ወለንታዊ ምምላስ ሱዳናውያን ካብ ኡጋንዳ ክጅመርዩ
2026-02-16 21:13:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 55 timesናብ ሃገረን ዝምለሳ ሱዳናይውያን፡ ኣብ ኤምባሲኤን ፓስፖርተን እናሕደሳ
ላዕለዋይ ኮሚተ ምምላስ ወለንታውያን ሱዳናውያን ካብ ኡጋንዳ፡ ናይ መጀመርያ በረራ ካብ ኢንተበ ናብ ፖርት ሱዳን፡ ካብ 20 ለካቲት 2026 ከም ዝጅመር ብ14 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኡጋንዳ ኣስታት 92 ሺሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣለዉ። ካብዚኣቶም ካብ 10 ክሳብ 13 ሚእታዊ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ኣብ መባእታዊ መቐበሊ ስደተኛታት መደበር ኪርያንዶንግ ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።
ናይቲ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝመልስ ኮሚት ወሃቢት ቃል፡ ሪም ዓብደል ጀሊል ንሱዳን ትሪቡን ብዝሃበቶ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ምምላስ ወለንተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘሎ ኢምባሲ ሱዳን ብ19 ለካቲት 2026 ብወግዒ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ ድማ በረራ ናብ ፖርት ሱዳን ክጅመር እዩ።
በቲ ብኩባንያ ትራኮ ዝጅመር በረራ፡ 146 ሱዳናውያን ስደተኛታትን 4 ኣባላት ናይቲ ኮሚተን ናብ ፖርት ሱዳን ከም ዝጐዓዙ እታ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እታ ወሃቢት ቃል ብተወሳኺ፡ ነቶም ዝተመልሱ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ውሑስ ከባቢ ንምልኣኾም፡ ብወተሃደራት ምስ ዝምራሕ ናይ ምክልኻል ኩባንያ ምትሕብባር ከም ዝግበር ጠቒሳ።
በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ 4, 818 ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብድሌቶም ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቲ ናይ መጀመርያ በረራ ምስ ተኻየደ ብዙሓት ወልውንተኛታት ክምዝገቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ድማ እታ ወሃቢት ቃል ሓቢራ። ነቲ መስርሕ ምምላስ ካብ ኡጋንዳ ናብ ፖርት ሱዳን ዘድሊ ገንዘብ ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ልዝብ ከም ዝግበር ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ጠቕላላ ብሰንክቲ ውግእ ካብ መረብቶም ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን፡ 4.4 ሚልዮን፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2024 ጀሚሩ 721 ሺሕ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ የርድእ።