ውዕሎ ተጎሩባን ግደኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን
2025-03-14 20:00:49 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 333 timesእቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ 1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። 15 መጋቢት 1964 ዝኽሪ ሓርበኝነት ተጎርባ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሳ ተዘክሮ ኣንቢራ ዝሓለፈት ናብ ነጻነት ካብ ዘብጽሐ ዕለታት እያ። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 61 ዓመታት ንዝክራ ዝጸናሕናን ዘለናን።
ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን፣ ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ተጎርባ ፍሉይ ሓይሊ ስሩዕ ሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ኣንጻርቶም ልዕልና ዕላማ፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮም ምዑታት ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ከምቲ ክሳብ ስዕረቶም ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ካለኦት ስርሒታት፡ ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕሃሙ ነይሩ። እንተኾነ ኩነታታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም መኮነናት ዝርከብዎም 84 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ኣስታት 22 ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘሰለፍዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ዓቕሚ’ኳ እንተሰለፉ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን።
ተጎሩባን ሓርበኛታትን ብኸፊል
እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣትን ክሳራን ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነ ክቡር ዋጋ ከፊልሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ውግእ ተጎሩባ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም። ካብቶም ስዉኣት፡ እድሪስ ኣደም ፋጃጅ፡ ዑስማን ዓፋ እድሪስ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ሑመድ፡ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣፋዳድ፡ ዓሊ እድሪስ ጀምዕን ሳልሕ ኑር ሓምደን ዝበሃሉ ምዑታት ከም ዝርከብዎም፡ “ዛንታና” ዝብል ኣቡ ርጃላ ብምውካስ ዝተዳለወ ሰነድ ይሕብር።
ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ምስቲ ዝተሳዕርሉ ውግእ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ፡ ሕራነ ነይሩ።
ውግእ ተጎርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊት-ንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ብፍሉይ ከም መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ዝዝከር።
ውግእ ተጎሩባ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ጀጋኑ ዝሰረጸ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 61 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኽ ዝመጣጠን ካልእ ተጎርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንካልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጎርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።
ኣብ ተጎርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ ዝተፈልዩ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ቅያ ተጎርባን ካለኦት ግጥማትን ኣብ ፍረ በጺሖምስ ድሕሪ ነጻነት ንሓርነት ኣብ እንቃለሰሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚን ግዜ ተጎሩባን፡ ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ዓወት ተጎርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ብጽሒት መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተርን ድንድልን ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።
ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት፡ ካብ ናይ ግዜ ተጎርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየን ዝኸበደን ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ ግቡኡ እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐርበኝነትን ዓቂቡ፡ ነዊሕ ዘማዕዱ ራኢ ወኒኑ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲቲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ኣብ ቅነ እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብዛዕባቲ ዝዓበየ ጉድለቶም ኮይኑ ዘሎ ሓቢርካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ከስተብህልሉ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!