34 ዓመታት ድሕሪ ነጻነት’ውን ኣብ ቃልሲ ንሓርነት

2025-05-23 07:56:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 456 times

ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ብዝለዓል ሓጐስ ካብ ዝተቐበለሉ ህሞት

24 ጉንበት ቅድሚ 34 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸሉ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን መልእኽቲ ዮሃና ነቕርብ።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ጠርጠራ ኣይነበሮን ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ህልቂት ህዝብን ጥሪትን  ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።

እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስኻ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና ።

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።  ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ  ዝብል ጉጅለ ክህሉ ግምት ኤርትራውያን ኣይነበረን።  ምስዚ ግና፡  ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡  ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ።  እቲ እምበርከ፡ እቲ 2 ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 34 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጐደ፡ ግና ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ። ንናይ ህዝብና ናይ ንዕብየትን ሰላምን ትጽቢት ከኣ  ንቁልቑል ነቚትዎ ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ  ድሌት  ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊሙ ዘረጋግጸሉ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ መዓልቲዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ።

እቲ ካልእ ንመበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣህጉርና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ ናብ  ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና  መበል 34 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።

ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ እዩ ዝርከብ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ዝያዳ ክልተ ዓመቱ’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መልክዕ ኣይሓዘን።  ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተመሓየሸ’ኳ እንተመሰለ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ግና ዘተሓሳስብ’ዩ። እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ  ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት   ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ዝሕተላን እውን ዘሰክፍ’ዩ።

እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡  ሎሚ ድማ “ጽምዶ” እናጨረሐ፡ ክፈጥሮ ዝደሊ ዘሎ ሓሸውየ ተወሲኽዎ፡ ህዝብና መፍቶቲ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዘይነብር ጉጅለ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን።  ድሮ ዝውሰድ ዘሎ  ዘሎ ግዱድ ግፋ፡ ነጋርቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ካብ መገሻን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ  ኣንጻርቲ ናይ ኩሉ መከራኡ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጹ ናይ ምስማዕን ቃልሱ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ   ምዝኽኻሩ እዋናዊ እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

24 ጉንበት 2025

Last modified on Friday, 23 May 2025 10:08