ዓሰርተ ኣባላት ሕርዪቲ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ቦትስዋና ዑቝባ ሓቲቶም
2015-10-14 19:21:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3171 timesሕርዪቲ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ'ቲ ናይ ዓለም ዋንጫ ንምስታፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምጽራይ ውድድር ንምስታፍ ኢያ ናብ ቦትስዋና ከይዳ። እቶም 10 ተጻወቲ ብረቡዕ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክኸዱ ምስ ተሓተኡ ኢዮም ዕጭ ኣይንኸይድን ዝበሉ። እዚ ሓበሬታ'ዚ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምደሰመ) ዝቖጸሮ ዲክ በይፎርድ ካብ ዝተባህለ ጠበቓ ዝተረኽበ ምዃኑ ኢዩ ሮይተርስ እተባህለ ዜና ማዕከን ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣባላት ሕርዪቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ከንያ ብ2009፡ ኣብ ታንዛንያ ብ2011፡ ኣብ ኡጋንዳ ብ2012 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዑቝባ ምሕታቶም ዝፍለጥ ኢዩ።
እዞም ስፖርተኛታት እዚኣቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ስለዝዀኑ ናብ ሃገሮም እንተደኣ ተባሪሮም ብኽሕደት ክኽሰሱን ንሞት ክፍረዱን ከምዝኽእሉ ኤምዲሰመ ስግኣቱ ገሊጹ።
እቶም ዑቝባ ሓተቲ ኣብ'ታ ምስ ጋንታ ቦትስዋና ዝተጋጠሙላ ከተማ ፍራንሲስታውን ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኢዮም ተታሒዞም ዘለዉ። ኣብ'ቲ እተኻየደ ግጥምያ ቦትስዋና 3 ብ 1 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኢያ ተዓዊታ።