ነፍስሄር የማነ ባርያ ‘’ እቲ ዝደልዮ እንተዝኾነለይ’’ ዝበላ ደርፊ ብጣዕሚ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዋ ደርፊ እያ። ከምቲ ንደልዮ ወይ ከምቲ ንምነዮ እንተዝኾነልና እዛ ዓለም ኣብ ምንታይ ኮን መበጸሐት? ምኽንያቱ ከምቲ ዝምነዮ እንተዝኾነለይ እንታይ ዓይነት ምንዮት ኮን ይኸውን? እቲ ትምኒተይ ንዓይ ጥራሕ ዲዩ ወይ ንኹሉ ዝሓወሰ ዝብል ሕቶ ከልዕል ስለዝኽእል። ብዝኾነ ግን ብጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ኩልና ምንዮት ዝመሳሰል ክኸውን ይምነ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ምስቲ ኩሉ ባህርያዊ ጸጋታተን ኣካላዊ ምግዱራት (ልሙሳት) ኮይነን እነሆ ድሕሪ መግዛእታዊ ዘበን እውን ከይተረፈ ብዙሓት ካብኣተን ኣብ ድኹም ምምሕዳራዊ ባይታ እየን ዝርከባ ዘለዋ። እዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ብገዛእቲ ዝተፈጥረ ይኹን ብስንኪ ደረጃ ትምህርቲ ለጠቕ ምባሉ ካብቲ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግርጭታትን ቊርቊሳትን ኣይተላቐቓን ዘለዋ። እዚ ግርጭታት እዝን ንዓኡ ንምፍታሕ ዓቕሚ ዘይምህላውን ዘምጽኦ ጸገማት ካብቲ ዝነበረ ድሕረት ክወጻ ኣይከኣላን። እዚ ካብቲ ድሕረተን ዘይምውጻእ ከኣ ነቲ ፍልስፍና ናይ ብዙሕነት ዘዐንብብ ምዕብልና ዓንቃፊ ተራ ከምዘህልዎ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ብወገኑ ንመላእ ህዝቢ ዝሓስብን ንሽግራት ህዝቢ ዘለልን ብኡ መሰረት ከኣ ዝሓልን ኣብ ክንዲ ዝፍጠር፡ ንህዝቢ ዝድህኽን ዝውጽዕን እዩ ዘበቊል። በዚ ምኽንያት እቲ ምህናጽ ሃገርን ህዝብን ዝብል ብምህሳዩ ዳርጋ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ ጌና ኣብ ማሕበራዊ ቊጠባውን ባህላውን ቅልውላው ተሸሚመን የሳቕየን ኣሎ።
ኤርትራ ሃገርና እውን ኣካል ናይዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ምዃና መጠን ብርክት ዝበሉ ገዛእቲ እናተበራረዩ ዘሳቕይዋን ዘጋፍዕዋን ሃገር ኢያ ነይራ። ካብቲ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ውርሻ እውን ናጻ ኣይኮነትን። ስለዚ መጻኢት ኤርትራ ከምቲ ካብ ክትበቊል ጀሚራ ዘጓንፋ ዝነበረ ስቓይን መከራን ተናጊፋ፥ ህዝባ እውን ነቲ ሕሉፍ ከርፋሕ ግዜ ስዒሩ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዘለዎ ሃዋህው ክነብር ኣይከኣለን ዘሎ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ኤርትራ፡ ብተግባርን ብዘይተጒላባነትን ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኲሮ ወጺኣ ህዝባ ናብ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ከድህብ ይግባእ። እዚ ምስ ዝፍጸም ከኣ ኤርትራ ምስቲ ተስፋ ዝህብ ብሩህ መጻኢ ከተላግበና ወይ ከተሰጋግረና ኣለዋ ማለት እዩ። ነዚ ንምግባር፡ ከምቲ ሓርጭን ጥረ እኽልን ሓዋዊስካ ብሑቕ ዘይርከብ፥ ከምኡ ከኣ ህዝብና ነቲ ኣሉታውን ንምዕብልና ዝዕንቅፍ ድሑር ኣተሓሳስባን፡ ሓዋዊሱ ክኸይድ እንተደኣ ኮይኑ፡ ለውጢ ይኹን ምዕብልና ከምዘይርከብ ርዱእ እዩ።
ነቲ ኣሉታዊ ተመኲሮ ንድሕሪት ገዲፍካ ናብቲ ብሩህ መጻኢ ምድሃብ ማለት ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ግጉይን ኣሉታውን ሳዕቤን ዘነበሮ ተመኲሮ ደጊምካ ኣይትድገም ወይ ከይድግም ምጽዓት ማለት እዩ። ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኲሮ ምውጻእ ማለት ናብ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ዘብጽሕ ሓባራዊ ሃገራዊ መትከል ምውናን እውን ማለት እዩ። እዚ ሓባራዊ ሃገራዊ መትከል ከኣ ዕልማናዊት፡ ብቅዋምን ህዝቢ ዝመረጾ መንግስትን፥ ብመሰረቱ ህዝቢ ብዝሳተፈሉ ፖልሲታትን ምምሕዳር ማለት እዩ። እዚ ክኸውን ከሎ ሓደን ዝውጽዕ ሓደን ዝውጻዓሉ ዘይኮነስ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝኾነሉን፥ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ዝሕለወሉን ውሕስነት ምርካብ እዩ። ኣብዝን ኣብ ካልእን ሓባራዊ መትከላትን ጸኒዒናን ኣሚንናን ምስ እንጎዓዝ ነቲ መጠረስታ ክንበጽሖ እንደሊ ናይ ሰላም ባይታ ክምድምደልና ይኽእል።
ኤርትራ ሃገርና እምበኣር ነዚ ኩሉ መስገደል ሰጊራ ኩሉ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ሃገሩ ክሃንጽን ምዕቡል ሕብረተሰብ ክምስርትን ክጽዕር ክሎ እዩ ቅሳነትን ዕቤትን ዝርከብ። ካብዚ ነቒልና እታ እንምነያ ሃገር ነቲ ኩሉ ዓንቃጺ ኲርኳሓት ናብ ልሙጽ ቀይራ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን እዩ። መጻኢ ወለዶ ኣብ ክንዲ ኣብ ህውከትን ሓድሕድ ምትፍናንን ዝጽመድ፡ ኣብ ናይ ምትሕብባርን ኩሎም ዜጋታት ጾሞም ዘይሓድሩሉ፥ መጽለሊ ዘይስእኑሉ፥ ሓሚሞም መፈወሲ ዘይስእኑሉ መድረኽ ንምኽፋት ዝዓለመ ሕልናን መንፈስን ከሕድሩ ምግባር ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ካብዚ ቀጺሉ ብፍላይ ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ድኽነት ኣብ ዘየድሊ ሽግራት ካብ ምእታው ዘድሕና ንኹሉ ሕብረተሰብ ከምዚ ናይ ኤውሮጳ ማሕበራዊ ድሕነት (social security) ብተግባር ክሰርሓሉ ካብ ብሕጂ ክርዳእ ከምዘለዎ ምጽዓር።
ናብዚ ንምብጻሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና።? ዝብል ሕቶ ምምላስ ከድሊ እዩ። ንሱ ድማ ነዚ ኣብ ሃገርና መሰል ህዝቢ ገፊፉ ዝጭቊን ዘሎ ስርዓት ምልጋስ ቀዳማይ ዕማም እዩ። ቀጺሉ ክምልስ ዘለዎ ሕቶ ድማ ድሕሪ እዚ ስርዓት ምውዳቕ ሃገርና ኤርትራ እንታይ ክትከውን እያ ዝብል እዩ። ነዘን ሕቶታት እዚአን ብቕንዕና ክንምልስን ናብቲ ዝድለ ለውጢ ንምብጻሕንከ ኩልና ዜጋታት ኤርትራ ድልዋት ዲና? ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ ዘሎ እቲ ምንጻር ትምኒት።
እቲ ትምኒት ብመጠን እቲ ኣተሓሳስባኻ፡ ግብራዊ ስራሓትካን ናይ ሕልናኻ ቅሩብነትን እዩ ዝውሰን። ናይ ኩልና ድሌትን ምንዮትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዘለዎ ሽግራት፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማውን ቅሱንን ናብራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ነንሓድሑ ከኣ ብምክብባርን ሃገሩ ክትምዕብለሉን ክትስልጥነሉን ብዘኽእላ ጐደና ክምርሽ ከድሊ እዩ። ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ነቒልካ ተበግስካ እትምነዮ ግን ናብ ደልሃመትን ጽልሙት ተስፋን እዩ ዝመርሓካ። ስለዚ እቲ ካብ ቅኑዕ ሓሳብን ንኹሉ ዝእክብን ዘርብሕን ሕልና ዘነቅል ትምኒት እዩ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የጓንፎም ካብ ዘሎ ፖለቲካው፡ ማሕበራው፥ ቊጠባውን ባህላውን ቅልውላዋት ብቐሊሉ ክፍታሕ ይከኣል እሞ፡ ሃገርና ኣብ ክንዲ ናብ ጥፍኣት፡ ናብ ጎደና ልምዓት፡ ብልጽግናን ማዕርነትን ገጻ ትገስግስ።
ድራር መንታይ