ጻውዒት ብስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ www.eysc.net

2016-03-04 10:10:59 Written by  Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC) ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ www.eysc.net Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2221 times

EYSC Emblem

ሰላምታና ብምቕም 


ኩላትና ከም እንፈልጦ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ድሮ ጽምብል መበል 25 ዓመት ብሩራዊ እዮቤል መዓልቲ ናጽነት እያ ትርከብ። እዚ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነት መጻወቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኽን መጋበርያታቱን ካብ ዝኸውን ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩ ንረኽቦ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ክውን ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን  ምስሊ ኤርትራ ዘይመልክዑ ንምትሓዝ ነዚ ክቡር ዕለት ናብ ፕሮፖጋንዲዊ ሃልክታቱ ከውዕሎ ምሽብሻባት ኣብ ምግባር ይርከብ። ተደናገጽትን ደገፍትን እቲ ስርዓት እውን ንህግደፋዊ ምስሉይ ተንኮላት ንምዕዋት ኩሉ መዲያዊ ምድላዋትን ምቅርራብን ኣብ ምግባር ይርከቡ።

 
ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ዯሞክራስን ዝኾንና ፖለቲካውያን ውድባት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ነዚ ስርዓት ህግደፍ ወጢንዎ ዘሎ ዘመተ ብሓባርን ብሓደ ናዕታን ክንገጥሞን ከነፍሽሎን አዋናዊ ጠለብ ኣሎና። ነዚ ወፍሪ ፍሽለት ስርዓት ህግደፍ ዕውት ንምግባርን፣ ሞራልን ፍናንን ቃልሲ ህዝብና ንምብራኽን "25 ዓመት ናጽነት፡ ብዘይ ህዝባዊ ሓርነት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኩላትና ክንጥርነፍን ናይ ሓባር መኸተ ከነካይድን ሃገራውን ህዝባውን ጻውዒትና ምስ ኣኽብሮት ነቕርበልኩም። እዚ ሓሳብ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ክፉት ኮይኑ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ሓሳቡ ከፍስሰሉ ርእይትኡ ክህበሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክውንኖን ከዕውቶን እምነትና እዩ።

 
ዕላዊ ዕለት ምጅማር እዚ ጎስጓስ (campaign) ሰኑይ 14 መጋቢት 2016 ዓም ኮይኑ፥ ብዛዕባ እዚ ውጥን ንምዝርራብን ንምምኻርን ዝዓለመ ኣኼባ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክዲሎ መደብ ተታሒዙ ስለዘሎ፥ ናብቲ ኣኼባ ዝሳተፍ ሰብ ከተዲልውን ተሳትፎኹም ከተረጋግጹን  ኣቐዲምና ንሕብር። ንሰንበት ዕለታ 06 መጋቢት ከምኡ'ውን ሰንበት 13 መጋቢት ኣኼባ ክግበር ተወጢኑ ምህላውን፡ ሰዓትን ኣገባብ ኣኼባን ኣብ ዝሓጸረ አዋን ክንሕብር ምኻንና ነረጋግጸልኩም። ብዘሎ ጽበት ጊዜን ተዛማዲ ሰፊሕ መደብን መልስታትኩም ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ክትሰደልና ብትሕትና ንምሕጸን። 


ዓወት ንደላይ ለውጢ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዮናስ ሓጎስ ኣቦ መንበር (EYSC)


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Friday, 04 March 2016 11:18