ንልኡላውነት ምጥባቕ፡ ጭቆና ህግደፍ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን
2026-02-23 08:45:51 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 186 timesኣብ ቃልሲ ቀዳምነትካ ምስራዕ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ውሕሉል መንገዲ ዓወትን ምዃኑ፡ ዝከሓድ ኣይኮነን። ቀዳምነትካ ምስራዕ፡ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ሰባት’ውን ወሳኒ እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ምስራዕ ቀዳምነት ዝረአ ድኽመት ንምግላጽ እዩ ከኣ “ሰረገላ ቅድሚ ፈርስ” ወይ ድማ “መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዘብል። ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ብቑዕ ዘይምዃን፡ ኣብ ቃልስና ንሓርነት ከሕድረልና ዝጸንሐን ዘሎን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ልኡላዊት ሃገር ብዘይምውሓስ፡ ካልእ ምምናይ ዝከኣል ዘይምዃኑ ስለ ዝተረደአ እዩ፡ “ቅድሚ ኹሉ ንሃገረይ” ኢሉ ቃልሱ ንናጻነት ከቐደመ። ምእንቲ ሃገር ክቃለስ እንከሎ ግና፡ ጎኒ ንጎኑ ኪኖ ናጽነት ዘማዕድዎ ሓርነታዊ ባህጊ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ኣብቲ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ሰላም ዝዓሰላ፡ ዕቤት ዘውሓስትን ህዝባ ኣብ ኩሉ መዳያት ልዕልናኡ ዘረጋጸላን ሃገር ምእንቲ ክትኮነሉ ዝጭርሕን ንምዕዋቱ ባይታ ዝምድምድን ዘነበረን።
እቲ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንናጽነት ቀዳምነት ዘይሕዝ ዝነበረ ዛዕባ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቅድሚት ክመጽእ እትጽበዮ ምቅይያር ነይሩ። በዚ መስረት እዩ ከኣ ሕቶ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ፍትሕን ቅድሚት ሰሪዕና ምእንታኡ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ዘለናን። ህግደፍ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ኣሸቕሪሩ ናይ ምሓዛ ሕቡእ ህርፋን ስለ ዝነበሮ እዩ ከምኡ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን።
ሎሚ ነቲ ብናይ ቃልሲ መስርሕ ሓሊፉ፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ምርጫን ኣህጉራዊ ሕግታትን ተቐባልነቱ፡ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ክንቕንቑ ዝፍትኑ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት፡ ክፍክሩን ክምክሑን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ተርእዮ ብልሑ ወሲኹ ይመጽእ ብምህላዉ ኣብ ኣቀማምጣ ቀዳምነታትና ለውጢ ዘኸትል ተረኽቦ ስለ ዝኾነ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር፡ ካብ ምውጋድ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፍለ” እንተሰራዕናዮ ዘገርም ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ’ቶም ዝተዋሕሰ ልኡላውነትናን ሃገራዊ ክብርናን ንድሕሪት ብምምላስ “ዋላ ኣይገበኣና የድልየና እዩ” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ስምዒታውያን ወገናት፡ ኣብ ቅሉዕ መድረኻት ይስምዑ ኣለዉ። ብሰንክ’ዚ ዘይሓላፍነታውን ትምክሕተኛን ፈኸራኦም ውግእ ከይክፈት ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ፡ ኣብ ዝሰግኣሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ነዚ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ዝኾልፍ ቃልስሲ ቅድሚት ክንሰርዕ ከኣ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ። ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚ ደጋጊምና “ልኡላውነት” ዝብል ዛዕባ ናይ ምልዓልና ምስጢር ከኣ እዚ’ዩ።
ገለ ወገናት፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ “ምዕቃብ ልኡላውነት” ክብል እንከሎ፡ ነቲ ሃገር ናብ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ዝተጋህሰላ፡ ተስፋ መንእሰያት ኣብ ዓዶም ኣጸልሚቱ ስደት ንቡር ዝኾነላ፡ ኣብ ክንዲ ኣብያተ- ትምህርትን ሕክምናን ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝበዝሓላ፡ ትካላት ፍልጠት ዝተዓጽዉላ፡ ጽምዋን ተነጽሎን ዝሳዕረረላ፡ ስግኣት፡ ምፍርራሕን ስቓስይን ንቡር ናብ ዝኾነላ ቀይርዋ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብምዝንጋዕ ይመስሎም ይኸውን። እንተኾነ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ንመግዛእቲ ባዕዳዊ ጸላኢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ ጭቆና እውን ዝስከም እንግደዓ ስለ ዘይብሉ።
ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእቲኻ ናይ ምዝራግ ህውከተኛ ተግባራት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝፈልጦ፡ ኣብ ምዝርዛሩ ከይኣተና፡ እቲ ቃልሲ ትካላት ህግደፍን ኣዕናዊ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራቱን ተወጊዶም ኣርዑት ጭቆና ካብ እንግደዓ ህዝብና ክሳብ ዝውገድ ዝቕጽል እምበኣር፡ ከምቲ ህግደፍ ዝሓስቦ፡ ህዝቢ ደገደገ ከም ዘማዕዱ ጌርካ ብምጥምዛዝን ነቲ ዝፍጽሞ በደላት ከም ብልጽግና ናብ ዝኣመሰሉ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣሰኪምካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
እኳ ደኣ ኣካይዳ ኢሳያስ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና መወራዘዪ ንክኸውን እጃም ስለ ዘለዎ፡ ዝያዳ ኣምሪርና እንቃለሶ እዩ ዝኸውን። ኢሳያስ ንኣብይ ሕመድ ዓሊ ተጠሊዑ፡ “ ፈቓድ ከይሓተትካ ከም ድላይካ፡ ብዓሰብ ጀሚርካ ብባጽዕ ኣቢልካ ክሳብ ተሰነይን ኡመሓጀር ክትዕንድረሉ ከልካሊ ኣይክህልወካን’ዩ” ዝበሎ ነዚ ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ገልጠምጠም፡ ኣየተባበዖን ዝበሃል ኣይኮነን።
ነቶም ሎሚ’ውን ኣብ ክንዲ ንዝሓለፈ ጌጋ ዘእርሙ፡ ግጉይ ታሪኽ ደጊሞም ኤርትራዊ ሃገርነት ብምኽሓድ፡ ካብ ወሰናወሰ ሓሊፎም፡ “ኤርትራ ብምልእታ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ኣካል’ያ” ዝብሉ ዘለዉ፡ ናይ ኢሳያስ ዘይመትከላውን ዘይጥንቁቕን ኣተሓሕዛ ዝምድና መሻሕረቲ ኮይንዎም እዩ እንተተባህለ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
በእዞም ሎሚ “ልኡላውነት ኤርትራ ረኣኹ ሰይጣን ረኣኹ” ዝብሉ ዘለዉ፡ ኣብይ ኣሕመድን መዳመቕቱን “ኣነን ኢሱን ተደሚርና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብሃል እንከሎ፡ ኢሳያስ ብሓጐስ ክጭደድ ኢሉ፡ ኣፍልቡ እናወቐዐ ደገፉን ሓጐሱን ይገልጸሎም ምንባሩ ከኣ፡ ምስዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለታት ኣዛሚድና እንርእዮ እምበር፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀልባዕባዑን ካብ ተሓታትነት ናጻ እንገብረሉ ተመኩሮ ኣይኮነን። ናይቲ ዲክታተር ኣብ ናይ ካለኦት ሃገራት ጉዳይ ኣቲኻ፡ ዓራቓይ ዘይኮነ ኣጓድ ሓዊ ምዃን’ውን፡ ነቶም ኣንጻር ልኡላውነትና ዝሕንሕኑ ዘለዉ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትዩ፡ ህወሓት፡ ኣምሓራ ፋኖን ኦነግን ዝኣመሰሉ ተጻረርተይ፡ እናዕጠቐን እናሰልጠነን “ሰላመይን ሓድነተይን ይዝርግ ኣሎ’ሞ ዓገብ በሉለይ” ዝብል ፋይል ከፊትሉ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ናይ ምውራር ህርፋኑ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ነዚ ኢሳያስ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጣልቃ ኣእታውነት፡ መጣልዒ ከም ዝጥቀመሉ ርዱእ እዩ።
ካብቲ ኣብይ ብጥሪኡ ብዙሓት ስለ ዝኾናስ፡ “ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ይግበኣና’ዩ” ዝብሎ ዘሎ፡ እቲ “ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ትዘርገኒ’ላ” ዝብል ክሲ፡ ምስቲ ናይ ኢሳያስ ድሕረ-ባይታ ተዛሚዱ፡ ዝሓሸ ዓዳጋይ ከም ዝረኽበሉ፡ ምልክታት ኣለዉ። ስለዚ ከምቲ “ንልኡላውነት ምጥባቕ፡ ጭቆና ህግደፍ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን” ዝበልናዮ፡ ኢሳያስ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣብ ምእታው’ውን ኣስተዋጸኦ ስለ ዘለዎ፡ ኣንጻርቲ ተደጋጋሚ ጸረ ህዝብን ሃገርን ተግባራቱ ክንቃለሶ፡ እምበር ክንንሕፎ ዘይግባእ’ዩ።