ዓለም ለኻዊ ትካል ቅልውላው፡ ኣብ ከባብና ብዘሎ ቅልውላው ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ
2026-02-19 21:30:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 35 timesዓለም ለኻዊ ትካል ቅልውላው (International Crisis Group) ዝተባህለ ትካል; ብ18 ለካቲት 2026 ኣብ መርበቡ ነዊሕ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ኣብቲ ዘውጸኦ xHuf ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብቕልጡፍ ዝዓርግ ዘሎ ናብ ውግእ ከይምዕብል ኣዝዩ ዘስግእ ቅልውላው ከም ዘሻቐሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ድሕሪቲ ቅድሚ 3 ዓመታት ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ዝበለ ደማዊ ውግእ ትግራይ፡ ሓድሽ ኣዕናዊ ውግእ ከይክፈት ዝሓደሮ ስግኣት ብምግላጽ፡ ናብዚ ኣስጋኢ ውግእ ክወስዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ምልክታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ ከኣ ጠቒሱ።
ናይቲ ውግእ ሳዕቤን ነቶም ኣብቲ ናይ ቅድም ውግእ ተሳቲፎም ኣዕናዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም ሰለስቲኦም ኣካላት፡ ተወሳኺ ከቢድ ጉድኣት ከውርደሎም ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣተሓሒዙ እቲ ክባራዕ ዝኽእል ውግእ ናብ ጐረቤት ሱዳንን ካለኦት ኣብዚ ዞባ ዝዋሰኣ ዘለዋ ሃገራትን ክልሕም ከም ዝኽእል ብምዝኽኻር ድማ፡ ክሳብ ናብቲ ሰፊሕ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክሰፍሕ ከም ዝኽእል’ውን ግምቱ ኣስፊሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራትን ትካላትን ኣፍሪቃን ምስ ዝዛመድወን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዘለዉ ኣካላት፡ ነቲ ከይክፈት ዝስግእ ዘሎ ውግእ ንምግታእ ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክነጥፋ ኣተሓሳሲቡ። ነፍሲ ወከፍ እቲ ጉዳይ ዘሻቕላ ሃገር፡ ነቶም ናይቲ ውግእ ቀንዲ ተዋሳእቲ ወገናት ቀሪባ ዘለዎም ስግኣታትን ስኽፍታን ሓቲታ ክትርዳእ ክትክእል ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ድማ ኣስፊሩ።
ብፍላይ ከኣ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምውናን ሃቐነን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣትን ብዓንተቦ ብግዱሳት ኣካላት ተ ክጽናዕ ይግበኦ ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ቅልውላው፡ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ፍልልያትን ምፍንጫላትን ሰፊሕ ተንታን እዩ ኣቕሪቡ። ንብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ ኣብ ዝምልከት ድማ፡ መንቀሊኡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ከም ዝተሓሓዝ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዝተራእየ ኣመዓባብላ’ውን ዘርዚሩ።