ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡  ነቲ ደቡብ ሱዳን ንመንግስቶምን ህዝባዊ ወያነ ሕሃርነት ትግራይን  (ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ) ከተዛቲ  ብኢጋድ ዝቐረበ  ሓሳብ ከም ዝተቐበልዎ፡ ሱዳን ትሪቡን ብ8 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ሓቢራ።

ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲዳንታዊ ወሃብ ቃል፡ ኣተኒ ወክ ኣተኒ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ብምብራቕ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ኣካል ኢጋድ ዝቕረበ ንደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ  ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጸገም ንምህዳእ  ከም ብቕዕቲ  ኣዛታይት ዝመዘዘሉ  ሓሳብ ብወግዒ ከም ዝተቐበልዎ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 08: ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

እቶም ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲደንታዊ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ ጁባ ንናይ ሕቡራት ሃገራት  ሬድዮ ኤፍ ኤም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ናይ 2ይ ዙር መዝነቶም ምስ ተረከቡ ውሱን ዕለት  እዃ እንተዘይጠቐሱ  ብቐጥታ ከም ዝጅመር ሓቢሮም።

ሚራያ ከም ዝጠቐስዎ፡ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ተቐባልነቶም ብኢትዮጵያ ዘረጋገጹ ኣብ ጽንበል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ።  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2021 እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ሓምዶክ፡ እቶም ብቑዕ ሰብ ነቲ ዘተ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ምዃኖም ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። ናይ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ዜና ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ሓምዶክ ንፕረሲደንት ሳልቫኬር ዝመዘዝሉ  ምኽንያት  ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ርክብ  ስለ ዘለዎም ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ብቑዕ እዮም  ብዝብል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህውከት ዝተፈጥረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2021 ምንቅስቓስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምቁጽጻር ሓይልታቶም ናብ ትግራይ ምስ ኣዋፈሩ እዩ ክብል፡ ንኣመዓባብላ ናይቲ ኩነታት ጠቒሱ። ድሕሪዚ እቲ ህውከት ምሉእብምሉእ ናብ ሰፊሕ ወግእ ማዕቢሉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝመዛበለሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ  ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ቤት ጽሕፈት ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ዝሃቦ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ  ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ 250 ሺሕ ካብ ክልልዓፋር ከኣ ክሳብ 112 ሺሕ ዝበጽሑ  ሰባት ብሰንክቲ ውግእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ  እቲ ከም ቅድመ-ኩነት ተኹሲ ንምቁራጽን ንዘተን ምውጻእ መልሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ኣቕሪቡ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብዚ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ክመርሖ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ብዛዕባ ምስታፉ ዝተፈልጠ ከምዘየለ ጠቒሱ።

ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጵ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 እንተዘይተመሓይሹ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ናይቲ ውግእ እገዳ ክውሰን ብ7 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቲቱ።

ብመሰረትዚ ብብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝተቃልሐ መጸዋዕታ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ምግዳድ እቲ ውግእ ኢድ ዘለዎም ኣካላትን እዩ። እቶም ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ዘተዓናቕፉ ኣካላት ብቕልጡፍ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ፡ ኣብ ትግራይ ሕገመንግስታዊ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕን ጸዊዖም። ከምኡ እውን ኣብ ካለኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዎም ኣብዚ ኣኼባኦም ኣመልኪቶም።

እዚ ብ618 ድምጺ ዝተደገፈ፡ ብናይ 4 ድምጺ ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን ብብዝሒ ድምጺ ዝተወሰነ ውሳነ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ እቲ ቀረብ መድሃኒት፡ ነዳድን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝኽልክል ዘሎ ዘይዕላዊ ውሳነ ክለዓል፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።  

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላኳ እንተዘይተቐበሎ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ከይቀርብ ከም ዝዕንቅፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥምየትን ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንምእታው ኣብ ክባ ከም ዘእተዎ ብምጥቃስ እዩ ዝኸስስ።

ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብቲ ናይ 7 ጥቅምቲ 2021 ኣኼብኦም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን  ሰብኣዊ ረድኤት ክግበር ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ምግባሮም  ኮኒኖም። ትሕቲ ዕድመ  ህጻናት ናብ ኲናት ምምልማል ከምኡ’ውን ኣብቲ ኲናት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጽን ካለኦት ግፍዕታትን እውን ተቓዊሞም።

እቲ ኣኼባ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ኲናት ዘጓሃህር ተግባራት ካብ ምፍጻም ክዕቀቡ ብምምሕጻን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ወገናትን ናይቶም ዛጊት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመት ክገብር ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተኒዮ ጉተረዝ ብ6 ጥቅምቲ 2021 ንኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባቲ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብርሂኦም፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝምልከት ዝወጹ ዘለዉ ዘሰንብዱ መረዳእታታት ይውስኹ ምህላዎም ኣመልኪቶም። ህይወት ንምድሓን ናብቲ ክልል ረዲአት ከይበጽሑ ይሰናኸሉ ምህላዎም እውን  ነቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም።

ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ)፡ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ዙር ምምስራት መንግስቲ፡ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ  ንቐጻሊ 5 ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ክቕጽሉ ሰይምዎም። እቲ ካብ 547 ኣባላቱ 425 ዝተሳተፍዎ፡  ብኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ዝተዓብለለ ቤት ምኽሪ፡ ነቶም ኣፈባይቶ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣቶ ታገሰ ጫፎ እንደጋና ኣቐጺልዎም። ወይዘሮ ሎሚ በዶ ዝተባህላ ፖለቲከኛ  ከኣ ምክትል ኣፈ ባይቶ ኮይነን ተመሪጸን። ኣብዚ ናይ ንግሆ ክፋል ኣኼባ፡ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደ ፕረሲደንት ፈደራላዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣብያተ-ምኽሪ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ ከፈታ፡  ብዛዕባ ኣብዚ  ቀጻሊ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ስፍሕ ዝበለ መደረ ኣቕሪበን።

ጐኒንጐኒ፡ ናይዚ  መስራቲ ኣኼባ ፓርላማ ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣኼባ ተኻይዱ። እዚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ክሳብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ክልል ኣምሓራ ፕረሲደንት ንዝነበሩ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር  ኣፈባይቶ ገይሩ መሪጽዎም። ምክትሎም ከኣ ኣብ ክልል ዓፋር በዓልቲ መዚ ዝነበራ ወይዘሮ ዛህራ ኡመድ መሓመድ ኮይነን።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ብመንገዲ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ፕረሲደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቃለ መሓላ ፈጺሞምም።  ድሕሪ ቀትሪ ብወተሃደራዊ ሰልፍን ሙዚቃዊ ምርኢትን ተሰንዩ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝቐጸለ ሰፊሕ ጽንብል፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒሲተር  ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያን ንመስርሕ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫን ዝምልከት ስፍሕ ብዝበለ ገሊጾም። ንኣመዓባብላ ናይቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዝምልከት እውን እቲ ልሙድ መርገጾም ኣንጸባሪቖም፡ ንምህናጽ ሓያል ሰራዊት ከም ዝቕጽልዎ’ውን ገሊጾም። ንተግባራት ምዕራባውያን መንግስታት  ጠቒሶም ከኣ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም።

ኣብዚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ጽምብል፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዩወሪ ሞሰቪኒ ናይ ዩጋንዳ፡ ሳልቫኬር ማርደት ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ዑመር ገለ ናይ ጅቡቲ፡ እሁሩ ከንያታ ናይ ኬንያ፡ መሓመድ ፎርማጆ ናይ ሶማልያ፡ ማሳኪ ናይ ሰኔጋል፡ ኣሕመድ ቡሃሪ ናይ ናጀርያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንጎን ተረኺቦም።

 እዚ ከኣ ብዘይካ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ኩለን ንኢትዮጵያ ዘዳወበኣ ሃገራት መራሕቲ ከም ዝተሳተፉ  እዩ። ካብዞም ኣብቲ ጽንብል መደረ ዘስምዑ፡ መራሕቲ፡ ናይ ጅቡቲ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፡ ብቐጥታ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣዝዩ ረቂቕ ብዝኾነ ውሕልነት፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ገጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰላም ክፈትሖ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ መስርሕ ክተሓባበርዎ ቅሩባት ምዃኖም ዘመልክት መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ቀጻሊ መዓልታት ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ሓድሽ ካቢነኦም ኣባላት ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም ከጽድቑ ትጽቢት ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ከም ዝኣዘዘ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናትን ዝተፈላለያ ትካላት ዜናን ሓቢረን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ብ30 መስከረም 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቶም ካብ ሃገሩ ንኽወጹ ዝኣዘዞም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳያት ኢድ ብምእታው እዩ ከሲስዎም።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ንክስጎጉ ዝተወሰኖም፡ 1) ኣቶ ግራታ ለይቲ፡ ምክትል ሓላፊ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረዲአት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ጉዳይ ሰብኣዊ ረዲአት 2) ወይዘሮ ኣደል ኮዶር ወኪል ዩነሰፍ ኣብ ኢትዮጵያ 3) ወይዘሮ ጋዳ ኢልታሂር ሙዳዊ ግዝያዊ ምክትል ኣተሓባባሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረዲአት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ 4) ኣቶ ክወሲ ሳንኩለተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰላምን ዕቤትን ኣማኻርን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ረዲአት ኣተሓባባርን 5) ኣቶ ሰይድ መሓመድ ሄርሲ ምክትላ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ 6) ኣቶ ሶኒ ኣኑግብላ ተቖጻጻሪ፡ ጸብጻብ ሓጋዝን፡ መራሒ ጋንታ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ 7) ወይዘሮ ማርሲ ቪጎዳ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ እዮም።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ማርቲን ግረፊት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፎም፡ እዚ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ሓያል ጥሜት ዘጋድድ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲአት ዝቐርበሉ ዕድል ይዓጹ ከምዘሎ  ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት  ኣንቶኒዮ ጎተሬዝ ብወገኖም እቲ ውሳነ ምስ ሰምዑ ኣዝዩ ከም ዝደንጸዎም ጠቒሶም፡ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራት፡ ብመንጽር ሰብኣውነት፡ ርትዓውነት፡ ብዘይሻራነትን ናጽነትን ከም ዝካየድ ጠቒሶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ሕቡራት ሃገራት፡ መግቢ፡ መድሃኒት፡ ማይን ንጽሬት ዘድሊ ነግራትን ምቕራብ ዝርከቦ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓት ተግባራት የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ኣብቶም ኣብዚ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም እምነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ክሕግዝ ድልዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረዲአት ግቡእ ተግባራቶም ክፍጽሙ ከፍቅደሎም ይግበኦ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሞት ዘብጸሓ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ነዚ ስጉምቲ ብምውሳዱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይኹነን ኣሎ። 

ሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግረፊት ሓገዝ ዝጸዕና መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቶም። እዞም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ህጹጽ ረዲአት ሓላፊ ማርቲን ግረፊት፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ጉድኣት የውርድ ከም ዘሎ ከም ዝርድኡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢረምዎ።

እቶም ሓላፊ “ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ እገዳ  ናብ እትርከብ ትግራይ”፡  ክበጽሕ ካብ ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ 10% ጥራይ ናብቶም ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ከም ዝበጸሐ ነቲ ማዕከን ዜና ሓቢረምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ ህጹጽ ሕተኦም ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉ ኩነታት ክፍጠር ምዃኑ ኣመልኪቶም።  እዚ ጸገም ሰብ ዝሰርሖ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ክፈትሖ  ከም ዝግበኦ  እዞም ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ኣመልኪቶም።

 ኣብ ትግራይ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ውግእ ካብ ዝጅመር ንነጀው፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ዘመልከት ጸብጻባት ክቐርብ ከም ዝጸንሐ እውን ኣብ መግለጺ ናይዞም ሓላፊ ተጠቒሱ።  እቶም ሓላፊ ዓጸቦ ዘጋጥሞም ሰባት ክሳብ 400 ሺሕ ክበጽሑ እዮም ዝብል ግምት ነይሩና ኢሎም። እዚ ግና ከኣ ስሩዕ ሓገዝ ክቐርብዩ ብዝብል ሕሳብ ዝቐረበ ግምት እዩ ነይሩ ኢሎም።

ግረፊትስ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ጥረ ገንዘብ፡ ነዳዲ፡ ተሽከርከርትን ወግዓዊ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ እገዳን ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ብሰንክዚ ሕጽረታት’ዚ  ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ከጋጥም ዝግመት እዩ ኢሎም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ናይ ሓገዝ እገዳ ከምዘይተግብረ  ሓቢሩ፡ እኳደኣ መስርሕ ምቕራብ ረዲአት ንምቅልጣፍ 7 ዝነበረ መቆጻጸሪ ነቑጣታት ናብ 3 ከም ዘውረዶ ክገልጽ እዩ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ በወገኑ ናብ ትግራይ ሓገዝ ጽዒነን ምስከዳ ዘይተመልሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ እንታይ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ኣይነጸረለይ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ እተን መካይን ዘይተመልሳሉ ምኽንያት መምለሲ ነዳዲ ስለ ዝሰኣና እየን ዝብል መልሲ ምሃቡ ዝዝከር እዩ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ሑቡራት ሃገራት ብወገኑ፡  እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ጉዕዞአን ክልተ ግዜ ተኹሲ ከም ዝተኸፍተንን ደቂ ትግራይ መራሕቲ መካይን ኣብ ክልል ዓፋር ዝተኣስርሉ ኣጋጣሚ ከም ዝተፈጥረን ይሕብር።

 

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝርከባ 30 ማሕበራት ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ህውከትን ጥሜትን ከብቅዕ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፈን።

ሳራህ ሸፈር ዋና ዳይረክተር ርክብ ዓለምለኸ ስደተኛታት፡ ነዚ ብ22 መስከረም 2021 ዝተላእከ ደብዳበ ጠቒሰን ከም ዝበለኦ፡  እቶም ዝተላእከሎም ኣካልት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንእትርከብ ትግራይ ዝምልከት ስጉምቲ ክወስዱ መጸዋዕታ ቀሪቡ ኣሎ።

እዚ መልእኽቲ ኣብ ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ኣብኡ ዝርከቡ ሰቪል ነበርቲ፡ ሓገዝ መግቢ፡ ኣገልግሎት ባንክን መራኸብታትን ከም ዝተቛረጾም ተጠቒሱ፡ ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጥሜት ኣትዩ ከም ዘሎን ብዙሓት ከኣ ኣብ ኣፍ ጥሜት በጺሖም ከም ዘለዉን ተንጸባሪቑ። በቲ ዝተኻየደን ጌና ዘዓረፈን ውግእ ጾታዊ ዓመጽን ጥምየትን መሳርሒ ውግእን ጠንቂ ምምዝባልን ይኸውን ከም ዘሎ ተጠቒሱ።

እተ 30 ማሕበራት ኣብዚ መልእኽተን፡ ዋና ጸሓፍን ኣባላትን ቤት ምኽሪን ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እዞም ዝስዕቡ ስጉምታት ክወስዱ ጸዊዐን። ተኹሲ ጠጠው ክብልን ኩሎም ሓይልታት ካብ ትግራይን ከባቢኡን ክወጹን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዝኣትወሉ ኣፍደገታት ክኸፍት ኣብቲ መስርሕ ዕንቅፋት ከይፈጥርን፡ ናብ ትግራይ  ተቖጻጸርትን ብዛዕባቲ ዝተፈጸመ ሰብኣውን ሕጋውን ግህሰታትን ዘጻርዩ ኣካላትን ክኣትዉ ተጽዕኖኦም ከሕይሉን፡ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይን ካለኦት ተቓወምቲ ኣካላት  ዝሳተፍዎ ዘተ ንክግበር ከተባብዑን ጸዊዐ።

ካብተን ኣብቲ መልእኽቲ ዝኸተማ ማሕበራት፡ ምሕዝነት ምህናጽ ሰላም፡ ባይቶ ኢትዮጵያዊ ማሕበረሰብ ንዕቤት፡ ግሎባላዊ ማእከል ሓላፍነት ንሓለዋ፡ ጀዊሽ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ፡ ማእከል ግዳያት ስቓይ (ቶርቸር)፡ ጠቕላላ ቦርድ ቤት ክርስትያንን ማሕበረሰብን፡ ኮሚተ ስደተኛታትን ተጣየስትን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ማሕበር ግዱሳት ምሁራት ኣፍሪቃ፡ ኮሚተ ተግባር ሰቪላዊ ማሕበረሰብ፡ ትካል ሰዓብቲ ስደተኛታትን ተጣየስትን ኣስተምሃሪ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ይርከበአን።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኩሎም ወገናት ከቢድ ግህሰት  ሰብኣዊ መሰል ከም ዝፈጸሙ፡ ሚሸል ባቸለት፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ንሰን ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራትን መንግስታዊ ትካል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ብሓባር ናይ ዘካየድዎ ውሱን መርመራ ጠቒሰን መግለጺ ከም ዝሃባ ተፈሊጡ።

ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቶምን፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፥ ጾታዊ ዓመጽ፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ምምዝባልን ምቕያድን ሲቪላውያን ፈጺሞም ክብላ ከሲሰን። እተን ኮሚሽነር ኣብቲ ኣብ  ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ናይቲ ዝመርሐኦ ትካል ኣኼባ፡ ንሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ከይዶም ተመሳሳሊ በደላት ከም ዝፈጸሙ ጠቒሰን።

ኮሚሽነር ባችለር ኣብቲ ኣኼባ ውጽኢት ናይቲ ካብ 16 ጉንበት ክሳብ 20 ነሃሰ 2021 ዝተኻየደ ናይ ሓባር መርመራ ባሕቲ ሕዳር 2021 ከም ዝግለጽ ኣፍሊጠን። እቲ  ሓባራዊ መርመራ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ምብራቓውን ደቡብውን ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ከባብታት ውቕሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ ቦራ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን  ማይካድራን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ተነጊሩ። ብብዙሓት ወገናት ከቢድ ግህሰት ከምዝተፈጸማ ዝንገረላ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም እትርከቦም ማእከላይን  ምብራቓውን ዞባታት ትግራይ ብሰንኪ ጸጥታዊ ጸገም ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ርግጸኛ ኮይኑ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረቦ ክሲ ኣይተቐበሎን።

እቶም በቲ መርመራ ዝተኣከቡ ሰነዳት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ምስዋርን ዝርከቡዎም፡ ብርክት ዝበሉ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ከምዘነጸሩ እተን ኮሚሽነር ኣረዲአን ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም፡ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ መስርሕ ምትንታን ከም ዘሎ ብምጥቃስ  ብመሰረት ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2021 ውጽኢቱ ወግዓዊ ከም ዝኸውን ገሊጾም። እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕጂ'ውን ንስቓይ ኢትዮጵያውያን ፍታሕ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግበኣኩም" ኢሎም። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ ኮሚሽነር ባችለር ብወገነን ኩሎም ወገናት፡ ብዘይቅድመኩነት ተጻብኦታት ብምቁራጽ፡ ነባሪ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዐን።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ከኣ እቲ ኮሚሽን ዘካየዶ መጽናዕቲ መንግስታዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበ'ዩ፡ ብምባል ከም ዘይቅበልዎ ከም ዝገለጹ ካብ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣባላት ናይ ዓለም መራሕቲ ዘይሻራዊ ጉጅለ (THE ELDERS) ኣብዚ  ቅንያት መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብዚ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ተኹሲ ኣቋሪጾም ንክዛተዩ ዘተባብዕ ስጉምቲ ንክወስድ ሓቲቶም። ብመሰረቲ ብማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝተዘርሐ ሓበሬታ፡  እዞም ኣባላት እቲ ጉጅለ ነዚ ሕቶዚ ዘቕረቡ፡ ዓለም ለኻዊ ሰላምን ድሕነትን ንምስፋን ግደ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እዩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብሓድነት ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ግደኡ ክገብር እውን ኣባላት እዚ ዘይሻራዊ ጉጅለ ጸዊዖም።

ኣብ ዓለም ይረኣዩ ካብ ዘለዉ ቅልውላዋት ተባሂሎም ኣብቲ ኣጋጣሚ  ካብ ዝቐረቡ ጉዳያት፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ናይ ኣፍጋኒስታን፡ ሚንያማር፡ ከምኡ እውን ናይ ፍልስጤም  ተጸሪሖም። ናይዚ እዋንዚ ናይቲ ጉጅለ ዓበይቲ ሰባት መራሒት ናይ ኣየር ላንድ ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ፕረሲደንትን  ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ዝነበራን ሜሪ ሮቢንሰን  “ውግእ ጠጠው ምባል፡ ይረአ ንዘሎ ስቅያት ንምውጋድ መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ እዩ” ኢለን።  ኣተሓሒዘን ከኣ ምስ ምግዳድ እቲ ውግእ ንሓለዋ ደቂ እንስትዮን በጽሕታትን ቀዳምነት ክወሃብ ኣትሪረን ተምሕጺነን።

እተን መራሒት ናይቲ ጉጅለ ኣተሓሒዘን፡ “ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ብሰንክቲ ውግእ ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰትን ዋሕዲ መግብን መግለጺ ተዋሂብዎ እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ትግራይ ወሲባዊ ዓመጽን ጥሜትን ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ምጥቃም ወሲኽካ ብዙሕ ግህሰት ይፈጸም ከም ዘሎ ተገሊጽሉ እዩ” ኢለን።

ኣብ ርእሲዚ  እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንክርዳእ ንትግራይ ወሲኽካ ኣብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እሞ ነቲ ኩነታት ህጹጽ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ከም ዝግባእ ጠቒሰን። “ወተሓደራዊ መፍትሒ ግና ኣይረብሕን እዩ”  ኢለን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተወካሊት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣንበሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ “እዚ ጉጅለ ዓበይቲ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ምምኽኻር ንድፎ ኢና።”  ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ምምዛዞም ጽቡቕ መርኣያ እዩ ኢለን።

ኣብ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ውግእ 10ይ ወርሑ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ  ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ  ናይ ብዙሓት ሰባት ምምዝባልን ሞትን የኽትል ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ህዝቢ መሲሉ ምቕራብ  ካብ መለለይታት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን “ዓይንን ሓመድን” ኢልና እንገልጾ። ነቲ ዝምድና ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርሕሓቕ ዘምጸኦ ከኣ ናይቲ ጉጅለ ብዙሕን ተደጋጋምን ጥልመታት እዩ።

ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ምርሕሓቕ ካብ ዝፈጥርዎ፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቃልሱ ናጻ ኣውጺኡ ብድምጹ ልኡላውነት ዘልበሳ ሃገሩ ብሕገ-መንግስቲ ክመሓደር ክደሊ እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ብኣንጻሩ ሕገመንግስታዊ መሰረት ብዘየብሎም ግዝያዊ ኣዋጃትን ምስጢራዊ መምርሕታትን ይመርሕ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ብዝተመስረተ መሰላቱን ሓርነታቱን ክሕለወሉ ይደሊ፡ ህግደፍ ከኣ ብጉልበትን ዓመጽን፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምውዳብን ናይ ምእማንን መሰላትን ናጽነትን ህዝቢ ይነፍግ። ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ክወሓሰሉ ይብህግ፡ ብኣንጻርዚ፡ እቲ ጉጅለ ህውከት ይጽሕትር፡ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከይሓርስን ከይነግድን ኢደ-እግሩ ኣሲሩ ይሕዞ። ብኣድላይነት ዲሞክራስን ህዝባዊ ምርጫን ከኣ ይዋራዘ።

እቲ ዘገርም፡ ህግደፍ ነቲ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ባህጊ ዘየንጸባርቕ ተግባሩ፡ በቲ ህዝቢ ክኾነሉ ዝጽበዮ  ከመላኽዖ፡ ከምቲ “ትጽቢት ህዝቢ እናጨረሐ ድሌቱ ዝገብር ጉጅለ” ዝበልናዮ፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ምቁር ቃላት ዝተነድቀ መዳህለሊ መደረታትን መግለጽታትን ዘውጽእ ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኳ ሓርነት ዘይብሉ ግዙእ ህዝቢ ሂወት ዘለዎ ህዝቢ ክብሃል ስለዘይክኣል፡ ከም ህዝቢ ህያው ንክኸውን ከኣ ንሓርነቱ ዝሕተት ዋጋ ክኸፍል ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈል ከፊሉ ሓርነቱ ብምጭባጥ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋገረ።” ዝብል ሓሳብ ንረክብ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ህልም ዝበለ ጭቆና ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ደፊንካ፡ በዚ ኣበሃህላ ከተዕሽዎን ከይተሰጋገረ እንከሎ፡ ከተሰጋግሮ ምፍታንን እምበኣር፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ  “ነቲ ርኡይ በደሉ የለን፡ ነቲ ዘይድህሰስ ተስፋኡ ድማ ኣሎ” ክብል ይህቅን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ ሕድሪ ሰማእታትን ህዝቢ ዘንበረሉ እምነትን ኣኽቢሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሉእ ትርጉም ዘትሕዞ፤ መስርሕ ንምምላእ  ንቕድሚት ምስጓም ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣተዓባቢኻን ብሒትካን ብምዝንታው ጥራይ ኣብታ ዝነበራ እዩ ጠጠው ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ባዕሉ ዝሰርሖን ክቡር ህይወት ደቁ ዝኸፈለሉን ታሪኽ ንድሕሪት እናተመልሰ ዝጽብጽበሉ ጥራይ ዘይኮነ ንቕድሚት እናማዕደወ መጻኢኡ ዘጣጥሓሉ እዩ ዝጽበ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ማእከሉ ድሌት ህዝብን ዕቤት ሃገርን ኣብ ድልዱል ባይታ ምህናጽ ዘይኮነ፡ ዋላ ትድከን መንእሰያታ ተሰዲዶም ትባድምን ኣብታ ብደም ጀጋኑ ዝመጸት ሃገር ጸቢብ ዘይህዝባዊ ዓንኬል ፈጢርካ ንኹሉ ህዝቢ ዝጠልቦ ጸማም እ ሂብካ ስልጣንካ ምድልዳል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መድረኽ ግዜ ናጽነት ምኹዳድ እምበር  ንቕድሚት ኣይሰጐመን። ሎሚ’ሞ ኸዓ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምልክታት እውን የርኢ ኣሎ።

እስኪ ሓንቲ እናስሓቐት   እተተሓሳስብ ጉዳይ ክንጠቅስ “ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መደብ ኤርትራውያን ህጽናት፡ ነሽነሽ ኣብ እትበሀል ተለቪዥን ብዩቲብ ዝተዘርሐት እያ። ሓደ ህጻን ናጽነት መን ኣምጺእዋ ምስ ተባህለ “ሓደ ሰብኣይ” ኢሉ መሊሱ። ካልእ ህጻን ከኣ መራሒ ኤርትራ መን ይበሃል ምስ ተባህለት “ኣብይ” ኢላ መሊሳ።” 

ጉጅለ ህግደፍ ተግባሩ ፊትንፊት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ዝመስል ጭረሖ ካብ ምስማዕ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መግለጺኡኳ፡ ነቲ  ኤርትራ ከይትዓብን ከይትህነጽን ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ድኽነት፡ ድሕረት፡ ስደት መንእሰያትን ምንዋጽ ሓድነት ህዝብን ደፊኑ፡ ኣሽኻዕላል ብዝመስል፡ “ድሕሪ ናጽነት፡ ነቲ ዘይከውን ዝተባህለ ምዕቃብ ናጻ ሃገር ክዉን ዝገበረ፡ ንመጻኢውን ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ናይ ራህዋን ልምዓትን ፍትሕን ሃገር ምህናጽ ዝክኣል ክገብሮ ዘኽእሎ ብቕዓት ይውንንዩ።” ዝብል ዝርከቦ ሓሳብ ኣስፊሩ። እቲ ዓቕሚ ዝብሎ ዘሎ ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማለቱ እንተኮይኑ በዚ’ሞ ዝጠራጠር ኣካል የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ንዓኡ እትመስልን ባህጉ እተረጋግጽን ሃገር ናይ ምህናጽ ዕላማ ከዕውት ካብ ዘድልይዎ ቀንዲ መሳርሕታት ሓድነቱ እዩ። ሓድነት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዕዋቱ ቀንዲ መፍትሕ ምዃኑ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ጸላእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈርህዎ ብብዝሑ ወይ ብዕጥቁ ዘይኮነ ብሓድነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር እቲ ቀንዲ መሳርሒ ሓድነቱ ምድኻም ምዃኑ ኣሚኖም ንምብታኑ ዝጸዓሩ ግና ዘይተዓወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ናይ ጸላእቱ ዘይምዕዋት፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከኣ ህግደፍ እውን ኣጸቡቑ ዝፈልጦ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ’ውን ካብቲ ህዝቢ ንምድሃኽ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ሓድነት ህዝብና ምድኻም እዩ።  

እቲ ጉጅለ ብባህሪኡ “ሓድነት ህዝቢ ኣይንረብሓይን” ካብ ዝብል ዝነቅል  ምዃኑ ርዱእ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ እውን ከምቲ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ኢትዮጵያ ዝጭረሖን ሓዊ ዝኣጉዶን ናብቲ ህዝብና ክምለስ እትጽበዮ ኣይኮነን። “ንህዝቢ ዝደልዮ እናጨራሕካሉ ድሌትካ ምግባር” ካብ ዝብል ምትላል ነቒሉ ኣብቲ ናይ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም መግለጺኡ  “ኣብ መጻኢውን ባህግታትናን ዕላማታትናን ንኽሰምር ናብኡ ዘብጽሓና ሓያል ሓድነትን ውዳቤን፡ ቅኑዕ መስመርን መሪሕነትን፡ ጽንዓት ኣብ ዕላማ ከም ዘድልየና ንጹርዩ።” ዝበሎ ኣምሰሉነት ምስትብሃል እኹል እዩ። ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ኣብ ቃሉ ከም ዘይጸንዐኸ ህዝብና  ረሲዕዎ ማለቱ ድዩ።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝተለኽየ ሕብሪ እንተተለኽየ፡ ዝኾነ ምቁር መግለጺ እንተውጸአ፡ ከምቲ “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ-እሙ” ዝበሃል፡ ካብ ኣነቓቕላኡ ባህጊ ህዝቢ ዘኽብር ሕልና የብሉን። ካብዚ ብምንቃል ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቲ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፍ ኣወጊድካ ለውጢ ናይ ምምጻእ መኸተ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ተርዲኡ ቃልሱ ክቕጽል ጥራይ እዩ ዝግበኦ።

Page 70 of 164