“ፈረንሳዊ ተጣባቒ ጉጅለ”፡ ብጉዳይ ሱዳን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ
2025-06-10 19:25:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 182 timesኣብ ሱዳን ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተመዛበሉ ኣሸሓት ብኸፊል (ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ስእሊ)
ፈረንሳዊ ተጣባቒ ጉጅለ (French advocacy group)፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ጠጠው ንከብሉ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራታ ሃገራትን ዋና ጸሓፊኡ ኣንቶኒዮ ጉተርዝን ብጉዳይ ሱዳን ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሬድዮ-ደባንጋ ኣፍሊጣ። እቲ ጉጅለ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ንምባል ፖለቲካዊ ቅሩብነት ከም ዘድሊ ኣብቲ ናይ 8 ሰነ 2025 ህጹጽ ምሕጽንታኡ ኣስፊሩ። ቅድሚ ሕጂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ካብ ዓለምና ዝለዓለ ምምዝባል ዝተራእየሉ” ብዝብል ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ከኣ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒስዎ።
እቲ ጉጅለ ብወኪሉ ኣብ ዳርፉር ኣቢሉ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብኣድራሻ ናብተን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ቤት ምኽርን ዝተላእከ ኮይኑ፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ከኣ ብቕልጡፍ ተኹሲ ጠጠው ንክብልን ናይ ኣጽዋር እገዳ ክውሰንን ከምኡ ከኣ ነቶም ብሚልዮና ዝግመቱ ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ሱዳናውያን ረዲአት ክበጽሓሉ ዝኽእል ኩነታት ንክፍጠር ዝጽውዕ እዩ። እቲ ወኪል ናይቲ ተጣባቒ ጉጅለ፡ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብፍላይ ንቀረብ መግብን ሕክምናን ብዝምልከት “እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድኩም’ዩ ዘሎ” ከም ዝበሎም እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ዜና ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጀነራላት ዝመርሕዎ ዝካየደ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ከም ዘዕነዉዋ ብምጥቃስ፡ ብሰኪ’ቲ ውግእ 150 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ 13 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን 14 ሚልዮን ግዳያት ከኣ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝርከቡ ኣስፊሩ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቶም 11.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ 25 ሚልዮን ሰባት ከኣ ብድምር ሰብኣዊ ረዲአት ዘድልዮም ምዃኖም ይሕበር
እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣብ ክንዲ “ብሰንኪ እምቢታ ክልቲኦም ጀነራላት ክንሕግዝ ፈቲና ኣይከኣልናን” ምባል፡ ንክቲኦም ኣጊድካ ነቲ ዕንቅፋት ምውጋድ ከም ዝግባእ ጠቒሱ። እቲ መጸዋዕታ ጉዳይ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ህጹጽ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ምምሕዳራት ዋይት ናይል፡ ሰሜን ኮርዶፋንን ዳርፎርን ብፍሉይነት ጠቒሱ።