ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን
2026-01-05 22:30:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 100 timesኣብ ኢትዮጵያን ክልላት ትግራይን ዓፋርን 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት፡ ብ4 ጥሪ 2026 ከም ዘጋጠመ ወጋሕታ ኣፍሪቃ (DAWN AFRICA) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሰዓት 5.05 ድሕሪ ቀጥሪ ዘጋጠመ ምንቅትቃጥ መሬት ኣብ ዓፋር ዳሎ ካብ ዝተባህለ ስፍራ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ 47 ኪሎሜተር ካብ ከተማ መቐለ ድማ 60 ኪሎሜተር ሰሜን ምዕራብን ርሒቑ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ናይቲ ምንቅጥቃጥ ናይ ትሕቲ መሬት ዕምቆት ቀረባ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ ዝያዳ ስምዒት ዝፈጥር ኣብ ከባቢ እቲ ዘጋጠመ ቦታ ምዃኑ ተቒሱ፡ እዚ ሓድሽ ምግጣሙ ስምዒቱ ዝተረደኦም ከባብታት ውሑዳት ምዃኖም ቮልካኖ ዲስካቨሪ (Volcano Discovery) ዝተባህለ ማዕከን ብወገኑ ሓቢሩ።
ነበርቲ ከተማታት ትግራይ፡ መቐለ፡ ዓዲ ግራት፡ ኣኽሱም፡ ማይጨው፡ ዉቕሮ፡ ዓዲ ጉደም፡ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ዓድዋን ጐረባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ቦታታት ክልል ዓፋርን ምዃኖም ድማ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እቲ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህይወት ወይ ንብረት ዝወረደ ብርሰትን ሕልፈትን ዝተባህለ ኣይነበረን። ኣብዚ ከኣባቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረን ዝምልከቶም ኣካላት ንዝኾነ ነገር ቅድመ-ምድላው ክግበር ከምዘለዎ ከተሓሳቡ ምጽነሖን እው ተፈሊጡ።