“ሃንቀውታ ኢሳያስ´ሲ” : እንኳዕ ደኣ በነነ

2025-05-29 09:12:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 735 times

መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር  ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ካብ ድሮታ ዕለት ጀሚሮም፡ ዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ “ንነጻነትን ልኡላውነትን ሃገሮም” ዘለዎም ክብሪ ኣንጸባሪቖም፡ ምእንቲ ነጻነት ክቡር ህይወት ንዝኸፈሉ ስዉኣት’ውን  ኣመጒሶም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና “እዛ ነጻነትሲ እንታይ ስለ ዘርባሓትና ኢና እነኽብራ?” ዝብል ስምዒት ኣንጽባራቖም። ርግጽ’ዩ ካብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካላ ሃገር ተሰዲድካ ኣደዳ ሓሳረ-መከራ ምዃን ኣብ ትርጉምን ምቓረትን ነጻነት ሕቶ ከተልዕል ክድርኽ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ነጻነት  ብኤርትራውነትና እንሕበነላ ስለ ዝኾነት ከም “ናይ ዓይንና ብሌን” ከነኽብራን ክንሕለዋን ይግበኣና። ኣብቲ ዕለተ-ዝኽራ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ሓደ “እቲ ቀቢጽካ ዘይቅበጽ” መደረ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነይሩ።

“ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ፡  ተስፋን ራህዋን ዘመልክት መልእኽቲ ኣይከምጽእን እዩ” ዝብል እምነት ዳርጋ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ጽልኢ ወይ ጸቢብነት  ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮ መደረታቱን ዓመጸኛ ባህሪኡን ዝብገስ እዩ። ሓደ ሓደ ተስፋኦም ዘይጸንቀቑ ግና፡ ምስቲ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ይመርር ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝገድድን ናብ ውግእ ከም ዝዓርግ ብዙሓት ዝግምትዎ ዘለዉ ወጥሪን ዝፍጠር ዞሎ ዞባዊ ቅልጡፍ ምቅይያር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ሃገራትን “ገለ ሓድሽ ጉዳይስ የምጽእ ይኸውን?” ኢሎም ካብ ምጽባይ ዓዲ ኣይወዓሉን።  ብዝያዳ ድማ  ነታ በዚ መጸት ከይተባህለት ዳንኬራ ክውቀዓላ ጀሚሩ ዘሎ በዓልቲ ቅነ “ጽምዶ”  ዝምልከት ካብኡ ከስምዑ ዝተጸናጸኑ  ነይሮም እዮም።

“መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ከም ዝበሃል፡ 24 ጉንበት 2025 ከተፍ በለት፡ ናይ መደረ ሰዓት እውን በጽሐት። ኢሳያሳ ኣብቲ ናይ 21 ደቓይቕ መደረኡ፡ ከምቲ ግምጥልሽ ኣካይድኡ ብግዳማዊ ዛዕባ ብምጅማር፡ ንኣሜሪካ፡ ናቶ፡ ቻይናን፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት “ጣሕሞሽሞሽ” ኢሉ። ከምቲ “ክንዳኻ ዘይኣኽላሲ በኣኻ ይወዓላ” ዝበሃል ምሳለ፡ ናብ ኣሜሪካ ተመጣጢሩ ብቁጠባዊ ኮነ ወተሃደራዊ መዕቀኒ “ሓያልን ሃብታምን ዘይኮነት ክነሳ፡ መሲላ ክትቀርብ እትፍትን” ብምባል ብኣሃዛት ዕዳኣ እናጠቐሰ ኣነኣኢስዋ። ነቶም ናይ ቅድም መራሕታ ብውድቀታ ተሓተቲ ገይሩ፡ ናብ ህልዊ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ “ኣሻርዩ ኢድ ክነስእን መሻርኽቱ ምዃኑ ከርእን” ፈቲኑ። ኣብ ሓፈሻዊ  ፖለቲካዊ  ኩነታት ዞባና እውን   ኮሊሉ።

ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣተኲሩ ንምድህሳስ ዝያዳ ግዜ ወሲዱ። ኣብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብታ ሃገር “ብመደማር” ጀሚሩ ብሰልፊ ብልጽግና ዝቐጸለ፡ “ምትዕርራይ (reform)” ዝበሎ ተስፋ  ከም ዝነበሮ ኣመልኪቱ፡ ንምዕዋቱ ከም ዝጸዓተ ኣግሂዱ። ዋላ’ኳ ሎሚ ነቲ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ኢትዮጵያ “ሃንቀውታና በኒኑ” እንተበሎ፡ በቲ ክሳብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኽተም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝገበሮ ከምዘይጠዓስን ነቲ ዝበነነ ህይወት  ኣብ ምስራጽ  ክቕጽል ምዃኑን ክሕብር ኣይሓፈረን። እዚ ድማ ነቲ ሓደ እዋን “ተኾሊፍና” ዝበሎ ተመሊሱ “ብሃንቀውታና በኒኑ” ዘድምቖ ዘሎ ምዃኑ የርኢ። እቲ ዘገርም ከኣ ነቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘራጊ ኣካይዳ “ኣይጠዓሰሉን እየ”  ምባሉ እዩ።

 እቲ ኣይጠዓሰሉን እየ ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣደባባያት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣንታ እዚ ሰብኣይሲ ዓቢዱ ግዲ እዩ” ክሳብ ዝበሃል፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ። ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ …ወዘተ” ንዝበሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ቀበጥበጥ እዩ።  “ስለ ዘይጠዓሰሉ፡ ዝንቕጽሎ እዩ” ምባሉ ከኣ፡ ሓድሽ’ኳ  እንተዘይኮነ፡ “ናይ ጥዕና እዩ” ክትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሃንቀውታኡ ካብ ሰልፊ ብልጽግና  ምብናኑ፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመሓዝዩ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ጠንቂ ህልቂት  ኤርትራውያንን ተጋሩን ብምዃኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወለዶም ከምቲ ንቡር ኣርዲኡ ይቕረታ ምሕታት “ክንቅጽሎ ኢና” ምባሉ፡ ነቲ ሓደ እዋን “ኣይከሰርናን” ኢሉ ልቢ ኤርትራውያን ወለዲ ዘድመዮ፡ ደሓር ድማ “ተኾሊፍና” ብዝብል መዓንጣ ኣደታት ትግራይ ዘሕረሮ ሎሚ ድማ ሃንቀውታና በኒኑ ክብል ምድፋሩ፡   ክሳብ ክንደይ ብዘይተኣደነ ምፍሳስ ደም ዘይረወየ  ብስቓይ ሰባት ዝሕጎስ ርጉም ምዃኑ ዘርኢ እዩ። 

እቲ ካልእ ዘገርም ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ምብናኑ ዝሻቕሎ ምዃኑ ዝጠቐሶ እዩ። ኣብ ኤርትራ “ድምጺ ለውጢ ንከይስማዕ” ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መቐጸሊ መሲሉ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ብተገራጫዊ ኣተሓሳስባ ይህወጽ ከምዘሎ የመልክት። እዚ ከኣ ካልእ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘለዎ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን ምዃኑ፡ ምስትውዓል ዘድልዮዩ። ኢድ ኣእታነተይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክቕጽሎ እየ ክብል እንከሎ፡ ነቲ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ክዘራርጎ ወጥንዎ ዝነበረ’ሞ ዝበርዓኖ ዕብዳን፡ መጣፍእቲ ቀይሩ ክቕጽሎዩ ይሸባሸብ ከምዘሎ ዘርኢዩ። 

እዚ መደረ ኢሳያስ  መልእኽቱ  ብሓፈሻ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ። ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዘኡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ደዊኑ፡ ኣብ ዘይምልከተቶ ውግኣት እናተጠበሰ፡ “ወላድ መኻን”  ንክገብሮ ይፍክር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ህዝብና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቱ ክሰምዕ ናይ መጀመርታኡ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝኾነ ነገር ደረት ስለ ዘለዎ፡ “ደጊም ኢደ-እግርኻ ኣክበልና” ክብሎ ምርጫኡ ዘይኮነ ግደታኡ’ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩሉቲ ኢሳያስ ዝኣጉዶ ሓዊ ቀዳማይ ግዳይን ተሓታትን ዝኸውን ንሱ እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ ድሒኑ ህዝቢ ከድሕን እናተገበኦን፡ ካብ ኣገልጋልነት  ፈሊኻ ብዘይረአ ኢደበይዛ ጥፍኣት ህግደፍ ኮይኑ ክቕጽል ነውሪ’ዩ። ብውሕዱ ንገዛእ ርእሱ ዘይምድሓኑ ድማ ክሳብ ክንደይ ኣብ ትዕዝብቲ ከም  ዘውድቖ  ከስተብህል ይግበኦ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ በዚ ናይ ኢሳያስ መደረ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ይሻቐል ከምዘሎ ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዘሻቕል መፍትሒ ምርካብ’ዩ። ነዚ ዘብቅዖ ውሁድ መደርኽ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ዝያዳ ከቐልጥፍ ከኣ ህልዊ ምዕባለ  ዘሰክሞ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።

Last modified on Thursday, 29 May 2025 11:24