ዝኽሪ ሐርበኛ ስዉእ ስዩም ዑቑባሚካኤል ድሕሪ 20 ዓመት መስዋእቱ፡
2025-12-17 11:29:12 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 194 timesኤርትራ ዝተጠልመ ልኡላዊነታ ንክምለስ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተኸፍለ ናይ ህይወትን ንብረትን ዋጋ እልቢ ኣይነበሮን። እቲ ብመስርሕ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ መድረኽ ዝኾነ ቃልሲ ብውሑዳት እዩ ጀሚሩ። እቶም ውሑዳት ብዕላማኦም ናይ ኩሉ ገጻት ሕብረተሰብ ምንባሩ ከኣ ካልእ መግለጺ ናይቲ ቃልሲ እዩ። ናይ 60ታት ኤርትራውያን መንእሰያትን ተመሃሮን ኣዝዩ ዕዙዝ ግደ ከም ዝነበሮም ድማ ታሪኽ ቃልስና እናዘከሮ ዝነብር እዩ።
ስዩም ዑቕባሚካኤል ራእሱ (ሓረስታይ)፡ ሓደ ካብቶም ናይቲ እዋንቲ ትጉሃትን ተበዓትን መንእስያት ተመሃሮ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንስዩም ሓረስታይ ከነልዕሎ እንከለና ብዘይምኽንያት ዘይኮነ፡ ኣብ ድሮ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቱ 17 ታሕሳስ 2005 ስለ ዘለና ኢና። ስዩም ኣብ 2001 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ፡ ኣብ ዝወጸ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቑ፡ ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ሃገሩ ከም ዝሓደሮ ክዝክር እንከሎ፡ እቲ ስርጸት ሃንደበትን ብሓደ ግዜ ዝተፈጥረን ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ምንባሩ ይጠቅስ እሞ፡ “ ሓደ መዓልቲ ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ በታ ኣብ ጐና ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ጥራይ ክትትካእ ተዓዘምኩ። ሽዑ ነቲ ኩነታት ዝተዓዚብና ተመሃሮ ናብ ክፍልና ምስ ኣተና ኣዚና ተከዝና። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ኦሮማይ ኤርትራ እናበሉ ብሓዘን የስቆርቁሩ ነይሮም። ድሕሪዚ ብዘይካ ቃልሲ መፍትሒ ከም ዘየለ ዝያዳ ክርዳእ ዝጀመርኩሉ ታሪኻዊ ተረኽቦ ነይሩ” ይብል።
ስዩም ኣብቲ ርሱን ናይ ንእስነት ግዜኡ ቃልስን ላዕልን ታሕታን ብጉዳይ ሃገር በይኑ ከምዘይነበረ ንምርዳእ፡ ኣብቲ እዋንቲ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ካብ ዝነበሮም ኣብነት ንምጥቃስ፡ “ኣስማት ኣብ ምዝካር ንፉዕ ኣይኮንኩን” ድሕሪ ምባል፡ ካብቶም ናይ ግዜ ንእስነት ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝነበሩ “ወልደዳዊት ተመስገን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሃይለማርያም ወልደትንሳኤ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዘካርያስ፡ በረኸት ገብረስላሴ፡” እናበለ ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ የወሃህዳ ናይ ዝነበራ ኮሚተታት ኣባላት ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሱን ወልደየሱስ ዓማርን ካብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን፡ ምስ ኣብ ካለኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ ከተኣሳስሩ ዝተመዘዙ ምንባሮም ይዝክር።
ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ፡ ብመሪሕነት ጀግና ሓምድ እድሪስ ዓዋት ምብሳሩ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ሃገርና ክስማዕ ግዜ ኣይወሰደሉን ዝበለ ስዩም፡ ነቲ ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝተጀመረ ቃልሲ ዝያዳ ንምስፋሕን ህዝቢ እምነቱ ከም ዘሕድረሉ ኣብ ምግባርን ግደ መንእሰያት ከመይ ከም ዝነበረ ክሕብር እንከሎ ከኣ፡ “እቲ ዝተጀምረ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ከም ዝሰርጽን ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነቱ ንክዓብን ምልዕዓል ከነካይድ ከም ቀንዲ ስራሕና ወሲድናዮ” ዝብል ሓሳብ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ዓመታት ቅድሚ መስዋእቱ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣስፊሑ ኣስፊርዎ።
ሓረስታይ ካብ ቀደሙ ኣብ ወሳኒ ግደ ምውዳብ ንዓወት ኣዝዩ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ብዘይካቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ምውዳብ ንጥፈታት፡ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ ወልደዳዊት ተመስገን ኮይኖም፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብወን ኣብያተ-ስራሕን ትካላት ትምህርትን ሰፊሕ ውዳበታት ምክያዶም የዘንቱ። ከም መቐጽልታ ናይዚ ነቲ ናይ ሜዳ ቃልሲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ምስ ዝነበረ ህዝቢ ኣደልዲልካ ንምትእስሳሩ ካብ ሜዳ ብመደብ ናብ ውሽጢ ከተማታት ኣትዩ እናተቓለሰ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሓበሬታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ካብ ዝኸፈሉ ጽኑዓት ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብኡ እውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ንክብርኽ ካብ ምጽዓር ከምዘየቋረጸ ኣካል ታሪኹ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ።
ስዩም ሓደ ካብቶም ኣብ 1975 ብመስተንክራዊ ስርሒት ተጋደልቲ ተሓኤ ካብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዃላ ናጻ ዝወጹ እሱራት እዩ። ድሕሪ ካብ ማእስርቲ ተፈቲሑ ናብ ውድቡ ምምላሱ፡ ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ካብ ምስታፍ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ፖለቲካዊ ሓላፍነታት ተመዚዙ ግቡኡ ዝፈጸመ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘድመዓሉን “ሓረስታይ” ዝብል ስም ዘውሃቦን ከኣ ኣቦመንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርስቶት ኤርትራይውን ኮይኑ ዝተቓለሰሉ እዩ። ስዩም ኣቦመንበር ናይቲ ማሕበር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝያዳ ቆላሕታ ዝህቦ “ሕቶ መሬት ሓረስታይ ኤርትራ ምምላስ” ስለ ዝነበረ፡ በዚ ኣዝዩ ሕጉስን ሕቡንን ምንባሩ ወትሩ ይገልጾ ነይሩ።
“ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝብል ኣምር ኣብ ቅድሚ ስዩም ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ንሓርነት ዝካየድ ዘሎ ቃልስና’ውን ኣብ ብዙሕ መደረኻት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ፍሉይ ግምት ይህቦ ከም ዝነበረ፡ በቲ “ ኣብ ዓወት ክንበጽሕ፡ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ምስ ቃልሲ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽብ ቀለበት ክድልድል ኣለዎ፡ ህዝቢ ዘይሳተፎ ቃልሲ ናይ ምዕዋቱ ዕድል ውሑስ ኣይኮነን” ዝብል ኣበሃህላኡ ወትሩ ዘይሃስስ’ዩ። ስዩም ብዙሓት ናይ ጽንዓት መለለይታት ዝነበርዎ ኮይኑ፡ “ንዝኣመነሉ ብትብዓት ናይ ምቅላሕ፡ ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚት ምስራዕ፡ ኣርሒቕካ ንቕድሚት ምጥማትን ንዓኡ ዝምጥን ውጥን ምትላምን” ከኣ ካብቶም ዝግለጸሎም ነይሮም።
ስዩም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ተወፋይነቱን ጽንዓቱን ከም ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት እውን ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነታት፡ ብፍላይ ድማ ቅድም ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ደሓር ከኣ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ካብቲ ዝመርሖ ውድብ ሓሊፉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን ኣፍልጦን ተቐባልነትን ንክረክብ ዘበርከቶ ታሪኽ ዘይርሰዖ እዩ።
ኣብዚ መበል 20 ዓመት መስዋእቲ ስዩም ንዝክረሉ ዘለና ጽንኩር እዋን፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነትን ኣርሒቕካ ምርኣይን ናይ ስዩምን ካለኦት ኣሰር ገዲፎም ዝሓለፉ ሓርበኛታትን፡ መንእሰያት ኤርትራ ከም ኣርኣያኦም ክወስድዎ ዝግበኦም ሃብታም ናይ ቃልሲ ውርሻ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ታሪኽ ተደጊሙ፡ ሃገርነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝሓልሙ ኣካላት ብዘይሕፍረት ድምጾም ዘስምዕሉ ዘለዉ ወሳኒ መድረኽ፡ ኣብ ቅድሚ መንእሰይ ዘሎ ሓላፍነት ተደራራቢ ከም ዝገብሮ ምርዳእ ወሳኒ’ዩ።