ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም፡ ናይ ጸለመ ስም ምጥቃንሲ ኣይቅኑዕን!
2025-07-10 17:37:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 301 timesኣብ ቃልሲ ንድሕነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን፡ ብዙሓት ኣብ ግምት ከተእትዎም ዝግበኣካ መሰረታዊ ረቛሕታት ኣለዉ። “ኣየናይ ሕቶ ንምምላስ ትቃለስ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብግቡእ ክንጽርን ህዝቢ ክርደኦን፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ትልእኮኡ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን የድሊ። “ምስ መን ትመሓዞ?፡ ብኸመይ ትውደብ? ኣየናይ ኣገባብ ቃልሲ ትመርጽ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣቐዲምካ ምምላስ’ውን መሰረታዊ እዩ። እስትራተጅን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን ምሕንጻጽን ብመንን ብኸመይን ከም ትምራሕ ምንጻርን ከኣ ኣገደስቲ እዮም። ኣየናይ መቃለሲ ቦታ ትመርጽ ምውሳን ድማ ዘይዝለል’ ዩ።
ኤርትራውያን ነቲ ናይ ነጻነትን ልኡላውነትን ቃልስና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሜዳ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብና፡ ምስ ዝተወሰነ ናይ ግዳም ደገፍ ኢና ኣዕዊትናዮ። ኣብዚ ድሕሪ ነጻነት፡ ን34 ዓመታት ምእንቲ ሓርነት ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ግና፡ ኣብ ገዛእ ሃገርናን ኣብ ማእከል ህዝብናን ኣይኮናን ነካይዶ ዘለና። ምኽንያትና ከኣ እቲ “ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሑቑ ዘይርኢ” ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝመረጾ መላኺ መንገዲ ዝተፈልየ ሓሳብ ክጸውር ዘይክእል ጸቢብን ጸዋግን ብምዃኑ እዩ። በዚ መሰረት ብዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ቃልስና ነካይድ ኣለና። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆና ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ’ውን፡ ብስዉር መሰረታዊ ቃልሲ ንለውጢ የካይድ ምህላዉ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።
“ኣበይ ኮይንና ኢና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ?” ናይ ዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሲ፡ “ኣብ ዝኾነ ናይ ለውጢ ርኢቶና ዝጸውር ባይታ ዝረኸብናሉ” ዝብል እዩ። እቲ “ናይ ለውጢ ርኢቶና ኣብ ዝጸውር ባይታ” ዝብል፡ ካብ ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቶም ነቲ ባይታ ዘመሓድርዎ ኣካላት ጀሚርካ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ቀዳማይ ተመራጺ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ምዃኑ ወትሩ ዝጥቀስዩ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ቃልሲ መጸዋዕታኻ ብቐሊሉ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ወሳኒ ህዝብኻ ክተመሓላልፈሉ ስለ ዘኽእለካ እዩ። እንተኾነ ጐረቤት ኮይና፡ ፖለቲካዊ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ተሃዋስነት ኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይንካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ፈታንን ጥንቃቐ ዘድልዮን ምዃኑ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝምድና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝመርጽናዮ መቃለሲ ከባቢ ክጻረሮ እምበር፡ “ሓንጐፋይ ኢሉ ክምርቐልና” እንጽበዮ ኣይኮነን። መቃለሲ ቦታ ምስተመርጸ፡ “ኣብኡኸ እንታይን ብኸመይ ኢና ንንቀሳቐስ?፡ ዝብል ሕቶ ምምላስ ዘይስገር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኣብ ኢትዮጵያ ይንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበርሉ፡ ብቐጻሊዝለዓልን ውረድ ደይብ ዝፈጥር ዝነበረን እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብድብድቡ ንኹሉ ኣብ ሓደ ዘንቢል ኣእቲኻ፡ “ውድባት ኮና ግንባራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለዋ ዋላ ሓንቲ ኣይሰረሓን” ዝብል ናይ ብዙሓት “መዋራዘዪ” ኮይኑ ዝስማዕ እዩ።
እዚ ሃካይን ላህመታውን ኣደማድማ ብዙሕ ዘዛርብ ኮይኑ፡ እቲ ዝሓለፈ ውረድ ደይብ ብምጥቕሉሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንዝካየድ ቃልስን ምስቲ መንግስቲ ንዝግበር ዝምድናን መሰረታዊ መወከሲ ተመኩሮ ከም ዝኸውን ፈጺሙ ዝከሓድ ኣይኮነን። ነቲ ተመኩሮ ዳህሲስካ ነየናይ ትወስድ፡ ነየናይከ ኣይትወስድን ምውሳን ከኣ መስተውዓሊ፡ ዘይህዉኽን ጸዋርን ናይ ምዃን ብቕዓት ዝሓትት እዩ። ነዚ ሃብታም ተመኩሮ ገምጊምካ ርትዓዊ ሚዛን ዘይምሃብ ግና ውጽኢት መጻኢ ቃልስኻ ኣብቲ ቦታ፡ ትሕቲ ናይተን እተነኣእሰን ውዳበታትን ግንባራትን ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
“መቃለሲ ቦታ ባዕልና እምበር ህግደፍ ኣይመርጸልናን’ዩ፡ ኢትዮጵያ ኮነት ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ከኣ “ንዓና ሓራም ንህግደፍ ግና ሓላል ኣይኮናን” ምባል ግጉይ ኣይኮነን። ብመጽርዚ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ “ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ መስሪተ ኣለኹ” ብዝብል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ናይ ስም ለውጢ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሓያሎ ዓመታት ጀሚርካ ዝነበረ ተበግሶ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ቅድሚ ኩሉ ምስትብሃል የድሊ። ነቶም ግንባር መስሪትና ዝበሉ፡ “ኣብኡ ኰንኩም እተካይድዎ ቃልሲ እንታይ እዩ?፡ ናይቶም ኣብኡ ንክትቀሳቐሱ ዝፈቐደልኩምን እትዛመድዎም ዘለኹምን ኣካላት ርኢቶ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ከመይ’ዩ?፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ኢትዮጵያ፡ ከምዚ ዓለምና እትከታተሎ ዘላ እንተኮይኑ፡ ንስኻትኩምከ ብኸመይ ኢኹም ትግንዘብዎ? ኣካይዳኹምከ ትካላውን ስርዒታውን መልክዕ ኣትሒዝኩምዎ ዲኹም? ……ወዘተ” ፡ ዝብሉ ሕቶታት ክቐርብዎም እንከለዉ፡ ከም ናይ ሓሳብ ብዙሕነት ጸጋ ኣብ ክንዲ ምቕባል፡ “ስለምንታይ ንኺድ ጥራይ” ዘይበልኩምና ኢልካ ምቑጣዕን ምንጽርጻርን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ “መንገድኻ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን እሞ፡ ካብ ናትካ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለና” ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ዝወስዶ ተጻባኢ ስጉምቲ፡ ነቶም ተወዲቦም ከምኡ ዝብልዎ፡ ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ከም ዝንጸሉ ናይ ምግባር ዘይዕዉት ወስታ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ “ልኡኻት ወያነ፡ መልመጽቲ ሻሓኒ ወያኔ፡ 5ይ መስርዕን ከደዓትን” ዝብሉ ኣሉታዊ ሓረጋት ምልጣፍ፡ ናይቲ ዘይጸዋር ባህሪኡ መርኣያ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ግንባር ብሪጌድ ንሓመዱ መስሪትና ዝበሉ ኣካላት፡ “ስለምንታይ ኣብቲ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ዝተፈልየ ርኢቶ ተንጸባርቑ” ብዝብል ቁጠዐ፡ ክሳብ “ንተቓወምቲ ውድባት ምስ ዝርዝር “ጸላእትና” ዝብልዎም ምስራዕን “ህግደፍ ቁጽሪ 2” ዝብል ሓድሽ ናይ ጸለመ ቅጽል ናብ ምልጣፍ ምህዋኾም፡ ኣካይዳ ህግደፍ ከም ምድጋም ስለ ዝመስል፡ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። እዚ ህዉኽ ኣካይዳ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ካብ ምዝራግን ዓቕሞም ካብ ምድኻምን ከምኡ’ውን መፍቶ ህግደፍ ካብ ምኻን ሓሊፉ ፋይዳ ከምዘየሉ ምግንዛብ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ክንዲ ዓቕሚ ምእካብ ዝተኣከበ ምብታን ዘኸትል’ዩ።
ነቲ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ፡ ግና ድማ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ንኣምኖ ኢና፡ ደሓር ድማ ንዓና ዝምልከተና ናይ ስርዓት ለውጢ (regime change) እምበር፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኣይኮነን” ዝብል ብሂል፡ እቶም በሃልቱ ተመሊሶም ክምርመርዎ ዘለዎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣርሒቑ ዘይጥምት ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ህግደፍ፡ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና ተመሊስካ ምዝካር’ውን የድሊ።
ካብዚ ሓሊፉ ኩሉ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክንገብሮ ኢና ዝበሃል ዘሎ መብጸዓታት፡ ምምስራት ወተሃደራዊ ክንፍታት ከይተረፈ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ኣስተውዕሉ። ስለዚ እቲ ኣቓልቦ ዘድልዮ፡“ኣበይ ኮይና ንቃለስ” ዝብል ጥራይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ምስ’ቲ ወስትታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላዊ ቀጻልነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብዘይትንክፍ፡ “እንታይ ኢና ክንገብር ንኽእል?” እዩ ክትኮረሉ ዝግባእ።