ልኡላውነትና፡ ናይ ሓባርና´ዩ

2025-06-16 20:08:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 424 times

ልኡላውነት ብብዙሓት ናይቲ ዛዕባ ግዱሳት ዝግለጽ፡ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ልኡላውነት ንነበርቲ ሃገርን ህዝብን እምበር፡ ንተቐያያርቲ መንግስታት ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን።  ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድና ሃገራት  ማዕረ  ኣፍልጦ ተወሃሂበን ዝከባበራሉ መሰረታዊ ዓንዲ’ውን እዩ። ኣብ  ዝምድና፡ ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ኢድ  ከይተእቱን ካልኦት ኣብ ጉዳይካ ከይኣትዉን መከባበሪ መትከልዩ። ልኡላውነት ሃገር ንከይገሃስ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋዊ ሓለዋ ኣሎ። “ሓያላት ኢና” ዝብላ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት  ከም ድላየን ከይዕንድራ፡  ዝግድበን ከኣ እዚ  ሕግታትን ቻርተራትን ሕቡራት ሃገራት እዩ።  

ልኡላውነት ንኤርትራውያን ዝለዓለ ናይ ሓባር መግለጺና እዩ። ናይ ሓባር መግለጺና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ክቡር መስዋእትን ድምጽን ዝተዋሕሰ’ውን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ርሱን እዋን ይኹን ኣብ መጻኢ ከኣ ቀጻሊ ናይ ኩልና ሓለዋ ዘድልዮ፡ ብዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ተነፊጉና ምስ ጸንሐ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ብወግዒ ተኣወጀ።

ልኡለውነት ግኡዝ ስማዊ መለለዪ ዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ምንቅስቓስ ዝካየደሉ መዋስኢ መድረኽ እዩ። ንሱ እንተዘየልዩ ኩሉቲ እንሕበነሉ ኤርትራዊ ጸጋ’ውን ምሉእ ኣይከውንን። ብዘይካኡ ከም ህዝቢ እውን ምሉእ ክብሪ ኣይህልወናን።  ኩለንተናዊ ተጠቀምቲ ንምዃኑ እንገብሮ ምንቅስቓስ ኩሉ ካብ ህልውናኡ ወጻኢ ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጣዕሚ ልኡላውነት ንምንጽባራቕ ካብ ህላወ ህዝቢ ወጻኢ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እዚ ድማ ልኡላውነት ንክብሪ መሬት፡ ኣየርን ማይን ጥራይ ዝወሃብ መግለጺ ዘይኮነ፡ ንህላወን ክብርን ህዝቢ ዘዕዝዝ’ዩ። በዚ እዩ ከኣ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ መሬትን ህዝብን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣጸጋሚ ዝኸውን።

ከከም ዝንባለናን ከባብናን ህይወትና ንምምራሕ ብዙሕ ኢና ንሓስብን ንውጥንን። ንኩሉቲ ዝወጠናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባርና መድረኽ ልኡላውነት ኢና ንዋሳእ። ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ብተግባር ኤርትራዊ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል፡ ህልውናና ከም ህዝቢ ከነውሕስን ፍረ ጸማ ኩሉ ዓይነት ጻዕርና ክንሓፍስን ልኡላዊት ኤርትራ ህያው ክኸውን ዘይስገር እዩ። ብሳላቲ “ብደሆና ዘይኮነ ጽባቐና’ዩ” እንብሎ ብዙሕነትና፡ ኤርትራውያን በበይኑ እምነት ንኽተል፡ ኣብ በበይኑ ልምድን ባህልን ንዓስል፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ……ወዘተ ክነስና፡  ኣብ ጽላል እቲ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና ዝኾነ ላኣላውነት ኢና እነጽልል።  

ኤርትራውያን ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት፡ ትምህርቲ፡ ንግድን ካለኦት ማሕበር-ቁጠባዊ ተግባራትን ንዋፈር። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና ከኣ ንሰፍር። ምስዚ ኩሉ ግና ሓንቲ ናይ ሓባርና እምበር ነናትና ልኡላውነትየ የብልናን። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍና “ተወሊደ ዝዓበኹሉን ዝተመሃርኩሉን” እንብሎ ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን የብልናን ማለት ኣይኮነን።  እዞም ነናትና ምምሕዳራዊ ከባብታት ግና መተካእታ እታ እንሕበነላ ናይ ሓባር ሓቛፊትና ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ንዓኣ ዝምእዘዙ፡ ዘድምቑን ዝሕልዉን እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነዞም ንኡሳን ከባብታት ልዕልታ ዓባይ ናይ ሓባርና ሰሪዕካ ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ምውጣጥ ብዝኾነ መለክዒ፡ ናብ ሰላም፡ ልምዓትን ስኒትን ዘብጽሕ ዘይኮነ፡ መፍቶ’ቶም ብምፍልላይና ክዕንገሉ ዝሓልሙ ዝገብረና  እዩ።

ካብቲ ፍልልያትና ዝንጸባረቐሉ መዳያት ህይወት ሓደ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና እዩ። እዚ ፍልልያት ብውልቂ ኮነ ብውዱብ ኣገባብ ዝንጸባረቕ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ፍልልያት ምጽብራቕ ኣባና ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ንቡር ኣድማሳዊ መርኣያ ህይወት ሰባት እዩ። ፍልልይካ ምንጽብራቕን ብኣኡ መሰረት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል እዩ።  እዚ መሰል ካብ ክሊቲ ናይ ሓባርካ መዕቀኒ ከየውጸኣካ ምጥንቃቕ ከኣ ግደታ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍን ኣረኣእያ ሓይልታት ለውጥን ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕዩ ጥራይ ዘይኮነ ተጻራሪ’ውን እዩ። ህግደፍ ነታ ናይ ኩልና ጽላል ኤርትራን ህዝባን “ብሓይሊ ጨምዲደ እንተዘይገዛእኩዎም”  ዝብል ጨካንን ዓመጸኛን መንገዲ ዝኽተል ዘሎ  እዩ። ሓይልታት ለውጢ ብኣንጻሩ ህዝብና ካብ መቑሕ ህግደፍ ወጺኡ፡ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ሕግመንግስታዊ ምምሕዳርን ኣብ ዘውሓሰት ሃገር ንክነብር እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። እንተኾነ ኩሉ’ቲ  ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ጽላል እታ ናይ ኩልና ልኢላዊት ሃገር ዝገላበጥ ዘሎ ማዕበልዩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ናይ ሓባር ጽላል ንምውጻእ ብዘርኣዮ ትንዕምንዕ፡ ሓደ እዋን  ሓድሽ ፈታዊኡ  ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ኣነን ኢሱን እንተተሰማሚዕና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብል እንከሎ፡ ብምሒር ታሕጓስ ኣፍልቡ ይወቅዕ ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ብስም ልኡላውነት “ንብዓት ሓርገጽ ምንብዑ” ትርጉም ዘስእኖ ከኣ እዝን ወዲኸምዝን ተገላባጢ ተግባራቱ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዋና ልኡላዊት ሃገር ምዃንን ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ተጠቃሚ ምዃንን “ሓዲኡ ምረጽ” ዝመስል ርኢቶ ኣብ ኤርትራውያን ክንጸባረቕ ይስማዕ እዩ። እዚ ክፈላለዩ ዘይግበኦም ኣምራት ነጻጺልካ ምቕራብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ “ልኡላዊት ሃገር ምውናን ጥራይ ናይ መወዳእታ ድዩ?” ናብ ዝብል ሕቶ ዝወስድ’ውን እዩ። ልኡላውነት ሃገር ወኒኖም ክነሶም ካለኦት መሰላት ዝጐደሎም ህዝብታት ካብ ቃልሲ ናይ ዘይምኳሮም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ።   

እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ዝተዋሕሰ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ሓርነት ናይ ምምጻእን ቃልሲ፡ እቲ ሓደ  ይጽነሓለይ ኢልካ ናብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ምዝዛው ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኦም ግቡእ ኣቓልቦ ምሃብ ግድን እዩ።  ምናልባት ቅልል ብዝበለ መልክዕ ንምርኣዩ፡ “መሬት ሒዝካ ብዘይዘርኢ ትርጉም ከምዘይህልዎ፡ ዘርኢ ሒዝካ ብዘይመሬት እውን እቶት ክሕፈስ ከምዘይከኣል” ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ከባቢና ብኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታት ዝህውጸሉ ዘሎ ግዜ፡ “ኣነኸ ምስ መን እንተተሰለፍኩ እዩ ዘዋጸኣኒ?” ዝብል ሕቶ ምልዓል ዘይተርፍ እዩ። መልሱ ነቲ  “ልኡላውነትና ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና”  ዝብል ኣምር ዝጻባእ ከይከውን ጥንቃቐኻ ከኣ ምዕዛዝ ኣገዳሲ እዩ።

Last modified on Monday, 16 June 2025 22:27