ንስኻኸ እንታይ ዝገበርካ ኢኻ ብዘይካ ምፍልላይ

2016-02-26 14:34:29 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2550 times

ቀዳሞት ወለድና ካብ ሓሳውን ሰራቕንሲ ኣየናዮም ከም ዝሓይሽ ክገልጹ ከለዉ፥ ካብ ሓሳውስ ሰራቒ ይሓይሽ ኢዮም ዝብሉ ነይሮም። ምኽንያቱ ከኣ ሓሳዊ የጣፍእ’ዩ ኢዮም ዝብሉ። ሓሳዊ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት፥ ሕሜት፡ ጠቐነ፡ ጸለመ፡ ውንጀላ፡ ሸፈጥ ... ወዘተ ኢዮም። ስለዚ ሓሳዊ ኩሉ ግዜ መበኣሲ እምበር መተዓራቒ ሓሳብ ኣየምጽእን እዩ።

ሎሚ ሎሚ ብዝያዳ ኣብ ስደት እንርከበሉ ዘሎና ግዜ እቲ ኣሳንዩ ዘንብረና ዝነበረ ክቡር ባህልና ዳርጋ ዘሊቑ ኢዩ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። ኣተሃላልዋና ከም ዝወጸዓና ከኣ ርዱእ ኢዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ዘሎኻዮ ሃገር ክትከውን ዘገድድ ኩነት ስለ ዘሎ።

እዚ ግን ዋላ’ኳ ኣብ ዓዲ ጓና እንተነበርና ሓሶት ክነዘውትር ዝተፈቕደልና ኣይኮነን። እቲ ነጥቢ ንሓሶት ዝተዛረበ በየናይ መንገዲ ከም ትተሓሓዞ ዝድርት ኣገባብ ስለ ዘየለ መልሓስና ዝሃበና ዱድ ክንብል ንርከብ ንምባልዩ።

ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ሓደ ከምዘይኮነ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ስነ-ምግባርን ስነስርዓትን ሓሊኻ ምኻድ ከም ባህልን ኣካል ናይ ዕለታዊ መነባብሮናን ገርና ክንወስዶ ዘይምኽኣልና ኢዩ እቲ ዝዓበየ ጸገም።

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ መሳርሒ ሓሶት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ኩነታትና ብምዝውታር ንዕወት ኮይኑ ዝስመዓና ኣይንሰኣንን ንኸውን። እቶም ነዚ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙ ባእታታት ይኹኑ ዝኾነ እኩብ ሓይሊ፡ ልክዕ ከምታ ሓደ መላኺ ስርዓት ነቲ ንዕኡ ዝጻረር ዝበለ ብሓይሊ ዝጭፍልቖ፥ እዚ እውን ካብኡ ኣይፍለን እዩ። በዚ መንጽር ንሓሰውቲ ወሲኽካ ብዙሓት ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዝውኑኑ ኣለዉና ማለት ኢዩ።

ሓሶት ኩሉ ግዜ ገታኢ ግደ ዝጻወት እምበር ንቕድሚት ዘሰጉም ከም ዘይኮነ እናፈለጥና፡ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም እንነጽጎም ወይ እውን ክነግልሎም እንደሊ በዚ ሓሶትን ጸለመን ኣቢልና ኢና ክንስዕሮም ዝብል እዩ ዝስዕርረናን ዘዕሽወናን ዘሎ። ኩልና እምበኣር ካብዚ ናይ ፈላልይን ኣቋናጻብን ሓሳብ ወጺእና ዲሞክራስን ፍትሕን ዝዕምብበሉ ግብራዊ መስርሕ ሓቂ ክንክተል ይግባኣና።

ብኸምዚ ናይ ሓሶትን ሸፈጥን ኣገባብን ዲሞክራሲያዊ ሓሳብ ክዕምብብ ይኹን ኣብ ስራሕ ክውዕል ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ምኽንያቱ ዲሞክራሲ ኣብ ሓባራዊ፥ ኣብ ምርድዳእ፡ ኣብ ምትሕብባር፡ ኮታ ስኒትን ፍቕርን ዝዕድም እምበር ዘዋስን ወይ ከኣ ዝዕምጽ ኣይኮነን።

ስለዚ ኩልና ኣብ ለውጢ እንኣምን ዘበልና ብመንፈስ ኣግላልነት ይኹን ወይ ከኣ ብጸረ-ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ተጎቢጥና ወይ እውን መናፍቓን ኰንና ፍትሕን ሰላምን ከነንግስ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓደ ወገን ነቲ ዓማጺ ስርዓትን ነቲ ለውጢ ዝደልን፥ ከምኡ እውን ነቶም ንለውጢ ዝቃለሱን ንዘሎ ዓማጺ ስነ-ሓሳብ ዝድግፉን ዘሎ ፍልልያት ኣነጺርና ክንፈልጥ ይግበኣና። እዚ ተዘይገርና ግና፡ ኣብ ጠቐነ፡ ሓሶት፡ ውንጀላን ኣግላልነትን ተመርኲስና ብዘይ መጽናዕቲ ፍርዲ ብምሃብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ማለት ዘበት ኢዩ።

ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 26 February 2016 15:47