መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ሓርበኛ ተቓላሳይ ዓንደጼን ግርማይ

2025-06-26 22:22:52 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 141 times

ብዕለት 01.12.1942 ኣብ ዓንሰባ በርዑና ኣብ ዝተባህለት ዓዱ ዝተወልደ ገዲም ተቓላሳይ  ዓንደጼን  ግርማይ፡ ብ21 ሰነ 2025  ተሰዊኡ ዝብል ሓበሬታ ብመሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ።  ዓንደጼን ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ  ምስ ኣኸለ ኣብ ከባቢ ዓዶም ኣብ ዝነበረ ናይ መባእታ ቤት ትምህርትን ኣብ ከተማ ከረንን ትምህቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕ ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ተማሂሩ። በቲ ዝተማህሮ ሞያ ድማ ኣብ ባጽዕ/ማሳዋ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣገልጊሉ። ብ1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ  መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ።ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ፡ ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ደንበ ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእኸል ተመዲቡ። ቀጺሉ ድማ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእት ነጻ ንምውጻእ ኣብተገብረ ምድላዋት’ውን ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ  ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለመራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ተቓሊሱ።

ብምቕጻል ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ብሪጌዳት ምምስራተንን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮ ይምስክር።

ሓርበኛ ዓንደጼን ግርማይ ኩነታት ተቐይሩ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣምረሐ እውን ክሳብ ብሕማም ምኽንያት  ዓዲ ስውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፈር ኮይኑ ከይሰልከ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ኣብ ጀርመን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላት ካብ ምስንዳእ ክሳብ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ብጾት ሓደ ብምዃን ከኣ ካብ ቃልሲ ኣይበኾረን።

ሓርበኛ ተቓላሳይ ዓንደጼን ግርማይ፡ ኣብ መትከላት  ሰውርኡን ህዝብን ጽኑዕ፣ ነታ ንሱን ብጾቱን ዝብህግዋ ኤርትራ ንዝተጠለመ መብጻዓታታ መሊኡ ክዕወት፡ ኣብቲ 1989 ዓ.ም ኣብ ቶጓን ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ሓደ ነይሩ።

ዓንደጼን ካብ ዝሳተፈሉ ዝነበረ ካልእ መዳይ፡  ኣብ ዓበይቲ ታሪኻዊ ኣጋጣምታት ብዝነበሮ ናይ ስነጽሑፍ ክእለት፡ ምእንቲ ነጻነት ዝተኻየደ ቃልስን ኣብቲ ቃልሲ ዝተፈጸመ ጀግንነትን ከምኡውን ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልስን ስድራን ብዝምልከት ብቐጻሊ ዘንጸባርቕ ዝነበረ እዩ። ዓንደጼን ኣብ መበል 83 ዕድመኡ ብ21 ሰነ 2025 እዩ  ኣብ ገዝኡ ብቤተሰቡ እናተኣልየ  ዓሪፉ።

ዓንደጼን ኣብ ሓዳሩ ዕዉትን ኣቦ ሓሙስተ ደቅን እዩ። ብደቑ ፍጹም፣ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን ከምኡውን ኣብ ቃልሲ ነጻነትን ሓርነትን ብዝነበሮ ግደ  እንዳተዘከረ ክነብር እዩ።   

እነሀ ከኣ ሕድሩ እዩ ዝውረስ እምበር፡ ካብ መስዋእቲ ዝተርፍ ተቓላሳይ ስለ ዘየለ፡ መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰዲህኤ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽና፡ ንስዉእ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራ ቤቱን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦምና/ይሃበና ንብል።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

Last modified on Friday, 27 June 2025 00:38