ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ቬንዝዋላ
2026-01-05 22:21:06 Written by EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 104 timesኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዝዋላ ዝወሰደቶ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ስጉምቲ: ቬንዝዋላ ኣጀንዳ ብዙሓት ኮይና ኣላ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብዙሓት ብዛዕበኣ ክሓቱ ባህርያዊ እዩ እሞ እዚ ዝስዕብ ሓጺር ን ሓፈሻውንሓበሬት እነሆ::
ቬንዝዋላ ኣብ ክፍለ-ዓለም ደቡብ ኣሜኢካ ካብ ዘለዋ 12 ሃገራት ሓንቲ እያ። ብምብራቕ ብጉያና፡ ብደቡብ ብብራዚል ብምዕራብ ብኮሎምቢያ ብሰሜን ከኣ ብባሕሪ ካርቢያን ትዳወብ።
ቬንዝዋላ 23 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ኣለዋኣ። ካብኣተን፡ ኢስታዶስ፡ ኣማዞና፡ ኣንዞተጉ፡ ኣፑረ፡ ኣራጉዋ፡ ባሪናስ፡ ቦሊቫር፡ ካራዶቦ፡ ደልታ ኣማኩሮ፡ ደፐንደሲያ፡ ዲስትሪቶ፡ ፋልኮን፡ ጋሪኮን መሪዳን ይርከበን።
ስፍሓታ 916, 445 ትርብዒት ኪሎ ሜተር እዩ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ ብናይ 2023 ጸብጻብ 28,300,854 እዩ። ዋና ከተማኣ ከኣ ካራካስ ትበሃል። ስፍሓት ካራካስ 443 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝዝሒ ነባሪእ ድማ 3,242,000 እዩ። ብዘይካ ካራካስ፡ ማራካቦ፡ ቫለንሲያ፡ መሪዳ፡ ባርኩይሲሞንተ፡ ሱዩዳድ፡ ፑየርቶን ባራቸሎናን ዓበይቲ ከተማታት ናይታ ሃገር እየን።
ኣብታ ሃገር ኣስታት 40 ቋንቋታት ዝዝውተር ኮይኑ፡ እቲ ብስፍሓት ዝዝረብ ድማ ስፓኒሽ እዩ። ቻይነኛ፡ ፖርቱጊዝን ጣልያነኛን ከኣ ብቕደም ሰዓብ ደድሕሪ ስፓኒሽ ብስፍሓት ዝዝረቡ እዮም። ኣብታ ሃገር ስታት 30 ዓሌታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ዋዩ፡ ዋራኦ፡ ካሊና፡ ፐሞ፡ ኣኑ፡ ሃውቲጁ፡ ያኖማሞ፡ ያሩሮ፡ የኩናን ሞቲሎነን ዝበሃሉ ካብኣቶም እዮም።
ኣብ ቁጠባ ቬንዙዋላ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ነዳዲ ጋዝን ካልኦት ማዕድናትን እዮም። ቬንዙዋላ ብ1830 እያ ካብ መገዛእቲ ስፐይን ነጻ ሃገር ኮይና። ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ብሰንኪ ወተሃደራዊ ዓንተራት ብፖለቲካዊ ምቅይያራት ትሳቐ ከም ዝነበረት ይንገረላ። ካብ 1958 ንደሓር ግና ሓያሎ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርጹ መንግስታት ነይረሙዋ እዮም ይበሃል። እንተኾነ ኣብ ግዜ እዚ ተኣሲሩ ዘሎ መራሒ ቅስንቲ ከምዘይንበረት መጻኢኣ ዝኸፈአ ከይከውንን ስግኣት ኣሎ።