ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ

ኣብ ልዕሊ ካብ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ እናተጓዕዙ ዘጋጠሞም ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ካብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብዎም፡ 368  ሰባት ዝሃለቕሉ ሓደጋ ደሴት ላምፓዱሳ ኢጣልያ ኣብቲ ዕለቱ 3 ጥቅምቲ 2025 መበል 12 ዓመት ተዘኪሩ። ኣብዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝኽሪ፡ ቤተሰብ ግዳያት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝመጹ ሰብኣውነት ዘገድሶም ሰባትን ትካላትን ኣብቲ ስነስርዓት ከም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ማሕበራዊ መድያታት ካብቲ ቢታ ሓቢረን።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ጸሎት ተኻይዱ፡ ሽምዓታት ንዝኽሮም በሪሁ፡  ናእሽቱ ናይ መርከብ ምስልታት እውን ኣብ ትሕቲ ሓወልቶም ከም ዝተቐመጣን ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ኣስማት ካብቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝሰፈረ ዝርዝሮም ከም ዝተጸወዐ ተፈሊጡ።

ናይቶም ግዳያት ቀረብን ብኣጋጣሚ ካብቲ ህልቂት ካብ ዝተረፉ 150 ውጻእ መዓትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ናይቶም ግዳያት ሕልፈት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮና ኣሎ” ከም ዝበሉ’ውን ተጠቒሱ። ተረኽቦ ላምፓዱሳ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ከም ዝጥቀስን ብፍላይ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ግዜ ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝነበረን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ ከኣ፡ ብሰንኪ ኣብያ ጉጅለ ህግደፍ ኣስከሬኖም ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓዶም ክዓርፍ ዘይምኽኣሉ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋ ቀጻሊ ምህላዉን ክሳብ ሎሚ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ግዳይ ናይ ዝኾኑ ሰባት ቁጽሪ ኣማኢት ኣሸሓት ከም ዝበጽሕን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ። ጉዳይናን ግቡእናን  ኢሉም ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቦም ሙያውን ዜግነታውን ግቡኦም ንዝፈጸሙ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማሕበራዊ መዲያ ምስግና ይግበኦም።

Thursday, 02 October 2025 22:28

Dimtsi Harnnet Kassel 02.10.2025

Written by

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንተግባራት ብሕታዊ መድያታት ዝጻወር ትዕግስቲ የብለይን” ከም ዝበለ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ።  እተን መድያታት ከፋፈልትን  ናይ ጸላኢ መሳርሕን ኮይነን ብዝብል ዘጠንቀቐት ናይቲ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋውነቱ ዝተሰረዘ፡ ውድብ ህወሓት ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ወ/ሮ ፈትለወርቂ ገ/እግዘኣብሄር ምዃና እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እዚ መጠቀቕታ ኣብተን መዲያታትን ጋዜጠኛታተንን ዓብይ ስግኣት ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መጠንቀቕታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈትለወርቅ ኣብ መቐለ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ክኸውን እንከሎ፡ ዝርዝር መርተዖን ኣስማት መዲያን ብዘይምቕራብ “መሳርሒ ንውድብ ናይ ዝኸሓዱ  ወገናትን ጽውላእትን ከይነን” ዝብል ነተን መዲያተት ከም ዝኸሰሰተን ከኣ ተፈሊጡ። እታ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ህውሓት እተን መዲያታት ኣብ ምክፍፋል ውድብ ኢድ ስለ ዝጸንሀን፡ ውድብን ሰራዊትን ኣብ ምቁጽጻረን ብሓባር ከም ዝሰርሑ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ነቶም ዝኸሰሰቶም ጋዜጠኛታት “ገሊኦምሲ ተጋሩ ምዃኖም’ውን የጠራጥሩ” ብዝብል ጠቒሳ፡ ኣብ ልዕሊ ምሁራት፡ ፖለቲከኛታትን ኣብ መዲያ ዝሰርሑን ተጋሩ “ድሕሪ ሕጂ ተጸዋርነትና ናብ ዜሮ ወሪዱ እዩ” ብዝብል መጠንቀቕታ ሂባ።

ሓለፍቲ ብሕታዊ መዲያ ብወገኖም፡ እዚ ተግባር መራሕቲ ህወሓት ኣንጻር መዲያ ዘለዎም ኣሉታዊ መርገጽ ኣብቲ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ዘመልክት እዩ ኢሎም። “ትዕግስትና ኣብ ደረጃ ዜሮ  በጺሑ” ዝብል ኣገላልፋ፡ ኣብ ትግራይ ነጻ ፕረስ ናይ ምጉዕጻጽ ምልክት እዩ ክብሉ እውን ገሊጸምዎ። ብዓብይኡ ከኣ ጋዜጠኛታትን መዲያታትን ንምዕፋን ዘንቀደ መልእኽቲ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣኛታት ክረአ ዝጸንሐ ምፍርራሕ፡ ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ምንጻልን ሓበሬታ ከምዘይረኽቡ ምግባሮምን ቀጻሊ ጐስጓስ ክካየደሉ ምጽንሑ  ሓደ ካብ  ሓለፍቲ መደብ ተለቪዥ ቲቢኤ (TBS TV) ኣቃሊዑ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ በቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነጻነት ረኺቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ግና ከንቆልቁል ዝጸንሐ ምዃኑ ንብዙሓት ከዛርብ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝጸንሐ ምክብባርን ምትሕልላውን ክነቓነቕ፡ እተን ዘይማዕበላን ናእሽቱን ሃገራት ብሓያላት ከይድፈራ፡ ማእከላይ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ኮነ ዞባዊ ሕግታትን ውዑላትን ሓይሉ ክደክም ይረአ’ሎ። ብሰሪዚ ድማ  ዓለምና ኣብ ከቢድ ናይ ውግኣትን ስግኣትን ወጥሪ ተጸሚዳ፡ በቲ ሓደ ወገን  ህዝቢ ክሃልቕን ክማዛበልን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንብረቱን ትካላቱን ክዓኑ መዓልታዊ ናይ ስግኣት ተርእዮ ይኸውን ኣሎ።

 ካብዚ ብዘይፍለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ፡ ምስንዳእ ንዓመጽ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። እቲ ሕቶ ዋል’ኳ ስንኩፍ ኣታሓሕዛ ዝምድናታት ህግደፍ ዘተባብዖ እንተኾነ፡ ንኢትዮጵያ’ውን መዘዙ ነዊሕ ስለ ዝኾነ፡ ሻቕለቱ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ተደሪቱ ዘይተርፍ፡ ንኹሎም ምእንቲ ፍትሒ፡ ልኡላውነትን ሰላምን ዝሕለቑ ወገናት’ውን ዘየቕስን’ዩ። ምኽንያቱ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸሲ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ከም ዝበሃል፡ ዓመጽ እንተ ሳዕሪሩ፡ ሎሚ “ደሓን ኣለና ንዝብሉ” ወገናት’ውን ጽባሕ ነዓኣቶም ውሕስቲ ኣይክትከውንን’ያ። ብልጽግናን “ንሕና ኣለናልኩም” በሃልቶምን፡ ሕቶኦም ርትዓዊ ንምምሳል፡ ዝጽፍጽፍዎ ምኽንያታት ሓቅነት ስለ ዘየብሉ፡ ምልክዑ ዝቐያይር’ምበር መወዳእታ ዝተሳእኖ፡ ሓደ ክፈርሶም እንከሎ ካልእ ክምህዙ እዮም ከይደቀሱ ዝሓድሩ።

ሃንቀውታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልበት ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ምውናን ዝድረት ዘይኮነ፡ ንብምልእታ ኤርትራ ዓምጢሩ ንምውሓጥ ዝደናደን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እቲ “ዝመንጨትና ምስ መንጨትና ኣብታ ዝተረፈት ኤርትራ ልኡላውነት ከነኽብር ኢና” ክሳብ ምባል ዝበጽሕ “ማይ ዘይጠዓመ ጽውጽዋይ” መዳህለሊ ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ ኢና ዘለና። ከምቲ “ስቕ በሉ ዝብኢ እዩ እግረይ ዝበልዕ ዘሎ” በለ ፈራሕ  ዝበሃል፡ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕራን ወደባን ድሕሪ ምውራር፡ “ዝተረፈ ኣካላ ክድሕን’ዩ” ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ምድዕዓስ፡ ናይ ጥዕና ከምዘይከውን ብሩህ እዩ።

“ኤርትራ ባሕራን ወደባን ካብ ዘይተጠቕመትሉ፡ ኢትዮጵያ እንተወሰደቶ እንታይ ጸገም ኣለዎ”፡ ዝብሉ  ገለ ኤርትራውያን መዳመቕቲ ዓመጽ፡ ምስማዕ ከኣ ዳርጋ ልሙድ ዝተዓዛዝብ ይኸውን ኣሎ።“ስለ ዘይንጥቀመሉስ፡ ይውሰድዎ”ኸ  ይበሃልድ’ዩ” ዘብለና ዘሎ ከኣ፡ ተስፋ ምቑራጽን ብሩህ መጻኢ ዘይምምዕዳውን ግጉይ ስለ ዝኾነ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዘይጥቀመሉ ዘሎ፡ ባሕሩን ወደባቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ካልእ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጸጋታቱ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ክሳብ ክንዲ’ዚ ናይ ጸጋታቱ ዘኽታም ዝኾነ ከኣ፡ በቲ ዋጋ ዝኸፈለሉ ኩለ-መዳያዊ ሃብቱን መሰሉን ናይ ምጥቃም ድሌትን ቅሩብነትን ሰለ ዘየብሉ ኣይኮነን።  እንታይ ደኣ ብሰንክ’ቲ ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፋዊ ጭቆና ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንጐረቤት ኢትዮጵያ ዓለም ብዓለማ’ውን እትፈልጦን ትሻቐለሉ ዘላን ሓቂ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ስንና ነኺስና ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ህዝብና ንዘይተጠቕመሉ ባሕሩ ይኹን መሬቱ ቆርሚምካ ንዘይግበኦም ንምምጣው ዘይኮነ፡ ልዕልናኡ ብሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ናይ ኩሉ ሃብቱ ዋና ዝኾነሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ፡ ንመገላገሊ’ውን ዘጸግም ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምግሃስ ላዕልን ታሕትት ብዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ተቐላጢፍካ “ኣይፋል” ዝብል ድምጺ  ዘይምስምዑ፡  ሓደገኛ ሳዕቤን ከየኸትል ዘሰክፍ’ዩ። ገለ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ቃልሲ ኣለና ዝብሉ  ወገናት’ውን፡ ንዓሎቕ ብልጽግና ከጸባብቑ ይስማዕ እዩ።  ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ “ምዕራብ ትግራይን ራያን ናብ ንቡር ንምምላስ እቃለስ ኣለኹ” ዝብል ትግራዋይ ፖለቲከኛ፡ ኦሪያ ኣብ ዝተባህለት መዲያ ቀሪቡ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክትውንን ርትዓዊ እዩ” ዝብል  ሓሳብ ከቕርብ እንከሎ ምስማዕ ክሳብ ክንዳይ ገለ ወገናት ኣብ ተጋራጫዊ ማዕበል ይሕንብሱ ከም ዘለዉ የመልክት።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ኣብ ዝበረኸሉ፡ ይስምዑ ካብ ዘለዉ፡ “ኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ትማሊ ክትነብር” ምፍታን እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ነዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ኣትሒዛ ምግዘኣ፡ ኮነ ኢላ ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ከምዘይትራኸብ ናይ ምግባር ተንኮል’ዩ እናበሉ ምስ ህልዊ ቅርጺ ኤርትራ ዝራገሙ’ውን ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ኣብቲ ሃጸይ ምነሊክ ንኢትዮጵያ ካብ ኢጣልያ ንምድሓን ብዝብል ምስ  ኢጥልያ ዝተፈራረመሉ እዋን እንተዝኸውን ትርጉም መሃለዎ። ሎሚ ድሕሪ ናይ ኤርትራ ሃገርነት ብኹሉ መለክዕታት ምድልዳሉን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ኳ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ተወሲኑ፡ ኣብ መወዳእታ መስርሕ ኣተገባብራ እናሃለወ፡ ልዕሊ100 ዓመታት  ንድሕሪት ተመሊስካ ምምራር፡ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ”  ዝዓይነቱ ህውተታ፡ መግለጺ ፖለቲካውን ታሪኻውን ንድየት  እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ኣብ ግዜ ደርጊ “ርእሰ-ምምሕዳር ዓሰብ (የዓሰብ ራስ ገዝ)” ዝበሃል ከባቢ ምንባሩ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ዘይምዃና ዘመላኽት’ዩ ክበሃል’ውን ይስማዕ’ዩ። ብዛዕባ ግዜ ደርጊ ዝተባህለ እንተተባህለ፡  ዓሰብ ጥራይ ዘይኮነት መላእ ኤርትራ’ውን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ደርጊ ኣብታ ግዝኣቱ ዝነበረት ኤርትራ ከም ድላዩ ጠንቀላዕላዕ እንተበለ ድማ ዳኛ ኣይነበሮን። እቲ ድሕሪኡ ዝማዕበለ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብቕልጽሙ ንመግዛእቲ ምስዓርን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ብዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ኤርትራ መዓርግ ልኡላውነት ምልባሳን፡ ኣብቲ ኣብ ግዜ ደርግን ቅድሚኡ ዝነበረ ነበረያነበረ ዘምጸኦ መሰረታዊ ለውጢ ዘይምርዳእ ኮይኑ፡ “ክበልዕ ዝበለስ ገደል ኣፉ” ከም ዝበሃል ተዓሚትካ ንቕድሚት ምጉያይ ጥራይ’ዩ ዝኸውን።

ዝሓለፉ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኮነ ካልእ ዛዕባ ነናቶም ኣሰር ገዲፎም ዝሓለፉ እዮም። ኩሉ ተግባራቶም ከኣ ብስም ኢትዮጵያ ከም ውርሻ ታሪኻ ዝምዝገብ እምበር፡ ሒዘምዎ ዝኸዱ ወይ ዝስረዝ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ከምቲ ምነሊክ ንኢትዮጵያ ዘመናዊ መንገዲ ኣትሒዝዋ ኢሎም ዝሕበንሉ፡ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞም ስምምዓት ከኽብሩ’ውን ቅሱባት እዮም። ተጠሊዕካ፡ “መንግስቲ ኢህወደግ ዝገደፈልና ልቓሕ ናይ ኢትዮጵያ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ንኸፍሎ  ኣለና” እናበልካ፡ ተጠዊኻ ንውጽኢት ረፈረንደም ተቐቢሎም ንልኡኣውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ምሃቦም ሓጥያት’ዩ ምባልከ ብኸመይ’ዩ ዝቃዶ።

ዶር ደረጀ ዘለቀ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ  መምህር ዓለምለኸ ሕጊ ዝነበረ፡ ብ2019 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ብመንጽር ሕጊ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዝኾነ ይኹን ዕልድ የለን። ካብዚ ወጻኢ ብጉልበት ክጥቀምየ ንዝብል፡ ኣነ ከም ናይ ሕጊ ፈላጥን ጠበቓን ኣይድግፎን እየ። ዝከኣል እውን ኣይመስለንን። ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነብር ህዝቢ ናይ ካልእ ሃገር መሬት ወሪሩ ብሰላም ክነብር’ዩ ዝብል እምነት ከኣ የብለይን” ዝበሎ  ምዝካር ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

Page 18 of 633