ምቛም ሓይሊ ዕማም ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን

2015-10-27 16:41:06 Written by  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ - ሰሜን ኣሜሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2097 times

ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ምቛም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ  ሓጺር ጊዜ ቆይማ ስራሕ ክትጅምርን  ዘድሊ ምስንዳኣት ተጻፊፉ ክቕረብን ጽባሕ ዘይባሃሎ ህጹጽ ጉዳይ`ዩ። እዚ፡ ከቢድ ሓላፍነት ዝስከም ሓይሊ ዕማም`ዚ፡ ጀሚሩ ዝቕጽልን፡ ኣብ ስራሕ ንዘጋጥምዎ መኸታት በዲሁ ናብ ዓወት ዝምርሽ ኮይኑ ክቐውም ይግባእ። ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ምምኽኻርን ምልኣት ተሳትፎም ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን  ከድልዮ ምዃኑ ክሳሓት ኣይግበኦን።

ንኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ከም`ቲ ዝድለ ክስማዕ ዝገብር  ብኡ መጠን ድማ ብትብዓት ሰሪሑ  ፍትሒ  ዘጓናጽፍ ሓይሊ ዕማም፡ ናብ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደገፍን ተቐባልነት ክረክብ ቅድመ-ኩነታዊ ተደላይነት ኣለዎ።  ረጊእካ ክሕሰበሉ ስለዚ ደማ ኤርትራውያን በብዝቕመጥዎ State/Province፡ እኹል ጊዜ ሂቦም ክዝተይሉን ብዕምቆት ተመልኪቶም ከሳላስልዎም ዝግባእ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ እቲ መስርሕ ክጅመር ይጥለብ።

ስራሕ ሓይሊ ዕማም ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ዘላቒን ውጽኢታውን ክኸውን ስለዘለዎ፡ ንቐጻልነቱን ጽፈት ስራሓቱን ዘገልግል ህዝባዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘለዎም ኮይኑ ክሳናዳእ ይህልዎ። እዚ ተማራጺ ኣገባብ`ዚ ኣብ ምትግባሩ፡ ኩለን ጥርናፊታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሞራላዊ ደጌፋታ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ባይታ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ፡ ኩሉ ዘድሊ መሳላጢያታት ክወፍያን ብዕትበት ከም ሃገራዊ ሓላፍነትን ክዋፈራሉን ትጽቢት ይንበረለን። ቀጻሊ ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን እተበርክት ሓይሊ ዕማም፡  ከም ሓደ  ዕዙዝ  ሃገራዊ ተግባረ-ስራሕ፡ ደንበ ተቓውሞ ሓደ ካብ`ቶም ዓበይቲ ዕማማት ንስርዓት ህግደፍን ኩሉ መሓውራቱን ንምስዓር  ዘቃላጥፉ፡ ዕማማት ወሲዶም፡ ብጥምረትን ስጥመትን ክዓስልዎ ይግባእ። እማመ ፕሮጀክት ንክዓሙቕ፡ ንክሰፍሕ፡ ኣብ መወዳእታ`ውን እ`ዚ ፕሮጀክት`ዚ ዕዉት ኮይኑ ክውጽእ ብተግባር ክሳተፉ ምስ ዝደልዩ ናይ ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓደ ከስርሕ ዝኽእል ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ምርድዳእ ክግበር ኣድላዪ ይኸውን።

ርእይቶና ኣብ ምቛምን ስራሕን ሓይሊ ዕማማት

  • ደለይቲ ፍትሒ በብከተምኡ  ነዚ ጉዳይ`ዚ ብዝምልከት ተጋቢኦም/ተወዲቦም ብደረጃ ስተይት (State) ሓደ  ዝውክሎም ሓይሊ-ዕማም (Taskforce) ይምስርቱ። ቀንዲ ኣተኩሮኦም ኣብ ዘዘለዎ (State) ዝርከቡ ንኤርትራውያን ምጉስጓስን ንኮንጉረስን ሰነይትን ናይ`ታ ዝቕመጡላ ስተይት ሕሱም ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብጥራዓን/ፐቲሽን፡ ጽዑቕ ወፍሪ ምክያድ`ዩ።
  • እቲ ካልኣይ ክንፊ ከኣ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ዝምስረት ሓይሊ-ዕማም (Taskforce) ኮይኑ፡ በቶም ካብ ነፍሲ-ወከፍ ስተይትስ ዝተመርጹ ሓይሊ ዕማም ይቐውም። ስራሕ ካልኣይ ክንፊ ሓይሊ ዕማም፡  ፍሉይ ክእለት፡ ሞያዊ ብቕዓት/ፕሮፈሽናል፡ ዝሓትት ስለዝኾነ ኣብ ምምርጹ ወይ ምውካሉ ይኹን ኣብ ውህደቱ ፍሉይ ጥንቃቐ የድልዮ። ቀንዲ ኣተኩርኡ ንዋይት ሃውስ፡ ንባይቶን ሰነይትን/ፈደራላዊ ትካላት፡ ንስትይት ዲፓርትመንት፡ መንግስቲ ካናዳ፡ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታትን ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቓኣህጉራዊ ትካላትን ዘደሃበ ይኸውን።

ነዚ ፕሮጀክት`ዚ ንምስላጥ:  ዝምስረታ ሓይሊ-ዕማም (Taskforce) ክልቲኤን:-

  • ዕድመ ዘመን ኣገልግሎተን ንክልተ ዓመት ኮይኑ : ካብ 7 ክሳዕ 9 ኣባላት ይህልወን።
  • ንሕርያ ኣባላት ናይ`ዘን ሓይሊ- ዕማም እዚ`ኣተን ዝምልከት  እንጥቀመሉ ረቛሒ ከኣ: ብቐንዱ “ብቕዓትን ተወፋይነትን ኮይኑ ሕብረ-ብሄር/ኣብዝሓ ክኸውን ግን ይምረጽ።
  • እቶም ነዘን ሓይሊ-ዕማም ዝመስረቱ ከኣ ተቘጻጸርቲ ናይ`ተን ዝመስረትወን ሓይሊ-ዕማም ኮይኖም የገልግሉ።

ክጭበጥ ዝድለ ውጽኢትን ዝሰላሰል መደብ ስራሕን፡ መደብ ትግባረን ሰሌዳ ግዜን ብንጹር ምሕንጻጽ (Schedule for PLAN OF ACTION)

 

ብቦታ ደረጃ/ Cities/States/provinces

  1. ህዝቢ: ብደረጃ State/Province ተወዲቡን ተወኪሉን ናብ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካን ካናዳን:  ዝቐንዔ ቀጻሊ (lobby) ጽዑቕ ጎስጓስ ምክያድ።
  2. እማም ፕሮጀክት ምስ ከተማታት፡ ስተይትስ ፕሮቪንስ፡ ይኹን ምስ ዝሳተፉ ናይ ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር ምክላስ/REVISE: ምምዕባልን ምጽዳቕን።
  3. ኣብ ኩሉ ከተማታት/ States/provinces፡ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝሰላሰል ኣኼባታት፡

-    ክጭበጡ ዝድለዩ ውጽኢታት ምንጻር፡

-    ንከመይነት መለክዒ ናይ ዓወታት መራሒ ሓሳብ ኣብ ባይታ ምቕማጥ፡

-    ብከመይ ነረጋግጾን፡ ንምርግጋጾም ዘድልዩ ናውቲን መሳለጥያታትን ምውናን፡

  1. ልዑል ጽልዋ ክፈጥሩ ተኽእሎ ኣሎዎም ዝበሃሉ ውልቀሰባትን ባእታትትን ኣለሊኻ ፍሉይ ጎስጓስ ምክይድ።

ብዞባዊ ደረጃ/North America

  1. ብምሉእ ደገፍ ደለይቲ ፍትሒ: ኮሚሽን መርማሪት ው.ሕ.ሃ: ሓቀኛን ዝተማለኤን ጸብጻብ ከተርቐብ ምኽኣል፣ ስለዚ ሓቢርናን ሰሚርናን  ነዚ ፕሮጀክት  ከነተግብር ምኽኣል።
  2. ዜጋታት ንጡፍ ግደ ተጻዊቶም: ተወሳኺ ሓቀኛን ዝተማለኤን ሓበሬታ ክልግሱ: ጽዑቕ ጎስጓስ ምኽያድ፣ ምንጪ ሓበሬታ ካብ ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና ጥራይ ከይተሓጽረ ካብ ውሽጢ ሃገር`ውን ዝርከበሉ ኩነታት ምፍጣር።
  3. ምስናድ ዝተኣከበ ሓበሬታ: ናብ ቛንቛታት ኤርትራ ምትርጓምን ምዕቃብን።
  4. መብዛሕቲኡ ህዝብናን ሕብረተሰብ ዓለም: ነቲ ጽዩፍ ተግባር ምኹናን ምውጋዝን: ከምኡ`ውን ኣብ ልዕልቲ ስርዓት: ቁጠባዊን ናይ ምንቅስቅስን ትጽዕኖ ምፍጣር::
  5. እቲ ዋኒን ዋኒና: እቲ ጉዳይ ከኣ ጉዳይና ስለዝኾነ: ግዜ ምስ ፈቐደ: ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዓብን ዘነውርን ገበን ዝፈጸሙ ኩሎም (ኣብ ሃገርና) ባህልናን ያታናን ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ (ንመምሃሪ ክኸውን): ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ሰረት ምንጻፍ።
  6. ጸብጻብ ኮሚሽን: ናይ ዝበዝሔ ክፋል ሕብረት ሰብ ዓለም ደገፍ ምርካብ። ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ: መንግስቲ ካናዳ፡ ው.ሕ.ሃን ንሰብኣዊ መሰል ደቂ-ሰብ ዝጣበቓ ኣህጉራውያን ትካላትን:  ጽኑዕን ተሪርን ደገፍ ኽረክብ ዝሕግዝ ስራሕ ምስልሳል።
  7. እቲ ጸብጻብ ደገፍ ናይ ኤርትራውያን ክረኽብ ስለዘለዎ: ብሰላማዊ ሰልፊ መልክዕ ጥራይ ዘይኮነስ ብPetition  መልክዕ`ውን ደገፍ ክረከብ ጽዑቕ ጎስጓስ ምኽያድ።

በዚ እነቕርቦ ዘለና እማመ መሰረት ይኹን ወይ ካብ`ዚ ነቕርቦ ዘለና እማመ ኣብ ህዝባውነቱ ይኹን ተግባራውነቱ ብልጫ ዘለዎ እማመ፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ  ምቛም ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡  ዘድሊ መሳለጥያታት ከበርክትን ክተሓባበርን ድልውነቱ ይገልጽ።

ምሉእ ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ!!

ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ክዕወት`ዩ!!!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

ጥቅምቲ 26 2015

Last modified on Tuesday, 27 October 2015 17:57