ዕድመ ንበዓል 8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
2016-03-02 22:49:43 Written by ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016 Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2168 timesተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ከምኡወን ንሰፊሕ ጠርናፌ ደቂ-ኣንስትዮ ዝቃለሳ ውልቀ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ንሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ኣብ ዕለት 12.03.2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ከነብዕል ሰለዝኾና ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ማዕርነትን ንዕድም::
ኣብ ትሕ ቲ “ንመሰልና ኣሎና ባዕልና„ !!!ኢልና ነዳልዎ ዘሎና በዓል 8 መጋቢት:
1, ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ተጠርኒፍና ንኸይንቃለስ ዝዕንቅፉና ዘለው ምኽንያታት እንታይ እዮም?
2,ሰፊሕን ድልዱልን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራኸ ብኸመይ ክንምስርት ንኸእል? ኣብ ዝብል ነጥብታት ክንምያየጥ ክንዘራረብና ምኻና እዳሐበርና ንሰፊሕ ተሳትፎ ደጊምና ብኽብሪ ንዕድም::
ቦታ በዓል
Saalbau Nied
Heinrich Stahl Str. 3
65934 Frankfurt - Nied
ዕለት፡ 12.03,2016
ሰዓት፡ 15፡00-22፡00
ብድሐን ምጽኣ/ምጽኡ
ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016