ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጸለመ ንረብሓ መን?

2015-12-31 12:25:00 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3030 times

መደባት ፓልቶክ ኣብዚ ቅንያት ግርም መማሰዪ ረኺቡ ኣሎ። ፓልቶክ ሓደ ኣካል ካብ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ከም ምዃኑ መጠን ብግቡእ እንተዘይተታሒዙ፥ ካብ እወንታኡ ኣሉታኡ ክበዝሕ ምዃኑ ዘየጠራጥር። ከመይሲ መሰለይ እዩ ኢልካ ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉን ኣፍካ ዝሃበካን ምዝራብ ዝኸፍአ መተሓላለፊ ዝንቡዕ ወረ እዩ ዝኸውን። ዝንቡዕ ወረ ወይ ሓበረታ ክመሓላለፍ እንከሎ ድማ መናቖቲ እምበር ኣተሓቛቛፊ ወይ እውን ናይ ስኒት ሃዋህው ዝፈጥር ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ኢሉ ክጎዓዝ እንከሎ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ለይቲ ምስ መዓልቲ ናይ በለጽ ስርሖም ዘዋፍሩ ሕቡኣን ባእታታት ብወገኖም ኣብ ጠቕሞም ከውዕልዎን ነቲ ኩነታት ብቄናን መንገዲ ክዝውርዎን ህርድግ ከምዝብሉ ርዱእ እዩ። ‘’ስብሓት ዝብጸሓካ ኣይትስሓት’’ እዩ ክኸውን ነገሩ

ሰውራ ኤርትራ፡ ንኹሉ ዕንቅፋታት በዲሁ ካብ ባዕዳዊ መግዛእትን  ድምጺ ብረትን ናጻ ኮይኑ ኤርትራዊ ወናን ሃገሩን ክብሩን ክኸውን ካብ ዝበቅዕ እነሆ 25 ዓመት ክመልእ ይቀራረብ ኣሎ። እዚ እቲ ብረታዊ ቃልሲ መድረኹ ከምዘብቀዐ ዝእምት እዩ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ኣብ ክንዲ ብብረት ብፖለቲካን ሃናጺ ናይ ለውጢ ሓሳብን ኣቢልካ ዝፍጸም ጉዕዞ ቃልሲ እዩ። ይኹን እምበር በቲ መልክዕ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ዝኸዶ ዝነበረ ኣብ ነንሓድሕድካ ዘየሳኒ ምትኹታዃት ሒጂ እውን እንተኾነ ፈውሲ ዘይተረኽቦ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብድሕሪት ኮይኑ ኣጋጣሚታት እንዳተጸበየ ዝደፍኦ ኣካል ከምዘሎ ስውር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውልቀመላኺ ኢሰያስ እውን ከምዚ ናይ ሎሚ ብታሕተ-ታሕቲ ዘዋፍሮ ዝነበረ ፈላላይን ኣናቛትን ወፍሪ እናኣካየደ እዩ ስልጣን ብሒቱ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ፈለማ ብስራት ናጽነት ዝተኣወጀሉ ግዜ ንኣባላት ህዝባዊ ግምባር እቲ ዝግባእ ሞጎስን ክብርን ሂቡ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ ድማ ደጊም ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ መምሃሪ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ። እቲ ናጽነት ከም ደበስ ተወሲዱ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ከኣ ብዕርቅን ይቕረን ብፍትሓዊ ዝኾነ ቅዋም ኣቢልና ክነድቅሶ ድማ መተገበአ። እቲ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተግባራት ኣብ መጻኢ ትልሚ ኣትዩ ነቲ ብሩህ ተስፋ ከጸልምቶ ቅኑዕ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ነቲ ድሕሪ ናጽነትከ? ዝብል ሕቶ ክጥምትዎ ዝነበሮም ክንሱ ግን ዘንጊዖሞ ሓሊፎም።

እቲ ስርዓት እዚ ሎሚ ብህግዲፍ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ ጉጅለ ዝኸዶ ዘሎ ጎደና ፈጺሞም ተገሪሆሙሉ እኳ እንተዘይተባህለ እቲ ምልክታት ከስተብህሉሉ ግን ኣይከኣሉን ክትብል ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኢሳያስ ባዕሉ ኣብቲ ፈለማ ናይ ነጻነት መደረኡ ‘’ ድሕሪ ደጊም ናይ ውድባት ሓሸወየ የለን ክኣቱ ዝደሊ ብውልቁ ይእቶ’’ ኢሉ ክምድር ከሎ፡ ኩሉ ኣባል ህግድፍ ኣብየናይ ጽፍሒ መሪሕነት ይንበር ብዘየገድስን እቶም ዝተረፉ ውዱባት ሃገራውያንከ ኣበይ ክወድቁ ከይበለ ስቕ ኢሉ ምስጋሩ ዘተዓዛዝብ ነይሩ። ነዛ ነጥቢ እዚኣ ሸፈፍ ኢሎም ስለዝሓለፈዋ ከኣ ነቲ ሓቂን ፍትሕን ከም ዝጠሓስ ኣብ ምግባር ዓቢ እጃም ኣለዎም።

ካልኣይ ነጥቢ እቲ ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝወጸትሉ ውድባት ምስ ስርዓት ኢሳያስ ንምዝታይ ብፍላይ ሰውራዊ ባይቶ ተዳልዩ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ምስ በጽሐ እቲ ናይ ዘተ ጉዳይ ንዘይተወሰነ ግዜ ተመሓላሊፉ እዩ እሞ እቲ ልኡኽ ንኸይብገስ ዝብል መልእኽቲ ተሰዲዱ። እዚ እውን ኣብቲ እዋኑ ዓገብ ኣይተባህለን። ደሓር እቲ ሃገራዊ ቅዋም ክንደፍ እንከሎ እቲ ዝገርም እቶም ክኢላታትን ምኩራትን ዝበሃሉ ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይ ብሸለልትነት ጥራሕ ዘይኮነስ ብናይ “ንሕና ጥራይ ኢና ዋናታት” ዝብል ስምዒት ስለ ዝጠመትዎ ናይ ንኺድ ጥራሕ መንፈስ ሒዞም ንኹሉ ወዲ ሃገር ዝምልከት ክንሱ ንገሊኡ ከምዘይደቂ ሃገር ቆጺሮሞ ክሓልፉ ከለዉ እውን ብዙሓት እዮም ኣጽቂጦም። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ድማ ዲክታቶር ኢሳይያስ ሻዲኑ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብዚ ሕጂ ወዲቐምዎ ዘለዉ ንክወድቖም ኣስተዋጸኦ ገይሩ እዩ።

ስለዚ እቲ ንሃገራዊ ዕርቂ ክግበር ዝቐርብ ዝነበረ ጠለብ በቲ ስርዓት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብሰንኪ እዚ እቲ ቃልሲ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ኣብ ደገ ክኸውንን ንዘይንቡር ኣተሃላልዋ ክቃላዕን ተገዲዱ። እዚ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጉድለታት ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ጉድለት ከም ዝነበረ ንምእማት እምበር፥ ነቲ ዝሓለፈ ይኹን ሕጂ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ሸንኪሩ ክሕዞ ይኹን ከዳኽሞ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣብ መጻኢ ኣብ ጀብሃ ኮነ ሻዕብያን ዝነበሩ ኩሎም ኣባላት ዝነበርዎ ጽፍሒ ብዘየገድስ ቅርቡነት ወኒኖም ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም ከከም ግዚኡን ኩነታቱን እንተስ ብዕርቂ ወይ ብይቕረታ ዝነበረ ጸገሞም ክፈትሑ ዝጽግም ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ሕጂ ኣብዚ ሓርነታዊ ቃልስና ብዛዕብኡ ኣልዒልና ክንዛረብ ይኹን ክንስሓሓብ ወይ ከኣ ከም መፈላለዪ ነጥቢ ክንጥቀመሉ ምስ እንፍትን ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ  እሞ ሎሚ ንነቕፎ ዘለና ንውግእ ዝዓደመ ጐስጓሳት ዝካየድ ዝነበረ ኢና ክንቅጽል ማለት’ዩ። እቲ ኣብ ፓልቶካት፡ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ዝኾነ ገበን ነጻ ኣውጺእካ ካልኦት ንምውንጃል ዝግበር ጫጫው ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

እቲ ኣብዚ ክንርእዮ ዝግበኣና ቁምነገር ንሓደ ኣካል ብፍትሓዊ ዓይኒ እምበር ብናይ ሓይሊ ሚዛን ጥራይ ኣይኮናን ክንድግፎን ክንቃወሞን ዝግበኣና። ንኣብነት ንጉጅለ ህግደፍ ኣትሪርና እንቃወሞ፡ በቲ ዝምረሓሉ ዘሎ ጸረ ህዝብን ጸረ ፍትሕን ተግባራቱን ፖሊሲታቱን ኢና። ምናልባት ጉጅለ ህግደፍን ደገፍቱን ሓይሊ ሕጊ እዩ ዝበል መንፈስ ይሓደሮም ይኸውን። ንሕና ግና ካብዚ ብዝተፈልየ መንገዲ ኢና ክንገጥሞ ዝግበኣና። እቲ ካልእ ጉዳይ ሎሚ ኣብ ፓልቶካት ተሓለቕቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኮይና ክንምድር እንሓድር ብዙሓት ኢና። እንተኾነ ነዚ ናይ ሎሚ ሓልዮትናን ተገዳስነትናን ኣብቲ እዋኑን መድረኹን ከነንጸባርቖ ዘይምብቃዕና ድኽመትና ምዃኑ ክንቅበሎ እዩ ዝግበኣና። ነዚ ድኽመትካን ተሓታትነትካን ኣቐሚጥካ ንውሱናት ኣብ ዝተወሰነ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ቆንጢርካ ከምዚ ክገብሩ ዝግበኦም ዝነበረ ኣይገብሩን ብዝብል ክትዝንጥሎምን ካብ መጻኢ መደባት ቃልሶም ከተዕንቅፎምን ምፍታን ግጉይን ዘተዓዛዝብን እዩ። ጉዳይ ምትሕስሳብ እንተመጺኡ ግና ዋላ ሓደ ንካልኦት ብምጽላምን ብምኽሳስን ካብ ተሓታትነት ናጻ ክኸውን ከም ዘይክእል ናይ ፓልቶክ ወረጃታት ተተረድእዎ እዩ ዝሕሸ። ተሓታትነት ከኣ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንኹሉ ዝምልከት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብፍላይ ድሕሪ ምምኽኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ በዚ መጸ ዘይበሃል መሾምቦባ ንሕሉፍ ቃልስን ተመኲሮ ወልቀሰባት ኣልዒልካ ናይ ክስን ውንጀላን ክካየድ ጀሚሩ ጌና እውን ኣይተወደአን። እቲ ዝገርም ከኣ ኣብቲ ዝቐርብ ተንታን ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ እንታይ ውጽኢት ከስዕብ እዩ ብዘይምስትብሃል ንዕድመ ስልጣን መላኺ ጉጅለ ዘናውሕ ጐስጓሳት ብመደረታትን ብጽሑፋትን ይካየድ ኣሎ። ኩሉ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ሃገራዊነት ዘህስስ፡ ዘረሓሕቕን ንጉጅለ ህግደፍ ዘርብሕን እምበር መስርሕ ምምጻእ ለውጢ ዘቃላጥፍ ኣይኮነን። “ምእንቲ ለውጢ ኢና” ኢሎም ብዝጭርሑ ወገናት ክበሃል እንከሎ ከኣ የገርም።

ውድባት ኣይሰርሓን እየን፥ ውድባት ነንውድበን እምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ኣይገበራን፥ ውድባት የለዋን፥ ከምዘይተባህለ ሎሚ፡ ከኣ ውድባት ክጥርነፋን ሽግረን ኣለልየን ብሓባር ዘስረሐን መንገዲ ክትልማን እንተተላዕላ፡ “ኣይትስዓብወን እዚኦምዶ ክመርሑና” እናበልካ ዝግበር ዘሎ ዘይሃናጺ ጐስጓስ ብመንጽር ረብሓን መሰልን ህዝቢ ክምዘን እንከሎ ኣዕናዊ እዩ። እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ኣንጻር ጥርናፈን ውደባን ዝድብሉ ዘለዉ፡ ነቲ ብሰንኪ ተግባሮም ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዘይርእዩን ሃገር ብምጉጅጃል ትመሓደር ዝመስሎምን ወገናት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ይሰርሑ ከምዘየለዉ ክርድኡ ይግበኦም። ሎሚ እቲ ቀዳማይ ዕማምና ክኸውን ዝግበኦ ከመይ ብሓባር ተወሃሂድናን ተኸባቢርናን ንሰርሕ እምበር፡ ኣብ ሕድሕድና ንወናጀለሉን ንቆናጸበሉን ወይ እውን ናብ ናይ “ኣነ በልጽ፡ ኣነ’ባ” ዘይመሰረታዊ ህልኽ ክንኣቱ ኣይግባእን። ገሊኦምሲ ሕሉፍ ሓሊፍዎም እተን ውድባት ተራኺበን ክዝትያን ጌጋታተን ክእርማ እንተተበገሳ፡ “ንስልጣን ህዝቢ መንዚዐን በይነን ከመሓድራና ኢየን” ብዘስምዕ ዝምቡዕን ቄናንን ወረ ኣብ ምዝርጋሕ ምውፋሮም ክሳብ ክንደይ ነቲ ኣንጻር ዲክታቶርነት ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ ይሃስዎ ከም ዘለዉ፡ ንሳቶም ኮነ ኣብቲ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያን ወገናት ከስተብህልሉ ይግበኦም።

ድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 31 December 2015 13:26