ኤርትራ፡ ዝተጠልመ ነጻነታ ኣምሊሳ’ምበር፣ ኣይተገንጸለትን፡

2025-07-29 13:56:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 638 times

ሓርበኛታት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን

ሃገራት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ተማቒለን ተፈጥሮኣዊ ሃብታን ሓይሊ ሳባን ንምምዝማዝ፡ ብ1884 ኣብ ኮንፈረንስ በርሊን ወሲነን።  ድሕሪ’ቲ ውሳነ ኢጣልያ ካብተን ናብ ኣፍሪቃ ዝወረራ 7 ሃገራት ኢውሮጳ ሓንቲ ኮይና፡ ንኤርትራ፡ ሊቢያን ሶማሊላንድን ጐቢጣተን። ነቲ ሩባቲኖ ዝተባህለት ኢጣልያዊት ኩባንያ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ብ1869 መሬት ብምግዛእ ዝጀመረቶ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ተኸቲላ ብ1890 ንኤርትራ፡ ምስዚ ሒዛቶ ዘላ እሞ ብዝተፈላለዩ ውዕላት’ውን ክጸንዕ ዝጸንሐ፡ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ገማግም ቀይሕ ባሕራን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣወጀት። ኣብ ኤርትራ እግሪ ብምትካል ድማ ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕማ ኣዕበየት።

ኤርትራ ምስ ኣዝዩ ውረድ ደይብ ዝመለኦ ኩለ-መዳያዊ ምረት መግዛእቲ፡ ክሳብ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም 1941 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ጸኒሓ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ናይተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳያን ዝጸንሓ ኣስታት 22 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነጻ ሃገራት ኮይነን ክቕጽላ  ክውስን እንከሎ፡ ብሓፈሻ ናይተን ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ዝጸንሐ ሊቢያን ሶማሊያላንድን ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ መጻኢ ዕድል ኣከራኻሪ ኮይኑ ቀሪበ። እቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ’ታ ንኢጣልያ ዝሰዓረት  ብሪጣንያ ብሕድሪ ክትጸንሕ ሕቡራት ሃገራት፡ ወሰነ። በዚ ከኣ ኤርትራ ካብ 1890 ክሳብ 1941 ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእቲ ኢጣልያ፡  ክሳብ 1950 ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያን  ጸንሐት። እቲ መግዛእታዊ ቅርጽን ዶብን ሃገራት ኣፍሪቃ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እውን ኣብ’ቲ  ካብ 17-21 ሓምለ 1964 ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ  ኣኼባኡ ኣጽዲቕዎ’።

ኤርትራ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት፡ ብቐጥታ ነጻ ዘይኮነትሉ ምኽንያት፡ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ቅድመ-ውራር ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበረ መስፍናዊ ወራር ከም ምኽንያት ፈጢሩ፡ ኤርትራ “ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ዝብል ጥርዓ ብምቕራቡን  ምስቲ እቲ ንጉሰ ምስ ኣሜሪካን ካለኦት ሓያላት ሃገራት ዝነበሮ ዝምድናን ብምምዝማዝ ብዝፈጠሮ ዕንቅፋት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ሓደ ወገን እቲ ርኡይ ዝነበረ ታሪኻዊ ክውንነት ኤርትራን ናይ ህዝባ “ነጻነተይ ይከበረለይ” ዝብል መርገጽን፡  ናይ ኢትዮጵያ ገባቲ ሕቶን ካብ ዘጋጠሞ ወጥሪ ዘውጽኦ መፍትሒ ንምርካብ፡  ብዙሕ ፈተነታትን ውረድ ደይብን ኣካይዱ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ሻራነት  ኤርትራ ነጻ ክትከውን ኣይከኣለት። 

ድሕሪዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ስርዓት ሃይለስላሰ ብምድላው፡ ኣብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዘይነበረ፡ ብ2 ታሕሳስ ኣብ 1950፡ 390 (V) ብዝፍለጥ ውሳነ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ክቑረናን ድሕሪ 10 ዓመታት ድማ ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ክካየድ” ኣፍለጠ። መስርሕ ፈደረሽን ቅድሚ ምትግባሩ፡ ኤርትራ ናታ ቅዋምን ዝተመርጸ መንግስትን ክህልዋ ስለ ዝነበሮ፡ ብ11 መስከረም 1952፡ 99 ዓንቀጻት ዝነበሮ ሕገመንግስቲ ኤርትራ ተዳለወ። እቲ ብ10 ሓምለ 1952 ዝተመርጸ 68 ዝኣባላቱ ባይቶ ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ዝተዳለወ ሕገመንግስቲ ብ11 ነሃሰ 1952 ኣጽዲቕዎ።

ድሕሪኡ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ15 መስከረም 1952 ብወግዒ ክትግበር ጀሚሩ። በቲ ቅዋም መሰረት ፓርላማ ኤርትራ ኣብቲ ወርሒ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ከም ቀዳማይ ፈጻሚ ጉዳይ ኤርትራ ክመርጽ እንከሎ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ  ብወገኑ ነቲ ፈደረሽን ከም ዝተቐበሎ ብምጥቃስ፡  ብ30 መስከረም 1952 ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ፍርዳዊ መስርሕ ናይ መወዳእታ ብይን ዝረክብ ኣብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝሕብር   ኣዋጅ ኣውጺኡ። 

ባይቶ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ናይ ሃይለስላሴ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ኤርትራ ኢድ ምእታዉ ንዘመልክት ኣዋጅ ብምቅዋም፡ ብ22 ጉንበት 1954 መግለጺ ኣውጺኡ። ስርዓት ሃይለስላሴ ንስምምዕ ፈደረሽን ናይ ምጥሓስ ተግባሩ ንምቕጻል፡ ውዲታት ብምእላም፡ ኣቶ ተድላ ባይሩ ካብ ስልጣኑ ናይ ምስንባት ሕቶ ንከቕርብ  ብምግዳድ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1955 ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝለቅቕ ገይሩ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሃሰ ከኣ ቢትወደድ ኣስፈሃ ወልደሚካኤል ብኢድ ኣእታውነት እቲ ንጉሰ፡ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ተከኦ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ናይ’ቲ ንጉስ፡  እቲ ፈደረሽን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘግሃደ ኮነ። ሳዕቤን ናይቲ ጥሕሰት ሓደገኛ ምዃኑ ብምርዳእ ዝተቓወምዎ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ምንባሮም’ውን ታሪኽ ይምስክር።   

ጐኒ ንጐኒ ናይቲ ጥሕሰት፡ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ንኤርትራ መሊኡ ናብ ምጉባጥ ይመጣጠር ከም ዝነበረ ዝተረድኡ ኤርትራውያን ንቀጻሊ ቃልሲ ምድላው ጀመሩ።  ምምስራት “ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ” ብ1958 ኣብ ፖርት ሱዳን፡  ናይዚ ሓደ መርኣያ ነይሩ። በዓል ኣቶ ወልደኣብ ው/ማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ክሳብ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረብዎ  ስምዕታ’ውን ታሪኽ ዝመዝገቦ ዲፕሎማሲያዊ ተጋድሎ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ብ1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳራ፡ ብ1960 ኣብ ካይሮ ምምስራታ’ውን ተወሳኺ መርእያ ህዝቢ ኤርትራ ፈደረሽን ከምዘይቅጽል ተረዲኡ፡ ካልእ ምርጫ ክወስድ ምውሳኑ ዘመልክት ኮነ።

ፈደረሽን ን10 ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ፡  ረፈረንዱም ከይካየድ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ከይእውጅ፡ ክሰግእ ዝጸንሐ ንጉሳዊ ቤት ምኽሪ  ሃይለስላሰ፡  ብ14 ሕዳር 1962 ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ወሰነ እሞ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ንኤርትራ መበል 14 ጠቕላይ  ግዝኣቱ ክትከውን ከም ዝጓዕጸጻ ብወግዒ ኣወጀ። በዚ ከኣ ኤርትራን ህዝባን ብመንገዲ ፈደረሽን ክረኺብዎ ጀሚሮም ዝነበሩ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ተጠልመ። እዚ ጥለምት ንውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ዝምልከት ክነሱ፡ ።  እቲ ባይቶ ንውሳነኡ’ውን ኣይተኸላኸለን።    

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝተሓላለኸ መስርሕ፡ ዝተጠልመ ኤርትራዊ ሃገርነቱ ብቃልሲ ካብ ምምላስ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ 1961 ክሳብ 1991  ብዘካየዶ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ  መግዛእቲ ብምስዓር ተዓዊቱ። ብ1993 ድማ ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ብዘካየዶ ረፈረንዱም፡ ኤርትራ ዝተጠልመ ነጻነታ ኣምሊሳ፡ ልኡላዊት ሃገር ኮይና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ተመዝጊባ።

ስለዚ እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ታሪኻዊ መስርሕ ቃልስን ዓወትን ህዝባ ብምዝንጋዕ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተገንጸለት ገይሮም ዝወስድዋ፡ ተረድኦኦም ግጉይን መሰረት ዝሰሓተን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ብመሰረት’ቲ ብ1995 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡  ብዓንቀጽ 39 ዝተፈልየት፡ ከምኡ እውን ብጽቡቕ ድሌት ኢህወደግን መራሕቱን ልኡላዊት ሃገር ከም ዝኾነት ኣምሲሎም ከረድኡ ዝፍትኑ፡ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ኤርትራውያ፡ “ግጉይ ውሳነ ምእራም” ብዝብል ስምዒት ንድሕሪት ክመልስዎ ዝሕልኑ ምህላዎምን ከኣ ዘደንጹ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘስደምም ከኣ ኣመጻጽኣ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን  ቀሊልን ስንኩፍን ኣምሲሎም የቕርብዎ’ሞ፡  ንድሕሪት  ምምላሱ’ውን ቀሊል  ገይሮም ዝርድእዎ ወገናት ምህላዎም እዩ። ነዚኣቶም ኢና ከኣ “ኣይፋልኩምን መንገድኹም ግጉይ’ዩ”   እንብሎም ዘለና።


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Tuesday, 29 July 2025 16:38