እዋኑ ከይሓለፈ ክቕላዕ ካብ ዘሎዎ ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ህግደፍ

2016-03-06 18:49:41 Written by  ሓደ ኤርትራዊ ሓውኹም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2226 times

ናይ ህይወት ነገር ኣይፍለጥን እሞ፡ ሓደ ኩሉ ጊዜ ናይ ሕልና ቅሳነት ዝኸልኣኒ  ነገር ክነግር ደልየ እጽሕፍ ኣሎኹ። ኲልኹም እቶም ምሳይ ዝነበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ምስክርነትኩም ክትህቡ  ኣጥቢቐ እላቦን እሓትትን። እዚ ገበናት'ዚ ናብ መን ክበጽሕን ንመን ክንገርን ኣሎዎ ንዝብል ሕቶ በብመንገድና መልሲ ንርከበሉ። ንህዝብና ዓው ኢልና ምሕባሩ እውን ኣድላይነት ይህልዎ።  

ብመንነተይ ንሕጂ ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን። ኣብ 60ታት ተወሊደ። ኣብ 80ታት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ።  ሕጂ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣሎኹ። ህግደፍ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ነጊርካዮ ዘይውዳእ፣ ዘይሰብኣዊ፡ ኣስካሕካሒ ገበናት ከም ዝፈጸመን ይፍጽም ከም ዘሎን እንፈልጥ ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ልዕሊ ካልኦት (ዘይኤርትራውያን) ዝገበሮ ገበናት ከም ዘሎ እንፈልጥ እውን ብዙሓት ኢና። እዚ ቀጺሉ ዝግለጽ ዘሎ ገበን ሓደ ካብኡ ነይሩ።

ኣብ ተስዓታት፡ ርክብ ሱዳንን ኤርትራን ሕማቕ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ብ1996 ንሱዳን ቅድሚ ምጥቃዕና፡  መሪሕነት ህግደፍ  ናብ ናቕፋን ቃሮራን ከባቢኡን ከግዕዘና እንከሎ፡ "ሱዳን ናይ ግብረ ሽበራን ጃሃድን መዕቆቢ ኮይኑ የስግኣና ስለዘሎ፡ ከነጥቅዖ ኢና፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኩኑ" ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። መሪሕነትና፡ ግብጽን ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ምሳና ኣለዋ ክብል ቀንዩ፡ "እተን ሃገራት ርእይቶኤን ቀይረን፡ ንሓና ግን ዝሓሰብናዮ ክንቅጽሎ" ከም ዝበለ ተሓቢርና።

ካብዚ ብምንቃል፡ ብዕለት 27/03/1997 ኮር 271 ብዓብዱ ረመጭን ምክትሉ ወዲ ቀሽን ዝምራሕ፡ ካብ ቀሮራ ሱዳን ክሳብ መራፊት ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልኣይ ድማ ካብ ደንቦቤት ክሳብ ጀልሃንዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ መደበራት ሱዳን ማለት ቃሮራ፡ ሃቦኻይት፡ ዓይተርባይ፡ ዓዳረት፡ ዓጊት ክሰረት፡ ዓጊት መራፊት፡ ጀልሃንድን ከቢድ መጥቃዕቲ ከም እነካይድ ኮነ። ንሽሙ ነይሮም ክበሃሉ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ተጋደልቲ ካብ ናይ ጆን ገራንግን ናይ ሰዲቕ-ኣልማህድን ናይ ዶክቶር ዓብደልዓዚዝን (ኣልሓልፋ) ዝበሃሉ  ሸነኻት ተሓዊሶምና። ነይሮም ንማለት ጥራይ።

እቲ ውግእ ኣብ ገለ ቦታታት 4 መዓልቲ ኣብ ካልእ ከኣ 5 መዓልቲ ምስ ቀጸለ፡ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን መደበራት ብምሉኤን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣትየን። ካብ መራፊት ድሕሪ 3 መዓልቲ ስሒብና ኣብ ዓጊግ ዓሪድና። ኣብተን ዝተረፋ መደበራት ግን ብዘይ ምቊራጽ ክሳብ ወርሒ 6/1998 ጸኒሕና።

ድሕሪ ወርሒ 6/98 ግን፡ ብዘይካቲ ሓሓሊፍካ እተገብረ ናይ ከበድቲ መሳርያን ናይ ነፈርትና ደብዳብን፡ መንግስቲ ሱዳን ብብዙሕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ተሰንዩ መጥቃዕቲ ሰለዝገበረልና፡ ንኤርትራ ተመሊስና። እቶም ውሑዳት ሱዳናውያን ተቓወምቲ'ውን ምሳና ንኤርትራ ኣንሳሒቦም።

ኣብ ውሽጢ ሱዳን ውግእ ከነካይድ ከሎና፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት ምጥቃዕ ጥራይ ከይኣክል፡ ንዝኾነ ወተሃደር ምርሻን ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ኣብ ርእሲኡ፡  ድሕሪ'ቲ ብ27/03/1997 ዝጀመርናዮ መጥቃዕቲ ምዕዋቱ፡ ድሕሪ 2 ሰሙን ኣቢሉ መራሕ ብርጌድና ወዲ ተኸስተ ንብርጌድ ኣኪቡ፡ "ብዘይካ ኣብ ኩናት ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን፡ 1,273  (ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን) እሱራት ነይሮምና። ይኹን'ምበር ተቓወምቲ ሱዳን፡ ብፍላይ ናይ ጆን ገርንግ፡ ሓዝዎም እንተበልናዮም ዓቕሚ የብልናን ኢሎምና። ንሕና ድማ ብማሕበረሰብ ዓለም ከይንፍለጥን ከይንኹነንን፡ ብዘይካ ምርሻኖም ካልእ መተካእታ ስለዘይረኸብና፡ ረሺንናዮም" ኢሉ ይሕብረና። ካብ ኣባላት ሰራዊትና ገለ ተቓውሞ ናይቲ ተግባር ዘርኣዩ ነይሮም። ግን ታህዲድ ተገይሩሎም፡ ስቕ ኢሎም። ብወገን ተቓወምቲ ሱዳናውያን እውን ዝተራእየ  ተቓውሞ ኣይነበረን።

ብተወሳኺ፡ ኮር 381 ብወገን ከሰላ ኣብቲ ጊዜ'ቲ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ከም ዝነበረ  ዝፍለጥ ኢዩ። ግን ከምቲ ናትና መደበራት ሰራዊት ሱዳን ተቖጻጾሮም ኣይቀነዩሉን። ኣብኡ እተገብረ ጌጋታት እንተነይሩ ኣነ ነቲ ዝርዝሩ ኣይፈልጦን። ብወገንግንባርከሰላበርኩም' ሓበረታ ክህልወኩም ይኽእል። ግንከ ሕሉፍሓሊፉ ዝተማረኹ መኮንናት (ዙባጥ) በንዚን ከስኪሶም ኣብ ኣጉዶ  ብሓዊ ዘቃጸልዎም ርኢና ዝብሉ ስለ ዝሰማዕኩ፣ ካብ ሓሊፉ'ውን ናይትግረ (በንዓምር) መበቆል ዘለዎምን ኤርትራ ኣይንወግእን ብምባል ካብ ሰራዊት ሱዳን ዝሃደሙ 105 መንእሰያት'ውን በጅምላ መታን ምስጢር ህግደፍ ከይቃላዕ ኣብ ክልተጋህሲ ከም ዝተረሸኑ ትፈልጡ ከም ዘሎኹም ይስማዕ ነይሩ።  ብዘይ ገበን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተረሸኑ ብዙሓት መንእሰያትዝርኣና ምዓስ ኢና ክንዛረበሉ? ...ካልእ ዝተገብረ ቆጺርካ ዘይውዳእ ነውሪ ተሸኪምካን ሓቢእካን ምኻድ ምእንቲ ምንታይ? ምእንቲ ፍትሒ ክነግስን ሓዲሽ መድረኽ ክእቶን፡ ክንዲ ተሸከምቲ ነውርን ሰተርቲ ገበንን እንኸውን፣ ጥዋፍ ብርሃን ሓቂን ምውላዕ ንቀዳደም ክብል እፈቱ።

እቲ ብሸነኽ ኮር 271 ዝጠቐስኩዎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ካብ ናይ ህግደፍ ኣስካሕካሒ ግፍዒታት ሓደ ኢዩ። ብወገነይ ድቃስ ዝኸልኣኒ ጉዳይ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ሕጂ ብሓልዮት ሕቡራት መንግስታት ዝቖመ መርማሪ ኮሚሽን ብዛዕባ እተፈጸበ ጸረ-ሰብኣውነት ህግደፍ ናይ መወዳእታ ርእይትኡ ክህብ ምዃኑ ምስ ሰማዕኩ፡ እዚ እውን ከም ኣገዳሲ ሓበሬታ ይኸውን ብማለት ኣዝርግሖ ኣለኹ። ደጊመ ክብሎ ከኣ፡- ከማይ ነዚ ዝፈልጡ፡ ወይ ዝወዓልዎ ሕጂ ግን ዘሕምሞም ከም ዘለዉ ይርድኣኒ እዩ። ኣነን ኩልና እቶም እንፈልጥን ኣብ ቅድሚት ወጺእና፡ ዋላ’ውን ብዘይቅሉዕ መንገዲ: ምስክርነትና ክንህብ ቅሩባት ክንከውን ተስፋ እገብር። ብወገነይ፡ ድማ ቅሩብነተይ አረጋግጽ። ኣውራ ድማ መርማሪ ኮምሽን፡ ካብ ወዲ ተኸስተ ጀሚሩ ናብ ላዕሊ ዘብጽሖ መርመራታት ከካይድ እምሕጸን።

ሓደ መዓልቲ ገበነኛታት ክተሓዙ ሃገርና ድማ ክሓልፈላ ካብ ዝምነ

ሓደ ኤርትራዊ ሓውኹም

Last modified on Sunday, 06 March 2016 19:57