ሓጺር ሌላ ምስ እስራኤልን ኢራንን
2025-06-18 21:01:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 229 timesኣብዚ እዋን’ዚ ምስ እስራኤልን ኢራንን ምልላይ ዘድለየ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተኸፍተ ኣዝዩ ኣዕናውን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝዓርግ ዘሎን ውግእ ይካየድ ብምህላዉ፡ ናይ ዓለምና ዝለዓለ ኣጀንዳ ኮይነን ስለ ዘለዋ እዩ።
እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ምብራቓዊ መወዳእታ ባሕሪ መደትራኒያን እትርከብ ብ14 ጉንበት 1948 ዝተመስረተትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ልኡላዊት ሃገር ዝተመዝገበትን እያ። ብሰሜን ምስ ሊባኖስ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ሱርያ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ግብጺ ብምዕራብ ድማ ምስ ባሕሪ ሜዲትራንያ እትዳወብ ሃገር እያ። እዚ ግን ንጉዳይ ፍልስጤም ዝዘንግዐ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።
ስፍሓታ 22,757 ትርብዒት ኪሎሜትር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ፡ 9.77 ሚልዮን ኣቢሉ ይኸውን። 6 ብቋንቋ ሂብረው መክሆዛት ዝበሃላ ምምሕዳራዊ ክፍለ ሃገራትን 15 ንኡሳን ክፍለ ሃገራት ድማ ኣለዋኣ።
ዋና ከተመኣ እየሩሳለም ኮይና፡ እንተኾነ ምስቲ ምስ ፍልስጥኤም ዘለዋ ናይ ነዊሕ ግዜ ምስሕሓብ፡ ተልኣቪቭ እያ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ እየሩሳለም 919 ሺሕ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ እቲ 350 ሺሕ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይታ ከተማ ዝነብር እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ተልኣቪቭ ድማ 452 ሺሕ ምዃኑ ይንገር። ቀዳማይ ቋንቋ እስራኤል ሂብሩ ክኸውን እንከሎ፡ ዓረብ እውን ብኻለኣይ ደረጃ ይዝረብ። ካብዚ ሓሊፉ ቋንቋ ሩሲያ ዝዛረቡ ዜጋታት ከም ዘለዉዋ’ውን ይንገር። ገንዘብ እስራኤል ሸከል ይበሃል። ዝዓበየት ወደብ ናይታ ሃገር ሃይፋ እያ።
ኢራን ኣብ ኤስያ እትርከብ፡ ኣብታ ክፍለ ዓለም ብስፍሓታ 6ይ ደረጃ እትሕዝ ሃገር ምዃና ዝንገረላ፡ ቅድሚ “ኢራን” ምባላ “ፐርሺያ” ትበሃል ዝነበረት፡ ብ26 ሰነ 1945 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣባል ዝተመዝግበት ጥንታዊት ሃገር እያ። ብሰሜን ምስ ኣዘርባጃን፡ ኣርመንያ፡ ቱርከሚስታንን ባሕሪ ካስፒያንን፡ ብምብራቕ ምስ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን፡ ብደቡብ ምስ ወሽመጥ ፐርሺያን ወሽመጥ ኦማንን፡ ብምዕራብ ድማ ብቱርክን ዒራቕን ትዳወብ። ካብቲ 7, 680 ሺሕ ኪሎሜትር ዝኸውን ወሰናስና እቲ ሓደ ሲሶ ማያዊ ምዃኑ ይሕበር።
ጠቕላላ ስፍሓት ኢራን 1,648,105 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ህዝባ ድማ 83,024,745 እዩ። ኢራን 31 ብገዛእ ርእሰን ዝመሓደራ ክፍለ-ግዝኣት ኣለወኣ። ዋና ቋንቋ ናይታ ሃገር ፐርሺያ (ፋርሲ) እዩ። ዋና ከተማኣ ድማ ቴሀራን እያ። ነበርቲ ቴሀራን ኣስታት 9,730,000 እዮም። ስፍሓት እዛ ዋና ከተማ ከኣ 730 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ገንዘብ ኢራን ሪያል ይበሃል። ዝዓበየት ወደብ ኢራን ባንዳር ኣባስ ትበሃል።
እስራኤልን ኢራንን ኣብ መንጎአን ሃገራት ሱርያን ዒራቕን ብምህላወን ብመሬት ዘይራኸባ ክነሰን እየን ሓደገኛ ውግእ ዘካይዳ ዘለዋ። ቀንዲ መባኣሲኤን መሬት ዘይኮነ፡ ፖለቲካውን ኣብቲ ዞባ ዝጸንሔን ዘሎን ጸጥታውን ዲፖሎማስያውን ጽልዋታት ዘለዎ ፍልልይ ናይ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ “መን ዓብለለ?” ውድድር እውን እዩ። እዚ 6ይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ዝተፈላለያ ሃገራትኳ ንእስራኤል ኮነ ንኢራን ዝድግፋ ሃገራት መግለጽታት ዘውጸአ እንተለዋ ዛጊት ብግብሪ ርኡይ ኢዳ ዝሓወሰት የላን።