ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ናብ ንቡር ኣይመልሶን ኢሉ
2023-05-15 19:20:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1207 timesብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብ13 ጉንበት 2023 ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ነቲ ውድብ በቲ ዝነበሮ ደረጃ ናብ ንቡር ከምዘይመልሶ ጠቒሱ። እቲ ቦርድ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈ ህወሓት፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸቲሙ ክትግበር ምጅማሩን፡ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ምውጽኡን ህልውናኡ ኣብ መዝገብ እቲ ቦርድ ህያው ክኾነሉን ተኣጊዱ ዝነበረ ንብረቱን ክምለሰሉ ብ7 ጉንበት 2023 ንዝጸሓፎ ደብዳበ ክምልስ እንከሎ እዩ።
እቲ ናብ ህወሓት ዝተላእከ ደብዳበ ቦርድ ምርጫ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብቲ ውግእ ዝነበረሉ ግዜ ብ18 ጥሪ 2021 ህወሓት ኣብ ውግእ ኣንጻር መንግስቲ ስለ ዝኣተወ ከም ዝተሰረዘ፡ ኩሎም ኣባላቱ ብስምቲ ውድብ ከይንቀሳቐሱ ከም ዝተኣገዱን ንብረቱ ከኣ ቅድም ዕዳ እንተይርዎ መኽፈል ዓዳ ክኸውን፡ ዝተረፈ ከኣ ናብ ካልእ ንምርጫ ዝምልከት መዓላ ክውዕል ከም ዝተወሰነ ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ድማ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጅ 1162/2019 ብዛዕባ ዝተሰረዘ ውድብን ንብረቱን ናብ ንቡር ምምላስ ዝጠቅስ ዓንቀጽ ከምዘየብሉ ጠቒሱ። ብመንፈስ እቲ ብቦርድ ምርጫ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ስለ ዝተሓኸኸ፡ ከም ሓድሽ ቀጥዕታት ኣማሊኡ ናይ ኣባልነት ጥርዓን ከቕርብ እሞ ጉዳዩ ተጻርዩ ክምለስ ከም ዝኽእል ዝእምት እዩ። ካልኦት ሰልፍታት ትግራይ እውን መራሕተን ኣብቲ ውግእ ምስታፎም ብዝተተሓሓዘ ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።
እዚ ኩነታት፡ ድሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ምስ ህወሓት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ፡ ኣብ ትግራይ ህወሓት ብዝለዓለ ደረጃ ዝሳተፈሉ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ምሃቡን ብዙሓት ናብ ሰላም ዘምርሑ ስጉምትታት ምስ ተወስዱን ምምጽኡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።