ቀጻልን ኣሳታፍን ዲሞክራሲ ብዘይተሳትፎ መንእሰይ ኣይረጋገጽን
2015-10-31 07:54:46 Written by ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2227 timesኣብ ዓለምና ቁጽሪ መንእሰይ ናይ ክልቲኡ ጾታ፡ ማለት ካብ 15-30 ዝዕድሚኡ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ድማ መንእሰይ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሰለስተ ርብዒ ከም ዝሕዝ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ። ክልቲኡ ጾታ ብዘይ ኣካላዊ ተፈጥሮኣዊ ፍልልይ ብኣተሓሳስባ ኮነ ብመሃዝነት ሓደ እዮም። እዚ ማለት ኩሉ ከከም ዓቕሙ ክምዕብል ዝኽእልን ክምዕብል ዘይክእልን ክኸውን ይኽእል እዩ።
መንእሰይ ዓይኒ ሃገር፥ እምነ-መሰረት ብልጽግናን ምዕብልናን ሃገርን ምንጪ መሃዝነትን እዩ። ብዘይካዚ ሃገር ኣብ ጐደና ዕቤትን ገስጋስን ክትቅጽል ዘኽእላ ህላዌ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ክበሃል ከሎ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 15-30 ዓመት ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ። እዚ ከበሃል ከሎ መንአሰይ ይዓቢ ይሽምግል ይኣርግ ዝትክእዎ ከኣ ይፍጠሩ። ስለዚ መንእሰይ ብቐጻሊ እናተተኻኸአ ዝመጽእን ዝሓልፍን እምበር ደው ኢሉ ዝነብር ኣይኮነን።
መንእሰይ ከም ውልቀ ኣብቲ እኩብ ማሕበረሰብ ክረአ ከሎ፥ ፈሊኻ ዝረኣየሉ ጠባያት ኣለዎ። ንሱ ድማ ብባህሪ፡ ብምህዞ፡ ብሓልዮት፡ ብህርኩትነት፡ ከምኡ’ውን ዕሸልነትን፥ ንኹሉ ክፈልጥን በሃልነትን ዝኣመሰሉ፡ ዝልለየሎም መዕቀንታት ይህልውዎ። ይኹን እምበር ውልቀሰብ ካብ ሕብረተሰብ ተፈልዩ ንበይኑ ክነብር ከምዘይክእል ርዱእ እዩ። በዚ ዝኣክል ውልቀ ሰብ ብዘይሕብረተሰብ፥ ሕብረተሰብ ከኣ ብዘይውልቀሰብ ክህሉ ዘይግመት እዩ። በዚ ከኣ እዩ እቲ ንሕብረተሰብ በቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ውልቀሰብ ተኣሳሲሩ ንረብሓ ኩሉ ዝፍጸም ሓሳባትን ተግባራትን ዝርከብ። ዋላ እውን ውልቀሰባት ነናይ ውልቆም ረብሓን፥ ዝናን፥ ኣነ ብሃልነትን ስምዒት እንተሃለዎም፡ ኩሉ እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓባራዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ እንተስ ብእወንታ እንተስ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ።
መንእስይ ነቲ ናይ ኣሉታ ጎደና ገዲፉ፥ መመንጨዊ ሃናጺ ሓሳብ ኮይኑ፥ ነቲ እውንታዊ ዝኾነ ሓሳብ ምስ ዝኽተል ንናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ረብሓ ዝውዕል ከም ዝኸውን ርጉጽ እዩ። መንእሰይ ውዑይ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን ምናዳ ምናዳ ብትምህርቲ እናዓኾዀ ምስ ዝመጽእን ዝዂስኰስን እታ ሃገር ውሕስነት ናይ ኣፍራዪን ቁጠባኣ ዘዕብን ሓይሊ ክህልዋ ይኽእል። ብፍላይ ድማ ኣብ ምሕደራዊ ሸነኽ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክምኮርን፥ ክመሃርን ከሎ ነቲ ዲሞክርሲያዊ መስርሕ ከቀላጥፎን ንፍትሒ ክጣበቕን ይበቅዕ።
መንእሰይ ናይ ለውጢ ሃዋርያ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ናይ ለውጢ ሃዋርያ እዩ ከበሃል ከሎ ግና ንሱ ንበይኑ ጥራሕ ቅኑዕን ዘይጋገን ገይሩ ንነፍሱ ክርእያ ኣይግባእን። እቲ ብቕድሚኡ ዝነበረ ወለዶ እውን መንእሰይ ከም ዝነበረን ኣብ ጉዕዞ ጌጋታት ይኹን ብዙሕ ቅኑዕ ተግባራት እናፈጸመ ከም ዝመጸ ርዱእ እዩ። እቲ ተካኢ መንእሰይ እምበኣር ነቲ ጌጋታት ኣብ ክንዲ ዝጽብጽብ ንሱ እውን ባዕሉ ናብቲ ጸገም እቲ ንኸይኣቱ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክመሃር ናይ ግድን እዩ። ነዚ ተረዲኡ ድማ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ክኸሶም ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ሃብታም ተመክሮኦም ክመሃረሉን ንሳቶም ተጋግየሞ ንዝበሎ ከእርምን ሓላፍነት ክርከብ ይግበኦ።
‘’መንእሰያት መራሕቲ ናይ ጽባሕ’ዮም” እናተባህለ ብዙሕ ግዜ ይዝረብ እዩ። ሓቂ እዩ መንእሰይ መራሕን ተካእን ናይ ጽባሕ ምዃኑ ዝኽሕዶ የለን። እንተኾነ መንእሰያት ናይ ብሓቂ ናይ ለውጢ ሃዋርያትን መራሕትን ክኾኑሉ ዝኽእሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝግበር መስርሕ ብዘበርክትዎን ብዝዋስእዎን እዩ ዝውሰን። ምኽንያቱ፡ መንእሰያት ተካእትን መራሕትን ኢዮም ካብ ተባህለ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ተሳቲፎም ክነጥፉን ክዋስኡን እዩ ዝግበኦም። ኣብዚ እዋንዚ ብሓደሓደ ተበለጽቲ ባእታታት ብዝካየድ ጐስጓሳት፥ ነቲ መንእሰያት ንፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘጽልእን፥ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንኽሳተፉ ዘይዕድምን ዓንቃጺ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ መስኖኡ ከም ዝስሕት ይገብሩ ምህላዎምን፥ መንእሰያት ነቲ ሓላፍነት ክርከቡ ኣብ ክንዲ ምስትምሃር፥ ንበይኖም ተገሊሎም እምበር ምስ ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተጸንቢሮም ንከይዋሳኡን “ነዘን ውድባት ይኹን ሰልፍታት ኣይትጸግዕወን” ብምባል፡ ክመሃርሉን ተመኩሮ ክቐስምሉን ካብ ዝግበኦም መድረኻት ከብኩርዎም ኣይግባእን።
ሎሚ፡ ብሰንኪ እዚ እኩይ ጐስጓስ ይኹን ካልእ ምኽንያታት ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ዝኾነ ሰልፊ እናተሸምረረ ወይ እናጎደለ ከኸይድ ከሎ፡ ዘስዕቦ ጉድኣት ሓደገኛ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ናይ ሕድሕድ ጽልኢ ይዓቢ። መንእሰያት እውን ኣብቲ ክዓምዎ ዝግበኦም ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ደሞክራሲያዊ መስርሕን ጽልኢ ይሓድሮም። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ መንእሰያት ኣብቲ ተደኲኑ ዘሎ ተካላዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣትዮም ብዘይምውስኦም እዩ። እቲ ቀንዲ መንቀሊ ድማ መንእሰያት “ብሰልፍታት ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ የለን” ኣብ ዝብል ግጉይ ተረድኦ ይኣምኑ እሞ ነቲ ‘’ብዘይህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዲሞክራሲ ውሕስነት የብሉን’’ ዝብል ስነፍልጠታዊ ኣምር ዘንጊዖም እቲ ዝደልይዎ ለውጢ ብቃልሲ ኣይመጽእን እዩ ናብ ዝብል ተረድኦ የምርሑ። እዚ ከኣ ካብቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ክመሃሩ ካብ ዘይከኣሉ፥ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ስልጠና ወይ ትምህርቲ ክረኽቡ ካብ ዘይከኣሉ፥ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ተረድኦ ናይ ዲሞክራሲ እዮም ክኣትዉ። ብሰንኪዚ ብስለትን ብልህነትን ክጎድሎም ስለ ዝኽእል ነቲ ክውንነት ጓስዮም ክጎዓዙ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ስለዚ እቲ መንእሰያት ዝደልይዎ ለውጥን፥ ዲሞክራሲን ንበይኖም ተወዲቦም ጥራይ ዘይኮነስ ብዝያዳ ኣብቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምስታፍን ብምውሳእን መንእሰያዊ ሓላፍነቶም ከበርክቱ ከለዉ እዩ ውሕስነት ዓወት ክህሉ ዝኽእል። ናይ ሎሚ ተካኢ መንእሰይ ናይ ጽባሕ ተተካኢ ነባር እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሞክራሲ ምእማኑን ምቕባሉን ጥራይ ዘይኮነስ ምትግባሩ እዩ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ብዝብል ተረድኦ “መንእሰያት ንዑ ነዚ ሰልፊ ውረስዎ” እናበለት ደጋጊማ መጸዋዕታኣ እተቕርብ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ኣብ መስርሕ ካብቲ ዝነበረ ተማሂሩ ምስ ህልዊ ብምውህሃድን ንቕድሚት ብምምዕዳውን፡ ዓቕሚ ከጥሪ’ሞ እቲ ሰልፊ ብሓድሽ ብቕዓትን እተሓሳስባን ንክህብትም ስለ ዘኽእሎ።
ድራር መንታይ
30/10/2015