ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊስካ ምዕዋት ጥራይ’ዩ
2025-06-02 08:15:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 272 timesህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱን ግዜኡን ናይ ዝፈላለ፡ ተገዲዱ ዝኣተዎ ቃልሲ ሃብታም ተመኩሮን ነዊሕ ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ኣብ 40ታትን 50ታትን ኣብ ኣዝዩ ውዑይን ውዱብን ቃልሲ ተዋሲኡ። እንተኾነ በቲ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልሲ ኩለመዳያዊ መሰላቱ ከኽብር ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያት ከኣ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ሓያላት ናይ ረብሓ ዘራያቱን ናይ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ሕቶኡ ንምጉዕጻጽ ኣንጻሩ ብምስላፎም ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዝነበረ እንኮ ምርጫ ቃልስኻ ቀጺልካ ባህግኻ ምውሓስ ጥራይ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበረ ሕልኽልኻት ቃልሱ ክቕጽል ምምራጹን ምዕዋቱን ከኣ ድሙቕ መግለጺ ታሪኻዊ ጽንዓቱ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።
ኣብቲ እዋንቲ ኮይንካ ኣይኮነንዶ ከተካይዶ ክትሓስቦ’ውን ኣጸጋሚ ናብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ምእታዉ፡ ብሓፈሻ ንብዙሓት ህዝብታት ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት መግዛእቲ “ዘይገሃድ ሕልሚ” ኮይኑ ይረኣዮም ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ትብዓቱን ሓድነቱን ንኹሉ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠሞ ብደሆታት ተጻዊሩ ድሕሪ 30 ዓመታት ነጻነቱን ልኡላውነቱን ካብ ዘረጋገጽ እነሆ 34 ዓመታት ኮይኑ። ገለ ወገናት ነቲ ህዝብና ኣብቲ ግዜቲ ዘርኣዮ ተኣምራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ብምዝካር፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኑ እዩ ንሓደ ኣብ ኣንግድዓኡ ዝተጻዕነ መላኺ ስርዓት ተሰኪሙ ዘሎ” ዝብል ሕቶ ክሓቱ ይስምዑ እዮም።
ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ከም ትጽቢት ህዝባ ኣይኮነትን። እዚ ድማ ብብኩራት ብዙሕነታውን ሕገመንግስታውን ምምሕዳር ዝረአ ዘሎ እዩ። ህዝብና ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ግዜን ዘኽፈሎ ክቡር ዋጋን ኣብ ግምት ኣእትዩ “ርእዩ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኩነታት ኣመዓራርዩ ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድልን ግዜን ሂቡ ተጸብይዎ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ንትዕግስትን ሓላፍነታዊ ትጽቢትን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዕ፡ ብኣንጻሩ ብትዕቢትን ምስትንዓቕን በቲ ትምክሕተኛ ምርጫኡ ቀጺሉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ጐደና ኣይተመልሰን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ “ካብ ኣብ ኣርዑት ባዕዳውያን ምንባር ንነጻነት ምቅላስ” ዝመረጸ ተባዕን መስተውዓልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ጠላምን ጨቋንን ምምሕዳር ህግደፍ’ውን ኣብ ትሕቲ ክቱር ወጽዓን ጭቆናን ካብ ምንባር “ምእንቲ ሓርነት ምቅላስ” ክመርጽ ተገዲዱ፡ እነሆ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ይስጉም።
ከምቲ ኣብቲ ንነጻነት ዝተኻየደ ደማዊ ቃልሲ መሪርን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፍለ፡ ሎሚ ይካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን ዝያዳ ረቂቕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ረቂቕ ብምዃኑ ክመዝንዎን ክርድእዎን ዘይከኣሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ንጭቆና ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝተቐበለ ኣምሲሎም” ክገልጽዎ ዝፍትኑ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። በብግዜኡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸነሐን ዘሎን፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ምንፋግ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኮታ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ህግደፍ፡ መርኣያ ክብደትን ርቀትን ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ዘመልክት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ቃልሲ ህዝቢ ንሓርነት ድሕሪ ነጻነት፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ዓመታት ዝያዳ ዝወስድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ባዕላውን ወድዓውን ሕጽረታትን ተጽዕኖታትን ጋና ኣይተዓወተን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም፡ ህዝብና ካብ ቃልሲ በዂሩ ከምዘሎ ዘይኮነ፡ ክብደት ናይቲ ቃልሲ እዩ ዘርኢ። ካብቶም ድሌትን ትጽቢትን ህዝቢ ዘማላኽቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንጻር ህግደፍ ብግብሪ ዝተራእዩ ናይ ተቓውሞ ተበግሶታት ካብ “ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ወርሒ ግንቦት 1993፡ ጀሚርካ ክሳብ ምንቅስቓስ ፎርቶ ወዲ ዓሊን ተቓውሞ ሓጂ ሙሳን ተምሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያን ዝጥቀሱ እዮም። ክሳብ ገጠራት ዝዝርግሑ ብዙሓት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ስቓያትን ዝኾንሎም ምንቅስቓሳት’ውን ተራእዮም እዮም። እቲ ህዝባዊ ኒሕን ሓቦን ሎሚ እውን ቅሂሙ ዘይኮነ ፈኸም ዝብል ዘሎ እዩ።
እቶም ጸረ ህግደፍ ተበግሶታት ዘልዕልዎም ዝነበሩ ሕቶታት ህዝባዊ ባህሪ ስለ ዝነበሮ፡ ብመሰረቱ ህዝቢ ንክዕወቱ ዝጽበዩ ዝነበረን ዘሎን እዮም። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እዞም ጸረ ህግደፍ ንቕሎታት በቲ ጉጅለ ዝተወስዱ ጨካን ስጉምትታት ከኣ ክሳብ ክንደይ በቲ ኩነታት ይሰግእ ከም ዝነበረ ዘመልክቱ እዮም። ስግኣቱ በቲ ናይ ሽዑ ስንባደኡ ዝደረት ዘይኮነ፡ ክሳብ ሎሚ እውን መመሊሱ ዘባህርሮ ዘሎ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ዋላ ግዜ ይንዋሕ እቲ ጭቆና’ውን ይኽበድ ከምቲ ቅድም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምንባር ኣሜን ዘይበለ፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆናን ዲክታተርነትን ክነብር’ውን ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከም ዘየብሉ ዝረደኦ እዩ። እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ንክዕወት ክማልኡ ካብ ዘድልዩ ወሰንቲ ቅድመ-ተደላይነታት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ ቃልስን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕበልን፡ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2005 ዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ወገናት ናይ ቃልሲ ቀለበት “ኣደልዲልካ ምስጣም” ወሳኒ እዩ።
እዚ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ምትእስሳር ክንድቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ምዃኑ፡ ምርግጋጹ ከኣ ከቢድ ጸዕሪ ከም ዝሓትት ተገንዚብካ ምውፋይ ከም ዘድሊ ከኣ ምግንዛብ ይግባእ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕረ ዘበርክተሉ እምበር፡ ሓደ ተግባሪ እቲ ካልእ ከኣ ተጸባይ ዝኾንሉ ኣይኮነን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ሃንቀው ዝበሎ ዘሎ ዓወት ንምብጻሕ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ንግብራውነቱ ንክተግህ ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ። እንተ ብህግደፍ ዝረአ ዘሎ ዓንዳሪ ኣካይዳን ህውክውተኛ ሸበድበድን ናብ ህዝቢ ዝማእከሉ ለውጢ ክስጉም እትጽበዮ ኣይኮነን።