ኣብ ክንዲ ብጉርሒ ምፍራስ፡ ተገራሪህካ ምህናጽ!
2025-06-24 19:20:41 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 471 timesኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ወረ ውግእ ኣብ ዝስመዓሉ ዘይቅሱን ህሞት ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ዘየቕስን ወረ ብፍላይ ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ዝንህር ዘሎ እዩ። ናይዚ ስግኣታት ቀንዲ ጠንቅን ካብ ኣመጻጽእኡ ጀሚርካ ዝሕተትሉን ዘይሓላፍነታውያንን ስሱዓትን መንግስታት ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን።
እቲ “መጻእኩ” ዝብል ዘሎ ስግኣታት ውግእ፡ ብውሕዱ ክልተ መልከዓት ኣለዉዎ። እቲ ሓደ መልክዑ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምውጣጥን ምክሳስን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ገጹ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ውሽጣ ትሕመሶ ዘሎ ወጥሪ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቻድን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይዓርግ ዘስግእ ምፍጣጥ ናይቲ ኣብ ሕድሕድ እተን ሃገር ዘሎ ወጥሪ መርኣያ እዩ። እተን ዘይጠቐስናየን ሃገራት ከባቢና እውን መምስ ጐረቤተን ዘለወን ዝምድና “ዘቕስን” ኣይኮነን።
ናይዘን ሃገራት ዘይቅሱን ሃለዋትን ዝምድናን ካብኣተን ጀሚሩ ኣብኣተን ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ርሑቕ፡ በብናቶም ሕሳብን ረብሓን ዘንቀሳቕስወን፡ ዘዕጥቕውንን ዘስንቕወንን ሓያላትን ሃብታማትን ሓይልታት ኣለዉ። እምብዛ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ጉዳይ ከባቢና፡ ሳዑዲ ዕረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኣብ ምግዳድ ኣስማተን ተደጋጊሙ ክጥቀስ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንሃገርናን ጐረባብታን ዝመርሑ ዘለዉ መንግስታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተለኣኣኽነት ንክወድቁ ናይተን ሃገራት ቁጠባዊ ድኽነት ግደ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ግና ንዓሚቕ ትርጉም ናይቲ ብምክኣልን ምጽውዋርን ዘተግበር፡ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ፡ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ” ክቕበሉ ቅሩባት ዘይምዃኖም እዩ።
እቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ጸገማት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላውን ናይ ሕድሕድ ውግኣትን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድምጺ ጥይት ስለ ዘይስማዕ ጥራይ፡ ገሊኦም ብገርሂ ገሊኦም ድማ ብጉርሒ “ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ኣብነት’ያ” ከም ዝብልዎ ዘይኮነ፡ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ነጻ ከም ዘይኮነት፡ ነቲ ብስዉር ዝጠፍእ ህይወትን ንብረትን ገዲፍካ፡ እቲ ንለውጢ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ መስካሪ እዩ። እዚ ከኣ ዘተኣማምን ሰላም ተኲሲ ብዘይምህላው ጥራይ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሕድሕድን ቁጠባዊ ድቀትን ዘውርዶ ዘሎ ክሳራን ዘሕድሮ ዘሎ ስግኣትን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከይተረፈ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ምትህልላቕን ዘኸተሎ ዘሎ ናይ ሰባት ምምዝባልን ከምኡ እውን ናይ ትሕተ-ቅርጻ ዕንወት ምግማቱ ዘጸግም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ጽልዋኡ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ እውን ዘስግእ’ዩ። ሶማሊያ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልላትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ ኣልሸባብ ዘለዋ ምትሕንናቕ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኮይኑ ብናይ ካለኦት ሃገራት ወተሃደራት እትሕሎ ዘላ ሃገር እያ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እምበኣር፡ ዞባና ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣስጋኢ ወጥሪ ምህላዉ ዘገንዝብ እዩ።
እቲ ዝያዳ ኣድህቦ ዘድልዮ ከኣ፡ ብሓደ ወገን ኣብ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ቅሳነትን ስኒትን ዘይፈጠረ መንግስቲ፡ ንጐረቤት ክሕግዝን ሰናይ ክሓስብን ከምዘይክእል’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጐረባብቱ ምትሕብባርን ሰላምን እንተዘይሃልዩ፡ በይንኻ ናይ ቅሳነት ደሴት ክትከውን ከምዘይከኣል ምምልካት እዩ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ምስ ጐረቤት ሃገር ዘለካ ጸገምን ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዘይቅሱን ኩነታትን ነጻጺልካ ዝረአዩ ዘይኮኑ ኣብ ሕድሕዶም ተጸላለውቲ ምዃኖም እዩ። ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን፡ ህግደፍ ንጉጅለ ፋኖ ኣምሓራ የዕጥቕን የስንቕን ኣሎ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቡር እንትዝነብር ህግደፍ ምስ ፋኖ ኣይምስተጫነወን። “ትማሊ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ክንቃለስ ኢና” ዝብል ዝነበረ ህግደፍ ሎሚኸ ኣበይ’ሎ? የገርም።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ኢማራት መሰጋገሪት ኮይና እናተባህለት ትጥቀስ ምህላዋ ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሕማቕ ዓይኒ እንተዘይጠማመታ፡ ብልጽግና ኣብ ጐኒ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኣይመተሰለፈን። ናይ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሱዳን ኢድ ምእታው’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ ዝረአ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ነቶም ንህግደፍ ኣሚኖም ክዛመድዎ ዝረኣዩ ወገናት “ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ ነዓኻትኩም’ውን ኣይኮኖኩምን’ዩ” ዝብል ስምዕታ እነቕርብ ከኣ ነዚ ውሽጣውን ግዳማውን ምጽልላዋት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።
ንህግደፍ ወሲኽካ፡ መንግስታት ነቲ ምስ ጐረባብቶም ዝፈጥርዎ ምትፍናን ኮነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሳውርዎ ጐንጽታት “ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተገዲድና ዝኣተናዮ እዩ” እናበሉ እዮም ዘጸባብቕዎን ዝጉስጉስሉን። ብግብሪ ግና እቲ “ምእንታኻ” ዝብልዎ ህዝቢ እዩ በቲ ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ውግኣት ኣደዳ ጸገማት ኮይኑ ዝህሰ። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይቲ ዝካየድድ ውግእ “ምእንቲ ህዝቢ” ዘይኮነ ናይቶም መሳወርቲ ዕድመ ስልጣን መናውሒ ወይ መምልኢ ካዝና ምዃኑ ብግብሪ ዝተራእየ’ዩ ።
ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ ህግደፍ ምጽሕታር ውግእን ብሰንኩ ዝፍጠር ዘይቅሱን ህይወት ህዝብናን ኣወዳዲርካ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። መንግስታት ብመንፈስ’ቲ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ” እንተዝግዝኡ፡ ክሳብ ሕጂ ክጋጥም ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ከይክሰት እንሰግኦን ሓደጋታት ኣይመጋጠመን። ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ድማ ቅድሚ ስልጣኑን ጉጅላዊ ረብሓኡን፡ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ዘቐድም ስርዓት ክትፈጥር ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ተመኩሮ ኤርትራ ከም ዘርኣየና ድማ፡ ክሳብ ክንድዚ ሓላፍነታዊ ስርዓት ተቓሊስካ ዝትከል እምበር፡ ተመኒኻ ካብ ሰማይ ዝወርድ ኣይኮነን።
ስለዚ ከምቲ ወትሩ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሰላምካን ቅሳነትካን ብቓልስኻ እዩ ዝውሰን” ዝብል እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ናብ ጐረባብትና ህዝብታት እውን ንደግሞ ኣለና። ምኽንያቱ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንሰላምን ሰላማዊ ጉርብትናን በይኑ ዞባዊ ሰላምን ቅሳነትን ዘውሕስ ስለ ዘይከውን።