ኤርትራ ሎሚ’ውን ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ
2026-05-04 06:29:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 48 timesሪፖርተራት ብዘይዶብ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ብምኽንያት 3 ጉንበት 2026 ዓለምለኸ መዓልቲ “ናጻ ፕረስ” ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። ኤርትራ ናብዚ ደረጃ ዝወደቐትሉ ምኽንያታት ብዙሕ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም ቀንዲ ከኣ ዘይመንግስታዊ መዲያ ዘይምህላው፡ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ ምእጋድን ጋዜጠኛታት ናብ ትካላት ፍትሒ ብዘይምቕራብ መወዳእታኡ ንዘይፍለጥ ነዊሕ ግዜ ምእሳርን ምስዋርን ቅድሚት ዝተስርዑ መዕቀንታት እዮም። ሱዳንን ኢትዮጵያን ከኣ ብቕደም ሰዓብ መበል 118ን 148ን ኮይነን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን።
3 ጉንበት መዓልቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1993 ብሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ዊንድሆክ ዝተወሰነ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ዓላማኡ ከኣ “ናጻነት ምግላጽ ሓሳብ” ንምትብባዕ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ።
በቲ መግለጺ መሰረት፡ ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ደረጃ ናጻ ፕረስ ከንቆልቁል ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኩነታት 180 ሃገራት ዝተዳህሰሰሉ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ፡ ኣዝዩ ብዘሰንብድ ኩነታት ከምዘንቆቆለ ተገሊጹ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ኣብቲ “ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኩነታት ፕረስ” ዝበሃል ደረጃ ይነብር ከምዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ናጽነት ፕረስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ንክወድቕ ቁጠባዊ፡ ጸጥታውን ደረኽቲ ረቛሕታት’ኳ እንተለዉዎ ግቡእ መስርሕ ፍትሒ ዘይምህላ ድማ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ሉግዘምበርግ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ደንማርክ፡ ኢስቶኒያ፡ ኔዘርላንድን ነርወይን፡ ዓሰርተ ናይ ጽቡቕ ኣብነት ኮይነን ተቒሰን። ኤርትራ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ቬትናም፡ ቱርከሚስታን፡ ሩሲያን ኣዘርባጃንን ከኣ 10 ኣብ ሕማቕ ኩነታት ናይ ዘለዋ ሃገራት ኣብነት ተባሂለን ተገሊጸን።