ኣመሪካ ዲቪ ከተቋርጾ ወሲና ተባሂሉ
2025-12-19 19:25:29 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 194 timesኣብ ናይ መወዳእታ ዙር ዲቪ ተጠቀምቲ ካብ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ (ካብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተወስደ)
መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ዲቪ ሎቶሪ (diversity visa lottery)፡ ብዝብል ዜጋታት ተወዳዲሮም ናብ ኣመሪካ ክኣትውሉ ዝጸንሑ ዕድል ከም ዝኣገደቶ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ደሕንነት ውሽጢ ሃገር ኣሜሪካ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ እገዳ ፕረሲደንት ትራምፕ ብዝሃቦ ኣቕጣጫ ዝውሰድ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ናብ ኣሚሪካ ኣትዮም ናይ ምንባርን ናይ ምስራሕን ዕድል ዝረኽብሉ ዝነበሩ መደብ ዝተኣገደ ብ13ን 15ን ታሕሳስ 2025 ኣብ ክልተ ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ተኹሲ ድሕሪ ምኽፍሩ እዩ። እታ ኣሚሪካዊት ሓላፊት ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ክሪስቲ ኖም፡ ነቲ ኩነታት ኣመልኪታ ኣብ ናይ “ኤክስ” ገጻ እያ መግለጺ ሂባትሉ። ኣብቲ መግለጺኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ተኹሲ ዝኸፈተ ግለሰብ፡ ናብ ኣሜሪካ ብዲቪ ዝኣተወ ምዃኑ ኣብ መግለጺኣ ጠቒሳ።
እቲ ኣብ ብራውን ዩኒቨርሲቲ ክልተ ሰባት ቀቲሉ 9 ሰባት ድማ ኣቑሲሉ ነብሱ ዝቐተለ ግለሰብ፡ መበቆሉ ፖርቱጋላዊ ኮይኑ፡ ብ2000 ብናይ ዲቪ ዕድል ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ ምንባሩ ከኣ እታ ሚኒስተር ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ኣመልኪታ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣሜሪካውያን ብዲቪ ኣትዮም ዜግነት ብዝረኸቡ ሰባት ክጉድኡ ኣይግባእን ዝብል መልእኽቲ ናብ ክፍሊ ዜግነትን ኢምግረሽንን መልእኽቲ ምትሕልላፋ’ውን ተፈሊጡ።
ናይዚ ኣብ ዓመት ኣስታት 50 ሺሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክረኽብዎ ዝጸንሑ ናብ ኣመሪካ ናይ ምእታው ዕድል ተጠቃሚ ንምዃን ኣብ 2025 ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ንምውድዳር ኣብ ዝተመዝገብሉ እዩ እዚ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ፡ ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክት ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ካብ ኣፍሪቃ ናይዚ ዲቪ ሎቶሪ ዝለዓለ ተጠቀምቲ ዝነበራ ሃገራት ኣልጀርያ፡ ግብጽን ሱዳንን ምዃነን ከኣ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ዝርዝር ተጠቃምነት ኣብ 7ይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ።