ጋዜጠኛ ኤ.ኤፍ.ፒ AFP ናብ ትግራይ ከይከይድ ተኸልኪሉ
2026-02-20 11:48:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 47 timesጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ናይቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኤ.ኤፍ.ፒ (AFP)፡ ብ19 ለካቲት 2026 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ትግራይ ከይገይሽ ተኸልኪሉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከም ዝተመልሰ እቲ ትካል ኣብፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ድምጺ ክኾኑ ዝገበኦም ጋዜጠኛታት ተጽዕኖን ገደብን ብምፍጣር ከምኡ እውን ብምእሳር ክንቀፍ ዝጸንሐ እዩ።
ነቲ ናብ ሽረ ክብገስ እንከሎ ዝተኣገደ ጋዜጠኛ ዝተዋህቦም ምኽንያት፡ መገሻኡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይጸደቐን ዝብል ምዃኑ እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ዝተባህለ፡ ካብቲ እቲ ጋዜጠኛ ዝተኸልከለሉ ዕለት ክትግበር ዝጀመረ’ዩ እውን ተባሂሉ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ብዛዕባቲ መንግስቲ ኢማራት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ንምሕጋዝ መደበር ታዕሊም ምምስራታ ዘቃልዕ ዜና ምስ ዘርግሑ ፈቓዶም ከይሕደስ ከም ዝተኸልከለ ድማ ኤኤፍፒ ጠቒሱ።
ሪፖርተራት ብዘይዶብ ብወገኑ ነቲ ናይቲድ ጋዜጠኛ ካብ መገሻ ምእጋድ፡ ንናይ ሓበሬታ ናጽነትን መሰልን ዝጥሕስን ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ መዲያታት ዕንቅፋት ዝፈጥርን እዩ ኢልዎ። ሪፖርተርስ ብዘይዶብ ንኢትዮጵያ ብመንጽር ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 145 ሰሪዕዋ ዘሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታቱ ናብ ክልል ትግራይ ከይጐዓዙ ዝመክር ቅድሚ ሕጂ ኣውጺእዎ ዝነበረ መግለጺ ኣሕዲስዎ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘሕደሰሉ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ምስሕሓባትን ስግኣትን ይጋደድ ስለ ዘሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ከምዚ ዝኣመሰሉ ዜናታት ዝዝርግሑ ዘለዉ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ብብዝሒ ናብ ሰሜናዊ ከባብታት የጓዕዝ ከም ዘሎ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ ህሞት እዩ።