ትጽቢታትናን መደባትናን ኣብ ዓመተ 2016

2016-01-27 14:58:53 Written by  ጐይትኦም በይን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2129 times

Emam

Source: Fithi Magazine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2016/0201FITHI6-05MT.pdf

ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓዲሽ ዓመት ክኣቱ ከሎ ዝሐለፈ ግላውን፡ ማሕበራውን ሃገራውን ጉድያት ብምግምጋም፡ ኣብ’ቲ ሓዲሽ ዓመት ከማልኦ ዝድለዮ ባህግታት ክህሉው ባህርያዊ ኢዩ። እቶም ድሌታት ንክረጋገጹ ከኣ ብቀዳምነት ኣብ ሓንጎልካ ክትስእሎምን ብኸመይ ከምእተዐውቶምን ክትሓስበሎም የድሊ። ትጽቢትናን መደባትናን ኣብ ዓመተ-2016 ዝብል ኣርእስቲ ከይገፍሓና ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ህዝብናን ሃገርናን ዝምልከት ጥራሕ ከተኩር ኢየ። ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ግቡእ ግምገማ ከኣ ነቶም ኣወንታዊ ስርሓት ከተማዕበሎም፡ ንኣሉታዊ ተሞክሮታትን ንክትእርም ይሕግዘካ። ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ድሕሪ ምግምጋምን ሕጂ ዘሎኻዮ ወድዓዊ ኩነታት ግቡእ መረዳእታ ምስ እትውንን ከኣ መንቀሊኻን መበገሲኻን ን2016 ትፈልጥ። ሓደ ጥሪ 2016 ከም ንቕሎ መበገሲ፡ 31 ታሕሳስ 2016 ከም ዓመታዊ ምህርትና እንግምግመሉ ዕለተ-መነሃርያ ለውጢ ጌርና ንውስዶ። ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምልጋስን፡ ምልኪ ብፍትሒ ኣብ ምትካእ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ ዘተኮረ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ እንቃለስ ዓመተ 2016 እንብህጎ ናይ ለውጢ ምህርቲ ክንሓፍስ ክንበቅዕ ብደረጃ ውልቀ ይኹን ብሓባር እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ክንፈልጥን ክንሰማማዕን ክንዓግበሉን፡ መደባት ኣውጺእና ክንሰርሓሉን የድልየና። ኣብ ውሽጢ 24 ናይ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸትሉ ዓመታት እቲ ዘድሊ ለውጢ ክረጋገጽ ዘይምብቅዑ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓቢርካ ሽግርካ ንምፍታሕ ዘይምቅላስ ምዃኑ ዳርጋ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ።

እቲ ብተናጽል ቃልሲ፡ ከምዘይድምዕ ሕሉፍ ሃብታም ተሞክሮና ምሂርና ክኸውን ተስፋ እገብር። ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ምስ እንርኢ ዝሓለፈ ኣካይዳና ኣብ ዓወት ከምዘይብጽሓና ዝተረዳእና ንመስል። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ዝብል ሓቢሮም ክላዘቡ ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ተበግሶታት፡ ክወስዱ ንርኢ። ከም ኣብነት ክውስድ ዝከእል፣

  1. እቲ በብከተምኡ ዝተበገሰ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካን ኣውሮጳን ናይ ህዝቢ ጥርናፈ
  2. ኤርትራውያን ምሁራት ብድምጽና (Our Voice) ዝፍለጡ ይኹን ምሁራት ከም በዓል ዶ/ር ኣርኣያ ደበሳይ ዝኣመሰሉ ነቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዘሐይልን ሓቢርካ ንምቅላስ ዝሕግዝ ሓሳባት ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣብ 2015 ምውጸኦም።
  3. ኤርትራውያን ህሉዊ ሽግርና ክንፈትሕ “ንጋባእ” ዝብል ከም ኣማራጺ ፍታሕ ዘቕርቡ ኤርትራውያን ምስማዕናን ምህላዎምን።
  4. እቲ ተሞክሮ ናይ ዝሓለፈ ተበግሶታት ናይ ሃገራዊ ባይቶ ብቡዙሓት ከምዘይሰርሐ ተኣሚኒሉ፡ ብፖለቲካዊ ውድባት ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ምድህሳስ ይርከባ ምህላወን።
  5. ብ “መድረኽ ንዘተ” ዝተጸውዐ ናይ ኬንያ ናይ ወከልቲ ውድባት ናይ ምምኽኻር ኣኼባ (ዋዕላ)፡ ውድባት ብዝተሓተ ሓቢረን ንክሰርሓ ዝዕድም ስምምዕ ምዃኑ ብምስትብሃል።
  6. መርበብ ኣሰና ንናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝገብረሉ ዘሎ ቆላሕታን ኣበርክቶን።
  7. እቲ ኣብ 2015 ኣብ ጀኔቫን ኒውዮርክን ዝተኻየደ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፍታት ውጽኢት ሓባራዊ ስራሕ ምዃኑ ብምዕዛብ ወዘተ....

ብርእይቶይ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሱ ናይ 2015 ዓበይቲ ፍጻሜታት ምርኩስ ብምግባርን ሕጂ ህሉዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ደምበ ተቓውሞናን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ነዚ ዝስዕብ ኣብ ዓመተ 2016 ክግበሩ ዘሎዎም ስርሓት ሓሳባትን ህዝቢ ክዘራረበሎም ተቕርብ።

  1. ናይ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ቃልሲ ከም ዓቢ ፕሮጀክት ምርኣዩን ምሓዙን
  2. እቲ ፕሮጀክት ከኣ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክኸውን ምግባሩን ንክኸውን ምጽዓርን
  3. እቲ ናይ ሓባር ፕሮጀክት እዞም ዝስዕብ ክህሉዎ፡
  • ናይ ሓባር ዕላማ
  • ናይ ሓባር ስትራተጂ
  • ናይ ሓባር ናይ ዓወት-ጎደና
  • ናይ ሓባር ህዝባዊ ባይቶን ኣካያዲት ሽማግለን (ፈጻሚት ኣካል)
  • ናይ ሓባር መደብ ስራሕ

   IV. እዚ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክውን ንምግባር ክሰርሑ ዘሎዎም ስርሓት ምንጻርን ምስምማዕን

  • እቶም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝቐርቡ ኣማራጺታት ምልላዮምን ምርደኦምን
  1. ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ጥርናፈን (Grassroots Movement)
  2. ህዝቢ ኤርትራ ክጋባእ ኣሎዎ ወይ “ንጋባእ”ዝብል ኣረኣእያን ኣማራጺ ዝቐርብ ሓሳባት
  3. ሃገራዊ ባይቶ ጉባኤኡ ኣካይዱ ጌጋታቱ ኣሪሙ ክቕጽል ዝብል ኣረኣእያን፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብቂዑ’ዩ ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ካብ ውሽጡ ዝነቕሉ ኣረኣእያታት
  4. ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ወይ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ከይተጠርነፉ ዝጸንሑ ውድባትን ኣረእያታትን
  5. ነዚ ኣብ ቁጽሪ ሰለስተን ኣርባዕተን ዘሎወን ኣረኣእያታት ኣብ ሓደ ንምጥርናፉ ናይ መድረኽ ንዘተ ተበግሶ ናይ ምምኽኻር መራሕቲ ውድባት ስምምዓትን ኣብ ኬንያ
  • ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣማራጺታት ይኹን ዝሐሸ ሓቢርካ እትቃለሰሉ ኣማራጺ ምምራጽ
  • ኣብ ተግባራዊ ሸነኻቱ፡ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ምስ’ቲ ንጋባእ ዝብል ኣረኣእያ ሰለዘይፈላለ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይካ ኣብ ሓደ ኣማራጺ ምዕሳል። እዚ ከኣ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ዘይወስድ ጉዳይ ምዃኑ ጥራሕ ይርኢ። ሓጋዚ ክኸውን ካሳብ ዕለት ኣኼባ፡ እቶም ንጋባእ ዝብሉ ዘሎው ሃገራውያን፡ ካብ’ታ ዝቕመጡላ ዘሎ ከተማ ተበጊሶም ብተግባር ኣብነት ኮይኖም ክሰርሕሉ ይላበዎም። እሱ ኸኣ ህዝቢ በብዘሎዎ ተጋቢኡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንክሕይል ምግባሩ ኢዩ።
  • ብመሰረት ተበጊሱ ዘሎ ምምኽኻር ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት እቲ ዘይተነጸረ ቀጻልነት ኣተሃላልዋ ሃገራዊ ባይቶን፡ ካብ ባይቶ ወጻኢ ዝነበራ ውድባትን ኣብ ሓደ ኣማራጺ ስምምዕ ንክብጻሕ ምጽዓር።
  • ብርእይቶይ፡ እቲ ንፖለቲካዊ ውድባት ማሕበራትን ዝጥርንፍ ሓባራዊ ስምምዕ ነቲ መትከል ናይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ መስርሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስEmam 2 ብምድጋፍ ንዑኡ ንክሕይልን ንክሰፍሕን ብሓሳብ ደጊፉ ንህዝቢ ክእውጅን ብግብሪ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ክሰርሕን ምስ ዝበቅዕ ደምበ-ተቓውሞ ብናይ ሓባር ዕላማ፡ ስትራተጂ፡ ናይ ቃልሲ ጎደና፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ብምጥራይ ናብ ቀንዲ ዕላማታት ኣብ ምዕዋት ኣድማዒ ውጽኢት ይህሉዎ።

እዚ ዝተጠቕሰ ከም መስርሕ ናብ ሓደ ኣማራጺ ምዕሳል ክኸውን እንከሎ፡ ብርእይቶይ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቐንዐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ፍታሕ ኢዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። እቲ ዝሐለፈ ተሞክሮና ዝምህረና ከኣ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ለውጢ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ኢዩ። ብተወሳኺ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ዋላ ሰሚሩ ብሓደ መሪሕነት ተጠርኒፉ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝገብሮ ነገር የብሉን። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ እምበኣር ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይነን ብግብሪ ክሰርሓ የድሊ። መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብዝሐ ሰልፍታት ዝሓቖፈት ስለዝኾነት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ራኢኣን ከስፍሓን ካብ ህዝቢ ክውድባን ህዝቢ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ምስ ዝጥርነፍ ንረብሓኣን ኢዩ። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ነቲ ሓባራዊ ፕሮጀክት ንምዕዋት ዘድሊ ሓባራዊ ትካል ስለዝኾነ ኩሎም ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ረብሓ ዘሎዎም ሓይልታትን ውልቀ-ሰባትን ክሳተፍዎን ከዐውትዎን ክቃለሱ የድልዮም ጥራሕ ዘይኮነ ሓላፍነታዊ ኢዩ።

Emam 3

ንለውጢ ብሓባር ንምስራሕ፡ ብዛዕባ እቲ ሽግር ናይ ሓባር ተረድኦ ክህሉወካ የድሊ። ብዛዕባ ህሉዊ ሽግር ናይ ኤርትራን ህዝባን ሓደ ዓይነት ተረድኦ ስለዘይንውንን ከኣ ዝተፈላለየ ዓይነት ውደባታት ከም ፍታሕ ንወስዶ። ብጀካ እቶም ደገፍቲ ናይ’ቲ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ እቶም ለውጢ ንምምጻእ እንብህግ ኣረዳድኣና ኣብ’ቲ ዘሎ ስርዓት ዝተፈላለየ ኢዩ።

  • እቲ ዘሎ ስርዓት ከም ናይ ሓደ ሃይማኖት ዕብለላ ኢዩ ኢልካ ትሕስብ እንተኾንካ፡ ሃይማኖታዊ ውድብ ከም ፍታሕ ትወስድ።
  • ናይ ሓደ ብሄር ዕብለላ ኢልካ ትርዳእ እንተኾንካ ናይ ብሄር ውደባ ተካይድ።
  • ናይ ንኡስ ብርጅዋ ዓብላልነት ኢልካ እንተሓሲብካ ናይ ሸቃላይ ዓኻይን ናይ ደርቢ ቃልሲ ትመርጽ።
  • ናይ ዓበይቲ ወይ ናይ ኣረግቶት (ገዳይም) ድሑር ኣተሓሳስባ ኢዩ እቲ ሽግር ኢልካ ትርዳእ እንተኾንካ፡ ናይ መንእሰያት ፖለቲካዊ ውደባ ተካይድ።
  • ናይ ሓደ ኣውራጃ ዓብላልነት ኢዩ ኢልካ ትኣምን እንተኾንካ ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ ከም ፍታሕ ትወስድ።
  • እቲ ሽግር ንኹሉ ኤርትራዊ ዝትንክፍ ኢልካ ትሓስብ እንተኾንካ ከኣ ሃገራዊ (ሕብረ-ብሄራዊ) ምጥርናፍ ከም ዝሓሸ ውደባ ትርኢ ወዘተ....

ኣብ ኤርትራዊ ክውንነት እዞም ዝተጠቕሱ ጥረናፈታት ህሉዋት ስለዝኾኑ፡ ንሓቢርካ ምቅላስን ሓርነታዊ ቃልስና ከም ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክንሰርሕ ኣይበቓዕናን ጥራሕ ዘይኮነ ኣወዳድባና ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሕ፡ ንህዝብና ከኣ ካብ ውድባት ዘርሕቕ ኣወዳድባ ምዃኑ ኢዩ። ህዝብና ዘይስዕቦን ዘይጻወሮን ኣወዳድባ ሒዝካ ህዝቢ ዘይሰዓበኒ ምባል ትርጉም ዘሎዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝኾነ ዜጋ ዝደለዮ ዓይነት ውደባ ከካይድ መባእታዊ መሰሉ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣወዳድብ ንህዝብና ምስ ህግደፍ ክመሳሰል ዝደፋፍእ ተወሳኺ ጸገም ምዃኑ ምርድኡ ኣገዳሲ ይኸውን።

ብርእይቶይ እዚ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ብውሑዳት ሃገራውያን መለኽቲ ዝዝወር፡ ንዝኾነ ዓይነት ወገን፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ዘይውክልን ዘይግደስን ስርዓት ኢዩ። እቲ ዘገድሶ ስልጣን ጥራሕ ኢዩ። እዚ ማለት ግን፡ መለኽቲ ንዕድመ ስልጣኖም ንከናውሑ ብሕቡእ ይኹን ብጋህዲ ወገን ከም መሳርሒ ኣይጥቀሙሉን ማለት ኣይኮነን። መላኺ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ተጠቒሙ ህዝቢ ንህዝቢ ክፈላልን ንከይተኣማመን ንከይላዘብን ከምዝሰርሕ ኩላትና ክንርደኦ ዝግበኣና ኢዩ። እቲ ብዝያዳ ዘተሓሳስብን ክሳብ ዕለት ሎሚ ከኣ ዘይነቓሕናሎ ግን ደምበ ተቓውሞ እዞም ዝተጠቕሱ መሳርሕታት እዚኣቶም ክጥቀመሎም እንከሎ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ንኹሎም ዜጋታት ዝትንክፍ ሃገራዊ ሽግር ስለዝኾነ ከኣ ሃገራዊ ሓባራዊ ፍታሕ ብሓባራዊ ፕሮጀክት ፍታሕ የድልዮ። ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ ወይ ናይ ሓደ ሃይማኖት ዕብለላ ወይ ዓመጽ ከም ሃገራዊ ዓመጽ ወሲድና እተን ኣዒንትና ሃገራዊ መረጼን ተጠቒመን ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ፍታሕን ከነናዲ የድልየና።

ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብሰንኪ ምልኪ ምህላው ኢልና ንኣምን እንተኾይና ከኣ፡ እቲ ፍታሕ ምልኪ ብፍትሒ ምትካእ ምዃኑ ኩላትና እንሰማማዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ፍትሒ ንምርግጋጽ ከኣ ብቅዋም እትመሓደር ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም ፍታሕ እንኣምን እንተኾይና ከኣ፡ እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ጭቆና (ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ጾታ ወዘተ,,,,) ይፍትሑ ኣሎው ማለት’ዶ ኣይኮኑን? ናይ ውልቀ-ሰብ መሰል ምስ ዝረጋገጽ፡ ናይ እኩባት መሰል እውን ይረጋገጽ ኣሎ ማለት’ዶ ኣይኮነን? ሰለዚ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ በብቦትኡ ዝካየድ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኣብ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ከዐስል ዝኽእል ናይ ቃልሲ መስርሕ ምዃኑ ከነስተብህል ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ዓይነት ጥርናፈ ከኣ ምስ’ቲ ኣብ ሃገረ ኤርትራ እንብህጎ ኣወዳዳባ ህዝቢ (ዓዲ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃ፡ ሃገር) ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ስለዝኾነ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ኢዩ።

Goitom Emam

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Last modified on Wednesday, 27 January 2016 16:40