ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ርክብ ኣካይዱ
2015-10-16 10:02:30 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2748 timesብኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝምራሕ 4 ዝኣባላቱ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2015 ምስ ሰልፊ ዕዮ Arbeidsparti ኖርወይ ርክብ ኣካይዱ። ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዕዮ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ብሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣቶ ኦድ ኢንገ ክቫልሀይምን ኣማኻሪቱን ሕውነታዊ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
ኣብ ናይ ርክብ መኽፈቲ ዘረባኡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንህልቂት ናይ'ቶም ቅድሚ 4 ዓመት ዝጠፍኡ ኣስታት 70 ዝኾኑ ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ንጹሃት መንእሰያት ዘኪሩ ሓዘኑ ገሊጹ። ደጊሙ ኣቦ መንበር ንታራን ኣበርክቶን ህዝብን መንግስትን ኖርወይ ኣብ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቃልሲ ኣልዒሉ መጒሱ።
ሓው መንግስተኣብ ብምቕጻል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቃልሱ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዓውተን ንናይ ናጻነት ባህጉ ብመንገዲ ረፈረንዱም ብድምጹ ሕጋውነት ዘልበሰውን እኳ እንተኾነ፣ ካብ ዕለተ ናጻነቱ ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ሓርነት ጌና ኣይተረጋገጸን። ብምኽንያት ሕሉፍ ምልክን ስሱዕ ምልካዊ ባህርያትን ስርዓት ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ተሓሪምዎ ኣብ ስቅያት ይነብር ከምዘሎ ኣቦ መንበር ኣብ ዘረባኡ ኣብሪሁ።
ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ኣቝሑን፡ ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ ደረት ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ተደማሚሩ ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ናይቲ ህዝቢ ስለዘጸልመቶ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈተወ ነታ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዝረኸባ ዘፍቅራ ሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ምምራሕ እንኮ ምርጫኡ ንኽገብር ገዲዱዎ ከምዘሎ ኣቦ መንበር ሰልፊ ገሊጹ።
ኣብ ኩነታት ደምበ ተቃውሞ ተመሊሱ'ውን ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፣ ነቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ደሚርካ ነዚ ኣብ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ንምእላይ ዝቃለሱ ሓያለይ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ከምዘለዉ ኣብሪሁ። እንተኾነ እዘን ኩለን ፖለቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካእ ዕላማኳ እንተለወን፣ ሰሚረን ዝሰርሓ ከምዘይኮና ኣብሪሁ።
ንዅለን ዝጥርንፍ ጽላል ናይ ምቛም ጻዕርታት ኵሉ ግዜ ቀጻሊ እኳ እንተዀነ፡ ኣህጕራውያን ትካላት ብሓፈሻ ኖርወጃውያን ድማ ብፍላይ ንኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ክድግፉ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።
ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዝምልከት፥ ዕላማታቱን ኣገባብ ኣመሰራርታኡን ብመነመን ከምዝቖመን ብዝርዝር ሓቢሩ። ሰዲህኤ ብኽልተ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ውድባት ዝቖመ ምዃኑን ብሩህ ናይ መጻኢ ዕድል ከምዘለዎን ኣብሪሁ። ሰዲህኤ፥ ኣብ ገስጋሲ ምሕዝነት ምሉእ ኣባልነት ኣብ ሶሽያሊስት ኢንተርናሽናል ድማ ናይ ተዓዛቢ ቦታ ከምዘለዎ ውን ገሊጹ።
ንኹሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ድሕሪ ምሕባር፣ ሓው መንግስተኣብ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ፍሽልቲ ሃገረ ኤርትራ ንኽትህሉ ምጽባይ ንናይ ማንም ረብሓ ከምዘይኮነ ብምትሕስሳብ፣ ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻ ህዝብን መንግስትን ኖርወይ ድማ ብፍላይ ንኩነታት ሃገረ ኤርትራ ንምቅያር ግደ ክጻወቱ ጻዊዕት ኣቅሪቡ። ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ንምባል ተባሂሉ ዝግበር ናይ ሃገራት ኣውሮጳ ማዕጾ ምዕጻው ይኹን ንስርዓት ኢሰያስ ዝልገስ ሚልዮናት ዩሮ መፍትሒ ከምዘይኰነ ኣረዲኡ። እቲ መፍትሒ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ'ቲ ሽግር ዝዀነ ጕዳይ ምፍታሕ ኢዩ ኢሉ።
ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣባል ፈጻሚ ኣካል፣ ሓልፊ ጉዳያት መንእሰያት፣ ኣባል ናይቲ ልኡኽ ብምዃን መንግስትን ህዝብን ኖርወይ እንታይ ግደ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ኣብሪሁ። ንሱ ኣብ ገለጻኡ፣ እዚ ምውህሃድ ሲኢኑ ኣብ ቃልሲ ዝደክም ዘሎ ኤርትራዊ ሓይልታት ኣብ ቃልሲ ክሰምርን ሰሚሩ ክድምዕን እንተኾይኑ ኣህጉራዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ድሕሪ ምግላጽ፣ መንግስቲ ኖርወይ ኣብዚ መዳይዚ፣ ናይ ምልመላ ኮርሳት ብምሃብ፣ ናይ ዘተን ልዝብን መድረኻት ምብፍጣር፣ መጽናዕቲ ብምክያድ ኮነ ናይ መጽናዕቲ ጉጀለታት ኣብ ሞቋም ክትዋሳእ ከምእትኽእል ሓቢሩን ተላቢዩን።
ንጉዳይ ሓተቲ ዑቝባ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣመልኪቱውን ሓው መድሃኔ ሓበረታ ሂቡ። ንሱ ኣብ ሓበረታኡ፣ ኤርትራውያን ካብ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ንኽስደዱ ብቁዕን ብዓለም ደረጃ ልሉይን ዝኾነ ምኽንያት እንዳሃለዎም ንኖርወይ ደሚርካ ኣብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዕቝባ ሕቶኦም ተነጺጉ ናይ ሰንፈላል ህይወት የሕልፉ ከምዘለዉ ኣረዲኡ። ሓው መድሃኔ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኖርወጃውያን ናይ ሰደተኛታት መዓስከራት ዑቝባ ተነጺጎም ሊዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝገበሩ ብኣማኢት ዝቁጸሩ መንእሰያት ከምዝርከቡ ብምዝኽኻር፣ እቲ ከፍርዩሉ ዝግብኦም ክፋል ዕድሚኦም፣ ኣይትምህርቲ፣ ኣይሞያ፣ ኣይስራሕ ንኾንቱ ይባኽን ብምህላዉ፣ ዓቢ ሞራላውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ። ቀጺሉ ሓው መድሃኔ ዝምልከቶም ሰበስልጣን መንግስቲ ግቡእ ተረድኦ ናይዚ ኩነታትዚ ክህልዎምን፣ ንረብሓ ናይዞም ሰባትዚኣቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ክውሰደን ተላብዩ።
ኣቦ መንበር ጨንፈር ኖርወይ፣ ሓው ዳዊት ኣርኣያውን ብወገኑ ነቲ ብሓው መድሃኔ ዝተጠቅሰ ናይ ሓተቲ ዑቝባ ኩነታት ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብሪሂ ሂቡ። ኣብ ገለጻኡ ሓው ዳዊት ምስ ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቝባ ቀጥታዊ ርክብ ስለዘለዎን ዕለታዊ ምክትታል ስለዝገብርን ንኩነታት ሓተቲ ዑቕባን ዝበጽሖም ስነ ኣእሙራዊ ማህሰይትን ብዝምልከት ጨንፈሩ ናይ ቀረባ ትዕዝብትን ዓሚቍ ኣፍልጦን ከምዘለዎ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኖርወይ ዝግባእ ምትሕብባር ክገብረሎም ተማሕጺኑ።
ንኹሉ ትረኻ ብጽሞና ዝተኸታተል ወኪል ሰልፊ ዕዮ ኣቶ ኦዲ ኢንገ ክቫልሀይም ብወገኑ ኣብ ሓቅነት ናይቲ ኩሉ ዝረኸቦ ሓበረታ ጥርጣረ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓና ወሲኽካ ንኹለን ሃገራት ዓለም ኣውን አምባሲታተንን ቁንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈታተንን ዓጽየን ከምዝወጻ ገርወን እዩ ክብል ምረቱ ገሊጹ። ንሱ ቀጺሉ፣ አምባሲ ከፊትና ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸናሕናሉ ግዜ፣ ብመሰረት ኣህጉራዊ ስምምዕ ዲፕሎማስያዊ መሰላትና ተጠቂምና ኣብ ዝኾነ ቦታ ክንቀሳቀስ ዝግበኣናን፣ ከም ወኪል መንግስቲ ኖርወይ መጠን መንግስታዊ ዕማማትና ብዘይ ዕንቅፋት ክነሳልጥ ዝግበኣናኳ እንተነበረ፣ ናይ ምንቅስቃስ ኮነ ናይ ስራሕ ነጻነት ኣይነበረናን። ነጻነት ምንቅስቃስና ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተንቀሳቂስካ፣ ኩባያ ቡን ሰቲኻ ኣብ ምምላስ ዝተሓጽረ ኣዩ ነይሩ ክብል ኣውን ወሲኹ ኣብሪሁ።
ኣብ መወዳታ ኣቶ ኦዲ ኢንገ እቲ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ፣ ናይ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ኢሰያስ እዩ፣ እዚ ድማ ኤርትራውያን ንመስሪሕ ሓድነትን ምውህሃድን ዝያዳ ክደፍኡሉ ከምዘለዎ ዝጽውዕ ሃዋህው እዩ ብምባል ተላብዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ሰላም፥ ፍትሒ ብልጽግና ከምዝምነ ገሊጹ። ንዝረኸቦ ሓበረታ ንዝምልከቶም መሪሕነት ሰልፉ ከካፍል ምዃኑውን ቃል ኣትዩ።
ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር ኖርወይ