ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግርን ፍትሑን ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ፕረሲደንት ይልእኹ ።

2015-09-19 11:52:15 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2717 times

          ኣብ ውሽትን ኣብ ውጻእን ዝነበር ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ናጻነት ክውን ንምግባር ፣ ውግእ ምስ ወያኔ ምስ ተጋህደ ድማ ሉዑላውነት ሃገር ንምኽባር ዝፈትዎም መንእሰያት ደቁ ኣሕሊፉ ፤ ብዝገበሮ ገንዘብን ንብረትን ክእለትን ብምሉእ ወኒ ንሃገር ኣወፊዩ ። ዕላማኡ ድማ ናጻ ኤርትራ ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ፣ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ተረጋጊጹ ኩሉ መዳያዊ ማዕርነት ማሕበራዊ ፍትሒ ፤ህዝባዊ ምቁጽጻርን ፍቕርን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርኣይ ካብ ዝነበሮ ሕልምን ሃንቀውታን ምዃኑ ማንም ኤርትራዊ ብምስትንታን ካብ ዝዛረበሉ ዘሎ ሓቂ እዩ ። እንተኮነ ግን ሓፋሽ ህዝብን ኣባላት ግምባር ብኣመራርሓ ኣከያይዳን ግምባርን መንግስትን ዕጉባት የለውን ። ናይ ህግደፍ ማ/ቤት ጽሕፈት ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን ሰሚናራት ብወገን ፕረሲደንት ዝውሰዱ ዘለው ዘይምክኑያት ስጉምትታትን ሻቅሎት ብጀካ ምፍጣሮም ኣሉታዊ ኩነታትውን ክፈጥሩ ዝኽእሉ እዮም ።

          እዚ ሽገር እዚ ኣብ ግዜ ኹናት ወያኔን ምስ ምጭናቅን ዝመጸ ሽገርዩ ተባሂሉ ብገለ ወገን ክግለጽ ይፍተንዃ እንተሎ ብቀንዱ ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ከኣ ድሕሪ 1994 እናተዋሕለለን እናገደደን ዝመጸ እዩ ።ኣብ ግዜ ኹናት ወያኔ ክሳብ ኣብ ህላወ ሃገር ስግኣት ክውርድ ጥንቂ ዝኮነ እዩ ።ጠንቂ ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ኣሳታፍን ሓባራውን ኣወሳስና ንቀንዲ ጉዳያት ተሓታትን ዲሞክራስያዊን ኣከያይዳ በብቁሩብ እናተዳኸመን እናማህመነን ብምምጽኡ ሕድሕዳዊ ምትሕልላይ ኣኽብሮትን እምነትን እናተረፈ ብምዃዱ ፣ሓገግቲን ፈጸምትን ኣካላት ስልጣኖም እናተመንዘዔን ሰርሖም እናደስከለን ብምካዱ ወዘተ እዩ።

          ነዚ ሽገር እዚ ንምቕልስን ንምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምውሓስን ኣብ ናይ ጥርን ንሓሴን መስከረምን 2000 ዓም ኣኼባታ ባይቶታት ተዛሪቡሎም ኣገደስቲ ውሳነታት ሓሊፍሎም ከብቅዕ ድሓር ግን ዘይትርጉምም ተዋህቡዎምን ካብ ተግባረ ዓዲ ውዒሎምን ይርከቡ ። ሓደገኛነት ናይዚ ቅልውላውዚ ብምትብሃል ከኣ ተገድስቲ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኣብ ግበረ መልሲ ከይተደፍኡ ነቲ ስሩዕ ግዜኡ ዘሕለፈ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኪዕደም ጠለቦም ናብ ፕረሲደንት ኣቅሪቦም ። ተነጺጉ ግን ። ሕጋውን ሓላፍነታውን ጠለብ ኪንጸግ እንከሎ ኣታ ምርቓ ፋጻሚ ቤት ጽሕፈትን ማእከላይ ባይቶን ዘይብላ ግግይቲ ሰሚናር ማቤት ህግደፍ ግን ካብ ኣቦ መንበር ምሉእ ደገፍ ብምርካብ እቲ ቅልውላው ኣብ ክትኮሰሉ ዝኽእል ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ።

          ነዚ ሽገር እዚ ንምፍታሕ ዘይሕጋውን ዘየድሊን ኣገባብ ይእመትዃ እንተሎ ፣ ብዘይካ ብሰላማዊን ዲምክራሲያዊን ሕጋዊን ልዝብን ፣ ካሊእ ፍታሕ ከምጽእ ዝክእል ኣገባብ የለን ። ክንዲ ዝኮነ ሕጂ እውን ህጹጽ ኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ተጸዊዑ፤ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክዝረበሎን ስጉምቲታት ኪውሰደሎን የድሊ ።

ስለምንታይ ህጹጽ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገርዊን ባይቶታት የድሊ ?

  • ህግሓኤ ክቃለሰሎም ዝጸንሔ ዕላማታት ክውን ንምግባር
  • ቻርተርን ቅዋምን ህግደፍ ዝሓንጸጾም ራእይ ፣ ዕላማታትን ዕማማትን ብጭቡጥን ብግብርን ንምትግባር
  • መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ክኽተሎ ብኣዋጅ 37/1993 ዝተሓጸጸ ቃሉን መንፈሱን ንክኽብር
  • ቅዋማዊ ባይቶ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዘጽደቖ ቅዋም ህገረ ኤርትራ ንምትግባር
  • ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኣብ ጥርን ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ነሓሰን መስከረምን 2000 ዓም ካብ ዝገበሮ ገምጋምን ዘሕለፎ ውሳነታትን መሰረት ብምግባር ስሩዕን ዲሞክራሲያዊን ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ።

          ዛጊት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ፣ ብሑሕ ዝተፈጸመን ፍረ ዝተረኽበሉን መዳያት ይሃሉ እምበር ብዙሕ ጉድለታት ከም እተራእየን ፣ ተሓታቲን ሓላፍነታውን ዲሞክራሲያዊ ሰርዓት ንምርግጋጽ ኪማሊኡን ውሕስነት ኪኾኑን ዚግብኦም ብዘይ ቀለዓለም ብዘይ ውልውልን ኪውስዱ ዘለዎም ናይ መሰጋገሪ እዋን ስጉምቲታት ከም ዘለውን ግሁድ ኾይኑ ኣሎ ።ኣብ ገመጋም ሕሉፍ ተመኹሮናን ብሕጂ ኣብ ኪውሰዱ ዘለዎም ስጉምቲታትን ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክህሉን ብሓላፍነታዊ መገዲ እንተ ተታሒዙ ጥዑይ ሃዋሁ ኪፈጥርን ፖለቲካዊ ባህሊ ከማዕብልን ዚክእል ምኻኑ እምነት ናይ ዝኮነ ይኹን ሃገራዊን ዲሞክራሲያዊን ክኸውን ይግባእ ።

          ብጀካቲ ብውልቂን ብዝተፈላለየ መንገድታትን ንነዊሕ ግዜ ክፍተን ዝጸንሔ ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ክክልተ ኣኼባታት ማእከላይን ህገራዊን ባይቶታት ሓገግቲ ኣካላት ግምባርን መንግስትን ኣድማዕቲ ፣ንፈጸምቲ ኣካላት ገንባርን መንግስትን ሓቀኛ ተቕጻጸርቲ ፣ ንምስግጋር ናብ ቅዋማዊን ዲምክራሲያውን ስርዓት ተጣባበቅቲ ከም ዝኮኑ ንምግባር ፣ግሉጽ ሃናጽን ሓላፍነታውን ክትዓት ክኻየዱ ከም ዝጸንሑን ሓደ ሓደ ኣውንታዊ ምዕባለታት ከም ዘርእዩን ይፍለጥ ። 

         ኣብ መንጎን ድሕርን እዞም ከክልተ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ግን ብማእከልነት ፈጸምቲ ኣካላት ግንባርን መንግስትን ዝውሰዱ ዘለው ስጉምቲታት ።      

ንውሳነታት ባይቶታት ዝጥሕሱ ወይ ዘይትርጉሙ ሂቦም ፡

ጉድለታት ንምእራምን ካብ ወድዓዊ ገምጋም ትምሀርቲ ንምቕሳምን ብኣባላት ባይቶ ኣብ ባይቶታት ንዝቐርቡ ርእይቶታትን ታዕሊቓትን ምስ ሃገራዊ ክድዓትን ጥልመትን ብምምዕርራይን ኣጀንዳ ወያነ ንምግልጋል ኾነ እልካ ዝተገብረ ዘመተ ብምምሳልን ፣ ብማእከላይን ሃገረዊን ባይቶታት ዘይተሓንጸጸን ዘይጸደቐን ኣብ ውሽጢ ግንባርን ህዝብን ስግኣትን ዘይቅሳነትን ፈጥሩ ሓድነት ዘላሕልሕን ናብ ፍጹም ፖሊሳዊ ስርዓት ዝምርሕ ጎስጓሳት ፣ ዘመተታትን ታህዲዳትን ምክያድ

ንስሩዕን ዲምክራሲያዊን ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ተደለይቲ ንዝኮኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማት ከም እኒ --

  • ህጹጽ ህዝባዊ ክትዓት ኣብ ሕግታት ሃገራዊ ምርጫን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ምጽዳቐም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ።
  • ንጉባኤ ግምባር ኣቐዲሙን ኣብ እዋኑ ክዝተየሉ ዝግባእ ገምጋም ተመክሮና ኣብ መንጎ ሳልሳይን ራብዓይን ጉባኤታትን መጻኢ ዕድል ህግደፍን
  • ንቅዋማዊ ስርዓት ተነጺፉሉ ክጸንሒ ዝግባእ ኣድለይቲ ቅድመ ምስናድኦታት
  • ንሓራን ርትዓዊን ሃገራዊ ምርጫ ፣ ኣቀዲሙ ኪፍጠር ዘለዎ ምቹእ ኩነታት ( ናይ ርእይቶ ናጽነት ፣ ግዝኣተ ሕጊ ፣ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ምሕላው ) ወዘተ -ምውዳድ
  • ኣብ ትግባረ ቅዋምን ቅዋማዊን ጉዳያትን ሰፊሕን ሓራን ሃገራዊ ክትዕ ምክያድን ምፍቓድን =ወዘተ ።
  • ብሓጺሩ ፣ ነጥብታት ኣጀንዳ በዞም ዝስዕቡ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስቲታት ክጠቓለሉ ይክኣል

ስሩዕን ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ክውሰዱ ዘለዎም ጭቡጣት ስጉምቲታት ፣

ሓቀኛን ወድዓዊን ገምጋም ተመኹሮ ህግደፍን ዲሞክራሲያዊ ውሳነ መጻኢ ዕድል ህግደፍን ንምግባር ፣ ኪግበር ዝግብኦ ምቅርራባትን ዲሞክራሲያዊ ኣካይዳ ራብዓይን ጉባኤን ።

          ስሩዕ ግዚኡ ኣኺሉን ንህጹጽ ኣኼባ ዘገድስ ጉዳያት ተፈጢሩን እናሃለወ ፣ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ዘይምዕዳም ወይ ምድንጓይ ማለት ፣ ማቤጽ ፈጢሩዎ ንዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኣብ ህዝቢ ዘይምርግጋእን ሻቅሎትን ጸማም እዝኒ ምሃብን ፣ ንሰላማውን ዲሞክራሲያዊን ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ኮነ እልካ ምዕንቓፍን ስለ ዝኸውን ከም ኣባላት ማእከላዊን ሃገራዊን ባይቶታት ሓላፍነትና ብግቡእ ብምስካም ፣ሕጋውን መሰረታውን መሰላትና ተጠቒምና ፣ናይ ዝመረጸና ሕደሪ ኣክቢርና ፣ ናብ ህዝቢ ብወግዒ ወሪድና ርእይቶታትና ክንገልጽ ክንግደድ ምዃንና ንፍልጥ

ካብ ፕ/ኢሳያስ

ናብ ሽሪፎ

ብስም “ ቅድሚ ሕጂ ብፊርምኦም ዝጠለቡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ “ እትብል ብዕለት 28/3/2001 ዝተጸሕፈት ዝሰድድካለይ መልእኽቲ ሎሚ ንግሆ ብጺሓትኒ ርእየያ - ኣብቲ ሓቂን መሰረት ዘይብሉን ትሕዝቶኣ ኣትየ ኪዛረብ ኣየድልየንን ። ዓቅሊ ኪገብር ስለ ዝመረጽኩ ሥ፣ ንዝኾነ ንቔይቂ ናብ ዝቐርበለይ መኣዲ ከይተቀረብኩ ትዕግስቲ ክገብር እየ። ብቐጻሊ ምትኹቷኽ (provocation) ንዘየሎ ነገር ኣተዓባቢኹም ሽግር ክተዕርጉ እንተ ደሊኹም ግን ምርጫኹምዩ።

ድጊመ ካብ ጌጋ ናብ ልብኹም ክትምለሱ እላቦ።

         ብድሕሪ እዛ ዳብዳቤ እዚ ማእከላይ ባይቶ ፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ።

ክብሮም ግረነት

9/18 /15

Last modified on Saturday, 19 September 2015 13:54