ሩስያ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ከተሰልጥን
2025-03-15 17:00:15 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 349 timesሓይሊ ባሕሪ ሩሲያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ እናኸተሙ
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያን ኢትዮጵያን፡ ዝምድናኦምን ንምድልዳልን ኣብ ምህናጽ ዓቕሚ ንምትሕግጋዝን ብዛዕባ ዘኽእል ከም ዝተመያየጡ “ሂራን ኦን ላይን (hiran online)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬት ካብ መቃድሾ ሓቢራ። እዚ ርክብ ኣብቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፡ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ላዕልን ታሕትን ትብለሉ ኣብ ዘላ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ
ነቲ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ብ14 መጋቢት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸተሙ፡ ምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ኣድሚራል ቭላድሚር ቮሮቢየቭን ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮሞደር ጀማል ቱፊሳን እዮም። ነዚ ብዝምልከት ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ርክቦም ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ስልጠናን ምህናጽ ዓቕም ሰብን ሓገዝ ክረክብ ዘኽእለሉ ተክኒካዊ መዳያት ዝምልከት ከም ዝዳህሰሱ ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩሲያ ኣብ ደብረዘይቲ (ብሽፍቱ) ዘሎ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወሲኽካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ማእከላት ዑደት ከም ዘካየደ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣዛዚ ቀዳምነት ብዛዕባ ዝህብዎም ናይ ስርሒት ስልጠናታት ንምክያድ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ዝምድናኦም ምድልዳል ከም ዝኸውን ጠቒሱ፡ ቀንዲ ዓላመኦም ከኣ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባዊ ማያት ምርግጋጽ ምዃኑ ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ንምሕያል ሓይሊ ባሕሪ ዝምልከት ምንቅስቓስ፡ ካብቲ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ተበጺሑ ዝነበረ ምርድዳእ ተኸቲሉ ዝመጸ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ከኣ ሰፊሕ ዞባዊ ወጥሪ ኣብ ዝተጋደደሉ ምዃኑ እታ መርበብ ሓበሬታ ኣዘኻኺራ።
ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽ ህርፋንን፡ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ወተሃደራዊ ዝምድና ምቕጻሉን ኣብ ዞባዊ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ስኽፍታ የሕድር ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ። ግብጺ ምስታ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ እትዳወብ ሶማሊያ ወተሃደራዊ ዝምድናኣ ምሕያላን ኣጽዋርን ሰራዊትን ተስፍር ምህላዋ ከኣ ምስዚ ዝምድና ሩሲያን ኢትዮጵያን ተደሚሩ ወጥሪ ዘሕይል ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ።
በቲ ዜና መሰረት ሩሲያ ወተሃደራዊ ህልውነኣ ኣብ ኣፍሪቃ ንምሕያል ከም ስትራተጂ መደብ ሰሪዓ ትሰርሓሉ ዘላ ኮይና፡ እዚ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ዝምድና እውን ኣካሉ ምዃኑ ከም ዘርኢ ተሓቢሩ።
እዚ ኩነታት፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዋንነት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ከም እተረጋግጽ ትገልጸሉ ኣብ ዘላ ምዃኑ ዘሰክፍ እዩ። ስለዚ ናብቶም፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራሲን ከነረጋግጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ልኡላውነትን ሓደነትን ኤርትራ ከይድፈር እንቃለስ ዘላና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ረዚን ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግበኣና። ህግደፍ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ደጋፊት ምህላዋ ከኣ ካልእ ዘገርም እዩ።