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሰረት፡ ልዕሊ 19 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቑብሉ ምዃኑ ዝንገረሉ መደበር ዓለም ዋጭ፡ ብተደጋጋሚ ጸገም ዘጋጥሞ ኣብ ናይ ውግእ ዞና ዝርከብ እዩ። እዚ ሓድሽ ጉድኣት ዘጋጠመ እቶም ስደተኛታት ብ15 ነሃሰ 2025 ረዲአት ንምውሳድ ተኣኪቦም እንከለዉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ በቲ ዝተኸፍተ ተኹሲ ነጃት ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ከም ዝተወግአት ተፈሊጡ።

ካብዞም ኣብቲ መደበር ኣብ ሕማቕ መነባብሮን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ዝርከቡ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበረ መደበራት ናብ ኣለምዋጭ ዝገዓዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን እውን ከም ዝተወሰኽዎ ይንገር።

ኣለምዋጭ ኣብዚ እዋንዚ ካብተን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ተዓቚበሙለን ዘለዉ ሰለስተ መደበራት ሓንቲ እያ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መጽናዕታዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣጽሊለን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም እትርከብ ሓቢሩ። እቲ ሓበረታ ኢትዮጵያ ኣዕቊባቶም ዘላ ስደተኛታት ኣስታት 1,094,838 ምዃኖም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ኡጋንዳ ከኣ 1.8 ሚልዮን ኣዒቊባ ከም ዘላ ተጠቒሱ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ተመዛበልቲ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ክኾኑ እንከለዉ፡ ኩሎም ውጽኢት ኣብ ሃገራቶም ናይ ዘሎ ጐንጽታት፡ ውግኣትን ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን እዮም። እቲ ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተኸፍተ ውግእ ሕድሕድ  ብዝተፈላለየ ኣቕጣጫታት ተመዛበልቲ ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትዉ ከም ዘገደደ ከኣ  ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 6 መጋቢት 2024 ጀሚሩ፡ ምስ ናይታ ሃገር ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ትካል ውሽጣዊ ምምዝባልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብምትሕብባር ዲጅታላዊ ምምዝጋብ ብምክያድ፡ ናይ ስደተኛታት ብዝሕን ዓይነትን የጻፍፍ ከም ዘሎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ብደረጃ ሃገር ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ፡ ደቡብ ሱዳናውያን 445, 245 (41%)፡ ሶማላውያን 361.053 (31%)፡ ኤርትራውያን 180, 361 (17%)፡ ሱዳናውያን ድማ 96, 817 (9%) ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። በቲ መጽናዕቲ መሰረት፡ ካብ ጠቕላላ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት 52% ደቂ ኣንስትዮ 48% ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ካብኣቶም ዝበዝሑ ካብ 25 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድመኦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ደቂ ልዕሊ 60 ዓመት እውን ይርከብዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት 20 መደበራት ስደተኛታት ክርከቡ እንከለዉ፡ እተን ብብዝሒ ተዓቚበሙለን ዘለዉ፡ ኣዲስ ኣበባ 79,612፡ ዓፋር፡ 62, 630፡ ኣለምዋጭ፡ 19,748፡ ጋምቤላ 409, 540፡ ጂጂጋ፡ 47, 655 ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ካብዘን መደበራት ኤርትራውያን ዘለዉወን፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓፋርን ኣለምዋጭን እየን።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ 11.6 ሚልዮን ተመዛበልቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 2.8 ሚልዮን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።

ዓሰርተ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሕቡእ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ  ክሰግሩ ክብሉ ብ10 ነሃሰ 2025 ኣብ ሓንቲ መዝሓሊት  (refrigerated) ናይ ጽዕነት መኪና ከም ዝተታሕዙ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ (AFP) ኣፍሊጣ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝምልከቶም  ከባብያዊ ሓለፍቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እዞምባብ ፈረንሳ ናይ ምንባር ተስፋ ዝቖረጹን ብዓቕሊ ጽበት ዘይውሑስ ምርጫ ዝወሰዱን ኤርትራውያን ብሰንኪ ክቱር ዛሕሊ ኣብ ስቓይ ወዲቖም ከም ዝተረኽቡ ኣብፍሊጦም።

እዞም ኣደታትት፡ ህጻናትን  ትሕቲ ዕድመን  ዝርከቦም ኤርትራውያን ኣሕምልቲ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ምንባሮም ዝተፈልጠ፡ እቲ መራሒኣ ድምጾም ምስ ሰመዐ ምዃኑ፡ ኣብብቲ ናይ ኤኤፍፒ ዜና ተጠቒሱ። ሓደ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶ ክርስቲያን ቨድለጎ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፡ እቶም ኤርትራውያን ብሰንክ’ቲ ዛሕሊ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት በጺሖም ከም ዝነበሩ ምስክርነቱ ሂቡ።

ካብቶም ግዳያት ኣርባዕተ ሽዑንሽዑ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ሓደ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ተረኪቦም። እቲ ዛዕባ ዝምልከቶ ሓላፊ ብወገኑ ከም ዝበሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ መሬት ፈረንሳ ክወጹ ከም ዝደልዩ ገልጹ፡ ናይታ ብሕቡእ ዝተሳፈሩላ ዓባይ መኪናመራሒ  ከምዘይተኸሰሰ ድማ ተሓቢሩ። በቲ ዜና መሰረት ዋላ’ኳ ኣብ ወደብን ናይ ትሕቲ መሬት መራኸብታትን ጽኑዕ ጸጥታዊ ምክትታል እንተተግብረ፡ እቲ ብዓበይቲ መካይን ኮነ ብኻልእ ኣገባብ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ  ክዕገት ኣይተኻእለን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ደሓር ከኣ ናብ ሳዑዲ ዓረብያ ብጀላቡ ንምእታው፡ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓሎም ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም መንእሰያት  ከም ዝሃለቑ  ቢቢሲ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳንን ግብጻዊ መዘናኡን ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል ኢድሪስን ግብጻዊ መዘናኡ ሙስጠፋ ማድቡሊን ነቲ “በይናዊ” ዝበልዎ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ከም ዝነጽግዎ ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ 7 ነሃሰ 2025 ናይ ርክቦም እቲ ግብጻዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ከም ሓድሽ ዝምስረት ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ።

እዞም ላዕለዎት ሓላፍቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከም ቀዳማይ መገሽኡ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኸደሉ እዩ። ኣብቲ ንፖሊሲ ኢትዮጵያ ዝነጸግሉ ርክቦም፡ ኢትዮጵያ እትወስዶም ስጉምትታት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዕ 1959 ኣብ ጠቓቕማ ማይ ናይልን  ዝጻረር ብምዃኑ እዩ ምባሎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 1929ን 1959ን ስምምዓት ፍትሓዊ ስለ ዘይነበረ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበር ዝጸወዓቶ ናይ ኡጋንዳ  (ኢንተበ) ኣኼባ “ኣንጻር ረብሓና እዩ” ብዝብል ኣይተሳተፋን። በቲ ናይ ቀደም ስምምዕ መሰረት ካብ ማይ ፈለግ ናይል፡ ግብጺ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ፡ ሱዳን ከኣ ናይ 18 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ  ቀዋሚ ብጽሒት ኣለና በሃልቲ እየን።

ናይ ግብጺ ቤተመንግስቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሱዳናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ’ውን ፍሉይ ርክብ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ርክብ ግብጺ ናይ ሱዳን ግዝኣታዊ ሓድነት ከም እትድግፍ ምግላጹን ሃገሩ ንህድኣት ሱዳን ብምሉእ ልቢ ከም ትሰርሕን ቃል ምእታዉ እውን ተጠቒሱ።

ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት፡ ወፍሪ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ሙያዊ ስልጠናን  ንክተሓባበራ ከም ዝተረዳድኡ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዝተዘራረቡ ከኣ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ማሕርን መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ እዮም” ክብል ዝጸንሐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝሃነጾ ዓባይ ግድብ ህዳሰ፡  ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2025 ንምምራቕ ኣብ  ምሸባሸብ’ዩ ዝርከብ።

ክቡር ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት

ክቡር ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት

ክብርቲ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቀንስትዮን ኣቕራቢት መድረኽን

ክቡር ኣቶክብርኣብ ምስግና ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል

ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን

ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2025

ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤል ኣቕራቢ መድረኽ

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማትና

ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።

ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል እዩ። ምስ ሕሉፍ ተመክሮታትና ኣዛሚድካ ክርኤ እንከሎ ሓድነቱ ሓልዩ ምቕጻሉ እወታዊ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ተላልዮም ኣድማዒ ስራሕ ንምስልሳል ዘኽእሎም ስርርዓዊ ቅርጻ ለቢሶም ምህላዎም ክሕብር ባህ ይብለኒ።

ናይ ምጥርናፍና ዕላማ ንምልኪ ስዒርካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ብዓወት ክዛዘም እንተዀይኑ ድማ እቲ ንምልኪ ቀንዲ ኣቚሙ ዘሎ ራዕድን ንምልካዊ ኣካይዳ ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ባህልን ከብቅዕ ኣለዎ። ህዝብና ራዕዲ ከይቐንጠጠ፤ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ ከይመለሰ ንነብሱ ሓራ ከውጽእ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝብና ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል የዋጽኣኒ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ማለት ዘይዓመጻዊ ይኹን ዓመጻዊ ክኽተል መሰሉ ምዃኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይኣምን።

ካብዚ ብምንቃል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክል'ቲ ብሓያሎይ ውድባት ተቐባልነት ዘለዎ እዉጅ 4 ሃገራዊ ሞቖምያታት ማለት፡

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

ሓደ ሰፊሕ ኣድማዒ ጽላል ንምቛም ጻዕርታቱ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣበይ በጺሕኩም? ዝብል ሕቶ ክህሉ ይኽእል እዩ። ወርሒ 11 2023 "ኣብ ውሽጥና ሒቕታ ተረኺቡ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ቀጽሉ ንዕኡ ፈቲሕና ከነርክበኩም ኢና" ኢሎሙና። ክሳብ ሕጂ ድማ ገና ኣብ ትጽቢት ኣሎና። ተስፋ ንገብር ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ጉዳይ ተፈቲሑ ሓባራዊ ቃልሲ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ዕዮ ክጅምር ወይ ክቕጽል።

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕቱብ ዘተ ተኻዪዱ። ከምቲ ኣብ መልእኽቶም ዝሰማዕኩሞ ናብ ብራኸ እተሰጋገረ ኣብ ሓያሎይ ነጥብታት ስምምዓት ከም ዝፈጸምና ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ተፈላሊና ግን ርክብና ቀጻሊ ስለዝዀነ እቲ ብዕቱብ ናይ ምፍታሑ መንፈስ እውን ብዅሉ ሽነኻት ስለዘሎ ንዕኡ ንምፋሕ ንዕኡ ፈቲሕካ ሓደ ጽላል ናይ ምቛም ጻዕርታት ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ኣብዚ ዓመትዚ ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራዊ ዜናዊ ትካላትን ብሓባርን ብተናጸልን ጎስጓስ ኣክዪድና መዝነት ናይ ዶክ/ መሓመድ ዓብድሰላም ባብክር፥ እቲ ካብ መስከረም 2020 ክሳብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ክከታተልን ጸብጻባት ከቕርብን ዝጸንሐ ከም ዝቕጽል ምግባርና እንቋዕ ሓጐሰና ንብል። ናይ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ጠለብ እቲ  መዝነት ከይናዋሕ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ግህሰታቱ ክስነድን ክዕቀብን ከሎ ንሕጂ ሕቶታት ከም ዘልዕለሉ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ  ዘኽስስን ዘፍርድን መርትዖ ኰይኑ ክቐርብ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ እዩ። ደጊሙ ምልዓሉ ኣይክተርፎን እዩ'ሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ስራሓት ቀጻሊ ክኸውን ነተባብዕን ድሉውነትና ንገልጽን።

ኣብ ልዕሊ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ከምኒ ውግእን ጽምዶን ብደገፍ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓታዊ ለውጢ ምምጻእን ንስደተኛታት ዝምልከትን ዘሎና መርገጽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ንርኢ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ንውግእ ተቛሪጹ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ ንኣምን። እንተድኣ ውግእ ተላዒሉ ሳዕቤኑ ንምግማቱ ኣሸጋሪ እዩ ብድሕሪ ክልቲኦም እተሰለፉ ዞባውያን ሓይልታት ኣለዉ፡ ከረጋግጽዎ ዝደልዩዎ ሸቶታት ክህልዎም ድማ ርዱእ'ዩ። ንሳቶም ከኣ፡

  • ሓደ ደምበ፡ ኤርትራ፡ ብዶክ ደብረጽዮን ዝምራሕ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ውድባት ኣምሓራ፡ ግብጺ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ።
  • እቲ ካልእ ደምበ ሰልፊ ብልጽግና፡ ምምሕዳር ኦሮሞ፡ ናይ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ RSF፡ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ

ጸለውቲ ሃገራት ከምኒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ዘለወን ዓቕሚ ተጠቒመን ውግእ ንኸይልዓል ተራአን ከበርክታ ክንጽውዕ ጸኒሕና። ውግእ ናይ ብሚልዮናት ዝቕጸሩ ስደተኛታት ዋሕዚ ከኸትለለን ስለዝኽእል ንረብሓኤን ክብላ ንደበና ውግእ ከብንናኦ ከነመልክት ጸኒሕና።

ጽምዶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ገለ ክፋል ናይ ትግራይን ይካየድ ኣሎ እንዳተባህለ ዝንገረሉ ጽምዶ፥ ኣብ ትሕቲዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ንውግእ እምበር ንሰላም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እተደገፈ ኣይኮነን። ንጸጥታኡ ከም ሓደጋ'ዩ ዝርእዮ። ጥዕና ዘለዎ ጽምዶ ክፍጠር ዝክኣል ክልቲኡ ስርዓታት ልዑላውነት ሕድሕድ ኣኽቢሩ፡ ዶባት ብግቡእ ሓንጺጹ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣህዛብ ብግዲ ዘይኮነስ ብወለንታኦም ዝዋስኡሉ ሕጋዊ ኣገባባት ክሰርዑሎም እንከለዉ እዩ።

ሓሓሊፉ ገለ ኤርትራውያን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምእላይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዄንካ ምቅላስ ሓላል እዩ ክብሉ ይስምዑ። ዝዀነ ኣካል ምስ ዝደለዮ ኣካል ክማሓዞ መሰሉ እኳ እንተዀነ ነቲ በጃ ዝሓልፈሉ ህዝቢ ኣሕሊፉ ከይህቦ፥ እወ ነታ ቅዋማዊ ስርዓት ክተኽለላ ዝድሊ ሃገሩ ወይ ክፋላ ምእንቲ ከይስእን፡ እቶም ዝሕግዝዎ ብእዉጅ ኣገባብ ብልዑላውነት ኤርትራ ከም ዝኣምኑ ከረጋግጽ የድልዮ። ነየናይ ረብሓታት ንምዕቋብ ሓቢሮም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ብንጹር ክሰፍርን ክእወጅን ይግባእ። ኣውራ ድማ እንተድኣ እቲ እትማሓዘዎ ዘሎኻ ሓይሊ መርገጻቱ ወግሐ-ጸብሐ ዝቐያይር ኰይኑ፥ ምስኡ እትኣትዎ ስምምዕ ብህዝብና ክእመን ዘለዎ ዕድል ኣዚዩ ታሕቲ ምዃኑ ምግንዛብ ጠቓሚ ከይኰነ ኣይተርፍን።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ክመሃር፡ክሰርሕ፡ክወልድ ክዝምድ፡ ዘለዎ ዕድላት ኣዚዩ ጸቢብ ስለዝዀነ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። ኣብ ስደቱ ድማ እዚ ዘይብሃል ግፍዕታት ይወርዶ ኣሎ። ፖሓኤ ስቅያቶም ንምቅላል ኣቤቱታ ኣብ ምጽሓፍን ግፍዕታቶም ኣብ ምስናድን ተዋፊሩ ይርከብ።

ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ባዕሉ እቲ መላኺ ከይተረፈ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ናይ ዕለት 23 ሓምለ ቃለ መጠይቑ  ኣብ ኩሉ መዳይ ከምኒ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ትምህርቲ ወዘተ. . .ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሕጽረታት ዘርዚሩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ባህርያዊ ግብረመልሲ በል 34 ዓመታት ገዚእካ ልምዓት ኰነ መገዲ ልምዓት ከተትሕዝ ካብ ዘይክኣልካ፡ ውረደልና ሃገርና ባዕላትና ከነምሓድር ክብሃል እዩ ዝግባእ።

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ።  ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽና፥ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ከየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንጹር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ንክህልዎምን ንዝተኽልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን በዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።

ኤርትራዊ ዜጋ ክፍጽሞ ዘለዎ ግዴታ ጥራሕ ኣይኰነን ዘለዎ መሰል እውን ኣለዎ። እወ ናይ ምምእማን፡ ምዝራብ፡ ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ፡ ምምሃር፡ ምስራሕ፡ ምእካብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን ወዘተ መስል ኣለዎ። ነዚ መሰላትዚ ህግደፍ ሓሪሙዎ ኣሎ ተቓሊሱ ክምንዝዖ ኣለዎ። ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ከምቲ እተኣወጆ 18 ኣዋርሕ ክኸውን፥ ዓስቢ ድማ ክህልዎ ክቃለስ ይግባኦ። ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ክግሃስ ከሎ ኣብ ክንዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተዓዛቢ ምዃን ሎሚ ናብኡ ጽባሕ ናባይ ኢልካ ተቢዕካ ኣብ ጎድኑ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ።

ኣብዚ ቅንያትዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፥ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንህዝቢ ኤርትራ ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ይንገር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ 'ዚ ንኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥ መበቈል ዘርኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ፥ ደጊም ትሩፍ ክሳብ ምዓስ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ሕጊ እንዳተገፍዐ ስቕ ኢልና ክንርኢ ንልዓል ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን እቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ካብዚ ኣዳራሽ ንጽውዕ!!

ኣብ መደምደምታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን  ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

02 ነሓሰ 2025።

ኣዳም ስቺፍ፡ ዊፕ፡ ዲክ ዱርባንን ችሪስ ኩስን ዝተባህሉ፡ ኣሚሪካውያን ሰኔተራት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ስምዕታ ብ1 ነሃሰ 2025 ዘርጊሖም። ኣብቲ ብመንገዲ ኣዳም ስቺፍስ ካብ ካሊፎርንያ ዝዘርግሕዎ ውሳነ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዓሰርተታ ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ግጉይ ኣጠቓቕማ ስልጣን፡ ናይ ግዜ ደረት ዘየብሉን ዘይሕጋውን ማእሰርትን ኣተሓሕዛኡን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኩነታትን ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ  ምእንቲ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ሰናይ ምምሕዳር፡ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን እምነትን ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፉ ቃል ኣትዮም

ካብቶም  ግዱሳት ሰኔተራት ዱርቢን ብወገኑ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ይሓልፎ ንዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብኩራት መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ዲሞክራሲያዊ ትካላትን”ብዝብል ጠቒስዎ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ምርጫ ዘይምክያዱን፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ድማ ብጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ክቱር ምቁጽጻር ኣብ ሃይማኖት ኢድ ብምእታውን ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ብምጭዋይን ስልጣን ብሒቱ ከም ዘሎ ኣብቲ ዝዘርግዎ ሓሳብ ኣስፊሮም።

ኣተሓሒዞም ከኣ ሰኔት ኣመሪካ፡  ነቲ ሰለስቲኦም ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ኣፍልጦ ከም ዝህቦን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ንዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝረደኦን ጠቒሶም፡ ነቲ ዘንቅድዎ ዘለዉ ሓሳብ  ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ከብጽሕዎ ከም ዝጽዕሩን ኣፍሊጦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ስግኣት፡ ዓመጽን ጥልመትን ኮይኑ፡ ንነጻነት፡ ንዲሞክራስን ንመጻኢ ዘዋጸኦን ብድምጹ ክውስን ይጽበ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ሰኔተር ኩን ጠቒሱ።

እቶም ነዚ መሰረታዊ መሰላት ስለ ዝሓተቱ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ኣዝዮም  ብዙሓት ምዃኖም ድማ ኣቃሊዖም። በዚ መስረት ኤርትራዊ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ መከራ ወጺኡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክሕለወሉ ዝግባእ ህዝቢ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ መስኪሮም።

እቲ ነዚ ብዝምልከት ዘውጽእዎ፡ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ዝማእከሉ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘ መሰረታዊ ሓሳብ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተዘርጊሐምዎ’ለዉ።

እቶም ምሁራትን ወከልቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ኦሮሞ ኣብ ኣኼባ

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብሄር ኦሮሞ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ምሪላንድ ኣኼባ ከምዘካየዱ፡ “ኦሮሞ መዲያ ኔት ዎርክ (oromo media network) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ኣኼባኦም ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ “ክቕየር ኣለዎ” ኣብ ዝብል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኦሮሞ ዘይውክል ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቶም ፖለቲከኛታት ኣባላት ቄሮ፡ ኦነግን ካለኦት ውድባትን ዝርከብዎም፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሃገራት ይፈጥሮ ንዘሎ ማህሰይትን ተጽዕኖን ከም ዝቃለስዎ’ውን ሓቢሮም። እዞም ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ መወዳእታ፡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣንጻርዚ ኣብ ኢትዮጵያ  ዘሎ መንግስቲ ንክቃለሱ ጸዊዖም። እታ ነቲ ኣኼባ ዘወሃሃደት ኮሚተ ብወገና፡  እቲ መደብ ተሰሪዕሉ ዘሎ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ክቕጽል ምዃኑ በቲ መገለጺ ሓቢራ።  

ዶር ጸጋየ ኣራርሳ፡ ዶር ህዝቅኤል ጋቢሳን ኣቶ በቀለ ገርባን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና  ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ መንግስቲ ናይ ኦሮሞ ወኪልዩ እናተባህለኳ ዝሕመ እንተኾነ፡  ብፖለቲከኛታት ብሄር እውን ሓያል ተቓውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ እዩ።