ክብሪ ስርሒት ፈንቅልን መልእኽቱን
2016-03-03 10:18:17 Written by ብዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2175 timesህዝቢ ኤርትራ፡ ነዛ ቀዳመይቲ ብስራት ዝኾነት ስርሒት ፈንቅል ምብዓሉን፡ ድሮ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ነጻነት ሃገሩ ከብዕል ኣብ ምሽብሻብ ምብቅዑን፡ ዮሃና ዝግብኦ ክቡር ህዝቢ እዩ። ምኽንያቱ እዚ በዓል እዚ፡ ውጽኢት ናይቲ ንምዕዋት ቃልስና ዝተወጠነ ውግእ ተጎርባ ጀሚሩ፡ በብደረጅኡ ዝዓበየን ዝተዋህለለን ክቡር መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሓጺናዊ ጽንዓቱን ስለ ዝኾነ።
ነጻነትና ኣብ እነብዕለሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብኡ ንምብጻሕ ዝሓለፍናዮ ጽንኩር መሰናኽላትን ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ዝተፈጸመ ታሪኽ ዝምስክሮ ጅግንነትን ቅያታትን፡ ዓለም ብምልእታ ወረቐት ውቅያኖሳት ከኣ ቀለም እንተዝኾኑ ኣይምኣኸሉናን ምባል ምግናን ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ኣይግለጽን ኣሎ ዘይኮነስ እኹልን ዝተማልአን ኣይኮነን ንምባል እዩ።
ታሪኽ ጐሊምካ ዘዝመረጽካዮ ጥራሕ ምግላጽ፡ ነቲ ክህቦ ዝግብኦ መልእኽቲ ስለ ዘየመሓላልፍ፡ ንርዝነት እቲ ፍጻመ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ ዝኸውን። ብዘይክኡ ነጻነት ረኺብካ ምብዓል፡ ካብ ነጻነት ዝርከብ ፍትሓውን ምዕሩይ ሂወትን መሰል ኩሉ ዜጋ ተሓልዩ ንክነብር ዘጠቓለለ ኣምር እዩ። ስለዚ ነጻነት ህያብ ስዉኣትና ንህሉዋት ከም ምዃና መጠን፡ ህሉዋት ክዕቅቡዋን ክሕልዉዋን ከም ዝግባእ ኣስተምህሮ ዘየድልዮ ርዱእ ጉዳይ እዩ። ብኣንጻሩ ነጻነት ንኩሎም ዜጋታት ሃገር ብዝተማልአን ብዘይኣድልዎን ሓቚፉ፡ ምሉእ መሰረታዊ ጠለባት እናረኸበ ብሰላም ክነብር ከይብደል ከይብድል ዝድርት ሕጋዊ ስነምግባር ከተውሕስን ክትጣበቕን ይግባእ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ኩነታት እቶም ሕድሪ ክትግብሩ ዝግበኦም ህሉዋት፡ ክነብሩሉ ዝኽእሉ ናይ መጻኢ ዕድሎም ስለ ዝጽልምት፡ ሃገሮም ጠንጢኖም ኣብ ዘይተጸንዐ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ከምርሑ ይግደዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብወገን ፍትሓዊ ምሕደራ ብዝምልከት፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ነጻነት ዝነብር ህዝቢ መሰሉ ተሓልዩ ክነብር ግዴታን ሓላፍነትን ናይቲ ሃገር ዝመርሕ ስርዓት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ዝበኾረሉ እዋን፡ ህዝቢ ብምሉኡ ካብ ነጻነቱ ክረኽቦ ዝግባእ ጸጋ ብዘይምርካቡ፡ ከማርር ወይ ከይሕጐስ ግድን እዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምዕሩይ መሰናኽላት ሸፊንካ ዝዳሎ በዓላት ነጻነት፡ ምእንቲ ክብሪ ሰንደቕ ዕላምኦም ንዝወደቑ ጀጋኑን ፈላልዩ ብምርኣይን ልቢ ብምዕባይን ቀዳምነት ሂቡ ከኽብሮም ደኣ እምበር፡ ማዕረ‘ቲ እተጸበዮ ግቡእ ውጽኢት ስለ ዝረኸበ ኣይኮነን። ብፍላይ ንነጻነት ዝተቓለሱ ጅጋኑ ነጻነት ስኢኖም፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ማእሰርቲ ብዘይ ፍትሓዊ ብይን እናተሳቐዩ፡ ሕጉስ ኮይንካ ብምስታፍ ከምቲ ዝድለ ክትድብልን ክትዘልልን ሕልና ፍትሓውያን ዝቕበሎ ኣይኮነን።
መልእኽቲ ስርሒት ፈንቅልን ዝመጽእ ዘሎ በዓል ብሩራዊ ኢዮበልዩን እምበኣር፥ ንነጻነት በዓላ ብግቡእ ካብ ምብዓል ጅሚርካ ክሳብ ምዕቃባን ምሕላዋን ልዑል ሓላፍነት ህሉዋት እዩ። ነቶም ጐዲሎም ዘለዉን ንህይወት ህዝብና ዝርምሱን ንምምላእ፡ ብዓማጺ ፖሊሲ እናተመርሐ ኣብ ሃገርና ዕንወትን ጥፍኣትን ዘውርድ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምቕያር ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ዑናታት እዚ ምልካዊ ብቕዋም ዝምራሕን ወጻዕን ተወጻዕን ዘይብሉ ወዲ-ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ ኣሚኑ ዝመርሕ፡ ህዝቢ ዝመረጾን ዝቆጻጸሮን ስርዓት ንምትካል ሕድሪ ስዉኣት ንምፍጻም ቃልና ከነሐድስ ይግበኣና።
ብዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
3 መጋቢት 2016
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290