ስለምንታይ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ የድሊ?
2016-01-27 22:56:04 Written by ጐይትኦም ኢማም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2227 timesSource- Fithi Magzine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2015/1108FM5-06MT.pdf
ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝተደለየሉ ምኽንያት ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ተጎጃጂካን ፡ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲ ብምዃንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተጻዒንዎ ዘሎ ምልክን፡ ሕሰምን ኣደራዕን ከልግስ ስለዘይተኻእለን፡ ዘይከኣል ምኻኑን ዝሓለፉ ተሞክሮታት ስለዝምህሩና ኢዮም። ብዘይተሳትፎ ናይ ህዝቢ፡ ዝረጋገጽ ለውጢ ከምዘየለ ኢዩ እቲ ተሞክሮ ዝምህረና። ብዘይተሳትፎን ወሳኒ ተራን ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እንደገና ንክጥለም ብዙሕ ዕድላት ከምዘሎ እቲ ሕሉፍና ዝምህረና። እዚ ሕጂ ኤርትራ ንኢሻቶ ሰሜን-ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሃገርን ህዝብን ዝበታትን ዘሎ ጉጅለ መሪሕነት ስርዓት ህግደፍ፡ ትማሊ ትማሊ ዲሞክራሲ እንዳበለን እንዳዘመረን ኢዩ ንህዝቢ ኣዳህሊሉ፡ ሕጂ ሕፍረቱ ቀንጢጡ እምባገነን ኮይኑ ናይ ህዝቢ ስልጣን መንዘዑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጊላኡ፡ ኤርትራ ከምሃገር ከኣ ውሽሙኡ ገይርዋ ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ናይ ሓባር ጸገም ዝኾነ መላኺ ስርዓት ንምእላዩን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ብወገን ህዝቢ ዝጥለብ ሓድነትን ስራሕን ብተግባር ክንሰርሓሉ ብዘይ ምኽኣልና ኣደራዕ ናይ ህዝብና ከነናግፍ ኣይበቓዕናን። ብኢድ-ኣዙር ምልኪ ህግደፍ ንክቕጽል ተሓባበርቱ ካብ ምዃን ነጻ ኣይኮናን። ሃገርን ህዝብን ኣብ ሐደጋ ተሳጢሖም እንከሎው ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ከልግስ ዘብቅዕ፡ ንህዝቢ ንቃልሲ ዘዕስል፡ ንጹርን ትኩርን ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ክንውንን ብግብሪ ክንሰርሓሉን ኣይበቓዕናን። ደንበ ተቓውሞ ኣብ ካልኣ ውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ተጸሚዱ ክሰሓሓብን ክዋጠጥን ክቡርን ነዊሕን ጊዜኡ ኣባኺኑ ኢዩ። ከምውጺኢት ናይ’ዚ ከኣ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ህዝብና ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛባይ ኮይኑ። ኣብ ክንዲ ኣተኩረና ቀዳምነታትና ብምስራዕ ምስ መድረኽ ዝጠልቦ ሓባራዊ ቃልሲ ኣብ ክንዲ እነካይድ ኣብ መጻኢ ብህዝቢ ክፍትሑ ዝኽእሉ ካልኣዊ ዝኾኑ ዕላማታትን ጓል-ነገርን ወርቃዊ ግዜ የሕሊፍና። ከምውጽኢቱ ከኣ፡ መሪሕነት ህግደፍ ጸይቅን ኣዕናውን ተግባራቱ ንክፍጽም እኹል ዕድል ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ወጥሪ ኩነታትን ኣብ ገሃንመ-ጸልማት የእትይዋ ይርከብ። ንዕላማታት መስዋእቲ ተጋድሎ ህዝብና ዝጠልም መደብ ሰሪዑ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታትና ብሕሱም ዝድህኽ ዘሎ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስሙር ቅልጽም ህዝቢ ኤርትራ ብህጹጽ ከልግስ ኣለዎ። ስለዝኾነ ኩሉ ዓቕምታት ደለይቲ ፍትሒ ንስርዓት ህግደፍ ምስዓርን ህልውና ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘኽእል መቃለሲ መስርሕ ክኽተል ኣለዎ። ስለዚ ነቲ ናይ ተጎጃጂልካ ቃልሲ ብሓቢር ካበቶም ዘሰማምዑኻ ዓበይቲ ሓባራዊ ዕላማታት ምስራሕ እቲ ዝሓሸ መዋጽኦ (ኣማርጺ) ናይ ሽግርና መፍትሒ ስለዝኾነ፡ ዝተጠርነፈ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ የድሊ።
ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ (Grassroots Movement) ክበሃል እንከሎ ካብ ታሕቲ (እትነብረሉ ቦታ) ናብ ላዕሊ ዘቕነዐ ህዝባዊ ምትእስሳር፡ ብነጻ ተበግሶ ናይ ዜጋታት ዝቖመ፡ ንኹሎም ዜጋታት ብቑሉዑን ብማዕረ ዘሳትፍን ህዝባዊ ዲሞክራሲያውን ምጥራናፍ`ዩ። ዕምሪ ምልካዊ ጭኮና ንምሕጻር ዓቕሚ ህዝቢ ብምውህሃድ ምልኪ ህግደፍ ኣልጊሱ ህዝብና ዝቆጻጸሮ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንክረጋገጽ ከኣ ይሰርሕ። እቲ ዝዓበየ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘዝርክብዎ ቦታታት/ከተማታት ተጠርኒፎም ንህዝቢ ካብ ጽልዋ ህግደፍ ሓራ ብምውጻእ ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝሳተፉ ብምግባር መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘይብሉ ዕርቃኑ ምውጻእ ኢዩ። መሰረት ናይ ለውጢ ውልቀ-ሰባት ኣብ ዘዝርከቡሉ ዓዲ/ከተማ ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል ዕላማን መደብ-ስራሕን ኣነጺሮም ተጠርኒፎምን ተወሃሂዶምን ብተግባር እተማክሎም ሽማግለ መሪጾም ክሰርሑ ምስ ዝበቕዑ ኢዩ። እዘን በዚ ኣገባብ ዝወጻ ናይ ቦታታትን፡ ዞባታትን ዓለም-ለኻዊ መሪሕነትን፡ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ብህዝቢ ዝወጻ ስለዝኾና፡ ተሓታትነተን ነቲ ዝወከለኦ ህዝቢ ይኾና። እዚ ማለት ከኣ፡ ናይ ሓንቲ ከተማ ህዝባዊ ሽማግለ ተሓታትነታ ነቲ ኣብ’ቲ ከተማ ሓላፍነት ዝሃበ ህዝቢ ይኸውን። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ከኣ ነቲ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝወከልዎ ሽማግለ ኣብ ዞባዊ ጥርናፈ ከምዝጥርነፍ ምግባር’ዩ። ናይ ዞባ መሪሕነት ከኣ ተሓታትነታ ነተን በብከተምኡ ዝተወከላ ሽምግለታት ኮይኑ ብትሕዝተኡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ’ቲ ዞባ ይኸውን። ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝተመረጹ ንዞባ ዝውክሉ ሽማግለታት ከኣ ተጠርኒፎም ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ንናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እተማእክል ኣህጉራዊ መሪሕነት (ዓለምለኻዊት) የቑሙ።
ኣብ መንጎ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ቃልስን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ድልድል ናይ ቃልሲ ንክግበር ዝቐለለ ስለዝኸውን ኣብ ውሽጢ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሳያዊ ለውጢ ንክትግበርን ንክዕወትን ምቹእ ኩነታት (Opportunity) የስዕብ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ (ኣብ ዲያስፖራ) በዚ መንገዲ’ዚ ዝረጋገጽ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጥርናፈን ሓድነታዊ ቃልስን፡ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ሞራልን ጽልዋን ክፈጥር ይኽእል። ብክፉት ዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ መስርሕ ዝቐውም ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ (መሪሕነት)፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ዕላዊ ወኪል (ልኡኽ- ኣገልጋሊ) ናይ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ኤርትራ ኮይኑ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎን ዝፍጠርን ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ብምትሕብባር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ይነጥፍ። ነቲ ብሕሱም ምልካዊ ጭኮና ተዓፊኑ ዝድሃኽ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽን ትንፋስን ኮይኑ፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ይጣበቕ። ዓለም-ለኻዊ መሪሕነት ተሓታትነታ ከኣ ንኹሉ ብከተማታትን ዞባታትን ዝተጠርነፉ ደለይቲ ፍትሒ ማለት’ዩ። ነቲ ንህዝቢ ኣብ ሓደ ዝጠርነፎ መድረኻዊ ዕላማን ስትራተጂን መደብ-ስራሕን ዓቕሚ ህዝቢ ኣወሃሂዳ ምልኪ ህግደፍ ክሰዓርን ናብ ውሑስ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክረጋገጽ ትሰርሕ። ምስኣ ብውሽጢ ሃገር ዝካየድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ድልድል ብምፍጣር ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብህዝባዊ ሓይሊ ንምልጋስን ህዝቢ ዝቆጻጸሮ ዘተኣማምን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንክረጋገጽ ይቃለስ።
በዚ ኣብ ላዕቲ ዝተጠቕሰ ዓይነት ኣጠራንፋ፡ ህዝቢ ነቲ ዝካይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ይመርሖን ይቆጻጸሮን ማለት’ዩ። ዝተወከላ ሽማግለታት ተልእኾኣን እንተዘይፈጺመን ከኣ እቲ ዝወከለን ህዝቢ ሓላፍነት ክህብን ከሕድግን ስልጣን ይህሉዎ። እዚ መስርሕ ምልዕዓል`ዚ፡ ነቲ ብከቢድ መስዋእቲን መውጋእትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ብምዕቃብ፣ ሓርነትን ክብርን ዜጋታትና ንምጉንጻፍ ተሳትፎ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ስትራተጂ እዩ። ንኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ መዋጥር ከነውጽእን፡ ናብ ዝኸፍኣ ሓደገኛ ኩነታት ከይትኣቱ ህዝብን ሃገርን ንከነድሕን፡ ነዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ተሳትፎን ሓርነታዊ ቃልስን ጥራሕ ኢና ከነልግሶ እንኽእል። ለውጢ ስለ ለውጢ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ፡ ንረብሓ ህዝቢ ዘውሕስ ለውጢ ክኸውን ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ክኽፈትን ዲሞክራስያዊ ትካላት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ክቦቕላን ክዕንብባን ክንሰርሓሉን የድሊ። ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ተዓዛባይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቀንዲ ተዋሳኣይን ናይ ቃልሲ ቀላሳይን ክኸውን ም ስዝበቅዕ ጥራሕ’ዪ ዘተኣማምን ህዝባዊ ስልጣን ከረጋገጽ ዝኽእል። ኣብ ምልጋስ ጉጅለ ህግደፍ ብዝተፋላለየ ምኽኒያታት ካብ ቃልሲ በዂሩን ዛሕቲሉን ንዝጸንሐ ዝበዝሐ ክፍሊ ህዝብና ኣበራቢሩ፡ ንዓቕምታትን ጸጋታትናን ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፉ፡ ኣድማዕን ውጽኢታውን ሓይሊ ህዝቢ ንክፈጥር እምበር ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ወይ ንምሽራኽ ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ ምልኪ ንምልጋስን ውሑስዲ ሞክራስያዊ ምስግጋር ንክረጋገጽን ህዝቢ ክጥርነፍን ሓቢሩ ክቃለስን የድሊ። ከም’ቲ ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ብጉጅለ ህግደፍ ባህጊ ህዝብና ዝተጨውየ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ’ውን ብዲሞክራሲ ዝዝምሩ ምልካውያን ከይጥለም፡ ህዝቢ ናይ ቃልሱ ሰራሕን፡ መራሕን፡ ወሳንን ምስ ዝኸውን ጥራሕ’ዩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ዝከኣል። ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ከይጥለም፡ ዋና ሃገሩን መጻኢ ዕድሉን ንክኸውን መሰሉ ንሃገራዊ ረብሕኡን ብንቕሓት ክምክት ክኽእል ምዕጣቑን ምድላዉን ኩሉትና ብርቱዕ ጻዕርታት ከነካይድን ብግብሪ ከንሰርሕን የድልየና።
ክሳብ ዕለት’ ሎሚ፡ ካብ ሓቢርካ ሽግር ሃገርካን ህዝብን ምፍታሕ ዝሓሸ ካልእ ኣምራጺ ኣየተረኽበን። ካልእ ዝሓሸ መተካእታ ኣሎኒ ዝብል ዜጋ፡ ዝተጠርነፈ ጉጅለ ይኹን ሓይሊ ኣብ መድረኽ ህዝቢ ርእይቶኡ ከምጽኦ ኣገዳስን ሓላፍነታውን ይኸውን። እቲ ዝበዝሐ ኣካል ናይ ህዝብና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ተዓዛባይ ከምዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ ስትራተጂ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛባይ ክኸውን ዝመረጸ ዝበዝሐ ህዝብና፡ ጎስጓስ ብምክያድን ብምልዕዓልን ዋንነት ናይ ቃልስን ለውጥን ተሰሚዕዎ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ከልዕል ምግባር ኢዩ። እቲ ዝለዓለ ፍሽለት ናይ ደምበ-ተቓውሞና ከኣ፡ ነዚ ወሳኒ ሓይሊ’ዚ ከዕግብን ዘይምኽኣልን ጓስይዎ ክሓልፍ ምፍታንን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ብዘይገለ ደገፍ ናይ ህዝቢ ጠጠው ክብል ስለዘይክእል፡ ተደናገጽትን ደገፍትን ናይ’ቲ ስርዓት ብውሑሉል መንገዲ የዕጊብካ ኣካል ናይ’ቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኢዩ።
ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ከምከተማዊ ጥርናፊን ከምኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን መጠን ኣብ ሕዳር 2013 ንህዝቢ ዘሎዎ ኣማራጺታት እዘን ዝስዕባ ምዃነን ህዝቢ ዘትዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ንነፍሲ-ወከፍና ዘሎ ዋና ኣማራጺታት እዘን ዝስዕባ ኢየን።
1. ንሕና ከምህዝቢ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ ከምዘይበጽሓካ ኣማዕዲኻ ምርኣይ።
2. ንሕና ከምህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ብውድባት ዝምራሕን ዝቕለስን ዘይስሙር ተቓውሞን፡ ዘየድመዓን ዘይድምዕን ተጎጃጂልካ ቃልሲ ብኡኡ ጥራሕ ምቅላስ።
3. ንሕና ከምህዝቢ፡ ነቲ ዘሎ ኣደራዕን ምብትታን ምጽናትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ሃገርን ህዝብን ንምድሓን፡ ኣብ እንነበረሉ ቦታታት ጥርናፈ ድሕሪ ምርግጋጽ ብዞባውን ኣህጉራን ብስሙር ህዝባዊ ሓድነታዊ ቃልሲ ቅልጡፍን ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ምቅላስ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ብህዝባዊ ምትእስሳር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣካይድካ ሃገርን ህዝብን ምድሓን ኢዩ። እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከምኣካል ናይ ህዝቢ መጠን ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣባላተን ብምስታፍ ምቅላስ ማለት ምዃኑ ንጹር ክኽውን የድሊ።
ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡ እቲ ብምሉእ ድምጺ ዝተደገፈ ከኣ እቲ ሳልሳይ ምርጫ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ንመከራን ኣደራዕን ህዝብና ንምንጋፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ነቲ ሓባራዊ ማእከላዊ ዕላማ፡ ማለት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምልኪ ብፍትሒ ክትካእ ዝተወደበን ዘይተወደበን ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ጸረ ጉጅለ መራሕቲ ህግደፍ ዝመርሕዎ መላኺ ስርዓት ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ምክያድ እዩ። ንዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ ዜጋን ኣብ ሃገሩ ፍትሒ ክነግስ ዝደሊ ከምውልቀሰብ ጥራሕ ንነብሱ ብምውካል ኣብ ሓደ መኣዲ ሓቢሩ ስሙር ቃልሲ ከካይድ ክኽእል ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ንምኽፋትን ንምክያድን ዝዓለመ ይኸውን።
ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወዳደር ወይ ዝሻሞ ምትእስሳር ኣይኮነን። እቲ ቀዳማይ መሰረታዊ ዕላማ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ምልኪ ብፍትሒ ምትካእን ምርግጋጽን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ በብቅደም ተኸተል ህዝቢ ከሰላስሎም ዘሎዎም ሓባራዊ ፕሮጀክታት ኣሎው። እቲ ቀዲሙ ዝስራዕ ፕርጀክት ከኣ ነቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከይንስጋገር ዓንቂጹና ዘሎ ስርዓት ብስሙር ህዝባዊ ተቓውሞ ምእላይ ኢዩ። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ካብ ሕጂ ክንሰርሓሉ ዘሎና ከኣ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋግጋጽ ህዝቢ ነቲ ለውጢ ከምዝመርሖን ከምዝቕልሶን ብምግባር ዘተኣማምን ነባሪ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ዜጋታት ንምርግጋጽ ህዝባዊ ምንቅስቓስ የድሊ። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ብዙሕ ርእትዮታት ዘሎዎ ኣህዛብ ጠርኒፉ ስለዝጉዓዝ፡ ኣብ ዓበይቲ ውሱናት ዘሰማማዕዎ ጉዳያት ወይ ዕላማታት ጥራሕ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መዋጽኦ ናይ ሽግርና ክኸውን ክበቅዕ፡ ብሓባራዊ ዕላማ፡ ብሓባራዊ ስትራተጂ፡ ብሓባራዊ ናይ ዓወት-ጎደና፡ ህዝቢ ብምትእስሳር (ብምጥርናፍ)፡ ብናይ ሓባር ህዝባዊ መሪሕነት ተማእኪልካ፡ ግብራዊ ሓባራዊ ስራሕ ብምክያድ ዘላቒ (ነባሪ) ሃገራውን ህዝባውን ፍታሕ ምርግጋጽ ኢዩ። ብርእይቶ ናይ ወከልቲ ኢንዲያናፖሊስ ከባቢኣን ንናይ ዞባ ንድፊ ሽማግለ ዝቐረበ ርእይቶ፡ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ መለለዪ ስም ስለዘድልዮ ህዝባዊ ምትእሳሳር ኤርትራውያን ንፍትሒ (Eritrean People’s Network for Justice - EPNJ) ዝብል ርእይቶ ተዋሂቡ።
እዚ ካብ ከተማታት ጀሚርካ፡ ብዞባታት ይኹን ብኣህጉር ደረጃ፡ ናይ ሓባር ስም መለለዪ ምህላው ኣገዳሲ ጌርና ንርእዮ። እቲ ዝውስን ግን ብኣገባቡ (መስርሕ) ህዝቢ ምዃኑ ከኣ ነስምረሉ። ብከተማታት ደረጃ ዝሰላሰል ህዝባዊ ምትእስሳር፡ ናቱ ነጻነት ሃልይዎ፡ ብዕግበቱ ነቲ ናይ ሓባር ስም ምስ ዝቕበሎ ክጥቀመሉ ይኽእል። እቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ግን ፡ወከልቲ ዞባታት ኣብ ዝግበርዎ ጉባኤ ዝጸድቕ ጉዳይ ምዃኑ ብካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ መስርሕ ዝውሰን ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግን ስም ዘይኮነ፡ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ስትራተጂን፡ ብዘዐውት መንገዲ ሒዝካ፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብግብሪ ክሰርሕ ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ ኢዩ። ዕላማ ወይ ዘረባ ብዘይግብሪ ግን ኣብ ዓዲ ዘብጽሕ መንገዲ ዓወት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዘዝርከበሉ ቦታታት፡ ህዝባዊ ምትእስሳር ብምክያድ ሕዝቢ ተጠርኒፉ ብሓባር ኣብ መደብ ስራሓት ተጸሚዱ ብግብሪ ክሰርሕ፡ እቲ ዝሓሸ መዋጽኦ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ህዝቢ ኣብ ዘዝነበረሉ ቦታታት ክጥረንፍን እውን ትጽውዕ።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290