2ይ ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምምይያጥ ንለውጢ ናይ ስርዓት ጸዊዑ
2025-06-10 19:15:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 202 timesፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ግንቦት 2025 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ብማንዛ (zoom) ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐዳምነት ካብ’ተን 8 ኣብያተ-ጽሕፈት ዝቐረበ ጸብጻባት ንጥፈታተን ሰሚዑ። ከምኡ’ውን፡ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ፖ.ሓ.ኤ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ብደምበ ተቓውሞ ዝተመዝገበ ዓበይቲ ፓለቲካዊ ዓወታትን ዘጋጠሙ ሕጽረታትን ብዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ’ቲ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተኻየደ ንጥፈታት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ዝተመዝገበ እወንታታትን ሕጽረታትን ገምጊሙ። ከምኡ ውን፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ስርዓት ኣስመራ ትሓልፎ ዘላ ጽንኩር ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራውን ጸጥታውን ሃለዋትን ብዝርዝር ተመያይጡ። ኣስዒቡ ብደረጃ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላዋትን ውሽጣዊ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን ብዕምቆት ዘትይሉ። ናይ’ዚ ጸገማት’ዚ እንኮ መፍትሒ፡ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ኣገባባት ጥራሕ ምዃኑ ብኣንክሮ ኣስሚርሉ።
ቀጺሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ዕለት 1-3 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብምትሕብባር ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ንምዕዋት ክግበር ዘለዎ ምድላዋትን ዘድሊ ምትሕብባራትን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብኣጽንዖት ተመልኪትዎ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዘሳትፍ ውራይ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ንምዕዋት፡ ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ንጡፍን እወንታውን ተኻፋልነቶም ከበርክቱ ጸዊዑ።
ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ሓቢሮም ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብጽንዓት ክቃለሱ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ መጸዋዕታኡን ምሕጽንታኡን ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝገብሮ ጸቕጥታት ብምሕያል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣውን ሕጋውን መሰላትን ቅልውላዋትን ደው ክብል ተርኡ ክጻወትን ማዕረ ሓላፍነቱ ክብ ኢሉ ክርከብን ኣዘኻኺሩ።
እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላዋት እናዛየደ፥ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ዓቕምታተን ንምጥርናፍ ጽዓታተን ኣብ ዘበርኻሉ ዘለዋ እዋን ኢዩ ተኻይዱ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ
10 ሰነ 2025