ትካል መግቢ ዓለም፡ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣቱ ገሊጹ
2025-10-11 23:03:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 43 timesኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ፡ ትካል መግቢ ዓለም (UNWFP)፡ ዝለዓለ ሕጽረት ገንዘብ ስለ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለዉ ስደተኛታት ሓደገኛ ዋሕዲ መግቢ ስለ ዘጋጠመ ብ10 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዝሕደሮ ስግኣት ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 27 መደበራት ተዓቚቦም ዝርከቡ 780 ሺሕ ስደተኛታት ናይ መቑነን ምንካይ ክገብር ከም ዝተገደደ ምግላጹ ሽንህዋ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ስደተኛ ኣብ መዓልቲ ካብ 1 ሺሕ ካሎሪ ንታሕቲ መግቢ ይወሃቦ ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ እቲ ሕጽረት ኣብ ልዕሊቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ከም ዝገድድ ጠቒሱ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጽረት ከምቲ ዝተጠቕሰ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ሱዳንን ደቡብ ስዳንን ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ 70 ሺሕ ስደተኛ ግና ንዝመጽእ ዘሎ 6 ኣዋርሕ ስሩዕ መቑነን ምዕዳል ከም ዝቕጽል ኣስፊሩ።
እቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል መግቢ ዓለም፡ ናይ ረዲአት ኣቕርቦት ስሩዕ መልክዑ ሒዙ ንክቕጽል ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ 230 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ። ኣተሓሑዙ ድማ ምናልባት እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዶላር ዓቐን እንተዘይተረኺቡ ምሉእ ብምሉእ ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝግደድ ኣጠንቂቑ።
እቲ ዝካየደ ዘሎ ምንካይ መቑነን ንህጻናት ንጥሜት ንኣደታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዝቕመስ ንክስእና የገድድ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ሓደጋ ከይመጽእ እንሰግኦ ዘይኮነስ ድሮ ዘጋጥም ዘሎ እዩ ክብል ናይቲ ትካል ዲረክተር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝላታን ሚሊሲክ ምጥቃሱ እውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ። ንህጻናትን ኣደታት ተባሂሉ ተዓቚሩ ዝነበረ ፍሉይ ሃናጺ መግቢ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ ምዃኑ እውን ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይዞም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።