ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል  ፍራንክፎርት 2025 2ይ ኣኼባኣ ኣካይዳ

2025-05-15 17:11:41 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 75 times

ናይቲ ኣብ ትሕቲ መኽሰብ ኣልቦ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ዝካየድ ፈስቲቫል  ፍራንክፎርት 2025፡ ዝቆመት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  2ይ ኣኼባኣ ብዕለት 13- 05-2025 ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣካይዳ ። ሽማገለ ፈስቲቫል ብ20 ኣባላት ዝቆመት ኮይና ፡ ዘማእክልዋ ሰለስተ ኣሕዋት ሰሚያ። ንሳቶም ድማ ሓው ጻሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ፡ ሓብትና ፋጥና ኑሪ  ቀዳመይቲ  ምክትል ኣቦ ወንበር ፡ ሓው ተድሮስ ጸጋይ ካልኣይ ምክትል ኣቦ ወንበር  ክኾኑ ነብሶም ሰሪዕዓም።  ቀጺላ ዝሓለፈ ተመክሮ ናይ ፈስቲቫል 2024 ብደቂቁን ብዝርዝሩን ሓሳብ ንሓሳብ ተላዋዊጣ  ነብሳ ኣብ 4ተ ናይ ስራሕ ጉጅለታት መቂላ ብስጥመት ስራሓታት ክትዓምምን ዘድልዩ መጽናዕትን ክገብራ ወሲነን።  ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2025 ካብ ዕለት 01 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን ክካየድ  እዩ ። ኣብቲ ኣኼባ ክልተ ካብ ላዕሎዎት ኣዋሃዲት ሽማገለ  ተሳቲፎም  ኣላይን መሪሕ መበገስን ዝኾውን  ሰነድ ብምቅራብ ንኣኼባ  ዕዉትን መሃርን  ሓጋዝን  ኮይኑ ኣኼባ  ብምሉኡ ብጽሞና ሰሚዑ ክጥቀመሉ ኣስሚሩሉ። 

 

Last modified on Thursday, 15 May 2025 19:15