ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ጉጂለ 15 ዝፈጸሞ ዓመጽ
2015-09-18 05:45:06 Written by ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3118 timesህግደፍን ኣብ ልዕሊ ጉጂለ 15ዝፈጸሞ ዓመጽ።
ህግደፍ ብዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ተኸቲሎም ምድብ ኣኼባ ክግበረሎም
ዝሓተቱ ኣባላት ለቍሙ ኣብ ዔላ ዔሮ ካብ ዝዳጉኖም ሎሚ ድሮ 14 ዓመታት ሓሊፈን ። እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝነበሩ ፣ ኣብ ታሪክ ህግሓኤ ክሳብ ዕለተ ማእሰርቶም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ተወፈይነት ዘርኣዩ ነይሮም ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ብዘይኻ እቲ ሓሓሊፍካ ካብ ሓለውቶም ዝነበሩ ዝመጽእ ሓበሬታ ፣ ብኩነታቶም ዝፍለጥ ጭቡጥ ነገር የለን ። እዞም ኣባላት ባይቶ ዝኣበስዎ ነገር ኣይነበረን ። እንተኮነ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘሕዘኖም ፣ኣብ ቅዋምን ቅዋማዊ ህወትን ንመለስ ፣ ህዝብና ንነጻነት ዝኽፈሎ ዋጋ ከስተማቅሮ ኣሎዎ ክብሉ እዮም ተኣሲሮም ። ጉጂለ ህግደፍ ነቶም ኣባላት ባይቶታትን ደገፍቶምን ክኣስር እንከሎ ፣ ነቶም ጋዜጠኛታት እውን ምስኦም ክሃድኖም ሓዲሩ ። በዚ ከኣ እቲ መሰል ናይ ምጽሓፍን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ተዓጽዩ ይርከብ ። ብዝኮነ ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ምሕቓን ምጥፍእን ተገባራት ፍርዱ ክረኽበሉ ምዃኑ ክንጠራጠር የብልናን ።
እምበኣር ቀንዲ ሕቶ ኣባላት ባይቶ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣኼባ ባይቶ ክጽውዕ ትዕድም ስለ ዝነብረት ከምዚ ትስዕብ ነይራ
ናብ ክቡር ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ኣቦ መንበር ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት
ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራን
ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ግዜኡ ስለ ዝኣኸለን ፤ብዘይብኡውን ንህጹጽ ኣኼባ ዘገድስ ጉዳያት /ኩነታት ስለ ዘሎን ፣ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣባላት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትዕድም ንጠልብ ።
ዓወት ንፋሽ
ምሉእ ስም
1/ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ
2/ ሃይለ ወልድትንሳኤ
3/ መስፍን ሓጎስ
4/ ዑቅበ ኣብርሃ
5/ ሳላሕ ኪኪያ
6/ ሓምድ ሕመድ
7/ ኣልኣሚን ሸኽ ሳልሕ
8/ እስቲፋኖስ ስዩም
9/ ብርሃነ ገረዝግሄር
10/ኣስቴር ፍስሓጼን
11 / መሓመድ ብርሃን ብላታ
12/ ጲጥሮስ ሰለሙን
13 /ጀርማኖ ናቲ
14 / ሙሳ ራብዓ
15 /ናቲ ኢብራሂም
ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ
16/ በራኺ ገብረስላሴ
17/ ኣድሓኖም ገብረማርያም
18/ ሃይለ መንቀርዮስ
ሃገረ ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት
13/03/2001
ናብ ሸሪፎ (ማሕሙድ )
ሎሚ ንግሆ ፈርማታት ዘለዋ ጽሕፍቲ ሰዲድካለይ
ንሓበሬታ እንተ ኮይኑ ርእየያ
ብሓፈሽኡ ትጋገዯ ኣሎኹም ክብል ጥራይ እደሊ ።
ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ 3 ግዜ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ክጽሕፈሉ እንክርሎ ፣ መልሱ ከምዛ እትርእዩዋ ነይራ።
ናብ ክቡር ኢሳያስ ኣፈውርቂ
ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ
ጉዳይ ፤ ጠለብ ኣኼባታት ማእከላይን ሀገራዊን ባይቶታ
28/3/2001
እቶም ቅድሚ ሕጂ ፊርማና ኣሰኒና ኣኼባታት ማእከላዊን ሃገራዊን ባይቶታት ክትጽውዕ ዝጠለብና ኣባላት ማእከላይ ባይቶ በቲ ትጋገዩ
ኣሎኹም ዝብል መልስኻስ ስለ ዘይዓገብናን ብኣኼባ ክፍታሕ ይግብኦ ንብሎ ሽግርን ንውሕስነት ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ
ስርዓት ብህጹጽ ክውሰድ ኣለዎ እንብሎ ስጉምቲታት ስለ ዘሎን ሕጂ እውን ደጊምና እቲ ስሩዕ ግዜኡ ድሮ ዘሕለፈ ምዱብ ኣኼባታት
ባይቶታት ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሚያዝያ ኪትዕድም ንጠልብ ኣሎና ‘\።
ናይቲ ዝርኣየና ሽግር ኩንታታን እንጽበዮ ፍታሕን ዝገልጽ ጽሑፍ ድማ ኣተሓሒዝና ንሰድድ።
ዓውት ንሓፋሽ
ቅድሚ ሕጂ ብፈርምኦም ዝጠለቡ
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ።
እቲ ጽሑፍ ንዝመእ ይቅጽል ----
ክብሮም ግረነት