حزب الشعب الديمقراطي الارتري يشيد بقرارات البرلمان الهولندي ويدعو حكومته الي إنفاذها
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأشاد حزب الشعب الديمقراطي الارتريبقرارات البرلمان الهولندي التي اتخذها مؤخراً حول أوضاع ارتريا ودعا حكومة البلاد الي إنفاذها علي أرض الواقع.
هذا وكان الحزب قد بعث في الثامن من يونيو 2016م بمذكرة بهذا الصدد الي السيدة/ خديجة أريب (حزب العمال) الناطقة باسم البرلمان، كما بعث بنسخة من المذكرة الي كل أعضاء ونواب سائر الأحزاب الهولندية، ونسخة أخرى الي الحكومة الهولندية بواسطة وزير الخارجية السيد/ بيرت كويندرس. وقد أعربت المذكرة عن شكر الحزب وهيئات ارترية أخرى علي قرارات البرلمان داعيةً في الوقت ذاته الي أن تأخذ مكانها المستحق ضمن الجهود الساعية الآن علي قدمٍ وساق لوضع الحد لمأساة أوضاع حقوق الانسان الراهنة في ارتريا.

حداة التغيير الارتريين أثناء تداول البرلمان الهولندي قضايا حقوق الانسان في ارتريا
أوضحت المذكرة أن قوى التغيير الارترية في الخارج والداخل مؤيدةً تلك القرارات تأمل من حكومة هولندا التكرم بوضع أمنياتها الآتية موضع التنفيذ:
- مساندة تقرير لجنة تقصي الحقائق حول اوضاع حقوق الانسان في ارتريا وتحويله إلى الجمعية العام للأمم المتحدة ومجلس الامن والمحكمة الجنائية الدولية.
- ممارسة المزيد من الضغط علي الاتحاد الأوروبي والهيئات الاقليمية والدولية الأخرى بغرض إقناعها بالامتناع عن تقديم الدعم والمساندة لنظام إرتريا الحالي.
- إغلاق السفارة الارترية في هولندا وحظر كافة أنشطتها.
- حظر تحصيل ضريبة ال2 % والأنشطة المالية والاستثمارية الأخرى للنظام في الأراضي الهولندية.
- توقيع العقاب الصارم علي مستغلي التمتع بحصانة الإقامة والجنسية الهولندية في دعم وتأييد جرائم نظام أسمرا مادياً ومعنوياً.
- حماية الارتريين من إلحاق الضرر بهم بواسطة أذرع وعملاء سلطات بلادهم.
ዕድሜስ አይምህርንዶ? ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት!!!
ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ። ነዚ እዩ ኣቦታትና ፡ ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ ኣይሃብካ ዝብልዎ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዉልቕ መላኺ፤ ብዕዉር ትምክሕቲ ዝሰኸረ፤ ከምዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ዝነክስ ኣማንን ፈታዉን ዘይብሉ፣360 ዲግሪ ምስ ዝጎራበቱና ሃገራት ብሓዊ ክጻወት ዘይሓንኽ፣ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ፍሬ ጻማ መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ ብሰላምን ቅሳነትን ከይነብር፤ ንንቡር መርድእን ናይ ዉላዱ ሞት ቅባጸት ዘይረኽበሉ ኣደራዕ ንኽስከምን ወግሐ ጸብሐ ንሓዘን ንኽቃላዕ ዝገበረ፤ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዘለዎ ጭካኔ መዋዳድርቲ ዘይርከቦ፣ ኤርትራዊት ማህጸን ጀጋኑን ሰራሕቲ ታሪኽን ከምዘይወለደት ወላድ መኻን ዝገበረ፣ ኣፍራይ ሓይሊ ወዲ ሃገር ብፍላይ መንእሰያት ሃገር ዘይትርገጽ ርስንቲ ሞቅሎ ኮይናቶም ሃጽ ኢሎም ክስደዱን ኣብ ሰሃራ ቀለብ ኣሞራ፡ ኣብ ቐላያት ማእከላይ ባሕሪ ንቀለብ ዓሳ ክሳጥሑ ዝገበረ፣ ብሓፈሸኡ ጠንቂ ብርሰትን ህልቂትን ብምኻን ዝልለ፣ ሰብአውነት ዘይብሉ ዓማጽን ደረቐኛ ስርዓት ምኻኑ ብትካል ሰብአዊ መሰል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ገበን ብምፍጻም ዝሕተተሉ እዋን፣ ጥዑይ ሕልናን ፍትወት ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክስሕቶ ወይ ክፈላለየሉ ክትርኢ እትጽበዮ አይኮነን።
ከም በዓል መስከረም ኔትን ዝአጎድዎ መጋርያ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎም ኮብለልትን፤ ነዚ ዘሎ ጸገም፡ ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ብፍቃድን ሰናይ ድልየትን ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዛብእ ሰበስልጣናቱን ጥራሕ ክመጽእን ክትኮበልናን ክልምኑን ክምሕጸኑን ክንሰምዕን ክንዕዘብን ምጽናሕና ድማ ፤ ምሕጽንተኦምን ልመናኦምን ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ክትብል ዘሕፍር እዩ። እወ ሕብሮም ከም ነፋሒቶ ክቀያየሩ ዘይሓንኩ ብዘረባ ወራዙት ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ክረአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን ። ኣቶ ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፤ ሎሚ ኣብ ስልጡን መዋእልን ኣብ ዉሽጢ ስልጡን ህዝቢን እንዳነበሩ ዝንቡዕ ሓሶት፣ ሕሱርን ግዕዘን ዝተኻሕለ ቃላቶም ክትሰምዕን፡ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ ንዕድሜ ስልጣን ዲክታቶርያዊ ስልጣን ህግድፍ ንምንዋሕ ዓዘር ቀዘር ክብሉ ክትርኢ ግን ኣበይ እዮም ዝነብሩ? እንታይ እዩ መኽሰቦም? ንመን እዮም ተዓሲቦም? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ካብ ሕልና እቶም ሓቐኛ ተቃለስቲ ስዉር እካ እንተዘይኮነ መስተንክርን መሰደመምን መኣዝን ዝሰሓተ ምስሉይነት ኢልካ ክግለጽ ግን ምግናን ኣይመስለንን።
እዞም ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ፣ በዓል ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፣ ሎሚ ኣብ ባዓቲ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ማዕከናት ዉልቐ መላኺ ስርዓትን ኮይኖም ዝመጻደቁ ዘለዉ፣ ወዮደአ ነውሪ ዘይፈልጡን ክገማጠሉ ዘየሕንኾምን እዩምእምበር፡ ትማሊ ንመስከረም ኔት ወናኒ ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም ብዕሱብነት ህግደፍን ስዉር መሳርሒን ዝኸሱ ንኢሳያስ ከም ገበነኛ ክገልጽዎ ዝጸንሑን፤ ሓንሳብ እዉን ኣፍቀርቲ ናይዞም ሎሚ ዝኸስዎም ዘለዉ ወያኔ ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ምንባሮም ስኑድን ቀለሙ ዘይነቀጽ ጽሑፋቶም ዘረጋግጾ ኣሎ ዘይበሃል ሓቂ እዩ።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኢዮብልዩ ብሩራዊ በዓል ነጻነት ንህዝቢ ንምድንጋር ብዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ ተደናጊሮም ከደናግሩ፡ ያኢ ተነበይቲ ክበሃሉ፣ እሱራት ናይ ምፍታሕ ዉሳኔ ክዉሰድ፣ ንጠንቂ ስደት ዝኾኑ ሕጽረታት ከወግድ፣ ሃገራዊ ልዝብ ክእዉጅ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንስኒት ክእምም፣ ንህዝብን ሃገርን ራሕዋን እፎይታን ዘለዎ ኩነት ክፈጠር፣ ናይ ህዝቢ ተራ ዘይተሓዎሶ ቅዋም ክእዉጅ … ወዘተ ዘርዚርካ ክትገልጾ ዘድክም ጡሩንባ ብምንፋሕ ክጽበዩ ምጽነሖምን ካልእ ንመንነቶም ዝገልጽ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። እዚ ኹሉ ከም ኣብ ማይ ዝእተወ ጨው ሓቂቁ ብብደዐ ዝሰኸረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ጡሩንባ ዝተነፍሓሎም ምሕጽንታን ልመናን ሓንቲ ቃል እካ ንማለቱ ከይዘከረ ንሰብ ገረሞ ኣብ ወርቓዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ኢሉ መደረኡ ምስ ዛዘመ ሕልንኦም ክምርምሩ ኢኻ እትጽበ።
እዞም ብጭዋን ዉርዙይን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድሩ፡ ግን ሓኮን ኒሕን ዘይዉንኑ ኮብለልትን ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን ሕጂ እዉን ኣይተማህሩን። እቲ ንኮንቱን መኻንን ልመነኦምን ምሕጽንትኦምን ዕሽሽ ተባሂሉ ምስተሓልፈን ምስትደርበየን ድማ ካልእ ሕብሪ ክለብሱ ሰማዒ እዝኒ ያኢ ክረኽቡ፣ ብአፍ ቀለታ ኪዳነ፣ ብዙሓት ተጋጊኻን ንኢሳያስን ኮርሻ ስልጣን ዝተወጡሑ መሳርሕቱን ኣይትፈልጦምን ኢኻ ክብሉ ዝመዓዱኒ ሓቆም ነይሮም ብማለት ከምስሉ፡ መራሒ ሃገር ክትብሎ ዘሕፍር፤ ልዕሊ ዓቅሙ ዝዳፈር ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ግን ንይምሰል ምንባሩ እነሆ ሎሚ ነቲ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ዘስደመመ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብጭካኔ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብጭብጢ ተሰንዩ ብናይ ዓለም ሰብአዊ መሰል ትካል ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚቴ ብዝፈጸሞ ገበን ንዝቀረበሉ ክሲ ክከላኸሉ ድግድጊት ተዓጢቆም ይርከቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ነቲ ብተግባራት ስርዓት ህግድፍ ግዳይ ዝኾነ፡ ካብ መሸጣ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንመቓያየሪ ናውቲ አካላትን ካብ ቀለብ ዓሳ ማእከላይ ባሕርን ዝተረፉ ብአሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት፤ ገዳይም ተቃለስቲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን ናይ ሕልና ምስክርነት ብምሃብ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 23 ሰኔ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ብወያኔ ዝተመወለ ክብሉ ኣይምተሰምዑን። ብአንጻሩ ነቲ ብዕለት 21 ሰኔ 2016 ብሽም ኤርትራውያን ዕማኾ ደገፍቲ ስርዓት ዉልቐ መላኺን መአዝኖም ዘይፍለጥ ብግንቦት ሸውዓተ፤ ኦሮሞን ሶማልን ዝግለጹ ብአፍ ኤርትራዊ ዝመደሩ ንልዑላውነት ሃገር ዝሕለቁ ዝብል ስያሜ ክህቡ ኣይምተሰምዑን። ነቶም ፍትሒ ዝተሓረሞም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንገበነኛ ናብ ፍትሒ ይቅረብ ምባሎምን ብደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም ንገበናቱ ክቓላሕ ምኽአሉ ምድጋፍን ድማ ጸረ ልዑላውነት ክበሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ እዩ። ክንከዓብ ኢናኸ ክብሉዶ ኣይግባእን?
ፍትወት ሃገርን ህዝብን፡ ብእንቐዓ ጃህራን ንባዕልኻ ልዕሊ ኹሉ ብምቅማጥ ፈላጥ እየ፡ ምኩር እየ ብማለት ኣብ መስኮት ኢንተርነት ኮንካ ንመለኽትን ገበነኛታት እንዳወደስካ ብዝግበር መደረ ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተግባር፡ ኣብ ሓቅን ኣብ መትከልን ደው ብዝብሉ፡ ሃንደበቶም መደረኦምን ቃላቶምን ዘኽብሩ፡ ካብ ድሑርን ፈላላይን መሳርሒ ምልኪ ሕጹባት፡ ትሑታት ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ዉጹዓት፡ ብአፍ ዘይኮነ ተግባሮም ምስክር ኮይኑ ብዝዛረበሎም እዩ ዝግለጽ። ብዝተረፈ ናይ ስፖርት ጸወታ ኣክሮባት ኮይኑ፡ ሓንሳብ ሃገራዊ፡ ጽንሕ ኢልካ ተሓላቂ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስ፡ ተመሊስካ ጠበቓ ብሄራት፡ ሕፍር ከይበልካ ድማ ባዕልኻ ወኪል ህዝቢ ዝብል ንነብስኻ ብምጥማቅ ኣብዞም ሎሚ መኽፈት ኣፍ ኮይኖም ዘለዉ ወያኔን ተጋሩን ብምስጋድን ብምምጛስን ጠፋእና ለማዕና ኣባኹም እንዳበልካ ብዝቀያየር ናይ ነፋሒቶ ሕብሪ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ ድማ ቓሉን ኣንደበቱን ዘየኽብር፣ ምስ መዘናታቱ፡ መቓልስቱ፡ ኣብ ክንዲ ፍቅርን ስኒትን ኣብ ቖይቅን ምዝንጣላትን ዘቐድም፡ ብጽንዓትን ተአማምንነትን ዘይልለ አማኒ ዘይብሉ፣ ፍትወት ሃገርን ህዝብን ክህልዎ ክትጽበ ዝከአል ኣይኮነን።
ከም ደቒ ሃገር፣ ዘዛርብን ዝስራሕን ኤርትራዊ ገዛ ዕዮ ኣይተሳእነን። ኣብ እንግድዓኻ ዘሎ መስገደል ከተውርድ ስለሓቒ ክትሙግት እዩ ዝግባእ። ብዝተረፈ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ ዝዓይነቱ፣ ዋናታቱ ዘለዉዎ ወያኔዶ! ትግራዎትዶ! ሱዳንዶ! ጁባዶ!ዉቅያኖስ ሰጊርካ ኸእ ፍሹላት መንግስታት ጁቡቲዶ! ሶማልዶ! ምምሕዳር ዋሽንግቶንዶ! ሕቡራት መንግስታት ዓለምዶ! እንዳበልካ ብናይ ጎራባብቲ ኣህዛብን ዓለምን ብምዉርዛይ ጸፍ ምባል መልክዕ የብሉን። ስለምንታይ እዩኸ ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ዝኸዉን? እንታይ ስለዝወሰደሎም? ወይስ ከምቲ መላኺ ስርዓት ንነብሱ ከደዓዕስን ህዝቢ ከደናግርን ብቅንእን ምሕሳድን ንህዝቢ ኤርትራን ነጻነቱን ከምኡዉን ሐደ ስርዓት ህግድፍ ጥራሕ ብናቱ ርእይቶን ራእን ዝምራሕ እቶም ኻልኦት ግን ኩሎም ዘወርትን ኣማሓደርትን አለዉዎም እዮም ክብሉና እዞም ናይ ተባህለ ፈላስፋታት? ገለ ኣብነት ካብቲ ዘህተፍትፍዎ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያን ስርዓቱን ተመልከቱ << ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይልን ብበትርን ብጥይትን ከመሓድሩዎ ክቃለሱ እውን ንርኢ ኣሎና። ህዝቢ ብበትርን ብጠበንጃን ጥራሕ ከም ዘይግዛእ ትማሊ ባዕሎም ዝመሃሩሉን ዝሰርሑሉን ጕዳይ ክነሱ ኣብ ስልጣን ኮፍ ስለ ዝበሉ ሎሚ ኣብ ሓጺር እዋን ክርስዕዎ ግን እቲ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። >> ይብሉ። ሓሶትን ሓቅን ንኽብል ደልየ አይኮንኩን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝሕለቁሉ ስርዓት ህግድፍከ? እዚ ብሂል እዝስ ኣይምልከቶን ድዩ ክብሉና? ናታ አቐሚጣስ ናይ ሓማታ ዝበሃል ክምዚ እዩ። ንምኻኑ እዞም ናይ ዘረባ ፈላስፋታት ወራዙት ነጸላ ጻዕዶ ክንድቲ ዘባኽንዎ ግዜ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽቡዶኾን ይስምዖም? ኪዒቡ ዝነዓቅዎምን ክብሪ ስለዘይብሎም ንጎኒ ዕሽሽ ዝብሎም ከምዝበዝሕስ ይርድኡዶኾን ይኾኑ? ዉሑዳት ብረብሓን ብዝተፈላለየ ድሑር ሕማማትን፤ ግሩሃትን ኣይክህልዉን ማለተይ አይኮነን።
ተቓዋማይ ኢየ እንድበልካ፡ ንኹሉ ተቓዋማይን ደላይ ፍትሕን ብዑስብነት ወያኔ፣ ክሕደት፣ ጥልመት፤ ልምሰት እንዳኸሰስካ ንህዝቢ ከይስዕቦም ጡሩምባ እንዳነፋሕካንከ እንታይ እዩ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ?? ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ዝቀየረ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሕ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ገበንን በደልን ዝፈጸመን ንብርሰት ዘሳጠሐን መላኺ ዘይግበኦ ክብሪ ሂብካን ለሚንካን ተማሕጺንካን ለውጢ ካብኡ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ብማለት ንብዓት ሓርማዝ ምንባዕስ ሃየንታ ህዝቢዶ ኣይከውንን??? ኣይፋልኩምን በዓል ቀለታ ጽባሕ ክወግሕዩ! ዳግማይ ሕሰቡ ! ህዝብኹም ኣይተጉህዩ።
ኤርትራዊ ዜጋ ኣካላቱ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት መደለብ ሃብቲ ኮይኑ፤ መቐያየሪ ዝተበላሸወ ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ናውቲ ኣካላት ዕዳጋ ክወርድ ሕልንኡ ዘይወቅሶ ስርዓት ምኻኑ ድማ ሎምስ ዓለም ብምልኡ ዝፈለጦ ዘይክወል ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ሽያጥ ገንዘብ ኤርትራዊ ዜጋ ማእከሉ ከተማታት ኤርትራ ምኻነን ድማ ክሳብ ክንደየናይ ኢድ እዚ ኣረሜን ስርዓት ከምዘለዎ መርአይኡ እዩ። በዚ ክትልብሙን ክትመሃሩን ድማ ይግባእ። ዕሸል ሕጻናት ብአዛብእ ሰበስልጣናት ህግድፍ ካብ ከተማታት ኤርትራ ተሰዊሮም ንራሻይዳ ንመሸጣ ከምዝጛረቱ እዉን ናይ ምስጢር አደባባይ ምኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ። ጽባሕ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ሳሕል ካብ ዓራረብ መቓልሖም ክትሰምዑ ምኻንኩም ኣይትጠራጠሩ።
እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደገፍ ህዝቢ እንዳረሓቆ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈንፈነ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝወስዶ ኣረመንያዊ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባር ፈሪሑ ኣፉ ዝተለግመ ህዝቢን ብረብሓ ንህዝብን ሃገርን ኣይግዳዶም ተደጊፉ ዝተሓልፈ ዓመታት ሎሚ የኸትም ኣሎ እንተተባህላ ምግናን ኣይኮነን። መርአያኡ ድማ እዚ ናይ ትማሊ ብብዙሕ ጻዕርን ድፊኢትን ምፍርራህን ነዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዲሞም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ እዩ ብዝብል ንምድንጋር ዝተፈተነ እሞ ካብ ብአማኢት አሸሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ብዕማኾ ተበለጽቲ ንሶምዉን ርእሶም ኣድኒኖም ትእዛዝ ክፍጽሙ ዝመጽኡን መአዝኖም ዝሰሓቱ ኮብለልትን ክትርኢ ኮለኻስ ንጹር ብርሃን ዉድቆቱዶ ኣይኮነን። እዝስ ከመይ ኣቢልኩም ክትክሕድዎ? ዶስ ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ ከምዝበሃል ሕጂ እዉን ትንፈር እምበር ጤል እያ ከምዝበሃል ነዚ እከይን ግዕዘይን ስርዓት ብምድጋፍ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ጡሩንባ ክትነፍሑ ክትቅጽሉ ኢኹም። መርገም ወላዲስ እንተዘይቀተለ የዕነኒ ከምዝበሃል ሃየንታ ህዝቢ ዕድኡ ከቢድ ምኻኑ ተገንዚብኩም ካብዚ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘሎ መላኺ ስርዓት ርሒቁም ንህዝብኹም ክትናስሑ ዝምረጽ እዩ። መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ርሑቅ ኣይኮነን። ኣውያት ንእዝኒ ሕሱም! ከምዝበሃል ነቲ ፍትሒ ተሓሪምዎ ብቐጻሊ ዘእዊ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ደበስቲ ኮንኩም ምስኡ ደው ክትብሉን አውያቱ ክትሰምዑን ናይ ሓው ምኽረይ ይልግሰልኩም።
ብርሃነ ተስፋጋብር
ደንማርክ
ራዲዮ ድምጺ ሓርነት 09/07/2016 إذاعة صوت الحرية
Written by Radio Voice of Liberty Swedenራዲዮ ድምጺ ሓርነት 02/07/2016 إذاعة صوت الحرية
Written by Radio Voice of Liberty Swedenإحداث التغيير الحقيقي بطبعه أمرٌ جماعيٌّ مشترك
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريحداةُ التغيير والديمقراطية والعدل قد يتأطرون علي مختلف الأشكال التنظيمية. هذا وتنبع أهمية التأطـُّــر والتنظيم من كونهما ضروريان جداً لعملية إحداث التغيير الحقيقي، لكن ما يجب إدراكه هنا هو أن أي تجمع أو تنظيم سياسي أو اجتماعي لا ينوب عن كافة أفراد الشعب، هذا لا يعني تجاهل أن الشعب وتلك الأشكال التنظيمية النابعة منه لا يتبادلان التأثر والتأثير.
من أهم مقومات وأسس قيام التنظيمات تلبية طموحات ورغبات وآمال وتوقعات الشعب، ذلك أن الأحزاب السياسية في جوهرها هي أدوات للشعب يحقق من خلالها رغباته، ولا تنمو الأحزاب وتتقوى إلا بتحقيق تلك الرغبات، وكل تشكيل سياسي أو تنظيمي لا ينطلق من رغبة الشعب أو ينصب نفسه مندوباً سامياً عنه دعك من أن يكون قوة تغيير بل لا ضمان حتى لوجوده علي أرض الواقع. وحزبنا منطلقاً من هذه الحقيقة نصَّ في برنامجه السياسي علي: ( يأتي علي رأس مسئولياته أن يكون حريصاً علي مطالب الوطن والشعب )، إنه لا يفعل ذلك بطريقة شعاراتية بل بطريقة عملية وواقعية، إن تقوية العلائق بين الشعب والتشكيلات السياسية والاجتماعية ليس من مسئولية تلك التشكيلات فقط، بل من مسئولية الشعب أيضاً. ومن الطبيعي أن يتخير الشعب التشكيل الذي يؤمن رغباته السياسية والاجتماعية وأن يعمل علي تمتين وتعزيز ما يتخيره من التشكيلات، وأن يميز في ذات الوقت التشكيل الذي يسبح عكس تيار الشعب ويضغط عليه لتصحيح مساره. في عصرنا السياسي الراهن هناك بالتأكيد تشكيلات سياسية واجتماعية ذات ميول ومصادر متباينة، وقد تكون هناك أوجه شبه بين البعض منها. ومن عوامل تميز التنظيمات وأهليتها القدرة علي إدارة الخلافات والعمل وفق المتفق عليه من الأجندة المشتركة، التسامح بيننا هو الأداة الناجعة التي نستعين بها في إنجاز أعمالنا هذه. الاختلاف في الرأي قد يكون ذا خلفية دينية، عرقية، مناطقية، تجاربية وحتى سياسية. ونحن نهتم بهذه الاختلافات لأن لها علاقة بعلاقتنا جميعاً بالشعب الذي نزعم أننا نشأنا وتأسسنا لخدمته، حزبنا لما يدركه من أهمية إرساء أسس سليمة لحلحلة وإدارة تلك الخلافات نصَّ في برنامجه السياسي علي: (إن مبدأ استمراريته ونصره الأساسي هو أن يصنع من الفسيفساء السياسي المتناثر قوة تغيير ديمقراطية متينة تقضي علي أعداء الوطن والشعب الحاليين والمستقبليين فكراً وممارسة)، وهذه بالطبع ليست بالمهمة السهلة وإن بدت كذلك، إنها تتطلب صبراً عتيداً وإرادة صلبة وقراءة حكيمة لبوصلة رغبات الشعب.
كثيراً ما نردِّد أن تعددنا عامل غنى وتفرُّد، لكن هذا لا يتحقق علي أرض الواقع إلا باعتراف كل قطاع بهوية وشراكة الآخر. أي كما ينص حزبنا في برنامجه السياسي: (حزبنا يناضل مدركاً التنوع والتعدد الارتري ومشتملاً عليه). كما أن الحزب لا يقصر ذلك علي إثباته في وثائقه فقط، بل يجسده سنوياً بإقامة المهرجانات السياسية والثقافية التي يحضرها ويــُــدْعـَــى لها العديدون من شتى المشارب الفكرية والسياسية والاجتماعية.
الغاية القصوى من نضالاتنا ومجهوداتنا هي إسقاط دكتاتورية الهقدف وإبدالها بنظام ديمقراطي يؤمن الحرية والعدل والتسامح. وبرنامج حزبنا يؤكد علي هذا المحتوى بشتى المعاني والمفردات.
إن المسيرة النضالية نحو الديمقراطية والوضع السياسي الآمن ليست مسيرة شخص ولا تنظيم ولا تجمع بعينه، بل هي مهمة ومسئولية الجميع تستدعي تعاون وتكاتف كل من يعنيهم الأمر دون أن يتعالى أحدهم علي الآخر.
إحالة تقرير انتهاكات حقوق الانسان الي مجلس الأمن وتمديد أجل لجنة تقصي الحقائق
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي اجتماعه في أول يوليو 2016م قام مجلس حقوق الانسان الدولي ذو السبع وأربعين عضواً بتقديم تقرير وتوصيات لجنة حقوق الانسان الدولية المكلفة بالتحقيق في أوضاع حقوق الانسان في ارتريا الي مجلس الأمن الدولي لاتخاذ القرارات والعقوبات اللازمة. علماً أن الموصـَّـى باتخاذ الخطوات العقابية ضدهم في هذا التقرير هم رجال السلطات الحاكمة في ارتريا منذ 1991م، كذلك قام المجلس بتمديد عمر اللجنة مدة عامٍ واحد.
قرار المجلس الدولي أدان بشدة ما ظلت ولا تزال تقوم به سلطات ارتريا من انتهاك سافر ودائم لحقوق الانسان بالجملة.
مشروع قرار الإدانة الذي أجيز بدون تصويت تقدم به وفد الصومال و11 آخرين من أعضاء المجلس، وتحفظ خمس أعضاء علي عبارة (يزوَّد بنسخة من التقرير مجلس الأمن الدولي بالإضافة لكافة أجهزة الأمم المتحدة المعنية) الواردة في مشروع القرار، والمتحفظون هم مندوبو الصين، بوليفيا، كوبا، الإكوادور وروسيا.
مندوب هولندا المتحدث نيابةً عن الاتحاد الأوربي أشاد بالجهود المخلصة التي بذلها مقدمو مشروع القرار في إقناع أعضاء المجلس عموماً بمحتويات القرار وإقناع الوفد الارتري بالذات بالتخلي عن التمسك بالمشروع الذي كان يعتزم التقدم به، ومع ذلك لم يُـخفِ المندوب الأوربي عدم ارتياحه لموقف معظم الوفود الافريقية السلبي من دعم وتعزيز القرار. أما المندوب الارتري/ يماني قبرئاب فقد أدان القرار بشدة واصفاً إياه بغير العادل.
ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝመጽእ ህዝባዊ ናዕቢ ደው ከብሎ ዝኽእል ሓይሊ የለን። ብዘበንና መንእሰያት ኣብ ዝነበርናሉ ኣንጻር ስርዓት ኢትዮጵያ ነካይዶ ዚነበርና ሰላማዊ ሰልፍታት ሎም ደቅናን ደቂ ደቅናን ኣብ ጀኖቫ ብዚለዓለ መልክዑ ክደግምዎ ከለዉ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ጥራሕ ኢና ክንብል።መሰረታዊ ለውጢ ብህዝቢ ጥራሕ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል፡ ሓንሳብ ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ንዝኾነ ክዕምጽጾ ዝመጽእ ስርዓት ተመሊሱ ናዕቢ ከምዘልዕል ኣብ ብዝሁህ ታሪኻት ተዓዚብና ኢና። ንሕና ኤርትራውያን ግን እቲ ትርጉሙ ኢንዳተረዳኣና ከመይ ገርና ከም እንገብሮ ጠፊኡናሎ። ኣብ ጀኖቫ ዝተራእየ ሓደ ኣብነት ኢዩ፡ እሞ ብሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ ስርዓት ክንቅይር ንኽእልዶ?
ንህዝባዊ ምንቅስቃስ ህዝባዊ ቋንቋ የድልየና ኣሎ፡ ጀኖቫ ንገበኛታት ናብ ሕጊ ምቅራብ ዝቢል ህዝባዊ ቋንቋ ኩሉ ሰብ ዝቅበሎ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ ልዕሊ 16000 ጅግና ኤርትራዊ ተኻፊሉዎ፡ ናብ በቦታና ምስ ተመለስና ግን ብሓንሳብ ኮፍ ክንብል ኣይከኣልናን፡ እቲ ሽግር ከኣ ንስኻትኩም ዘይትጥርነፉ ንስኻኩም እባ ዘይትመጹ ክንበሃሃል እታ ክትጥርንፈና ትኽእል ህዝባዊ ቋንቋ ኣይረኸብናያን ኣሎና።
እታ ንስኹም ዘይትጥርነፉ ትብል ብውድባትን ብባይቶን ዝተፈተነ ማለት ኢያ። ግን መንከ ይበዝሕ ንዝብል ሕቶ እቲ ህዝቢ እቲ ዘይተወደበ፡ እቲ ነገር ስግንጢር ኢዩ እቲ ማጆሪትይ ህዝቢ ካብ ውሑዳት ዝተወደቡ ፍታሕ ይጽበ፡ ዎ! ትጽበ ዘሎኻ ህዝቢ እቲ ሓይሊ ናትካ ኢዩ ኢተን ውድባት ቁዋም ምስ ገበርካለን ባዕልኻ ኢኻ ትመርጸን፡ ንስኻ ዘይኮንካ ከተገልግለን ንዓኻ ከገልግላ ኢየን ቆይመን ዘለዋ። ስለዚ ኣይትጸበ።
እቶም ኣብዘይቋንቋኻ ኣትዮም ዘጋራጭዉ ቃላት ዝድርብዩ ውድባዊ ፖለቲካ ሕቶ ስዉኣት ሽፍታዶ ዲክታቶር ወያነዶ ጽሩይ ጎነጽዶ ብሰላም ወዘተ እቲ ስርዓት ምስተኣልየ ዝሞቱ ቃላት ኢዮም። እቲ ራኢ ጽባሕ ብኣውራጃዶ ብብሀር ፈደራልያዶ ም እኩል ዘይምእኩል ዕልመናዊ ዘይዕልመናዊ ነቲ ስርዓት ብህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተኣልየ ባይቶ ኤርትራ ዝውስኖ ስለ ዝኾነ ተለዓል፡ እቲ ራኢ ኣሎኒ ዝብል ዜጋ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ከምዚ ክትከውን ትብል ከኣ ተወአዲብካ ጽናሕ ኣብታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ጊደኻ ከተበርክት። ሎሚ ዝኾነት ውድብ ናታ ራኢ ከተትግብር ትኽእልውድብ የላን። ደላይ ፍትሒ ኢየ ዝብል እውን እቲ ባይታ ከይተውህቦ ኣበ ኢዩ እሞከር እየና። እቲ ባይታ ህዝቢ ምስ መረጾ ጥራሕ ኢዩ ፈተናኡ ዝጅምር። ስለዚ ሕጂ ኩላትና ከም ኣካል ህዝቢ ኮይንና ብሓባር ንህዝባዊ ቃልሲ ብህዝባዊ ቁዋንቋ ንለዓል።
ኣብ መጨረስታ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ክበሃል ከሎ ነቲ ህግደፋውያን ዝገብሩዎ ኣብ ኩሉ መዳያት ክንገጥሞም ኢንተኮይና ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብ በብዘለናዮ ከተማታት መሰረታዊ ምንቅስቃሳት ኮሙኒቲ ወይ ጽላል ኤርትራውያን ብምምስራት ካብ ደቅና ጀሚርና ክሳብ ሽማግለታትና ብፖለቲካን ሕብረተሰብ ኣውን ቈጠባውን ምንቅስቃስት ናይ መኒሰያትን ደቂኣንስትዮን ምንቅስቅሳት ናይ ስደተኛታት ጉዳ ምትሕብባርን፡ ዝሕምበሰሉ መኣዲ ምስ እንገብር ጥራሕ ኢዩ እወ ሕጂ ክንብል ንኽእል። ካብ ኩሉ ኣገዳሲ ኸኣ ደለይቲ ፍትሒ ምኳና ብግብርን ብኣሰምህሮ ከነሰንዮ ኣሎና።
ተስፋይ ባይረ ሰነ 2016 ጀርመን
ብ5-07-2016 ባይቶ መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ብዛዕባ ዝተኻተዓሉ ድምጺ ምሃብ ንይሩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ማርቲን ፕላውት ብእንግሊዘኛ ዘቕረቦ ዘይዕላዊ ጽማቕ ናይቲ ዝተወስደ ውሳነታት እዩ። እቲ ጽማቑ ናይቲ ኣብ ድምጺ ዝቐረብ ርእይቶታት ዝተገልገሉሉን ኣዝሚንን ችርድስማን ብዝነደፍዎ ዝተዋሀብ ጭቡጥ መረጋገጽን፥
1፡) እቲ መረጋገጺ ከም ዘመልክቶ ኤምባሲ ኤርትራ ንመንግስቱ ዘርብሕ ናይ ቀረጽ ምእካብ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎን፥ ኣብ ነዘርላንድ ዝቕመጡ ኤርትራውያን 2% ካብ እቶቶም ቀረጽ እንተዘይከፊሎም ከም ዘፈራርሕዎምን ዘጉባዕቡዑሎምን ምልክታት ብምህላዉ፥ ነዚ ቀረጽ ናይ ምኽፋልን ነቲ ኣብ ኣብ ውሽጡ ዝፍጽሞ ግጉይ ኣገባብን ደው ከብሎ። ነዚ ብዘይ ኣግባብ ዝጥቀመሉ መንግዲ ደው ምስ ዘየብሎ ከኣ ኤምባሲኡ ዝዕጾ ምዃኑ መንግስቲ ነዘርላንድ ንኣንበሳደር ኤርትራ ጸዊዑ ክገልጸሉ ጠለብ ቀሪቡ።
2) 50% ኣብ ነዘርላንድ ካብ ዝንቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ዝረኽብዎ ሓገዝ እዮም ዝምርኰሱ። ንሕና በዚ ብመልክዕ ግብሪ ብዝኸፈል 2% ገንዘብ ንስርዓት ኤርትራ ክንሕግዝ የብልናን ዝብል’ዩ ርእይቶና። ነዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኽፈል ናይ ዳች ቀረጽ ደው ንምባል መንግስቲ ነዘርላንድ ውሳኔ ንክወስድ ንጠልብ።
3) እዚ ስርዓት እዚ ካብ ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ጨቘንቲ ስርዓታት ኣዝዩ ዝኸፍአን፥ ኤርትራውያን ካብዚ ወጽዓ እዚ ክሃድሙን፥ ማሕበረ-ቁጠባዊ ልምዓት ዘስኣነ ብምዃኑ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ንምሃብ ተዳልዩ ዘሎ 200 ሚልዮን ዩሮ ንኸይሰማማዓሉን፥ ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ዞና ንመቐበሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል ንጠልብ።
4) ኣልሸባብ ኣብቲ ናይ ሃገራውን ኤውሮጳውን መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ክምዝገብ ንመንግስቲ ነዘርላንድ ንጠልብ።
5) ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን፡ ብናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ሽማግለ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝተዋሀበ ኣሰንባዲ ሓበረታን፡ ጌና ምምሕያሽ ዘይተገብረሉ ምዃኑን፥ ኣብ ኢድ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጽጥታ ቤት ምኽሪ በጺሑ፥ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዒ ኣንጻር ሰብእውነት ደው ንምባል ግቡእ ስጒምቲ ክውሰድ ዝብል ርእይቶ ንድግፍ። መንግስቲ ነዘርላንድ እቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከመሓላልፎን ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግፍዕታት ኣንጻር ሰብኣዊነት ምግጣም ዝዓለመ ጻውዒት ንሕቡራት ሃገራት መንግስታት ከቕርብ ጠሊቡ።
6) ኣብ ነዘርላንድ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ስርዓት ኤርትራን ተሓባበርቱን ሓለዋ ከም ዘድልዮም ግድን ብምዃኑ፡ መንግስቲ ነዘርላንድ እንተ ወሓደ ነቲ ብ (COA) ወለንተኛታትን እቶም ናብዚ ትካል እዚ ከም ናይ YPFDJ ሆላንድ ምስቲ ስርዓት ዝምድና ዘለዎም ዝቐርቡ ሕጹያት ዝግበር ምጽራይ ክናዋሕን ኣድላዪ መርመራ ክገብርን ከም ዘለዎ ይጠልብ። COA) (ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ እዩ)።
7) ኣብ ሄግ ዘሎ ቆንስል ኤርትራ ምስ ብሓይሊ ናይ ምምንዛዕን ምርዓድን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብምዕዛብ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነዚ ኣብ ሄግ ዝርከብ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ናይ ግፍዓዊ ተግባራት ምስታፉ ምጽራይ ክጅምር ይጠልብ።
8) ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት፡ ብመርመራ ሕቡራት ሃገራት መስረት፥ ዝፍጽሞ ግፍዒ ኣንጻር ሰባኣውነት ገበነኛ ምዃኑ፥ ንኣልሸባብ ምሕጋዙን ኣብ ደገ ነዚ ስርዓት ዝምውል ብሓይሊ ዝኽፈል ቀረጽ ብምእካብ ንኣሸባሪ ውድብ ክድግፍ ዘኽእሎ ብምዃኑ፥ እዚ ብኤርትራ ዝግበር ኣብ ዲያስፖራ ምእካብ ግብሪ ብምርኣይ ምስቲ ተግባር ምምንዛዕን ምርዓድን ተደሚሩ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነዚ ናይ ዲያስፖራ ምእካብ ግብሪ ብሕጊ ዝኽልከለሉ መርመራ ምክያድን፡ ዓለም-ለኻዊ ኣማኸርቲ ሕጊ ብምሕታት መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ክሊ እቲ ናይ ኢውሮጳ ሕብረት ኣንጻር ነዊሕ ቅልጽም ኤርትራን ካልኦትን፡ ናይ ዲያስፖራ ቀርጽ ምኽፋል ድው ዝብለሉ ስጉምቲ ምውሳድ ይጠልብ።
9) ንመንግስቲ ነዘርላንድ ብዛዕባ ኣብ ነዝረላንድ ዝርከቡ ወከልቲ ስርዓት ኤርትራ ሓበሬታ ከቕርብን ንባይቶ ከኣ ኣብ ዝቐለጠፈ ግዜ ክሕብርን ይጠልብ።
10) መንስግቲ ነዘርላንድ ምስቲ ኣጠቓቕማን ኩነታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ባህርን ዓቕምን ናይ ዲያስፖራ ንስርዓት ኤርትራ ዝኽፈል ግብሪ ምጽራይ ንምክያድ ተበግሶታት ክጅምር ይጠልብ።
11) መንግስቲ ነዘርላንድ እቲ ንኤርትራ ዝዋጻእ ገንዘብ ክድስክልን ኣብ ክንድኡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ወይ ከኣ ካልኦት ዘይመንግስታውን ማሕበራት ከም ዝጥቀማሉ ክገብር ንኤውሮጳዊ ኮሚሽን ጻውዒት ከቕርብ ይጥለብ።
ድራር ማንታይ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሽወደን ጨንፈር ቍጽሪ 1፡ ቀዳም ዕለት 2 ሓምለ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ 18፡00 ብጽፈት ኣሰላሲሉ። ጉባኤ ብተሳትፎ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ብተሳትፎ መሓዛ ኤርትራን መሓዛ ሰዲህኤን ዝኾነ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ከተማ ኡፕሳላ ኣቶ ካርል ሊንድበርግን በቲ ክልቲኣቶም ዝሃቡዎ ሓበሬታን፣ መግለጽታትን ደሚቑ እዩ ውዒሉ። ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ኣብ ጽባሕ እቲ ንህግደፍ ዘርዓደ፣ ንብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብምውዓሉ ፍሉይ ፍናን ዘሰነዮ ሃዋህዉ ኢዩ ነይሩ።
ካርል ሊንድበርግ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ብዛዕባ ኤርትራ ተገዳስነት ዘሕደረ፣ ኤርትራውያን ተመሃሮ ናብ ሽወደን መጺኦም ትምህርቶም ከጠናቕቑ ኣብ ዝተዋህበ ዕድላት ተሳታፊ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ካርል፡ ኣብቲ ዝቕመጦ ከተማ (ኡፕሳላ) ምስ ኣባል ፓርላማ ሽወደን ነበር ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ናይ ሎሚ ናይ ሰዲህኤ ናይ ፋይናንስ ሓላፊ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕዝነት ከም ዝነበሮም ይገልጽ። ካርል ኣብ ኡፕሳላ ኒያ ቲድኒንገን (Uppsala Nya Tidningen) ዝተባህለ ጋዜጣ ብጉዳይ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ብርክት ዝበለ ዓንቀጻት ጽሒፉን ንናይቲ እዋን ናይ ሽወደን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ኣቶ ካርል ቢልድት ብዙሕ ሕቶታት ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን፣ ንኤርትራ ዝምልከት እገዳን ከም ዘቕረበ ገሊጹ። ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ፓርላማ ሽወደንን ሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ክፍለጥን ኣድላዪ ጸቕጢ ክግበረሉን ዝጽዕር ካርል፣ ኣብ መጋቢት 2012 ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ሰዲህኤ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ረኺቡ ከም ዘዛረቦ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ኣብቲ ናይቲ ዓመት (2012) ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፉርት ተሳቲፉ ኢዩ።
ኣብቲ ዓመት እቲ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ንኤርትራ ዝምልከቱ 44 እማመታት ክቐርቡ ከለው 22 ካብኣቶም ንዳዊት ኢሳቕ ዝምልከቱ እዮም ኔሮም። ኣብዚ ብምቕጻል ካርል ይብል፣ ኣብ ሽወደን ብመንጽር ካልኦት ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ፟መንግስቲ (The state) ነቲ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ወይ ህዝቢ ዘጉባዕብዕ ወይ ዝህድድ ኣይኮነን ፟ ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ክምረጽ ዝወዳደር ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ንመንግስቲ ከም ጸላኢ ህዝቢ ይቖጽሮ።
ካርል ካብ ምንቅስቓሳት ጸረ ውግእ ኣብ ቬትናም ብዙሕ ጽልዋ ዘሕደረ ሰብ ኮይኑ፣ ኣብ ዩነስኮ (UNESCO) ዘላቒ ምዕባሌ (sustainable development) ንዕላማ ምዕባሌ ህዝብታት እናሰጎምካ ግን ከኣ ንባህሪ ከይሃሰኻ ዝምዝገብ ብሕቡራት ሃገራት (UN) ዝድገፍ ዕላማ ንነዊሕ ግዜ ዝሰረሐ ሕጂ ግን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኡፕሳላ ዝርከብ መሓዛ ኤርትራ ኢዩ። ድሕሪ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፉርት 2012 ካርል ምስ ረዘነን ካልኦት መሓዙት ኤርትራን ንሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ፓልመ ሰንተር ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማእከል ንዝኽሪ ኦሎፍ ፓልመ (ብ1986 ዝተቐትለ ናይ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ) ንዲሞክራስን ሰላምን ሰብኣዊ መሰልን ዝተሰረተ ትካል ኣዛሪብናስ ሰዲህኤ እውን ተዓዲሙ። ቀጺልና ብልኡኻት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ምጉጣጥ ደው ክብል ዝሓትት ክልተ እማመታት ጽሒፍና። ቀጺልና ዝገበርናዮ ምንቅስቓስ ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝምልከት እቲ ንዓይ ንካርል ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘገድሰኒ ነጥብታት ኮይኑ ኣብ ናይ ሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጉባኤ ካብ ዝቐረቡ ነጥብታት ኔሩ። ነቲ ፋሕ ዝበለ ኤርትራዊ ተቓውሞ ምኽንያት ብምግባር ፋሕ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ሽወደናውያን ሰበ ስልጣን ከም ዘሎ ተዓዚብና። ኣብቲ ኣብ ጎተንበርግ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራሲ ካብ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር ዝተላእከ ናይ ሰናይ ምንዮትን ሰላምታን ደብዳቤ ብካርል ተተርጕሙ ናብ ጉባኤኛታት ተዘርጊሑ ኢዩ። እቲ ናዓይ ብዛዕባ ሰዲህኤ ኣዝዩ ዝመሰጠኒ ነገር እቲ ዘይዓመጻዊኣገባብ ቃልሲ ዝብል መርገጾምን ሓፈሻዊ ሶሻል ዲሞክራስያዊቃና ዘለዎ ቅዋም እቲ ሰልፍን ኢዩ።
ካርል ኣቦ መንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ዝመጸሉ እዋን ረኺቡ ከም ዘዛረቦ ይገልጽ ኣብዚ ከይተወሰነ ድማ ብተበግሶኡን ተበግሶ ረዘነ ተስፋጽዮንን መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ከም ዝተራኸበ፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ መሓዛ ኤርትራ ዳን ኮኔል ኣብ ሽወደን ኣብ ዝመጸሉእዋን፤ ነቲኣብዝተፋላለየሃገራትብምብጻሕኩነታትስደተኛታትኤርትራውያንንምስናድዝገብሮስራሕ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ተራኺቡ ንኽሕብር ዘኽእሎ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ሓው ካርል ዓቢ ግደ ኣበርኪቱ ኢዩ።
ቀጺሉ ካርል ኣብዚ ከይተደረተ ረዘነን ዶ/ር ሃብተሚካኤልን ዝተረኽቡሉ ሰለስተ ርክባት ምስ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሽወደን ሰደቓ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ከም ዝገበረን እቲ ርክብ ቀጻሊ ከም ዝኾነን ገሊጹ። ኣብ መደምደምታ ሰዲህኤ ንፓልመ ሰንተር ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፉርት ክሳተፍ ዕድመ ጌሩ ከም ዘሎን ብምኽንያት በዓላት ሓጋይ ክሳተፍ ዘይምኽኣሉ ካብ ዝጸሓፉልና መልእኽቲ ክንርዳእ ክኢልና ኢሉ።
ካርል መግለጺኡ ብቛንቋ ሽወደን ሂቡ ምስ ዛዘመ ፣ኣቦ መንበር ሰዲህኤ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዕዉት ኣኼባ ክገበረልና ድሕሪ ምምናይ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣቕሪቡ፡-
ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ቅድሚ ዓመት ዝተገብረ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ሰልፊ ዘዳምቕን ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህግደፍ ዝነበሮ ፍርሒ ወጊድ ከም ዝበለ ዘረጋግጽ ሰልፊ ከም ዝነበረን ሚዛን ናብ ህቦቡላ ተቓወምቲ ሓይልታት ከም ዝተቐየረን ኣብሪሁ።
ቀጺሉ ኣቦ መንበር፣ ሰዲህኤ ምስ ግብረሰናይ መሓዙቱ ብዝምወል ገለ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ክኢልታታትን ዝሳተፍዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ብመድረኽ ኣብ ናይሮቢ ዝተበገሰ ርክብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ መቐጸልትኡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡምንባሩ ገሊጹ።
ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወለዐ ውግእ ሰዲህኤ ከም ዝኾነኖን መሰረታዊ ፍታሕ ብመሰረት ውዕለን ፍርድን ክዛዘም ከም ዝግበኦ ገሊጹ። ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ዶ/ር ሻኖን ንምንታይ ኣብዚ ግዜዚ ንኤርትራ ከም ዝኸደት ዝበጻሕናዮ ሓበሬታ ከምዘየሎ ነጊሩ።
ጉባኤ ሰዲህኤ ሽወደን ጨንፈር ቍጽሪ 1 ብምቕጻል ቁጠባውን ስርዒታውን ፖለቲካውን ጸብጻብ ሽማግለ ተቐቢሉ ቃል ተቖጻጸርቲ ድሕሪ ምስማዕ ኣጽደቐ።
ቀጺሉ ጉባኤኛ ሓዳስ መሪሕነት ድሕሪ ምምራጽ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዝግበር ዞባዊ ጉባኤ ዝውክልዎ ሰለስተ ኣባላት መረጸ። እቲ ወርሓዊ ይኹን ዓመታዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ብባንክ ወይ ኤሎክትሮኒካዊ ኣገባብ ካብ ዝጅመር ዓመታት ከም ዝሓለፈ ናይ ቁጠባ ሓላፊ ኣዘኻኺሩን ቀጻሊ ምስግጋር ወይ ምኽፋልውን ብኡ ከም ዝቕጽል ሓቢሩን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ወይ ከፋሊ ዝወሃብ ምስከር ወርሓዊ ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ክወሃብ እቲ ሓላፍነት ከኣ ናብ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ቍጽሪ 2 ከም ዝመሓላለፍ ተወሲኑ።
ለበዋታት፡
1᎐ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝዳሎ ዲቪዲ ተሪፉ ብዝማዕበለ ክትካእ።
2᎐ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት ዝጀመረ ርክባት ክድፍኣሉ።
3᎐ ከምቲ ካርል ዝበሎ፡ ናብ ሽወደናዊ ትካላት ይዅን ሚኒስትሪታት ክንቀርብ ከሎና፡ ተፈላሊኹም ዝብል ነጻጊ ሓሳብ ስለ ዝመጸና፡ ሓደ ቃል ብምዃን ሓቢርና ንቐርበሉ ኣገባብ ክፍጠር ከም ዘሎዎ ምጽዓር ከም ዘድልየና።
4᎐ ሓርበኛታት ውጉኣት ሓርነት (ኣብ ከሰላ) ነብሶም ዝኽእልሉ ኵነታት ንምፍጣር ካባና ዝድለ ምትሕብባር ምግባር።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጨንፈር ሽወደን ቍጽሪ 1
2 ሓምለ 2016፡ ኡፕሳላ፡ ሽወደን
ሰደህኤ ንውሳነታት ባይቶ ሆላንድ ይንእድ መንግስቲ’ታ ሃገር ክትግብሮ ድማ ይጽውዕ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ባይቶ ወከልቲ ሆላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ንኢዱ፡ መንግስቲ ንግስነት ኔዝርላንድስ ኣብቲ ውሳነታት ሓጋጊ ኣካል ናይታ ሃገር ተመስሪቱ ተሪር ስጉምቲ ንክወስድ ዘለዎ ልዑል ትጽቢት ገሊጹ።
ነዚ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ዝምልከት መዘክር ሰደህኤ ብ8 ሰነ 2016 እዩ ናብ ኣፈኛ ናይቲ ባይቶ ተወከልቲ ወይዘሮ ካድጃህ ኣሪብ (ኣባል ለበር ፓርቲ) ተላኢኹ። ከምኡ እውን ናይዚ መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ኩሎም ኣፈኛታት ደገፍቲ ሰልፍታት ሆላድ፡ ከምኡ’ውን ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ በርት ኮየንደርስ ናብቲ መንግስቲ ተላኢኹ።
እዚ መዘክር፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ኣካላትን እቲ ባይቶ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግምት ምእታዉ ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ፡ እዚ ውሳነታት ብዘገምታዊ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ መስርሕ ለውጢ ኣበርክቶ ከም ዘህልዎ ኣረጋጊጹ።
ሰደህኤ ኣብቲ መዘክሩ ብመሰረት እቲ ናይ ባይቶ ተወክልቲ ውሳነ፡ ኣብ ደገ ይሃልዉ ኣብ ወጻኢ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ክትግብሮም ኢሉ ካብ ዝጽበዮም እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሩ።
- ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምሉኡ ተቐቢሉ ንገበነኛታት ስርዓት ኤርትራ ግቡእ መቕጻዕቲ ናብ ዝቕበልሉ ፍትሓዊ ኣካል ክልእኮን ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝያዳ ተመራጺ ከም ዝኸውንን ጸዊዑ
- ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ካለኦት ኣክላት ምስ ገበነኛ መንግስቲ ኤርትራ ከይተሓባበሩን ከይሕግዙን ተጽዕኖ ክፈጥር
- ኣብታ ሃገር ዘሎ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ ክዕጸውን ንጥፈታቱ ደው ከብልን
- ወጻዒ መንግስቲ ኣስመራ ኣብ ሆላንድ 2% ግብሪ ከይእክብን ካልእ ገንዘባዊ መንቅስቓሳት ከይገብርን ምእጋዱ
- ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሆላንድ ኮይኖም ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበን ዝፈጸመ መንግስቲ ዝድግፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ።
- ኤርትራውያን ብሉኡኻት “መንገስቶም” ሓደጋ ከየጋጥሞም ምሕላው
More...
www.vlt.se | July 7, 2016
Two people, a woman and a man found dead in Frederiksværk, North Zealand. A total of eleven people have been arrested and will be questioned in the case, said North Zealand Police in a press release.
– There is no doubt that the woman has been murdered. The man’s death we are investigating still as a suspicious death, says Henrik Gunst at police in North Zealand.
The man was found in a forest on Wednesday afternoon, and after talking with several people also found the woman dead in a house nearby. The victims reported to come from Eritrea, and even those arrested appear to come from there.

– Evidence suggests that there is a connection between the deaths, and it is now our task to find out what happened and why. We have some theories on the subject, says Gunst.
Software Translation from Danish
Source: http://vlt.se/nyheter/omvarlden/1.4044949-tva-doda-hittade-pa-nordsjalland
EPDP Hails Dutch Parliament Resolutions; Urges Dutch Government to Implement Them
Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People's Democratic Party (EPDP) commended the recent action of the Dutch House of Representatives (Tweede Kamer) and hoped the Government of the Kingdom of the Netherlands will take action on the strong resolutions adopted by the country's legislative body.
Dated 8 July, the EPDP memorandum was addressed to the Speaker of the House of Representatives, Ms. Khadija Arib (Labour Party), and copied to spokespersons of all supportive Dutch parties as well as to the Government via the Dutch Foreign Minister Bert Koenders.
The momo stated that the EPDP and rest of Eritreans struggling for democratic change are "profoundly pleased and touched by this timely consideration of the plight of the Eritrean people" and affirmed that resolutions will " gradually but surely contribute towards bringing about the desired democratic change in our country".
The EPDP message further stated that, based on the resolutions of its parliament, the Government of the Netherlands is now believed to be doing the following:
Eritreans of all walks of life , at home and abroad, will now be pleased to see the Government of the Netherlands:
- Urging the UN Security Council to fully endorse the UN Inquiry Commission findings in Eritrea and send the perpetrators of those crimes to a relevant court of justice, preferably the International Criminal Court (ICC);
- Making pressure bear on the EU and others to stop aiding and abetting the repressive and criminal regime in Eritrea;
- Shutting the offices of the Eritrean regime and its affiliates in the Netherlands;
- Depriving the Asmara regime from making 2% tax collections and other financial extortions in the Netherlands;
- Taking stern measures against Eritrean "refugees" in the Netherlands who are supportive of a regime confirmed to have committed crimes against humanity and still doing so; and
- Protect Eritreans from agents of their "own" government in Eritrea.
MPs (members of parliament) of the ruling coalition of the Labour Party (PvdP) and the Liberal Democrats (VVD) gave their backing to the parliamentary motions summarized above. Also initiating supporting motions for action against the regime in Asmara were MPs of the Green Party, Social Democrats, Socialists, and Christian Democrats.
ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ እግሮም ካብ ዝተኽሉ ኣትሒዙ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከይተሓለለ ብዘካየዶ ቃልሲ እዩ ንሃገሩ ናጻ ኣውጺእዋ። ልክዕ እዩ መንእሰይ ደራኺ ሓይልን ለውጥን ምዃኑ ዘካትዕን ዘዛርብን ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እቲ ኣብ ግዜኡ መንእሰይ ዝነበረ ወሎዶታት ዝከኣሎ ከምዝገበረ ክንዝንጋዕ ኣይግባእን።
መንእሰይ ውዑይ፡ ደራኽን ደላይ ለውጥን ብምዃኑ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክስተናዕቕን ከነኣእስን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንሱ እቲ ኣብታ ግዜ ንእስነቱ ዝነበረላ እዋን ብዘለዎ ዓቕምን ነፍሰ ተኣማምነትን ነቲ ኩሉ ስቓይን ከርተትን ተጻዊሩ እዩ። እወ! እቲ ወጽዓን ግፍዕን ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፈላለየሉ ክህሉ ይኽእል ይኸውን፥ ካብኡ ሓሊፉ እቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገምሲ ኩሉ ሓደ እዩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ መንእሰይ ዝሓለፎ መድረኻት ጽንኩርን ከቢድን ምንባሩ ኣይንስሕቶን ኢና። ናይ ሎሚ መንእሰይ ከኣ ብወዲ ሃገር ክጭቆን፡ ክግፋዕን ክሳቐን እንከሎ እዩ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ እምበር ካልእ ፍልልይ የብሉን። ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣይትምህርቲ፡ ኣይስራሕን ኣይሓዳርን ዕድሚኡ ከንቱ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ህሞት ካብቲ ገዲም ወለዶ ዝያዳ ከምዝተወጸዐ ተሰሚዕዎ ከስተማስል ዘይኮነስ ነቲ ካብዚ ዘናግፍ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ከለሊ ይግብኦ።
ከም ዝተበደለን፥ በዳሊኡ ድማ እቲ ገዲም ተቓላሲ ምዃኑ ከርኢ፡ “ንሕና መንእሰያት ዝያዳ ተበዲልና” ብምባል ንወጽዓኡ ብፍሉይ ክጥምት እንታይ መኽሰብ ዝረኸበሉ ደልዩ እዩ? ኩሉ እቲ ኣደራዕ ናብቲ ገዲም ወለዶ ምልጋቡኸ ቅኑዕዶ ይመስል? እቲ መንእሰይ ናይ ቀደም ናይ ሎሚ ገዲም ዝተጋገዮ እንተሎ ነቲ ጌጋ ብኸመይ ክእረም ከምዘለዎ ናቱ ሓላፍነት እዩ ከርኢ ዝግበኦ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ካብ መንእሰይ ብዙሕ እዩ ዝጥለብ። መንእሰይ ንመጻኢ ህይወቱ ክትልም ከሎ ካብቲ ገዲም ወለዶ ክቐስሞ ዘለዎ ተመኲሮ ክቐስም ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ሓባር ቃልሲ ብምክያድ ዝረጋገጽ’ዩ። ንመጻኢ ዕድሉ ባይታ ከጣጥሕ እንተኾይኑ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲሽ ንኽምዕብል ምስቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ምዕብልና ክዛመድ ይግበኦ። ነዚ ክበቅዕ ከኣ ነቲ ዘረሓሕቕ ዝንባለታት ዓጊቱ ኣብ ክንድኡ ብመንገዲ ዕርቂ ኣቢሉ ጌጋታቱ ክድህስስን ክእርምን ይግባእ።
መንእሰይ እምበኣር ኩሉ እቲ ጻዕርታቱን ቃልስታቱን ሓድነታዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ብኣሳታፊ ደሞክራሲያውን ቅዋማውን መትከላት ክትህነጽ ንቕድሚት ከማዕዱ እምበር፥ ንዝሓለፈ ንሱ ዘይተዋሰኣሉ ታሪኽ ከምድላዩ ክትርጉምን ከነኣእስን ቅኑዕ ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ከኣ ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ዘይኮነስ ብምዕቡል ኣተሓሳስባ መጻኢ ምምዕዳው ክኸውን ይግበኦ። መንእሰይ ነዚ ብተግባር ክሰርሓሉ እንተኾይኑ ፍልጠትን ኣስተብህሎን ክዕጠቕን ሓላፍነት ክወስድን ኣገዳሲ እዩ።
መንእሰይ ነታ ድሕሪ ከንደይ ውረድ ደይብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ካብ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ንምድሓን ነዚ ካብ ውልቀመላኽነት ናብ ፍትሕን ደሞክራስን ንምስግጋር ዝግበር ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ከሎ ጌና ክነቕሓሉ ይግበኦ። እዚ ከኣ በይኑ ነተን ኣብቲ መስርሕ ነናተን ግደን ቦታን ዘለወን ሰልፍታትን ውድባት ኣግሊሉ ዝበጽሖ ወይ ዘሳልጦ ኣይኮነን። እዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ መንእሰይ ንምሕማይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ከደናግርዎን መቓልስቱ ከየለሊ ዝዕንቅጽዎን ኣካላት ክፈልጦምን ክመምዮምን ከም ዝግበኦ ንምዝኽኻር እዩ። እቶም “መንእሰያት ካብቶም ዝሓለፉ ገዳይም ዝበለጽኩም ኢኹም” እንዳበሉ ሕሹኽ ዝብሉ ቅኑዕ ፍታሕ ዘምጽኡ ኣይኮኑን። እዚ ነቲ መንእሰይ ናይ ምድንጋር ማሕለኻ እምበር ሓቀኛ ለውጢ ዘውሕስ ምኽሪ ኣይኮነን’ሞ መንእሰይ ከስተብህለሉ ይግበኦ። ሰብ ደሓኑ መሲሎም ብእንግዳዑ ኣብ ስልጣን ክውጥሑ ዝደልዩ ኣካላት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ከስተብህል ከኣ ሓላፍነቱ እዩ። እቲ ወግሐ ጸብሐ “መንእሰይ ጥራይ እዩ ለውጢ ዘምጽእ” ዝበሃል “መንእሰይ ንለውጢ ዘቀላጥፍ ተካኢ እምበር በይኑ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን” ብዝብል ክእረም ይግበኦ። መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንክኸውን ኣብ ርእሲ እቲ ውዑይ ዕድሜኡ ዓቕምን ብቕዓትን ክድልብ ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጸቢብ መንእሰያዊ ክሊ ተደሪትካ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ መድረኽ’ዩ ዝረጋገጽ።
ድራር መንታይ