ስነፍልጠት ዘይክተል ኣካይዳ ኣዕናዊ እዩ

2015-09-20 15:26:40 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3030 times

ንሰበነቶምን ሞያዊ እምነቶምን ክብሉ ብዙሓት ሊቃውንቲ ተሳቕዮምን ተዋሪዶምን እዮም። ኣብ ግዜ በዓል ጋሊለዮ ዝነበረ ኩነታት ምስቲ ሃይማኖት ተኣሳሲሩ ዝጐዓዝ ዝነበረ መንግስቲ ንፍልስፍና ከም ቀንዲ ተጻይ ሃይማኖት ይቚጸር ነበረ። እዚ ከኣ ስነፍልጠት ኣንጻር መንፈሳውን ጸረ ኣምላኽን ምዃኑ በቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይሞኖት ክብ ዝበለ ጐስጓስ የካይዱን የስተምህሩን ነይሮም። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ እውን ይብይኑሎም ነይሮም። ጋሊለዮ ጋሊለይ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓይ ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር ዝብሎ “ምስ ስነፍልጠታዊ ክትዕ ዘይዛመድ እዩ” ብምባሉን ነቲ ኮፐርኒካስ መሬት ኣብ ዙራያ ጸሓይ ትዘውር ንዘበሎ ደጊፉ ዝጸሓፎ ጥራሕ ንምሉእ ዕድሜኡ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ንኽነብር ተፈርደ። ብዘይካዚ እውን ራዘስ ዝተባህለ ኢራናዊ ኣብ መንጎ 860 ክሳብ 932 ዝነበረ ሊቅ እምነታዊ ድርቅና ውግእን ጽልእን እዩ ዝወልድ ብዝብል እምነቱ ብዙሕ ተሳቕዩ’ዩ።

ኣብ ግዜና እንተኾነ እውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንስነ-ፍልጠት ናይ ምንጻግን ዕሽሽ ኢልካ ብምሕላፍን ናትካ ፍልስፍና ብምምጻእ ንምትካእ ዝሕልኑ ብዙሓት ኢዮም። ንኣብነት ‘’ብዘይ ህላዌ ሰልፍታት ድሞክራሲ ውሕስነት የብሉን” ዝብል ኣሎ። ነዚ ብኣንጻሩ ብምትርጓም፥ ውድብ፡ ሰልፊ፥ ውደባ ኣየድልን እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ንስነ-ፍልጠት ወጊድካ፥ ንሓቂ ሓቂ ክበሃል ኣብዘይከኣለሉ ደረጃ እንተበጺሕካ ወጻኢ ካብ ቅንዕና ትኸይድ እሞ ነቲ ቅኑዕ ብጌጋ፥ ነቲ ጌጋ ከኣ ብቅኑዕ ክትትርጉሞ ትብገስ። ንሓቂ ተኸቲሉ ዘይጎዓዝ ህዝቢ ነቲ ስነ-ፍልጠት ንጎኒ ገዲፉ ኩነታት ፊን ብዝበሎ እዩ ገምጋም ዝህብን ሚዛን ዘንብርን። እዚ ከኣ ንነፍሱ ሓራ ክውጸኣ ኣብዘይክእለሉ ደርጃ ስለ ዘእትዎ ናጻ ክኸውን ዘለዎ ባህግን፥ ንኽስልጥን ዘለዎ ዕግበትን ኣወሃሂዱ ከተግብሮ ፈጺሙ ኣይክእልን። ሓደ ካብኡ ኣብ መንጎ ጐነጻውን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ብዝምልከት ብዙሕ እኳ እንተተጻሕፈን እንተተባህለን፥ ኣብ ዝተወሰኑ ወገናት፡ ነቲ ስነ-ፍልጠታዊ ሸነኹ ሓንጎፋይ ኢልካ ናይ ምቕባል ድሌት ግን ጌና ዓቐበት እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ጨቆንቲ ስርዓታት ካብ ምንታይ ባህሪ ተበጊሶም እዮም ዝጭቁኑ ክንመራመረሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ጨቆንቲ ስርዓታት ኣብ ስነፍልጠት እምነት ስለዘይብሎም፥ ንናጽነት፡ ዲሞክራስን፡ መሰል ደቂ-ሰባትን ኣብ ግብሪ ክውዕል ፈጺሞም ድሌት የብሎምን። በዚ ዝኣክል ኩሉ ግዜ ኣገዳስነት ናይ ሰባት ብሰላም ራህዋን ምንባር ኣብ ኣእምሮኦም ከቶ የለን።። ካብዚ ዝነቐለ ናብ ውልቀ ረብሓ ብምድሃብ እታ ረብሓኦም ከይትጠፍእ ወርትግ ኣብ ጎነጽን ውግእን ወረ ውግእን ተሓቢኦም ክነብሩ እዮም ዝጽዕሩ። ኣብ ኣእምሮ መለኽቲ እምበኣር፥ ሓፈሻዊ ረብሓ ህዝቢ ዝብል ኣምር ፈጺሙ ስለዘየለ ብውሑዳት ተገልገልቲ ኣቢሎም ንብዙሓት ክደቚሱ፡ ክቐትሉን ክኣስሩን ከጨንቑን ይርከቡ።

እዋኑ እዋን ፍትሒ፥ መሰል፥ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ፥ ማዕርነት፥ ኣሳታፍነት እምበር ምፍልላይ፥ ምዕብላል፥ ኣንነት … ወዘተ ኣይኮነን። ነዚ ፍትሕን መሰልን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን፥ ብስነ-ፍልጠት ዝተሰነየ ውሑስ ዝገብር እቲ ዘይጎነጻዊ ወይ ከኣ ሰለማዊ ኣገባብ ኣቢልካ እዩ ዝረጋገጽ። ምኽንያቱ ብብረት ዝምጽእ ዋላ እኳ ነቲ ጨቋንን መላኽን ስርዓት ክድምስስ እንተኸኣለ፥ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝተኸለ ግን ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ብሓይሊ ዝመጽእ ህውከት፥ ጥሜት፥ ድንቁርና፥ ምፍልላይ፥ ሕነ ምፍዳይ ወዘተ እምበር ፍትሒ ቅሳነት ማዕርነት ዝብላ ኣብ መዝገበ ቃላት ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ይኹን ኣብ ጐነጻዊ ኣምር ፈጺመን የለዋን። ባህርያት ሓደ ስርዓት ካብ ዝውስኑ መለክዕታት ሓደ እቲ ኣመጻጽእኡ’ዩ ተተባህ’ውን ምግናን ኣይኮነን።

መላኺ ስርዓት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣብ ጐንጽን፥ ህውከትን ራዕድን’ዩ ስልጣኑ ከጣጥሕ ዝኽእል። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣሎ ዝበሃል እከይ ተግባራት ጭቆናን፡ ግፍዕን፡ ዓዛብን መከራን፡ ማእሰርትን መቕተልትን ቀንዲ መሳርሒታቱን ዕላምኡን ኢየን። ስለዚ፡ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝኣምን፥ ንስናይ፡ ቅኑዕ ህዝባዊ ምሕደራን ምስ ምሉእ መሰል ደቂ ሰባት ዘውሕስን ስርዓት ብጐነጻዊ ኣተሓሳስባ ክትግበር እዩ ማለት ዘበት እዩ።

ገለ ገለ ሰባት ወይ እውን ኣባላት ውድባት ኩለ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ነካይድ። በዚ መሰረት እዚ ከኣ ሰራዊትና ካብቲ ውድባዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተዓጥቀ እዩ ክብሉ ይስምዑ። እዚ ግን ንዝመጽእ ውጽኢት ሰራዊት ዝኾነት ትኹን ውድብ ካብ ናይ ጐነጻዊ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ከኸውን ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ በትርን ካሮትን ክኽውን እዩ እቲ ጉዳይ። ርሑቕ ከይከድና ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘገልግል ከምዝነበረ ኩልና ንርደኦ እዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ሃገር ናጽነታ ምሰረኸበት ግን፡ እቲ ሰራዊት፥በቲ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ ኣይተገዝአን። እነሆ ከኣ ኣብ ነሓድሕዱ ብዓሌት ተፈላልዩ ክንደይ ነብሳት ይሃልቃ ኣለዋ፥ እታ ሃገር እውን ቅሳነት ስኢና ኣላ።

ሓደ ሰራዊት ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ከኣ ብፖለቲካ ዝተዓጥቀ ዝበሃል ኣብ ትሕቲ ሓደ ኩሉ ህዝቢ ዝኣምነሉ ቅዋም ምስ ጸደቐ ዝምስረት፡ ንህዝቡን ነቲ ቅዋምን ሕጊ ተኸቲሉ ዝከላኸል ምስዝኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዘይጥርኑፍ ሰራዊትን፥ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ራእይ ዘለዎ ተቓውሞታትን ዝምስረት ሰራዊት ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ። ምስናይ እዚ ኩሉ ግዜ እቲ ዝምስረት ምንቅስቓስ ሰናይ ስነ-ምግባርን፥ ስነስርዓትን ዘይብሉ ፖለቲካ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ዝፈጥር። ሓደ ካብኡ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝመናጨትን፥ “ኣነ ይበልጽ” ኣብ ዝብል ሃናጺ ዘይኮነ ውድድርን ይጥሕል እሞ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ናይ ምግጣም ዘለዎ ተኽእሎ ምህሙን ይገብሮ።

ጉዳይ መለኽቲ ናይ ዝኸድዎ ጉዕዞ፥ ንኹልና ብሩህ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብመንጽር እቲ ደላይ ለውጢኸ ኣብ ምንታይ ሃዋህው ይርከብ ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረቱ ደላይ ለውጢ ከበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? ንዝብል ሕቶ ብግቡእ ክምለስ ይግባኦ። ደላይ ለውጢ ከበሃል ከሎ ካብቲ ህልዊ ኣገባብ ምሕደራ ናብ ዝሓሸ ምሕደራ፥ ከምኡ እውን እቲ ዝትከል ስርዓት ንኹሉ ብማዕረ ዝዳኒ፥ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ንክኽውንን ማለት እዩ። እዚ እንተደኣ ኮይኑ እቲ ትርጉሙ ድማ፡ካብ ነንሓድሕድካ ናይ ምርሕሓቕን ጸለመን ናጻ ክኸውን ከምዘለዎ ናይ ግድን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ መላኺ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ዝኽተል እንተኾይኑ እቲ ውጽኢት እውን ካብቲ ምልኪ ዝሓሸ ክኸውን ከምዘይክእል እዩ ዝእምት።

መላኺ ስርዓት እምበኣር ኣብ ጐነጽ ከምዝኣምን ርኢና ኣሎና። ምኽንያቱ ኣብ ስነ-ፍልጠት ሰለዘይኣምን እዩ። ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን ብስነፍልጠት ዘይተመስረተ ጉዳይ፡ ኩሉ ግዜ ናብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዘምርሕ። ክሳብ ሎሚ ዝተወሰኑ ወገናት ነቲ ስነፍልጠት ዝብል ኣምር ጎስዮም ክኸዱ ኢኻ ትርኢ። ንሱ ድማ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን፡ ናጽነትን በየናይ ኣገባብ ይመጻ ንዝብል ኣምር እዞም ውሱናት ወገናትሰብ ብሓይሊ ኣቢሉ እዮም ዝብልሉ።

ልክዕ እዩ ጐነጽን ዘይጐነጽን ኣብ መድረኽ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ፍልይ ዝበለ ኣምር ከምዘለዎ ክሰሓት የብሉን። ክልቲኡ ከም ኣገባብ ክምረጽ ዘለዎ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክርስን፥ ካብ ጎበጣዊ መግዛእቲ ናብ ናጽነትን ዘሎ ፍልልይ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ እቲ መድረኽ ዝጠልቦ ኣገባብ ከመይ ህዝቢ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ስርዓተ ምሕደራን፥ ንሱ ዝቆጻጸሮ መንግስትን ክምስርት ይኽእል ዝብል ግንዛበ እዩ ክገዝኣና ዘለዎ። እዚ ከኣ እቲ ክምረጽ ዘለዎ ኣገባብ ዘይጎነጻዊ ወይ እውን ናይ ህዝባዊ ናዕቢ ኣገባብ ኣቀላልሳ እዩ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ምምላስ ከድሊ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ኣገባባት ዘሎ ፍልልያት ብምግንዛብ ጥራሕ ኢና ክንርደኦን ክንበጽሖን ንኽእል እሞ፥ እስከ እቲ ፍልልያቱን ዝራኸበሉን ነጥብታት ርኢና ምስ ህልዊ ኩነታት ህዝብና ኣየናዮም ይመዝን ኣንፈት ክህበና ይኽእል እዩ።

ጐነጻው (ዓመጻዊ) ዘይጐነጻዊ (ሰላማዊ)
ኣገባብ ቃልሲ እዩ ኣገባብ ቃልሲ እዩ
ኣብ ሓይሊ ብረትን ዓመጽን ይመርኰስ ኣብ ህዝባዊ ኣብያን ናዕብን ይምርኰስ
ብረት ውሑዳት እዮም ዝሕዝዎ እምብታን ናዕብን ግና መላእ ህዝቢ እዩ ዝሳተፎ
ኣብ ሕነ ምፍዳይ የድህብ ኣብ ቅኑዕ ህዝባዊ ፍታሕ የድህብ
ብጐነጽ ዝረኽቦ ውጽኢት ኣቢሉ ኣብ ጸቢብ ክሊ ይጉስጉስ ህዝቢ ብሓባር ንዝረብሓሉ ውጽኢት ባዕሉ ይለዓል
ብዝሒ ሰብኣዊ ጉለብትን ንዋትን   ክሳራ ኣለዎ ውሑድ ሰባኣዊ ጉልበትን ንዋትን   ይሓትት
ቀጻሊ ሕዱር ጐነጽ ይወልድ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ይወልድ
ነዊሕ ግዜ ይወስድ ሓጽር ግዜ ይወስድ
ጐነጽን ካልእ ቂምን ምልክን ይወልድ ቀጻልን ዝተኣማምንን ፍትሕን ሰላምን የንጽፍ
ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል ኣየውሕስን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ልዑል ውሕስነት ይህብ
ስልጣን ብሰላም ኣየረክብን ስልጣን ብሰላም ናይ ምትሕልላፍ ዝሰፈሐ ዕድል ኣለዎ
ስልጣን ዋንኡ እቲ ብሓይሊ ዝመጸ ውሱን ክፍሊ እዩ ስልጣን ዋንኡ እቲ ለውጢ ዘምጸአ መላእ   ህዝቢ እዩ
ስርዓት ምቕያር ብዘይ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ለውጢ ስርዓት ምቕያር ምስ ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ናይ ደቂ ሰባት ኣንነት የለዓዕል ናይ ሓባራዊ ህዝቢ ማዕርነትን የበራብር
ናይ ሓጺር ረብሓ ወይ መኽሰብ እዩ ንነዊሕ ዝጠመተን ቀጻሊ ሓባራዊ መኽሰብ እዩ

እዚ ብመጠኑ እቲ ረብሓን ጸረ-ረብሓን ናይ ክልቲኡ ብምውድዳር ኣየናይ እዩ እቲ ቀጻሊ ቅኑዕ ምሕደራ ዘውሕስን፥ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዋጽእን ንምግማት እንጽገም ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ እቲ ጉዳይ ስርዓት ንምቕያር ጥራሕ ወይ ናይ ስርዓት ለወጢ ምስ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዝስዕብ ዲዩ ኣይኮነን እውን ክንመራመረሉ ዕድል ይህበና። ምኽንያቱ ስልጣን ምስ ስኒት ኣልቦን፥ ስልጣን ምስ ስኒትን ኣዝዩ ዝፈላለ ስለዝኾነ። ስልጣን ምስ ስኒት ኣልቦ፥ ፍትሒ፡ ቅሳነት ፈጺሙ የለን። ስልጣን ምስ ስኒት ግና ሓልዮት፡ማዕርነት፡ፍትሒ፡ምምቕራሕ፡ ምክብባርን ምትእምማን ይርከብ።

ድራር መንታይ

Last modified on Sunday, 20 September 2015 17:27